Banner
You are here: Home

ብራና ጥንታዊ ቅርስና!

መርሓባ በጻሕቲ ኣዝማሪኖ

Article
Written by ብበላይ መስፍን Fri - 03 Feb

ክኸውን ዘለዎ ምፍላጥ ናይ ሎሚን ጽባሕን ስራሕ ምስላጥ

እስከ ነዛ ዶብ ከይተደወበ ብዝብል ምኽንያት እትቐርብ ኣባሃህላ ብምስትውዓል ንኹሉ ኣብ ግምት ኣእቲና ንርኣያ፡ እዚ ከም ምኽንያት ኮይኑ ንኢሳያስ ኣብ ስልጣን ንኽነብር ዝተፋሕሰ ዲዩ ወይስ፡ ብኻልእ ኣካል ማለት ከምቲ ንሱ ንኸደናግር ብወያኔ'ዩ ተሓሲቡን ተጀሚሩን ዝብሎ ኢዩ፡ ወይ ካኣ ኢሳያስ ኣነ ኢየ በዳሊ ስለ ዝበለ ዘዛርብ የብልናን'ዩ።
ኣብቲ ፍርዲ ካኣ ከምቲ ኣቶ በራኺ ገብረስላሴ ኣብ ጄርመን ናይ ኤርትራ ኤምባሲ
ዝነበረ ዝበሎ ምስ ክብረትና ዳኣ ኣይኮነን እምበር ባድመስ ንኣና ተፈሪዱ ኢዩ፡ ግን ከምቲ ማእለያ ዘይብሉ ሂወታት ከይጠፍኤ ኣይኮነን፡

 
ደብዳቤታትኩም
Written by ሃይለ ወልደሚካኤል ብርሃነ Fri - 03 Feb

ቕልዕቲ መልሲ ንኣቶ ብርሃነ ዓ.

ሰላም ዝኸበርካ ኣቶ ብርሃነ ዓ.
ብዕለት 25 01. 2012 ንኣቶ ፍስሃጽዮን ገብረ ቅልዕቲ ደብዳቤ ብዝብል ኣርእስቲ ዝጸሓፍካዮ: ኣብ መርበብ ሓበሬታ ተለጢፉ ኣንቢበ::
ጻዕሪ ኣቶ ፍስሃጽዮን ገብረ ተረዲኡካ ብመጎስ ምጅማርካ: ኣነ ውን ብወገነይ የሞግሰካ::
ነቲ ኣብ ስመር ፓልቶክ ኣድራሻ ሰሉስ ሰሉስ ዝህቦ ትምህርቲ ኣመልኪትካ ዝሃብካዮ ርእይቶ ግን: ብጌጋ ዝተረደኣካ ኣምሲልካ ከተመሓላሊፎ ዝደለኻ መልእኽቲ ከምዘሎ እዩ ተረዲኡኒ:

 

 
ናዕታ
Written by ዑቕባይ ገብረመድህን Thu - 02 Feb

ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ!

ደሞክራሲ እንታይዩ መንነታ?
እስከ ዘርዝሩለይ መንገዳ ስርዓታ
ግልጺ ኢዩ ጠባያ: ሓቂ’ውን ቅናታ
መፈለምታ ዕርዕር ትብል: ደሓር ግን ዘይምኖ መቐረታ።
***
ደሞክራሲ ንኽትውለድ ብዙሕ’ዩ ጠለባ
ብስምዒት “ሆ! ምባል ቀሓር ልባ

 
Article
Written by ጎደፋ Thu - 02 Feb

በትሪ ሃቂ ኣይትስበርን ኢያ!

መቐጸልታ
ከሳብ ሎሚ ኣብቲ “ለውጢ“ ዝብል ባሕሪ ኣርእስትና ኢና ዘለና ክቡራት ተኸታተልቲ። ኣብ ውሽጢ ለውጢ ድማ ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ተኸታቲሎም ቀሪቦም ኢዮም። ዝሓለፈ ቅንያት ብዛዕባ “መንእሰያትን መድረኽ ጃላነትን“ ዝብል ዝጀመርናዮ ትረኻ ንምቕጻል ኣብ ዝተበገስኩሉ እዋን ከኣ ንገለ ካብቲ ዘዳለኹዎ መደብ ማለት ነቲመድረኽ ዝምልከት ቃለ-መሕትት ሰሚዐ። ከምቲ ደጋጊሙ ዝግለጽ ዓቕሚ ህግደፍ ኣጋኒንካ ብምርኣይ ንንጥፈት መንእሰያት ዝሓሚ ገለ ግሩህ፡ ገለ ከኣ ኮነ ኢልካ ወኒ መንእሰያት ንምስባር ደቂ ሎሚ ሓሞቶም ዝፈሰሰን ስረ ዘየምሕረሎምን መፍሮቕቲ ኣምሲልካ ዝላኻዕ ወረታት ይስምዑ ኢዮም።

 
ናዕታ
Written by Maazin Abdul Qhanee Thu - 02 Feb

ምርድዳእ ማእረ ይገብር التفاهم سوى دان

ተማቒልካ'ያ ኣለም ተማቒልካ ንበር
ህይወት ሃብ ክበር ኣይትቕበር
ንበይንኻ ኣይግበርን ቁምነገር
ስራሕ ጃብር ኣይኮነ ዋላ ስራሕ ጋብር።

የማነ ጀብረ ሚካኤል ከምዚ ኢሉ፡
"ንፋቐር ንሳነ ንከባበር
ንእብየት ብልጽግና ንቑምነገር"

 
ናዕታ
Written by ተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ Thu - 02 Feb

ክላዓልዬ መንእሰይ ኖርወይ... ስቕ ኣይብልን ናተ. ሓርደ ሓወይ

ኣብ ኖርወይ ተመስሪታ ሓዳሰ ማሕበረ ሰብ
ካብ ፖለቲካ ነጻ ዝኾነት ንኹሉ ትስብስብ
ባህልናን ንድሕነት መንእሰያትናን ክትሓስብ
28/01/2012 ፈስቲቫል ጸዊዓ ደቃ ክትእክብ 
ምስ ኣሕዋቶም ኣሓቶም ኣቐዲሞም ክላለዩ

ሓቢሮም ክመያየጡ ምእንተ ህዝቦም ክዓዩ
ህግደፍ መሰኽላባቶም ዘባላሸውዎ ከዐርዩ

   
ናዕታ
Written by Maazin Abdul Qhanee Mon - 30 Jan

ምትእስሳር ምቅርራብ Cable حــبــل

ንተኣሳሰር ንፍትሒ
ቃልኪዳን ንገብር ንፍትሒ
ንጠምር ንፍትሒ
ንሰምር ንፍትሒ።
ምትእስሳር ምስ ዝህሉ ኣብ ሃገር
ገለ ኣይድፈር ኩሉ ይኽበር
ገለ ከሲቡ እቲ ሓደ ኣይሓስር
ገለ ሞይቱ እቲ ሓደ ኣይነብር።

 
ናዕታ
Written by Daniel T Teclegiorgis Sun - 29 Jan

ዘይኢደይ!

ኣንቱም ሰባት ጉድ’ኮ’ዩ ተረኺቡ
ምድርን ሰማይን ክላገቡ ከምዝቐረቡ
ኣብ ርእሰይ ደይቡ ዓቕለይ ኣጽቢቡ
እና’ፈጸመ ሓሳቡ!

ልዋም ዝኸልኣኒ
ዛርቲ ድዩ ሒዙኒ!

   
ናዕታ
Written by ክንድሺሕ ገብረዝጊ Sat - 28 Jan

እቲ ጉባኤ ጉቡኡ ፈጺሙ

እቲ ጉባኤ ጉቡኡ ፈጺሙ
ሓሚቑ ጸቢቑ ተዛዚሙ
ንዓኹም መሪጾም ተደምዲሙ
ከም ደቂእነ ብሓደ ዕመሙ
ብስምምዕ ንቕድሚት ሰጉሙ
ተጠንቀቑ ሰብ ከይተቐይሙ
ከይሓሚኹም ምሰናይ ቀመሙ።

 
ናዕታ
Written by ገብሪኤል ጓንጉል Wed - 25 Jan

ብርሃነ ዘርአ

እንታይ ኣእተወካ ሽምካ ተኽፍእ

ብሽም ሓፋሽ: ጸልማት ትዘርእ

   
Article
Written by ብበላይ መስፍን Wed - 25 Jan

ትጽቢትና ንኽትግበር እንታይ ንግበር

ካልኣይ ክፋል

ህዝቢ ኤርትራ ባይቶኡ ምስ ተበተነን እታ ዝነበረት ባንዴራኡ ወሪዳ ብናይ ባንዴራ ኢትዮጵያ ምስ ተተክኤትን ኢዩ ብብረት ክቃለስ ተገዲዱ ድሕሪ ሒጂ ዘሎ ኩሉ ግን ብዘተ ጥራይ ዝፅረ ኢዩ፡ ድሕሪ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ክንነብር ንቃለስ ስለ ዘለና ነብሲ  ወከፍ ኤርትራዊ ብሕጋዊ መንገዲ ሓደ ክፅምጾ ዝኽእል ኣካል ከምዘየለ ጌሩ ክርድኦ ኣለዎ፡ ክንጥንቀቐሉ ዘለና ግን ንሓደ ኣነ ክውስነልኩም ዝብለና ኣካል ጥራይ ኢና፡ ኣብ ዝመጽእ ወይ ድሕሪ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራ ብባይቶ ዝግዛእ ሓራ ህዝቢ ኢዩ ዝኸውን ጊዜ መላገጽቲ ተወዲኡ ኢዩ፡ ንተሞክሮና ረሲዑ ክቕሽሸና ዝፍትን ወይልኡ፡፡

 
ደብዳቤታትኩም
Written by ብርሃነ.ዓ Wed - 25 Jan

ቅልዕቲ ደብዳቤ ንሓው ፍስሓጽዮን ገብረ፡

ዝኸበርካ ኣቶ ፍስሓጽየን ኣብቲ ``ስመር ዝብል ናይ ፓልቶክ`አደራሽ ሰሉስ ሰሉስ ንታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ዝምልከት ዘዳለኻዮ መጽሓፍ ከተንብብን ክትትርኽን ተምሲ ከም ዘሎኻ፡ክ ተዓዚበ። ኣነ`ውን ከም ኤርትራዊ  ዜጋ ኣብ ቤት ፓልቶክ አደራሽ ይቐላቐል እየ`ሞ ንትረኻኻ ይከታተሎ ኢየ።ንጻዕርኻ እንዳኣሞጎስኩ እዚ ዝስዕብ ርእይቶ ከቕርበልካ እፈቱ፡፡

   

Page 1 of 66

  • «
  •  Start 
  •  Prev 
  •  1 
  •  2 
  •  3 
  •  4 
  •  5 
  •  6 
  •  7 
  •  8 
  •  9 
  •  10 
  •  Next 
  •  End 
  • »
Banner

Asmarino

The State Of Eritrea, Trailer

ባህሊ ስኒት ህደግኤ 2009