እዚ መርበብ ሓበሬታ፡ ንዝኾነ ዓንቀጽ ብመሰረት ትሕዝትኡን ኣገባብ ኣጸሓሕፍኡን ክነጽግ መሰል ኣለዎ። እቲ ዝለኣኸልና ጽሑፍ ዝተሓተ መምዘኒ ናይ’ዚ መርበብ ሓበሬታ ብዘይምምልኡ ቅቡል ምስዘይከውን፡ ዋላ’ውን ዝርዝር መግለጺ ኣይወሃቦ ንጸሓፍቲ ናይ’ቲ ዓንቀጽ ግን ከነፍልጥ ኢና። እንተደኣ እቲ ዓንቀጽ ቅድሚ ንንባብ ምዝርግሑ ተወሳኺ ምምሕያሽ የድልዮ ኢዩ ኢልና ኣሚንና ከኣ፡ ኣበይን ከመይ ዓይነትን ምምሕያሽ ክግበረሉ ከምዘድሊ ክንእምም ንኽእል። ካባና ግብረመልሲ ከይተረኽበ ሓደ ሰሙን እንተሓሊፉ ግን፡ እቲ ዓንቀጽ ዘይበጽሓና ኪኸውን ስለዝኽእል፡ ጸሓፊ ደጊሙ ብኢመይል ክሰደልና ከድልዮ ኢዩ።
ጽሑፋት ቅድሚ ምዝርጋሕና፡ መንነት ጸሓፊ ከነረጋግጽ ኢና። ሰዳዲ ናይ ፈለማ ጸሓፊ ናብ ኣዝማሪኖ እንተኾይኑ፡ ደዊልና ከነረጋግጽ ምእንቲ፡ ቁጽሪ ተሌፎኑ ምስቲ ቦኽሪ ጽሑፉ ክልእከልና የድልዮ።
ጽሑፋት ምናልባት ብሓደ ካብ’ዚ ቀጺሉ ዝጥቀስ ምኽንያታት ክንጸግ ይከኣል፡
(ሀ) ግላዊ መጥቃዕቲ
(ለ) ጽዩፍ ወይ ዘይስነምግባራዊ
(ሐ) ተጻራፊ ወይ ብዕሉግ
(መ) ዘይብሩህ ከቢድ ቃላት ወይ ሓረጋት
(ረ) ብዙሕ ስዋስዋዊ ጌጋታት
(ሰ) ዘይስሩዕ፡ ዘይዉሁድ፡ ዘይርዱእ
(ሸ) ኣዝዩ ነዊሕ ወይ ኣዝዩ ሓጺር ትሕዝቶ
(ቀ) ድኹም ትሕዝቶ
(ቐ) ዘይዛመድ ዘይተኣሳሰር
(በ) ዘይተረጋገጹ ምንጭታት
ጽሑፋትኩም በዚ ኣድራሻ’ዚ ስደዱ
This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it
የቐንየልና
ስታፍ ኣዝማሪኖ

መርሓ ሕንጻጽ (Submission guidelines)

