Banner
You are here: Home

መርሓባ በጻሕቲ ኣዝማሪኖ

Article
Written by ተወልደ ተስፉ Wed - 10 Mar

ዘረባ ኤርትራውያን፤ ካብ መጋቢት ናብ መጋቢት፤ ካብ ጥቅምቲ ናብ ጥቅምቲ

“ጃህራን ሓሶትን ዝሕለብ መልሓስን፡” ካብ ማህደር ዝሓለፉ ጽሑፋት።
ኣብ መወዳእታ ናይ ብዕለት ጥቅምቲ 25፣ 2007 ዝወጸ* ጽሑፍ ከምዚ ይብል።
“ዝሓስብ ሓንጎል ዘይብሉ ጓንጓ”

ብዘይካ ግናይ ኣመል ኢሳያስ፡ የብልናን ጓና! ብዘይካ ኢሳያስ ካልእ ጸላኢ የብልካን! ጀነራላትን ኮረኔላትን ኤርትራ፡ ዝገበሩ እንተገበሩ፡ ምስ ናይ ኢሳያስ ዝዳረግ ኣበሳ የብሎምን፣ ጠንቁ ድማ፡ ንሱ ባዕሉ እዩ! ንሱ እዩ ሃንዳሲ፣ ንሱ እዩ መሃዚ! ገፋዒኻ፡ ኣስተምህሮ ኢሳያስ እዩ! ብዘይካ ንሱ ዘዋፈሮም ዕሱባት መጋበርያ፡ ካልእ ከታሪ የብልካን! ብዘይካ’ዛ ጀጅፍጁፋቶምን ሓሓተላኦምን ኣኻኺባ መንግስቲ ክትከውን ፈቲና ብጊሓቱ ዝፈሸለት ዕሱብ መንደልሓቕቲ፡ ካልእ ጸላኢ የብልካን! ብዘይካዛ ኣብ ግራት ስርናይ ክርዳድ፡ ኣብ ጽጹይ ዝነበረ መንገዲ ኳዂቶ ዝዘርአት ግናይ ስርዓት ህግደፍ፡ ካልእ ሓሳድ የብልካን! ስለዚ፡ ሓደራ ኣይትገራህ! ኣቐዲምካ ጉራሕ!’ ብምባል እንዳተማሕጸና፣ ሙሉእ ትሕዝቶ ጽሑፍና፡ ብቆጻጽራ ሰዓት ኤርትራ፡ ንግሆ ሰኑይ፡ ጥቅምቲ 29፡ 2007፣ ብቆጻጽራ ኣመሪካ ድማ፡ ሰንበት ምሸት፡ ጥቅምቲ 28፡ 2007፡ ክትከታተሉ ንዕድም።”

 
Article
Written by ብ ዑቝባይ ገብረመድህን Wed - 10 Mar

ክብሪ ን8 መጋቢት - ኣህጉርዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ!

ኤርትራዊት
እዛ ብውልቀመላኺ ካብ ልዳት ነጻነት ጀሚራ ሓዳስ ኤርትራ ዝብል ናይ ቅጽል ስም ዝተዋህባ፣ ንጸልማትን ጥፍኣትን፣ ንዕንወትን ድሕረትን ካብ እትፍረድ ናብ ዕስራ ዓመታት ዝረገጸት፣ ምስላ ተደዊኑ ብጸማልያነት ኣብ ጽምዋ ቀትርን ለይትን ትሰሓግ ዘላ፣ እታ ውቅብቲ ሓላል መሬት ኣቦታት ምዃና ሎሚስ ተሰቊሩናዶ ይኸውን? ውልቀመላኺ ምስላ ደምሲሱ፣ ምዕሩግ ኒያታን
 ኒሓን ረሚሱ ኣማህሚኑዋ ዘሎ፣ ጉዳይ መጻኢኣ ካብ ውሽጢ ሕልናና ብዕምቈት ክንርድኦዶ ንፍትን ኣለና? እሞ ከመይ ይመስል ኣሎ? ብሕልና ኣብ ጽሞና፣ ብሓባርን ብልዙብ ዘተን ክንምልሶ ዝግባኣና ናይ ኤርትራዊ ህላዌና ሕቶ ኢዩ።
 
ዜና
Written by ዜና ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት Sun - 07 Mar

ቶጎ ተጒጔ፣ ዩጋንዳ ትቕረብ

ፕረሲደንት ቶጎ

 

 

ብዕለት 1 መጋቢት 2010 ኣብ ቢቢሲ ዝወጸ ዜና ፕረሲደንት ቶጎ፣ ፋውረ ግናሲግበ ወዲ ናይ ቶጎ ዲክተተር ነበር ዠን-ፐየር ፋብረ፣ ኣብ ዝተገብረ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ንተቓዋማይ ሲዒሩ ይብል። እዚ ውጽኢት ብተቓወምቲ ኣካታዒ ኾይኑ ይርከብ።

ቶጎን ዩጋንዳን ሽግራት ይሃሉወን ድኣምበር ኣብያተ ፍርድን ሚኒስትርታትን ትካላትን ኣገባባትን ዘለወንን፣ ዳርጋ ነጻ ዝኾና ናይ ዜና ማዕከናትን ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝሳተፋሉ ስርዓታት ሒዘን ዝጓዓዛ ሃገራት እየን።  

 

 
ጋዜጣዊ መግለጺ
Written by ኣሰናዳኢት ሽማግለ Sat - 06 Mar

ደምዳሚ መግለጺ: ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

 ኣማኢት ኣሽሓት መስዋእቲ ዝተኸፍለሉ ሃገር ህልውንኡን ሓድነቱን ምርግጋኡን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክኣቱ ኣይምተገብአን፡፡ ኮይኑ ግን ብሰንኪ ጭቆና ምልካዊ ስርዓት ባህልን ታሪኽን ሃገራዊ ረብሓታትን ክኽበር ኣይተኻእለን። ህልዊ ምልካዊ ስርዓት አብ ኤርትራ ግና ብሕሳባት ስልጣን ተዋሒጡ ብዝኾነ ዋጋ ብሕማቕ ተግባራቱ ክቅጽል ስለ ዚመረጸ፣ ንሕቶ ሃገራዊ ሓድነት ንሓደጋ ክሳጥሕ ገይሩዎ፡፡ ካብዚ ንምግልጋል ድማ’ዩ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ስቪካውያን ማሕበራትን ብህጹጽ መንገዲ ሃገራዊ ዋዕላ ክሰርሕ ተደፋፍአ፡፡ መድረኽ ሃገራዊ ዋዕላ ከአ ኣብ ዲሞክራሲ ዝኣምኑን ሕቶ ሃገራዊ ሓድነት ንምርግጋጽ  ዝጽዕዱ ሃገራዊ ሓይልታት ዘጠቓልል ኴይኑ፣ እዘን ሓይልታት እዚአተን እቲ ዋዕላ ምቹእ ቀጥታዊ ዘተ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ክፍልታትን ኮማት-ሕብረተሰብናን ኣገዳስነት አለዎ፡፡ እዚ ድማ ሓደ ስጉምቲ አብ ስጕምቲታት ሕቶ-ሃገራዊ-ሓድነት ኴይኑ፡ ንምስራጽ ኵሉ ዝሰማማዓሉ ዲሞክራስያዊ መንግስትን ሃገራዊ ትካላትን ኣብ ግምት ዘእቱ ይኸውን።

 

እሱራት ዘዘሊሎም ክህድሙ ተዂሲ ተኸፊቱሎም ክልተ ክሞቱ እንከለዉ፣ ብዙሓት ኣብ ኣእጋሮም ተሃሪሞም

ቅድሚ ክልተ መዓልቲ  ሞባይል ተለፎን ሒዞም ዝተረኸቡ ኢትዮጵያውያንን ብዙሓት ኣብ ዓዲ ኣበይቶ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኤርትራውያን እሱራት ዝሓዘት መኪና፣ ካብ ዓዲ ኣበይቶ ናብ መጠርን ናኹራን ከባቢ ዳህላክ ደሴት ኣብ ከባቢ መደበር ኣስመራ ምስበጽሐት፣ እታ ተሰቒሎማ ዝነበረት ማኪና ደው ምስበለት እሱራት ዘዘሊሎም ክህድሙ ጀመሩ። ብድሕር’ዚ  ተዂሲ ተኸፊቱሎም ክልተ ክሞቱ እንከለዉ፣ ብዙሓት ኣብ ኣእጋሮም ተሃሪሞም ተተሓዚም ገለ ገለ ድማ ክሃድሙ ኪኢሎም።

 
Article
Written by ተወልደ ተስፉ Fri - 05 Mar

መንግስቲ ኤርትራ ንሶፍያ ተስፋማርያም ብ”ወግዒ” ቆጺራታ ይበሃል።

ሶፍያ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ዲሲ

ሶፍያ ተስፋማርያም ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኤምባስን ናይ ኤርትራ ማሕበረ ኮም ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ጎደና 600 ለ ዝርከብ ናይ ዋሽንግተን ቦታ ድማ ንእስ ዝበለ እትሰርሐሉ ናይ ገዛእ ርእሳ ኦፊስ ተዋሂብዋ ኣሎ ዝብል ዘይተረጋገጸ ወረ ይንገር ኣሎ። እዚ ኣብ ጎደና 600 ዝርከብ ቦታ ቅድሚ ገለ ዓመታት ብኤፍቢኣይ ተፈቲሹ ኔሩ።

እዚ ሓድሽ ሰብ ናይ ምቑጻር ውሳነ ብኤምባሲ፣ እገዳ ዘስዕቦ ሕጽረት ናይ ዲፕሎማስያውያን ጋግ ንምምላእ ዝዕለመ እዩ ይብሉ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ተዓዘብቲ። እዚ እቶም ንቋንቋ እንግሊዝ ዝመልኩ ኣማኸርቲ፣ የማነ ገብረኣብን የማነ ገብረመሰቀልን ካብ ምጋሽ እንተደኣ ተኣጊዶም ማለት ኢዩ። ሶፍያ ኣብ ቅድመ ግንባር ናይዚ ብስርዓት ኢስያስ ዝካየድ ዘሎ መኸተ እኳ እንተተራእየት፣ እቶም ቀንዲ ኣተግበርቲ ናይ ምፍርራሕን ጸለመን ናይቲ ስርዓት’ሲ ጌና ብድሕሪ መጋረጃ እዮም ዝሰርሑ ዘለዉ ይበሃል።

   
ሰነዳት
Written by ተዓዘብቲ ካብ ሚዙሪ Thu - 04 Mar

“ሃይሉ”፤ ሚዙሪ ሓብታ ንሳባ ሃይሉ በዓልቲ ቤቱ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ን”መኸተ” ዲሲ ትልእኽ። ስም ኣቦ እንታይ ኮይኑክን?

ተሳተፍቲ ሰልፊ ካብ ሚዙሪ

ኣብ ሚዙሪ ትነብር ኣኽበረት ሃይለ (ናይ ብሓቂ ግን “ሃይሉ”) ምስ በዓል ቤታ ብዕለት 22, 2010 ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ናይ ሕ.መ. ዝበየኖ እገዳ ተሳቲፋ ክብሉ ካብቲ ቦታ ዝመጸና ሓበረታ ኣረጋጊጹ። 

ስርዓት ኢሳያስ ነቶም “ንጡፋት” ኢሉ ዝግምቶም ሰባት ብድሕሪ መጋረጃ ክገብሮም እንከሎ ንደቂ ኣንስትዮ ግን ብፍላይ ኣብ ቅድሚት ብምምጻእ ናይ “ሕዝቢ”ን ተራ ሰብን ሓገዝ ኣለኒ ንምባል ይጥቀመልን ኢዩ። ስለዚ ድማ ናይ ወይዘሮ ኣኽበረት ኣብ ጽርግያ ዲሲ ምውጻእ ቅቡል ኢዩ። ስርዓት ኢስያስ ንስድራ ቤት ኤርትራ ኣብ ምፍራስን ስነ ስርዓትን ክብረትን ደቂ ኣንስትዮ ብምቕንጣጥን ንስድነት ከም “ቅቡል” ጌርካ ንኽረእ ብምፍታን ነውርነት ከም ባንዴራ ኣብ ግንባሩ ደፊኡ ይርከብ።

 

 
ዜና
Written by መግለጺ ወጻኢ ጉዳይ መንግስቲ ኣውስትራልያ Thu - 04 Mar

ኣውስትራልያ ንእገዳ ሕጋዊ ትገብር።

ኣውስትራልያ ንእገዳ ተተግብር።
ረቡዕ፣ 3 መጋቢት 2010 መግለጺ ወጻኢ ጉዳይ መንግስቲ ኣውስትራልያ
ኣውስትራልያ ንእገዳ ሕጋዊ ትገብር።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ብዕለት 23 ኅዳር 2009 ንድንጋገ 1907 ኣጽዲቑ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ወሲኑ። እዚ ብምኽንያት ኣብ መንጎ ኤርትራን ጁቡቲን ዝቕጽል ዘሎ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ጉዳይን፣ ከምኡ እውን  ኤርትራ፣ ኣብ ሶማል ርግኣት ንኸይሰፍንን ዕርቂ ንኸይግበርን ምእንቲ፣ ንዕጡቓት ጉጅለታት ሓገዝ ትገብር ስለ ዘላ፣ ቤት ምኽሪ ጸጥታ እዚ ተግባራት እዚ ንኣህጉራዊ ሰላምን ርግኣትን ኣስጋኢ ከምዝኾነ መዲቡ።

   
ዜና
Written by eu@un Tue - 02 Mar

ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣህጉራዊ እገዳታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ የተግብር።

ተስፋ ደሊና!

ቤት ምኽሪ ኤውሮጳዊ ሕብረት ሎሚ ውሳነ (1) (5534/10) ብመሰረት ናይ ሕቡራት መንግስታት ቤት ምኽሪ ውሳነ 1907 (2009) ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣህጉራዊ እገዳታት ኸተግብር ወሲኑ።

1) ንብሕጊ ዝሓለፈ ናይ ኣጽዋር እገዳ ብምጥሓስ

2) ንከባቢ ኣብ ምንዕዓብ ዝዓለማ ናይ ተቓወምቲ ሓይልታት ብምሕጋዝ

3) ንናይ ጁቡቲን ኤርትራን ዶብ ውሳነ ሕ.መ. 1862 (2009) ኣብ ግብሪ ንምውዓል ብምእባይ

4) ንውልቀ ሰባትን ጉጅለታትን ኣብ ረጽሚ ንኽሳተፉን ኣብ ግብረ ሽበራ ንኽውዕሉን ኣብ ልዕሊ ካልኦት መንግስታትን ወይ እውን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ናይዚ ከባቢ ግብረ ሽበራን ረጽምን ንኸውዕሉ ብምእንጋድን ገንዘባዊ ሓገዝ ብምግባርን ንጉዳይ ብምስላጥን ምሕጋዝን ብምውዳብን ወይ ድማ ብምዕላምን

5) ብመሰረት ሕ.መ. 1853 (2008) ንናይ ሶማል ጉዳይ ዝወጸ ንናይ ሶማል ናይ ምዕዛብ ጉጅለ ስራሕን ምርምርን ብምዕንቃፍ

 
ሰነዳት
Written by ሬዲዮ ድምጺ ሓርነት - ጎተቦርግ ሽወደን Tue - 02 Mar

ሰነዳዊ ሓበሬታ ሬዲዮ ድምጺ ሓርነት 20-02-2010 ጎተቦርግ ሽወደን።

ኤርትራውያን ሽወደን

ንሎሚ እምበኣር ክልተ ሰባት ጥራሕ ከነቅርበልኩም ኢና…
ብመራሒ ናይዛ ረድዮ ክንጅምር ስሙ  ኣለም ዘሞ  ይብሃል፡ ደቂ መዛምርቱ ከም ዝብልዎ ኣብ ጊዜ ደርጊ ናይ ቀበሌ ኪነት ዝነብረ፡ ብ”ጸጋልኡል” ቅጽል ስም ባዕሎም ዝሰምይዎ ኮይኑ። ብኢደ-ወነኑ ዋላ ኣባላት ህ.ግ.ደ.ፍ. ከይመረጽዎ ባዕሉ መራሒ ብምኳን፡ ኣብ ኩሉ ኢድ ዘእቱ ዕሉል ኪኢላ መልሓስን ንሰብ ደፍኡ ኣብታ ባዕሉ ክብላ ዘይደልን ዘደፍርን ሰብ ደፊኡ ናይ ምጥሓልን ናብ ህጉም ምእታውን ረቂቅ ሜላ ዘሎዎ እዩ። ብሽም ህዝቢ ጎተቦርግ ኣብ እንኮ ጋዜጣ ህ.ግ.ደ.ፍ. ሓዳስ ኤርትራ፡ ኣብ እንኮ ተለቪዝዮን ህ.ግ.ደ.ፍ. ብዙሕ ተዛሪቡ ኣውጠትዩን ዋጥዩን እዩ ሰነዳት ኣሎ።  

እዚ ሎሚ መዓልቲ እነቅርቦ ዘሎና ሰነዳዊ ሓበሬታ ኣብ ወርሒ የካቲት ዝተፈጸሙን ዝተራእዩን ኣገደስቲ ተረኽቦታት። ንስለ ድሕነት ዉጹዕ ህዝብን ሃገርና ኤርትራ ን20 ዓመታት ዝጨፍጨፈ ኢደ-ወነናዊ ጨካን መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ውድቀቱ ዝገማገመሉ ዘሎ ወቅቲ ስለ ዝኾነ፡ ዉጹዕ ህዝብናን ተዓዘብትን ከይትደናገሩ ምእንቲ ኣብዛ እንነብረላ ከተማ ዮተቦርግ ሃገር ሽወደን ዝተፈጸመ ብጥሬኣ ከይየጉደልና ከይወሰኽና ናብኹም  ኣቅሪብና ፍርድን ዉሳኔን ናይ ህዝቢ ስለ ዝኾነ ናብኹም ንገድፎ።

   
ሰነዳት
Written by ኣብ ሄሰን ሲቪላዊ ማሕበር ኮነ ሲቪካዊ በርገሳዊ ትካል። Tue - 02 Mar

ኣገዳሲ ሓበሬታ ኮነ ምልክታ።

ብመጨቆን ሕብረተ ሰብ ዝዋጻእ ገንዘብ

መሰል ዑቕባ ሓተቲ ክኽበር ስለ ዘለዎ፣ ነቲ ናይ መሰል ጉንዖ ዝጻረር ዝኾነ ይኹን ተግባር ክንምክቶ ከም ዝኾና ብትሕትናን ብቕሉዕን ንሕብር። ኩሎም ምስ ህ.ግ.ደ.ፍ. ብገንዘብ ዝተሓባበሩ፣ ከም ጸረ-ሽበራ ተግባር ስለ ዝተመደበ፣ ብመጨቆን ሕብረተ-ሰብና ዝወጽእ ገንዘብ፣ ምዕጣቕ ግብረ ሽበራ ተባሂሉ ክንበብ ኣለዎ።

 

 

 

 

 

 
ዜና
Written by www.dailymirror.lk Sun - 28 Feb

ስሪ ላንካን ኤርትራን ዝነበረን ዝምድና ተበቲኹ።

መራሒ ነበር ታሚል ኬፒ

ብዛዕባ’ዚ “ምስ ኤርትራ ኣዝዩ ሕማቕ ተመኲሮ እዩ ዘለና። ኣብኡ ገለ ገለ ገለ ናይ ነብሪ ታሚል ኤላን ሓርነት (LTTE) ባእታታት ከምዘለዉ ኣብ ጋዜጣ ስለዝወጸ ንፈልጦ ኢና፤ ግንከ ኣይንትሓባባርን ኢሎምና። ሕጂ ድማ እንደገና ካብ ሀ ኢልና ዝምድና ክንምስርት ንፍትን ኣለና” በለ ራጃፕክሳ። 

“እዚ ኣብ ናይ ዜና ማዕከናት ምስ ወጸ፣ ኤርትራ ኩሉ ነገር ዓጽያ። ኣይዛረቡናንን ምሳና ርክብ ፈጺሞም ዓጽዮም” ክብል እቲ ሚኒስተር ንደይሊ ሚረር ገሊጹ። “ናይ ስሪ ላንካ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ንምኽፋት ንዝነበረ መደብ እውን ኣብዮም” ክብል ብተወሳኺ ኣብሪሁ። እዚ ቤት ጽሕፈት ነቶም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ናይ ነብሪ ታሚል ኤላን ሓርነት (LTTE) (Liberation Tigers of Tami Elan) ባእታታት ንምክትታል ዝዓለመ ስለዝነበረ፤ እዚ ዕላማ እውን ፈሺሉ ኣሎ።"

 

   
Article
Written by ተስፉ ዘውደ Sun - 28 Feb

ምልክታ ንጸረ-ሰልፊ ህግደፍ። (ተኣሪሙ ዝቐረበ ካልኣይ ሕታም)

ተስፉ ዘውደ

ብዓንቀጽ ናይቲ ብቤት ምኽሪ ጸጥታ (UN Security Council) እመማ ዓንቀጽ 1907 ምስ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ገንዘብን ረብሓን ከይካየድ ዝብል ጥሒሶም ንነፍስ ወከፍ ዘይኸፈለ 30 ናቕፋ ክፈሉ ክብሉ ካብ ገዛ ንገዛ እንዳ ተንቀሳቐሱን እንዳ ዞሩን ገንዘብ ይእክቡ ስለ ዘለዉን፣ እዚ ዘይሕጋዊ ገንዘብ ምምንዛዕ ብኣፍልጦ መንግስቲ ጀርመን ዘይተፈቕደ ስለ ዝኾነ፣ ብፍላይ ድሕሪ እቲ ሰልፊ ንህ.ግ.ደ.ፍ. (ንጉጀለ ኣስመራ) ካልእ ገንዘባዊ ደገፍ ዝምጦ ክእክቡ ብጭቡጥ ምጅማሮም ክረጋገጽ ተኻኢሉ። መንንቶም ኢዮም ኣነጺርና ፈሊጥና ኣለና።

ገለ ኣሓት ካብ ፍራንክፈርት ብቪዛ ንሱዳን ቀጺለን ብሕቡእ ኣብ ናይ "ፈንቅል" ጽንብል ክካፈላ ብናስ ኣየር በረራ ንባጽዕ ወሪደን ቃለ መሕተት ክገብራ ብተለቪዥን ኤርትራ ተዘርጊሑን ተፈንዩን ዝተመዝገበ ሓቅታት ከም ጭብጢ ተታሒዙ ስለ ዘሎን።..............

ንምክልኻል በርገሳዊ ህዝብና ክንብል መካላኸሊ መስርሕ ክንክተል መሪጽና (civil defense mechanism)። እታ ትቐውም ማሕበር ነተን መሳርሒ ማሕበራት ህግደፍ ብብሕቲን ብኡክብን ከተራኻኽበለን መሰልን ጸግዕን ክህልዋ ኢዩ።

 
Article
Written by ብዑቝባይ ገብረመድህን Sat - 27 Feb

ርትዒ ምስ ልቦና ዘኽቲመን: ድንቍርና ብናይ ስምዒት ረስኒ ንወጋሕታ ካብ ጋረደት!!

ካብ ናይ ገበን ባሕሪ ብጭልፋ ንምጥቃስ፣ ... ብዘይ ግብኦ ክብርን ፍቕርን ንዝተቐበሎ ሓላል ህዝቢ ልዕሊ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዘሳቕን ዘጥፍእን ዘሎ፣ ንወላዲት ወላድ-መኻን ክትከውን ጌሩ ማህጸና ዘርግማ ዘሎ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኢዩ። እቲ ዝተጨነቐ ኣእምሮ እቲ ደጋጊሙ ንዑ ቃለ-መጠይቕ ግበሩለይ ኢሉ እናዓደመ  ብትምክሕቲ ኣእምሮኡ ከም ዝሰሓተ ብዘየወላውል ኣብ ቅድሚ ዓለም ዘረጋግጽ ዘሎ ኢስያስ ኢዩ። እቲ ብናይ ስነኣእምሮኣዊ ጠንቂ ተጨኒቑ ሃገር ዘዕኑ ህዝቢ ዘሳቒ ዘሎ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ቅድሚ ሰሙን ብኣልጀዚራ ኣብ ዝተገብረሉ ቃል-መጠይቕ ንኹሉ ከም ጸሓይ በርቂ ዝተረጋገጸ ሓቅታት ኣሉታ ኪህበሉ ዓለም ርእዩዎን ሰሚዑዎን። ካብኡ ንምጥቃስ፥ ብዛዕባ እገዳ--“እዚ ላግጺ ኣብ ፍትሕን ታሪኽን’ዩ”፤ ኣበይ ኣሎ እቲ መረጋገጺታት? ኣብ ሶማልያ ከም ዝኸድና ኣበይ ኣሎ እቲ መረጋገጺታት?...ሶማልያውያን ኣብ ናይ ሃገሮም ፖለቲካ ኪሳተፉ መሰል ኣሎዎም።”(ህዝቢ ኤርትራ ግን መሰል የብሉን ዘስምዕ።)

   

Page 1 of 19

  • «
  •  Start 
  •  Prev 
  •  1 
  •  2 
  •  3 
  •  4 
  •  5 
  •  6 
  •  7 
  •  8 
  •  9 
  •  10 
  •  Next 
  •  End 
  • »

Asmarino

ድምጺ መሰልና ደሊና

ንለባም ኣምተሉ....

The Graffiti Wars

ንኺድ? ናበይ?

Why do you lie to me?

TV-Zete Feb 21, 2010

መን'ዩ ሓሳዊ? መን'ዩ ተጸሊሉ?

‘ል-ብ-ና’ባ ም-ለ-ሱ-ል-ና!’

ድምጺ መጻኢ

ድምጺ መጻኢ

ኣይትፍራሕ ኣይትፍርሒ ተኸተሉኒ
ጻውዒተይ ነጻ ክገበረኩም’ዩ ተቐበሉኒ

ኣብ ቀውዒ ዝትስእ ኣለኹ ዝብል ድምጺ ናይ ታሪኽ እየ
ብደመይ ዝጠልቀየ ግራትን ሓዘን ተምለአ ዝባን እየ

ድምጺ መጻኢ እየ፣ ሰላም መጻኢ ለግሱለይ
ቁስለይ ክሓውየለይ

ሓድሽ ደም ህ.ግ.ደ.ፍ...

መሪሕነት ህ.ግ.ደ.ፍ.ን. "ጐብለል" ሊቀ መንበር ኢሳያስን እቲ ሓድሽ ደሞም ናበይ ገጹ የብል ኣሎ?

Right Click › Save MP3 Audio (.mp3) :

2010 ኣለውና/ኣለዋና - ሃብቶም መሓሪ

ናዕታ

ደሮና (ሰሎሞን ብርሃነ ሠንጋል - ሕልና )

ደሮና

ተስፋ አሎ ግን ዝወሃብ
ብመራሒ ደሮና ዝጋልብ
ህዝቢ ሬሳ ዓዱ ክስሕብ
ሰዓብቲ ደሮና ክኣኻኽብ
ብሽም ውጹዓት ክንግድ
ብልሙሳት ምዉታት ክዛረብ
ደሮና ተበቲኑ ኣብ ዓለም።

 

 

Read more...

ቶባእ! እርጋን’ድዩ ዕብዳን ሕርቃን’ዩ ስኽራን ምንጪ’ዚ ኹሉ ስሕታን። (ዳንኤል ተኽለጊዮርጊስ)

ቶባእ!  እርጋን’ድዩ ዕብዳን ሕርቃን’ዩ ስኽራን ምንጪ’ዚ ኹሉ ስሕታን።

ኣብ ቅድሚ ካመራ ኣብ ቅድሚ ኣሬባ
ንምስክር ዘሕንኽ ዘረባ።
ወይሰብ ደቀይ እንታይከ ኽትብሉ
ዛርቲ ድኣ ከይህሉ
ኣብ ሓንጎሉ ሰፊሩ ዘሽካዕልለሉ።

ብኹሉ መዳይ ስኢንዎ ምእላይ
“ላይ ኣናዘር ላይ” ጥራይ
ቀላሲት ዘረባ ብሒታቶ ውራይ።
ዘገርም’ዩ መዐቀኒ ዘይብሉ
ተጎቢኡ ብኣሉ

 

 

Read more...

ቃለ-መሓትት ነቢዪ ኢሰያስ (yerhwo Amlak)

ቃለ-መሓትት ነቢዪ ኢሰያስ
ዋይ ኣነ እወ..........
ውግእ ዓሊተና ልቢ ከምዘይ'ዕበኹ
ኣብ ክሳድ ዒ ቃ ሓዊ ከምዘይስሓንኩ
ኣብ በለሳ ጾሮና እንባ ከምዝይ'ፍረስኩ
 ኣብቲ ውዑይ ህጁም ደም ከምዘይሸንኩ
Read more...

ካብ ጀርመን (ካብ ኣባል ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ጨንፈር ጀርመን)

ካብ ጀርመን

ክሓተን’ዶ ነዘን ዘጣቕዓ
ድግድጊት ዓጢቐን ሓዊ ዝውልዓ
ኣብ መቓብር ደቀን ዝስዐስዓ
ብሕማቕ መልሓሰን ዝብድዓ
ኣንጻር ሰላም ኣምላኽ ዘቖጠዓ
ማሕጸን ዝወለዶ ዝርስዓ
የዐጽምቶም ትውጋእክን ተቖጢዓ፤
 
ገሪሙኒ እንታይከ ኢዩ ጉዱ
ጊዜ ዲዩ ወይቲ ሰብ ዓቢዱ?
እዚ ኹሉስ እንታይ ሽበድበዱ
ሎሚ ዲዩ ህዝቢ ተኣጊዱ?
ካብ ቅድሙ ሕማቕ ተፈሪዱ
ካብ ዓዱ ክወጽእ ተገዲዱ
ሽማግለ ዓዲ ተዋሪዱ
ዐውር ምስ ተሰደ ዘይሰንበዱ
ንሓደ ሰብ ክንድ’ዚ ዝዓብዱ
እንታይ ይብሉኹም እቶም ዝኣገዱ
ንህዝቢ ኤርትራ ተዋሪዱ፤

Read more...
More:

ምልክታ ንተሳተፍቲ

ብተክኒካዊ ምኽንያታት ተቋሪጹ ዝጸንሐ ናይ ትግርኛ ገጽ፡ ደጊም ጀሚሩ ከምዘሎ ብሓጎስ ነበስር። ኣብ’ዚ ገጽ እዚ ክወጻልኩም እትደልይዎ ጽሑፋት ብኢመይል tigarticles@delina.org ልኣኹልና። ቅድሚ ሕጂ በቲ ናይ ቀደም ኣድራሻ ዝሰደድኩሞ እሞ ዘይወጸ ጽሑፋት እንተልዩ እውን፡ በዚ ዝተጠቕሰ ሓድሽ ኣድራሻ-ኢመይል ደጊምኩም ክትሰድዎ ከምእትኸሉ ነዘኻኽር።

መርሓ ሕንጻጽ (Submission Guidelines)
የቐንየልና... ኣዝማሪኖ