Banner
You are here: Home እዋናዊ Articles

Article

ክኸውን ዘለዎ ምፍላጥ ናይ ሎሚን ጽባሕን ስራሕ ምስላጥ

እስከ ነዛ ዶብ ከይተደወበ ብዝብል ምኽንያት እትቐርብ ኣባሃህላ ብምስትውዓል ንኹሉ ኣብ ግምት ኣእቲና ንርኣያ፡ እዚ ከም ምኽንያት ኮይኑ ንኢሳያስ ኣብ ስልጣን ንኽነብር ዝተፋሕሰ ዲዩ ወይስ፡ ብኻልእ ኣካል ማለት ከምቲ ንሱ ንኸደናግር ብወያኔ'ዩ ተሓሲቡን ተጀሚሩን ዝብሎ ኢዩ፡ ወይ ካኣ ኢሳያስ ኣነ ኢየ በዳሊ ስለ ዝበለ ዘዛርብ የብልናን'ዩ።
ኣብቲ ፍርዲ ካኣ ከምቲ ኣቶ በራኺ ገብረስላሴ ኣብ ጄርመን ናይ ኤርትራ ኤምባሲ
ዝነበረ ዝበሎ ምስ ክብረትና ዳኣ ኣይኮነን እምበር ባድመስ ንኣና ተፈሪዱ ኢዩ፡ ግን ከምቲ ማእለያ ዘይብሉ ሂወታት ከይጠፍኤ ኣይኮነን፡

 

በትሪ ሃቂ ኣይትስበርን ኢያ!

መቐጸልታ
ከሳብ ሎሚ ኣብቲ “ለውጢ“ ዝብል ባሕሪ ኣርእስትና ኢና ዘለና ክቡራት ተኸታተልቲ። ኣብ ውሽጢ ለውጢ ድማ ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ተኸታቲሎም ቀሪቦም ኢዮም። ዝሓለፈ ቅንያት ብዛዕባ “መንእሰያትን መድረኽ ጃላነትን“ ዝብል ዝጀመርናዮ ትረኻ ንምቕጻል ኣብ ዝተበገስኩሉ እዋን ከኣ ንገለ ካብቲ ዘዳለኹዎ መደብ ማለት ነቲመድረኽ ዝምልከት ቃለ-መሕትት ሰሚዐ። ከምቲ ደጋጊሙ ዝግለጽ ዓቕሚ ህግደፍ ኣጋኒንካ ብምርኣይ ንንጥፈት መንእሰያት ዝሓሚ ገለ ግሩህ፡ ገለ ከኣ ኮነ ኢልካ ወኒ መንእሰያት ንምስባር ደቂ ሎሚ ሓሞቶም ዝፈሰሰን ስረ ዘየምሕረሎምን መፍሮቕቲ ኣምሲልካ ዝላኻዕ ወረታት ይስምዑ ኢዮም።

 

ትጽቢትና ንኽትግበር እንታይ ንግበር

ካልኣይ ክፋል

ህዝቢ ኤርትራ ባይቶኡ ምስ ተበተነን እታ ዝነበረት ባንዴራኡ ወሪዳ ብናይ ባንዴራ ኢትዮጵያ ምስ ተተክኤትን ኢዩ ብብረት ክቃለስ ተገዲዱ ድሕሪ ሒጂ ዘሎ ኩሉ ግን ብዘተ ጥራይ ዝፅረ ኢዩ፡ ድሕሪ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ክንነብር ንቃለስ ስለ ዘለና ነብሲ  ወከፍ ኤርትራዊ ብሕጋዊ መንገዲ ሓደ ክፅምጾ ዝኽእል ኣካል ከምዘየለ ጌሩ ክርድኦ ኣለዎ፡ ክንጥንቀቐሉ ዘለና ግን ንሓደ ኣነ ክውስነልኩም ዝብለና ኣካል ጥራይ ኢና፡ ኣብ ዝመጽእ ወይ ድሕሪ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራ ብባይቶ ዝግዛእ ሓራ ህዝቢ ኢዩ ዝኸውን ጊዜ መላገጽቲ ተወዲኡ ኢዩ፡ ንተሞክሮና ረሲዑ ክቕሽሸና ዝፍትን ወይልኡ፡፡

   

መልእኽቲ ንኹሉ ኣማኒ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ

ኩሉኹም ኤርትራውያን ከምቲ ትፈልጡዎን ከምትሰምዕዎን፡ ኣብ ጀርመን ኣብ ክሊ ሃይማኖትና ኦርቶዶክስ ዓበይቲ ሽግራት ተኸሲቶም ኣሎዉ።
ንዓና ንኦርቶዶክሳውያን ተጠሚርካን ሓቢርካን እምነትካ ኣኽቢርካን፤ ብሓባር ናይ ምጉዓዝ፤ ሓቢርካ ጸገምካ ናይ ምፍታሕን የጸግመና ከም ዘሎ፡ ኣሉ ዘይባሃል ሓቂ‘ዩ።

 

“ ዝሞቱን ዘይሞትናን “

5ይ - ክፋል

ኩሉ ውልድ ክብል ከሎ (ደቂ ሰባት ማለተይ’ዩ) ዳርጋ ሐደ ዓይነት ኣመል ኢዩ ዘለዎ። እዚ ከአ ካብ ማሕጸን ኣድኦም ውጽእ ክብሉን ክበኽዩን ዳርጋ ሐደ’ዩ። ውሑዳት ናይ ተፈጥሮን ኩነታትን ውጹዓት ናይ ጥዕና ሽግር ዘለዎም ብዘይ ድምጺ ምስማዕ ክወጽኡ ዝግደዱ’ውን አለዉ። ገሊኦም ከአ ገና ከይተወልዱ ኣብ ማሕጸን አደኦም ከለዉ ዝነቕሑ በላሓት እንተነይሮም ኣይብኽዩን እዮም።

   

መንእሰያትን መድረኽ ጃላነትን፡

እዚ’ውን ይሓልፍ!

እታ ቃል ስንብታ፡ እታ ኣብ ዝኾነ ቀውጢ ግዜ’ውን እንተኮነ ኒሕ ተቐኒታ ዝበድሀት ዘይተሳዕረት፡ ንትንግርቲ ከኣ ዘልኣለም ክትዛረብ ኣብ ኣኻውሕ ተወቒራ ብደም መንእሰያት ዝተቐለመት“ እዚ’ውን ያሓልፍ’’ ዝበለት ቃል ኤርት ራውያን ተረሲዓ ዶ? እቲ ዘይተሰምዐ ዝህልህል ዘሎ ቃል ጽንዓት ናይቶም ኣብ ፈቐዶ ቤትማእሰርትቲ ህግደፍን ቅ ድሚኡን፡ ብክሕደት ኣሕዋቶም ዝተሰወሩን ገና ከኣ ኣብ ኣፍደገ ጥፍኣት ክንሱ ከምቲ ናይ ትሕቲ መሬት እሳተ-ጎመራ ጥሒሱ ክነቱግ ዝሕርን ዘሎ ቃል ህሉዋት ሰማእታትና ከይንርስዕ ኣብልብና ሰኒድናዮ ኣብዘለና እዋን፡ ንከሀምለና ዝሓለነ ድራማታት ንርኢ ኣለና።

 

ኣዋሉ ቻነላት عول قنوات

C K
ኣላ ክብሪ ሓላይ ክብሪالكرامة على الكرامة حلى

ገለ ተቓወምቲ ተቓውሞ ካብ ኣብ ደገ ኮንካ ኣብ ውሽጢ ይሓይሽ ይብሉ። ኣብ ደገ ትደልዮ መሳርሒታት ኣይትረክብን ኢኻ ይብሉ። ንኣብነት ንደሃይ ኤርትራ ክሳብ 11፡00 ናይ ለይቲ ክትጽበያ ኣለካ። ክሳብ ሽእኡ ከኣ ኣይትጸንሕን ይኸውን ምኽንያቱ ስራሕ ኢኻ ውኢልካ፡ ሰኣት 11፡00 ናይ ለይቲ ናይ ድቃስ ጊዜ እዩ፡ ወላ ክከታተል እንተበልካ ምስቲ ዝወኣልካዮ ስራሕ ቀትርን ሃልኪ ላእልን ታሕትን፡ ምስቲ ዘለካ ድኻምን ፍርቂ ለይቲ ፖለቲካ ኣይረኣየካን ይኸውን።

   

ትጽቢትና ንኽትግበር እንታይ ንግበር

ሓደ ህዝባዊ ቃልሲ ምስተጀመረ ኣብቲ ኩሉ ዝደልዮ መወዳእታ ከይበጽሐ ጠጠው ክብል ባህርያቱ ስለ ዘይኮነ፡እቲ ቃልሲ ክቕጽል እቲ ዓወት እውን ክመጽእ ግድን እዩ፡ እቲ ዘዛርብ ዘሎ ግን እቲ ኣብ ልፅሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ስቓይን መከራን ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ዘይጽወርን ስለ ዝኾነ ጊዜ ዝህብ ኣይኮነን እሞ ንዑ ነቲ ዘይተርፍ ናይ ኩልና ሃገራዊ ጉዳይ ነቀላጥፎ፡ ንዑ ነዚ ህዝብና ካብ ዘለዎ ሽግር ንምድሓን እክብ ኢልና ነዚ ዘሎ ስቓይ ንወግዶ ክድንጕ የብሉን ኢዩ ዝብሃል ዘሎ፡፡

 

ኣፍ-ኣርክቡ ንሓመድ ድበ ኢሳይያስ! ካልኣይ ክፋል

“ዱላ ግርም መድሃኒት ኢያ! ደርግ ብዱላ ምስ ተደሰቐ ኢዩ እሺ ሐራይ ኢሉ ኣብ ኣትላንታ ዝተባህለት ከተማ ብሰላም ንክዘራረብ ተቐሲቡ። ሕጂ’ውን ክሳብ መንግስቱ ሃይለማርያም ስዩም ዝብልን ናጽነት ኤርትራ ጋህዲ ዝኸውንን ብዱላ ክዝበጥ ጥራይ ኢዩ ዘለዎ። እቲ ምንታይ ሰላም ንደርግ መዘናግዒ ገበጣ’ምበር መሰረታዊ ፍታሕ ንምምጻእ ዝጀመሮ ጉዳይ ኣይኮነን።

   

ንምንታይ ድሕሪ ናጽነት ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ዘይቆመ? (ካልኣይ ክፋል)

ኣብቲ "ሕጋውነት መንግስቲ ኤርትራ" ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝቐረበ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ኣንቀጽ'ዚ፡  መንግስቲ ኤርትራ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብምትንታን ዳህሲስናዮ። ብመሰረት'ቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ኣንቀጽ'ዚ ዝቐረበ ትንተና ኸኣ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብኹሉ መለክዕታት ሕጋውነት፡ ሕጋዊ መንግስቲ ከም ዘይኰነ ኣረጋጊጽና። ኣብዚ ካልኣይ ክፋል ናይዚ ኣንቀጽ'ዚ፡...

 

 

ደሞክራስን ዕጫን/ዳበርኪ

ቀደም እንዳሳልባቲ፡ጭርጭር ዓበደ፡ኣናዳዋ፡ኣሸኻኻት ዓለም ወዘተ…. ክንጻወት እንከለና መን ናይ ምጅማር ብልጫ ኣለዎ ዝንጸር፡ብጎስጢ፡ብባእሲ፡ብጸርፊ ኣይኮነን ነይሩ።ዳበርኪ ትገብር`ሞ በዓል ዕጫ ይጅምር።ንኣብነት፡እቲ ዓይነት ጸወታ ኣሸኻኻት ዓለም ኮይኑ እቲ በዓል ብልጫ/ ጀማሪ ኸኣ ጽቡቅ ተጻዋታይ ኮይኑ፡ምናልባት ከይጀመርካ ክስዕረካ ይኽእል ኢዩ።

   
  • «
  •  Start 
  •  Prev 
  •  1 
  •  2 
  •  3 
  •  4 
  •  5 
  •  6 
  •  7 
  •  8 
  •  9 
  •  10 
  •  Next 
  •  End 
  • »
Banner

ናዕታ

ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ! ( ዑቕባይ ገብረመድህን)

ደሞክራሲ እንታይዩ መንነታ?
እስከ ዘርዝሩለይ መንገዳ ስርዓታ
ግልጺ ኢዩ ጠባያ: ሓቂ’ውን ቅናታ
መፈለምታ ዕርዕር ትብል: ደሓር ግን ዘይምኖ መቐረታ።
***
ደሞክራሲ ንኽትውለድ ብዙሕ’ዩ ጠለባ
ብስምዒት “ሆ! ምባል ቀሓር ልባ

Read more...

ምርድዳእ ማእረ ይገብር التفاهم سوى دان (Maazin Abdul Qhanee)

ተማቒልካ'ያ ኣለም ተማቒልካ ንበር
ህይወት ሃብ ክበር ኣይትቕበር
ንበይንኻ ኣይግበርን ቁምነገር
ስራሕ ጃብር ኣይኮነ ዋላ ስራሕ ጋብር።

የማነ ጀብረ ሚካኤል ከምዚ ኢሉ፡
"ንፋቐር ንሳነ ንከባበር
ንእብየት ብልጽግና ንቑምነገር"

Read more...
More: