መግለጺ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ብዛዕባ ህሉው ኩነታትን ምዕባለታቱን

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ነቲ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ቕንያት ፡ ኣብ ሕማም ዲክታቶር ኢሰያስ ኣተዂሩ ዝተፈነወ ተገራጫዊ ዜናታትን ዝሰዓበ ኩነታትን ብመንገዲ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈቱ ኣቢሉ እቲ ሓቂ ንምፍላጥ ይከታሎ እኳ እንተሃለወ ፡ ሰልፊና ካብ’ቲ ኣብ ደምበ ተቓውሞን ጽፈት መደባቱን ዘለዎ ተገዳስነት ብምብጋስን ፡ ንህዝቢ ንምርግጋእን ነዚ ዝስዕብ መልእኽቲ የመሓላልፍ።


