You are here: Home እዋናዊ
ኤርትራዊት

ክብሪ ን8 መጋቢት - ኣህጉርዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ!

እዛ ብውልቀመላኺ ካብ ልዳት ነጻነት ጀሚራ ሓዳስ ኤርትራ ዝብል ናይ ቅጽል ስም ዝተዋህባ፣ ንጸልማትን ጥፍኣትን፣ ንዕንወትን ድሕረትን ካብ እትፍረድ ናብ ዕስራ ዓመታት ዝረገጸት፣ ምስላ ተደዊኑ ብጸማልያነት ኣብ ጽምዋ ቀትርን ለይትን ትሰሓግ ዘላ፣ እታ ውቅብቲ ሓላል መሬት ኣቦታት ምዃና ሎሚስ ተሰቊሩናዶ ይኸውን? ውልቀመላኺ ምስላ ደምሲሱ፣ ምዕሩግ ኒያታን
 ኒሓን ረሚሱ ኣማህሚኑዋ ዘሎ፣ ጉዳይ መጻኢኣ ካብ ውሽጢ ሕልናና ብዕምቈት ክንርድኦዶ ንፍትን ኣለና? እሞ ከመይ ይመስል ኣሎ? ብሕልና ኣብ ጽሞና፣ ብሓባርን ብልዙብ ዘተን ክንምልሶ ዝግባኣና ናይ ኤርትራዊ ህላዌና ሕቶ ኢዩ።
 
ፕረሲደንት ቶጎ

ቶጎ ተጒጔ፣ ዩጋንዳ ትቕረብ

 

 

ብዕለት 1 መጋቢት 2010 ኣብ ቢቢሲ ዝወጸ ዜና ፕረሲደንት ቶጎ፣ ፋውረ ግናሲግበ ወዲ ናይ ቶጎ ዲክተተር ነበር ዠን-ፐየር ፋብረ፣ ኣብ ዝተገብረ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ንተቓዋማይ ሲዒሩ ይብል። እዚ ውጽኢት ብተቓወምቲ ኣካታዒ ኾይኑ ይርከብ።

ቶጎን ዩጋንዳን ሽግራት ይሃሉወን ድኣምበር ኣብያተ ፍርድን ሚኒስትርታትን ትካላትን ኣገባባትን ዘለወንን፣ ዳርጋ ነጻ ዝኾና ናይ ዜና ማዕከናትን ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝሳተፋሉ ስርዓታት ሒዘን ዝጓዓዛ ሃገራት እየን።  

 

 

ደምዳሚ መግለጺ: ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

 ኣማኢት ኣሽሓት መስዋእቲ ዝተኸፍለሉ ሃገር ህልውንኡን ሓድነቱን ምርግጋኡን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክኣቱ ኣይምተገብአን፡፡ ኮይኑ ግን ብሰንኪ ጭቆና ምልካዊ ስርዓት ባህልን ታሪኽን ሃገራዊ ረብሓታትን ክኽበር ኣይተኻእለን። ህልዊ ምልካዊ ስርዓት አብ ኤርትራ ግና ብሕሳባት ስልጣን ተዋሒጡ ብዝኾነ ዋጋ ብሕማቕ ተግባራቱ ክቅጽል ስለ ዚመረጸ፣ ንሕቶ ሃገራዊ ሓድነት ንሓደጋ ክሳጥሕ ገይሩዎ፡፡ ካብዚ ንምግልጋል ድማ’ዩ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ስቪካውያን ማሕበራትን ብህጹጽ መንገዲ ሃገራዊ ዋዕላ ክሰርሕ ተደፋፍአ፡፡ መድረኽ ሃገራዊ ዋዕላ ከአ ኣብ ዲሞክራሲ ዝኣምኑን ሕቶ ሃገራዊ ሓድነት ንምርግጋጽ  ዝጽዕዱ ሃገራዊ ሓይልታት ዘጠቓልል ኴይኑ፣ እዘን ሓይልታት እዚአተን እቲ ዋዕላ ምቹእ ቀጥታዊ ዘተ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ክፍልታትን ኮማት-ሕብረተሰብናን ኣገዳስነት አለዎ፡፡ እዚ ድማ ሓደ ስጉምቲ አብ ስጕምቲታት ሕቶ-ሃገራዊ-ሓድነት ኴይኑ፡ ንምስራጽ ኵሉ ዝሰማማዓሉ ዲሞክራስያዊ መንግስትን ሃገራዊ ትካላትን ኣብ ግምት ዘእቱ ይኸውን።

 
ናይ ኤርትራ ኣምባሳደር ኣብ ኣውስትራልያ

ኣምባሳደራት ስራሕ ሲኢኖም፤ ኣየ እገዳ!

 

ኣውስትራልያ እገዳ ድሕሪ ምትግባራ፣ ናይ ኤርትራ ኣምባሳደር ኣብ ኣውስትራልያ ዓንደኣብ ገብረመስቀል ብዛዕባ ወግዓዊ ስርሑ ስለዝተሻቐለ ተመዂሮ ድሕረ እገዳ ናብራ ከመይ ምዃኑን ብኸመይ ክብድሆ ንክፈልጥ፣ ንኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ብሩሰልስ ደዊሉ ኣዘራሪብዎ።

 

 

 

እሱራት ዘዘሊሎም ክህድሙ ተዂሲ ተኸፊቱሎም ክልተ ክሞቱ እንከለዉ፣ ብዙሓት ኣብ ኣእጋሮም ተሃሪሞም

ቅድሚ ክልተ መዓልቲ  ሞባይል ተለፎን ሒዞም ዝተረኸቡ ኢትዮጵያውያንን ብዙሓት ኣብ ዓዲ ኣበይቶ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኤርትራውያን እሱራት ዝሓዘት መኪና፣ ካብ ዓዲ ኣበይቶ ናብ መጠርን ናኹራን ከባቢ ዳህላክ ደሴት ኣብ ከባቢ መደበር ኣስመራ ምስበጽሐት፣ እታ ተሰቒሎማ ዝነበረት ማኪና ደው ምስበለት እሱራት ዘዘሊሎም ክህድሙ ጀመሩ። ብድሕር’ዚ  ተዂሲ ተኸፊቱሎም ክልተ ክሞቱ እንከለዉ፣ ብዙሓት ኣብ ኣእጋሮም ተሃሪሞም ተተሓዚም ገለ ገለ ድማ ክሃድሙ ኪኢሎም።

   
ሶፍያ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ዲሲ

መንግስቲ ኤርትራ ንሶፍያ ተስፋማርያም ብ”ወግዒ” ቆጺራታ ይበሃል።

ሶፍያ ተስፋማርያም ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኤምባስን ናይ ኤርትራ ማሕበረ ኮም ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ጎደና 600 ለ ዝርከብ ናይ ዋሽንግተን ቦታ ድማ ንእስ ዝበለ እትሰርሐሉ ናይ ገዛእ ርእሳ ኦፊስ ተዋሂብዋ ኣሎ ዝብል ዘይተረጋገጸ ወረ ይንገር ኣሎ። እዚ ኣብ ጎደና 600 ዝርከብ ቦታ ቅድሚ ገለ ዓመታት ብኤፍቢኣይ ተፈቲሹ ኔሩ።

እዚ ሓድሽ ሰብ ናይ ምቑጻር ውሳነ ብኤምባሲ፣ እገዳ ዘስዕቦ ሕጽረት ናይ ዲፕሎማስያውያን ጋግ ንምምላእ ዝዕለመ እዩ ይብሉ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ተዓዘብቲ። እዚ እቶም ንቋንቋ እንግሊዝ ዝመልኩ ኣማኸርቲ፣ የማነ ገብረኣብን የማነ ገብረመሰቀልን ካብ ምጋሽ እንተደኣ ተኣጊዶም ማለት ኢዩ። ሶፍያ ኣብ ቅድመ ግንባር ናይዚ ብስርዓት ኢስያስ ዝካየድ ዘሎ መኸተ እኳ እንተተራእየት፣ እቶም ቀንዲ ኣተግበርቲ ናይ ምፍርራሕን ጸለመን ናይቲ ስርዓት’ሲ ጌና ብድሕሪ መጋረጃ እዮም ዝሰርሑ ዘለዉ ይበሃል።

 
ተሳተፍቲ ሰልፊ ካብ ሚዙሪ

“ሃይሉ”፤ ሚዙሪ ሓብታ ንሳባ ሃይሉ በዓልቲ ቤቱ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ን”መኸተ” ዲሲ ትልእኽ። ስም ኣቦ እንታይ ኮይኑክን?

ኣብ ሚዙሪ ትነብር ኣኽበረት ሃይለ (ናይ ብሓቂ ግን “ሃይሉ”) ምስ በዓል ቤታ ብዕለት 22, 2010 ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ናይ ሕ.መ. ዝበየኖ እገዳ ተሳቲፋ ክብሉ ካብቲ ቦታ ዝመጸና ሓበረታ ኣረጋጊጹ። 

ስርዓት ኢሳያስ ነቶም “ንጡፋት” ኢሉ ዝግምቶም ሰባት ብድሕሪ መጋረጃ ክገብሮም እንከሎ ንደቂ ኣንስትዮ ግን ብፍላይ ኣብ ቅድሚት ብምምጻእ ናይ “ሕዝቢ”ን ተራ ሰብን ሓገዝ ኣለኒ ንምባል ይጥቀመልን ኢዩ። ስለዚ ድማ ናይ ወይዘሮ ኣኽበረት ኣብ ጽርግያ ዲሲ ምውጻእ ቅቡል ኢዩ። ስርዓት ኢስያስ ንስድራ ቤት ኤርትራ ኣብ ምፍራስን ስነ ስርዓትን ክብረትን ደቂ ኣንስትዮ ብምቕንጣጥን ንስድነት ከም “ቅቡል” ጌርካ ንኽረእ ብምፍታን ነውርነት ከም ባንዴራ ኣብ ግንባሩ ደፊኡ ይርከብ።

   
ኣውስትራልያ ንእገዳ ተተግብር።

ኣውስትራልያ ንእገዳ ሕጋዊ ትገብር።

ረቡዕ፣ 3 መጋቢት 2010 መግለጺ ወጻኢ ጉዳይ መንግስቲ ኣውስትራልያ
ኣውስትራልያ ንእገዳ ሕጋዊ ትገብር።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ብዕለት 23 ኅዳር 2009 ንድንጋገ 1907 ኣጽዲቑ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ወሲኑ። እዚ ብምኽንያት ኣብ መንጎ ኤርትራን ጁቡቲን ዝቕጽል ዘሎ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ጉዳይን፣ ከምኡ እውን  ኤርትራ፣ ኣብ ሶማል ርግኣት ንኸይሰፍንን ዕርቂ ንኸይግበርን ምእንቲ፣ ንዕጡቓት ጉጅለታት ሓገዝ ትገብር ስለ ዘላ፣ ቤት ምኽሪ ጸጥታ እዚ ተግባራት እዚ ንኣህጉራዊ ሰላምን ርግኣትን ኣስጋኢ ከምዝኾነ መዲቡ።

 
ተስፋ

ደሮና

ተስፋ አሎ ግን ዝወሃብ
ብመራሒ ደሮና ዝጋልብ
ህዝቢ ሬሳ ዓዱ ክስሕብ
ሰዓብቲ ደሮና ክኣኻኽብ
ብሽም ውጹዓት ክንግድ
ብልሙሳት ምዉታት ክዛረብ
ደሮና ተበቲኑ ኣብ ዓለም።

 

 

   
ተስፋ ደሊና!

ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣህጉራዊ እገዳታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ የተግብር።

ቤት ምኽሪ ኤውሮጳዊ ሕብረት ሎሚ ውሳነ (1) (5534/10) ብመሰረት ናይ ሕቡራት መንግስታት ቤት ምኽሪ ውሳነ 1907 (2009) ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣህጉራዊ እገዳታት ኸተግብር ወሲኑ።

1) ንብሕጊ ዝሓለፈ ናይ ኣጽዋር እገዳ ብምጥሓስ

2) ንከባቢ ኣብ ምንዕዓብ ዝዓለማ ናይ ተቓወምቲ ሓይልታት ብምሕጋዝ

3) ንናይ ጁቡቲን ኤርትራን ዶብ ውሳነ ሕ.መ. 1862 (2009) ኣብ ግብሪ ንምውዓል ብምእባይ

4) ንውልቀ ሰባትን ጉጅለታትን ኣብ ረጽሚ ንኽሳተፉን ኣብ ግብረ ሽበራ ንኽውዕሉን ኣብ ልዕሊ ካልኦት መንግስታትን ወይ እውን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ናይዚ ከባቢ ግብረ ሽበራን ረጽምን ንኸውዕሉ ብምእንጋድን ገንዘባዊ ሓገዝ ብምግባርን ንጉዳይ ብምስላጥን ምሕጋዝን ብምውዳብን ወይ ድማ ብምዕላምን

5) ብመሰረት ሕ.መ. 1853 (2008) ንናይ ሶማል ጉዳይ ዝወጸ ንናይ ሶማል ናይ ምዕዛብ ጉጅለ ስራሕን ምርምርን ብምዕንቃፍ

 
ኤርትራውያን ሽወደን

ሰነዳዊ ሓበሬታ ሬዲዮ ድምጺ ሓርነት 20-02-2010 ጎተቦርግ ሽወደን።

ንሎሚ እምበኣር ክልተ ሰባት ጥራሕ ከነቅርበልኩም ኢና…
ብመራሒ ናይዛ ረድዮ ክንጅምር ስሙ  ኣለም ዘሞ  ይብሃል፡ ደቂ መዛምርቱ ከም ዝብልዎ ኣብ ጊዜ ደርጊ ናይ ቀበሌ ኪነት ዝነብረ፡ ብ”ጸጋልኡል” ቅጽል ስም ባዕሎም ዝሰምይዎ ኮይኑ። ብኢደ-ወነኑ ዋላ ኣባላት ህ.ግ.ደ.ፍ. ከይመረጽዎ ባዕሉ መራሒ ብምኳን፡ ኣብ ኩሉ ኢድ ዘእቱ ዕሉል ኪኢላ መልሓስን ንሰብ ደፍኡ ኣብታ ባዕሉ ክብላ ዘይደልን ዘደፍርን ሰብ ደፊኡ ናይ ምጥሓልን ናብ ህጉም ምእታውን ረቂቅ ሜላ ዘሎዎ እዩ። ብሽም ህዝቢ ጎተቦርግ ኣብ እንኮ ጋዜጣ ህ.ግ.ደ.ፍ. ሓዳስ ኤርትራ፡ ኣብ እንኮ ተለቪዝዮን ህ.ግ.ደ.ፍ. ብዙሕ ተዛሪቡ ኣውጠትዩን ዋጥዩን እዩ ሰነዳት ኣሎ።  

እዚ ሎሚ መዓልቲ እነቅርቦ ዘሎና ሰነዳዊ ሓበሬታ ኣብ ወርሒ የካቲት ዝተፈጸሙን ዝተራእዩን ኣገደስቲ ተረኽቦታት። ንስለ ድሕነት ዉጹዕ ህዝብን ሃገርና ኤርትራ ን20 ዓመታት ዝጨፍጨፈ ኢደ-ወነናዊ ጨካን መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ውድቀቱ ዝገማገመሉ ዘሎ ወቅቲ ስለ ዝኾነ፡ ዉጹዕ ህዝብናን ተዓዘብትን ከይትደናገሩ ምእንቲ ኣብዛ እንነብረላ ከተማ ዮተቦርግ ሃገር ሽወደን ዝተፈጸመ ብጥሬኣ ከይየጉደልና ከይወሰኽና ናብኹም  ኣቅሪብና ፍርድን ዉሳኔን ናይ ህዝቢ ስለ ዝኾነ ናብኹም ንገድፎ።

   
ብመጨቆን ሕብረተ ሰብ ዝዋጻእ ገንዘብ

ኣገዳሲ ሓበሬታ ኮነ ምልክታ።

መሰል ዑቕባ ሓተቲ ክኽበር ስለ ዘለዎ፣ ነቲ ናይ መሰል ጉንዖ ዝጻረር ዝኾነ ይኹን ተግባር ክንምክቶ ከም ዝኾና ብትሕትናን ብቕሉዕን ንሕብር። ኩሎም ምስ ህ.ግ.ደ.ፍ. ብገንዘብ ዝተሓባበሩ፣ ከም ጸረ-ሽበራ ተግባር ስለ ዝተመደበ፣ ብመጨቆን ሕብረተ-ሰብና ዝወጽእ ገንዘብ፣ ምዕጣቕ ግብረ ሽበራ ተባሂሉ ክንበብ ኣለዎ።

 

 

 

 

 

 
ዓሻ ድየ ሕቡራት መንግስታት

"ዓሻ ድየ* ሕቡራት መንግስታት!!!"

*እዚ ካብ ብግዜ ደርጊ ንሓደ ሓረስታይ ክልተ ጦር ሰራዊት ኣብ ግራቱ ኣትዮም። ንስኻ ኤርትራዶ ትሕሸካ ኢትዮጵያ ኢሎም ምስሓተትዎ “ዓሻ ድየ በራኺ፤ ኢትዮጵያ እባ” ክብል መሊሱ ዝብል ካርቱን ዋዛ ካብ ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ. መጽሔት እዩ ተዘኪሩን ቁሩብ ናብ 2010 ተወሲዱን።

 

 

   
  • «
  •  Start 
  •  Prev 
  •  1 
  •  2 
  •  3 
  •  4 
  •  5 
  •  6 
  •  7 
  •  8 
  •  9 
  •  10 
  •  Next 
  •  End 
  • »

ምልክታ ንተሳተፍቲ

ብተክኒካዊ ምኽንያታት ተቋሪጹ ዝጸንሐ ናይ ትግርኛ ገጽ፡ ደጊም ጀሚሩ ከምዘሎ ብሓጎስ ነበስር። ኣብ’ዚ ገጽ እዚ ክወጻልኩም እትደልይዎ ጽሑፋት ብኢመይል tigarticles@delina.org ልኣኹልና። ቅድሚ ሕጂ በቲ ናይ ቀደም ኣድራሻ ዝሰደድኩሞ እሞ ዘይወጸ ጽሑፋት እንተልዩ እውን፡ በዚ ዝተጠቕሰ ሓድሽ ኣድራሻ-ኢመይል ደጊምኩም ክትሰድዎ ከምእትኸሉ ነዘኻኽር።

መርሓ ሕንጻጽ (Submission Guidelines)
የቐንየልና... ኣዝማሪኖ

ሓደው!

Right Click › Save MP3 Audio (.mp3) :

መሬት ዶ መሰል?

Right Click › Save MP3 Audio (.mp3) :

ብየማነይ ... ብጸጋመይ...

Right Click › Save MP3 Audio (.mp3) :