Banner
You are here: Home እዋናዊ Articles ትፈልጦዶ? 3ይ ከፋል

ትፈልጦዶ? 3ይ ከፋል

E-mail Print Print

ቅዋም

ብመጀመርታ ንሃገርናን ንኩልና ሃገራውያንን ጽቡቕ ምጅማር ጥሉል ዓመት ክገብረልና እምነ! ዓመተ ለውጢ፡ ዓመተጽንዓትን ዓወትን፡ ብሓፈሻ ድማ መሓውርናን መንፈስናን ዝዕቀበሉን ዝረግኣሉን ዓመት ይግበረልና፡ ኣሜን!!

ከም ርዱእ ሃገራዊ ቅዋምና መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ቃልሲ እንከለና ከም ከብዲ ኢድና ዘጽናዕናዮ ብ“ፕሮገራም“ ዝተ  ሰመየ ጥርኑፉ ዕላማ ቃልስና ዝገለጸ ሰነድ ሰውራ ኢዩ። ብዛዕባ ቅዋም/   /፡ ብዙሕ ክበሃል ምተኻእለ። ብመንጽር ድሩትነት ዓቕምን ኩሉነገራትን ግን ዝከኣል ኣይኮነን’ሞ፡ ብመሰረት ቆጸራና ንዝጀመርናዮ ንምቕጻል ግን ንሎሚ ብዛዕባ ሓንቲ ከፋል ካብቲ ሸውዓተ ምዕራፋት ጥራይ ማለት ብዛዕባ ምዕራፍ ሰለስተ፡ መሰረታዊ መሰላትን ሓርነትን ግቡኣትን፡ ጥራይ ኢየ ክዛረብ። ትሕዝቶኡን መልክዑን ምእንቲ ከይጅላሕ ድማ መጀመርታ እታምዕራፍ ከምዘላታ ኢያ ቀሪባ ዘላ። ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝበልኩዎ፡ ተቓውሞታትና ናይ ሃውሪ መታን ከይኸውን፡ ነፍሲ ወከፍና ከኣ ግቡእና ፈጺምና እንተኾይንና እንታይ ዝኣመሰለ መሰልከ ነይርናን ተነፊግናን ተነፊግዎ ንኤርትራዊ ፡ ስለምንታይከ? ምስተመኩሮታትናን ኣብ ከባቢና ዝወረደን ከነገናዝቦ መሪጸ። ንምክትታሉ ክጥዕም ምእንቲ ድማ ብግቡኣት ክጅምር፡-

 

ዓንቀጽ 25፡ ግቡኣት ዜጋታት፡-

1. ንኤርትራ እሙን ምዃን፡ ንምዕባለኣን ንራህዋኣን ከኣ ምስራሕ፤

2. ንምክልኻል ሃገር ድሉዊ ምዃን፤

3. ሃገራዊ ኣገልግሎት ምፍጻም፤

4. ሃገራዊ ሓድነት ምድንፋዕ፤

5. ንቕዋም ምኽባርን ምክልኻልን፤

6. ናይ ካልኦት መሰል ምኽባር፤

7. ብሕጊ ዚእዘዙ ግቡኣት ምፍጻም። ትብል እዛ ምዕራፍ።

ብወገነይ ብዛዕባ ሓደ ነገር ርግጸኛ እየ። ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ብዓድን ብባሕርን፡ ብውሸጥን ብወጻእን ፡ ብማልን ብሂወትን፡ ኪኖ’ዘን ዝተጠቕሳን ኪኖ’ቲ ክኾኖ ዝኽእልን ከምዝኾነላ ንሃገርና ክልተ ምኢቲ ካብ ምኢቲ ርግጸኛ እየ። ብዛዕባ ብሕጊ ንዘይተወሰነ ገደብ ኣገልግሎት፡ ከምቲ ኣብ ዓንቀጽ 16፤3 ተጠቒሱ ዘሎን፡ ኣብ ዓንቀጽ 17፤ 2 እውን   ዘሎ፡ መንእሰይ ክሕተተሉ እንተኣልይዎ ግቡእ መብርሂ ይግቦኦ። ብዝተረፈ ከማይ እንተኮንኩም ድሕሪ ጉቡእካ ምፍጻም፡ መሰልካ ድማ ምሕታት ኣሎ እንድዩ፡ ቅዋምከ ብዛዕባ መሰል እንታይ ይብል?

 

ዓንቀጽ 14 - ማዕርነት ኣብ ቅድሚ ሕጊ፡

1. ኩሉ ሰብ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ኢዩ።

2. ኣንጻር ዝኾነ ይኹን ሰብ፡ ኣብ ዓሌት፡ ኣብ ኤትኒካዊ መበቆል፡ ኣብ ሕብሪ፡ ኣብ ጾታ፡ ኣብ ቋንቋ፡ ኣብ ሃይማኖት፡ ኣብ ስንክልና፡ ኣብ ዕድመ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ወይ ኣብ ማሕበራውን ቁጠባውን ደረጃን ካልእ ዘይግቡእ ረቛሒታትን እተመስረተ ኣድልዎ ኣይግበርን።

3. ሃገራዊ ባይቶ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ንዘሎ ዘይማዕርነት ንምውጋድ ዚሕግዝ ሕግታት የውፕእ።

 

ዓንቀጽ 15 -  መሰል ህይወትን ናጽነትን

1. ዝኾነ ሰብ፡ ብዘይ ግቡእ ሕጋዊ መስርሕ ህይወቱ ኣይስእንን።

2. ዝኾነ ሰብ፡ ብዘይ ግቡእ ሕጋዊ መስርሕ ናጽነቱ ኣይግፈፍን።

 

ዓንቀጽ 16 - መሰል ሰብኣዊ ክብረት፡

1. ናይ ዝኾነ ሰብ ሰብኣዊ ክብረት ኣይግፈፍን።

2. ንዝኾነ ሰብ ምስቓይ፡ ብጭካነን ውርደትን ዘይሰብኣዊ መገድን ምሓዝን ምቕጻቕን ክልኩል እዩ።

3. ዝኾነ ሰብ፡ ብጊልያነት ወይ ብግዲ ብምዕሳብ ኪቑረን፡ ወይ’ውን ሕጊ ብዘይፈቕዶ ብሓይሊ ኪዓዪ

ኣይፍቀድን።

 

ዓንቀጽ 17 - ማእሰርትን ቀይድን ፍትሓዊ ፍርድን፡

1. ንዝኾነ ሰብ፡ ብዘይ ግቡእ ሕጋዊ መስርሕ ምእሳር ወይ ምቕያድ ኣጥፍቀድን።

2. ዝኮነ ሰብ ገበን ፈጺሙ ኣብ እተባህለሉ እዋን ኣብ ግብሪ ብዘይወዓለ ሓድሽ ሕጊ ኣይክሰስን፡ ኣይቅጻዕን።

3. ዝኾነ ሰብ ምኽንያት መእሰሪኡን ምስ ተኣሰረ ዘለዎ መሰልን ብዝርድኦ ቋንቋ ክግለጸሉ ይግባእ።

4. እተኣሰረ ሰብ ኣብ ውሸጢ 48 ሰያት፡ ወይ ከምኡ ንምግባር ዘይከኣለሉ ቅቡል ምኽንያት ምስዚህሉ ድማ፡ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ፡ ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ኪቐርብ ኣለዎ። ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ኸኣ ካብኡ ንላዕሊ ኪትሓዝ ኣይከኣልን።

5. ኩሉ ሰብ ናብ ቤት ፍርዲ ብኣካል ንምቕራብ መሰል ጥርዓን ኣለዎ። እቲ ዝኣሰረ በዓል ስልጣን፡ ንእሱር ናብበ ቤት ፍርዲ ምስ ዘየቕርቦን ምኽንያት መእሰሪኡ ምስዘየቕርብን፡ ቤት ፍርዲ ነቲ ጥርዓን ተቀቢሉ እሱር ክልቀቕ ይእዝዝ።

6. ዝኮነ ሰብ ጉዳዩ ኣብ ቤት ፍርዲ ብፍትሓውን ብቕልጡፍን ግሉጽ መገድን ኺስማዕ መሰል ኣለዎ። ቤት ፍርዲ፡ ሓደ ጉዳይ ኣብ ሓደ ፍትሓውን ደሞክራሲያውን ሕብረተሰብ፡ ብምኽንያት ስነምግባር ወይ ብምኽንያት ሃገራዊ ጸጥታ ብግህዶ ክስማእ ዘይብሉ ምስ ዝኸውን፡ ንማዕከናት ዜናን ንህዝብን ካብ ሙሉእ ወይ ክፋል ናኢቲ ጉዳይ ኪእግዶም ይኽእል።

7. ክሱስ ብቤትፍርዲ ገበነኛ ምዃኑ ክሳዕ ዚረጋገጽ ከም ንጹህ ይውሰድ፡ ክዕጻዕ ከኣ ኣይከኣልን።

8. ክሱስ ብዝተፈርደ መሰል ይግባይ ይህልዎ። በቲ እተፈርደሉ ጉዳኢ ከኣ ከምብሓድሽ ኣይክሰስን።

 

ዓብቀጽ 18 - መሰል ብሕትና፡

1. ኩሉ ሰብ መሰል ብሕትና ኣለዎ።

2. ሀ፡ እኾነ ሰብ፡ ብዘይ ግቡእ ምኽንያት ኣካላቱ ክፍተሽ፡ ቤቱ ወይ ንብረቱ ክጉርጐር ወይ  ኪእቶ፡ ከምኡ’ውን ርክባቱን ምጽሕሓፉን ካልእ ንብረቱን ኪድፈር ኣይፍቀድን።

ለ፡ ምፍታሽ ዘፍቅድ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ነቲ ዚፍተሽ ቦታን ዚተሓዝ ሰብን ንብረትን ዝገልጽ ብማህላ እተደገፈ ምኽኑይ ጥርጠራ ምስ ዝህሉ ጥራይ ይወሃብ።

 

ዓንቀጽ 19 -  ሓርነት ሕልና፡ እምነት፡ ምግላጽ ርእይቶ፡ ምንቅስቓስ፡ ምእካብን ምውዳብን፡

1. ኩሉ ሰብ፡ ናይ ሓሳብ፡ ናይ ሕልናን እምነትን ሓርነት ኣለዎ።

2. ኩሉ ሰብ ናይ ምዝራብን ሓሳብ ምግላጽን፡ ናይ ፕረስን ካልኦት ማዕከናትን ሓርነት ኣለዎ።

3. ኩሉ ዜጋ ሓበርታ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ።

4. ኩሉ ሰብ፡ ዝኾነ ሃይማኖት ናይ ምኽታልን ምዝውታርን መሰል ኣለዎ።

5. ኩሉ ሰብ፡ ብሰላማዊ መገዲ ናይ ምእካብን ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ምግባርን መሰል ኣለዎ።

6. ኩሉ ዜጋ፡ ንፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቑጠባውን ባህላውን እላማታት ውድባት ኬቕውም መሰል ኣለዎ

7. ኩሉ ዜጋ፡ ዝኾነ ሕጋዊ ሞያን ጥበብን ከካይድን ከዘውትርን መሰል ኣለዎ።

8. ኩሉ ዜጋ፡ ኣብ መላእ ኤርትራ ብሓርነት ናይ ምንቅስቓስን ኣብ ዝኾነ ክፍሊ ኤርትራ ናይ ምንባርን መሰል ኣለዎ።

9. ኩሉ ዜጋ፡ ካብ ኤርትራ ናይ ምውጻእን ናብ ኤርትራ ናይ ምምላስን፡ ፓስፖርት ወይ ካልእ ሰነዳት መገሻ ናይ ምርካብን መሰል ኣለዎ።

 

ዓንቀጽ 20 - መሰል ምድማጽን ኣብ ምርጫ ምውድዳርን

ኩሉ ዜጋ፡ ሕጊ ምርጫ ብዘፍቅዶ መሰረት ኪመርጽን፡ ኣብ ምርጫ ክወዳደርን መሰል ኣለዎ።

 

ዓንቀጽ 21 - ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ መሰላትን ሓላፍነታትን

1. ኩሉ ዜጋ፡ ብመንግስቲ ብዝወሃብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናይ ምጥቃም ማእረ መሰል ኣለዎ። መንግስቲ ከኣ ናይ ጥዕና፡ ናይ ትምህርቲ፡ ናይ ባህልን ካልእ ኣገልግሎትን ናብ ኩሉ ምእንቲ ኺባጻህ ብዘለዎ ዓቕሚ ይጽዕር።

2. መንግስቲ ዓቕሙ ክሳብ ዘፍቀደሉ፡ ናይ ዜጋታት ብፍላይ ከኣ ጽጉማት ዜጋታት ማሕበራዊ ድሕነት የረጋግጽ።

3. ኩሉ ዜጋ፡ ኣብ ቁጠባዊ ንጥፈታት ብሓርነት ኪሳተፍን ዝመረጾ ሕጋዊ ስራሕ ወይ ዋኒን ኬካይድን መሰል ኣለዎ።

4. መንግስትን ሕብረተሰብን፡ ታሪኻውን ባህላውን ውርሻታትን ቅርስታትን ንምልላይን ምዕቃብን፡ ከከም ኣድላይነቱ ድማ ንምምዕባሉን፡ ከምኡ’ውን ንምትሕልላፍ ሓላፍነት ኣለዎ። ንምዕባለ ስነጥበብ፡ ስነ ፍልጠት፡ ስነ ኪነትን ስፖርትን፡ ምቹእ ኩነታት ብምፍጣር ከኣ ተሳታፍነት ዜጋታት የተባብዕ።

5. ሃገራዊ ባይቶ፡ ማሕበራዊ ድሕነት ዜጋታት፡ መሰላትን ኩነታትን ዕዮን ካልእ ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ እተጠቕሰ መሰላትን ንምርግጋጽን ንምትግባርን ሕግታት የውጽእ።

 

ዓንቀጽ 22 - ስድራ ቤት

1. ስድራቤት ናይ ሕብረተሰብ ባህርያዊትን መሰረታዊትን ኣሃዱ ኢያ። ብሕብረተሰብን ብመንግስትን ከኣ ክትህሎን ክትሕብሓብን ይግባእ።

2. ብሕጊ ዝኣኸሉ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ብናጻን ብሙሉእ ፍቓዶምን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ኣድልዎን ኪምርዓዉን ስድራቤት ኪምስርቱን መሰል ኣለዎም። ኣብ ኩሉ ጉዳይ ስድራ ቤት ከኣ ማዕረ መሰልን ግቡእን ኣለዎም።

3. ወለዲ ንደቆም ብጉብእ እናኰስኰሱን እናተኸናኸኑን ኬዕብይዎም መሰልን ግዴታን ኣለዎም። ውሉዳት ከኣ ብግዲኦም ንወለዶም ኬኽብሩን ምስ ሸምገሉ ኪሕግዝዎምን መሰሎምን ግዴታኦምን እዩ።

 

ዓናቀጽ 23 - መሰል ንብረት

1. ኣብ ናይዚ ዓንቀጽ’ዚ ንኡስ-ዓንቀጽ/2/ እተደንገገ ከምዘለዎ ኮይኑ፡ ዝኾነ ዜጋ ኣብ ዝኾነ ክፍሊ ኤርት ራ ብውልቂ ወይ ብሓባር ምስ ካልኦት፡ ንብረት ንምጥራይን ንወረስቱ ንምትሕልላፍን መሰል ኣለዎ።

2. መሬትን ኩሉ ባህሪያዊ ሃብትን ንብረት መንግስቲ ኮይኑ፡ ዜጋታት ኣብ መሬት ዚህልዎም ናይ ተጠቃምነት መሰል ብሕጊ ይውሰን።

3. መንግስቲ፡ ምእንቲ ሃገራዊ ረብሓን ጥቕሚ ህዝብን፡ ብግቡእ ሕጋዊ መስርሕ፡ ዚግባእ ካሕሳ ብምኽፋል ንብረት ኪወስድ ይኽእል።

 

ዓንቀጽ 24 - ምምሕዳራዊ ፍትሒ

1. ዝኾነ ምምሕዳራዊ ጉዳይ ዘለዎ ሰብ፡ በቲ ዘምልከቶ ምምሕዳራዊ በዓል ስልጣን ብኣኽብሮት ኪስማዕን ቅልጡፍን ርትዓውን መልሲ ኪረክብን መሰል ኣለዎ።

2. እኾነ ምምሕዳራዊ ጉዳይ ዘለዎ ሰብ፡ መሰላቱ ወይ ረብሓታቱ ምስዝትንከፍ ወይ ምስዝህደድ ግቡእ ምምሕዳራዊ መአረምታ ኪግበረሉ መሰል ኣለዎ።

ዓንቀጻት ቅዋም ከምዘለዎ እዩ ቀሪቡ ዘሎ። እዚ ማለት ሃገራዊ ግቡኡ ዝፈጸመ ኩሉ መሰሉኸ ረኺቡዶ ንክግምግም ክሕግዝ ብማለት ኢዩ። ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣን፡ ብሓፈሻኡ ድማ ብዛዕባ ከምድክመት’ዛ ቅዋማ ንዝጥቀስ ከም ዛዕባ ዜግነትን ጉዳይ መሬትን ከምቲ ኩሉ ዜጋ ከኣ ኣነ ንዘለኒ ርኢቶ ዘተኮረ ናይ መወዳእታ ትንተና ድማ ክስዕብ ኢዩ።

 

ድሓን ቀንዩ!

ጎደፋ።

28-12-2011

 

Add comment

Security code
Refresh

ናዕታ

ካብ 24/1991 ጉምበት ክሳብ ሕጂ ጥሜት (ተሰፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ)

ሓቂ መሲሉና ብዕልልታ ተቐቢልና
ከም ጀጋኑ ሰቒልናዮም ኣብ ርእስና
ብሳላኹም ወጊሓ መሬት እናበልና
ሳዕሲዕና ጨፊርና ሓጎስና ገሊጽና
መላእ ኤርትራ ብሓጎስ ኣጥለቕሊቓ
ካብ ጫፍ ክሳብ ስግር ባሕሪ ኣፍሪቃ
ብዓለማ ተበሲራ ብተለፎን ጠዋዊቓ
ሰላም ኮይኑ ንግዜኡ ጸሓይና በሪቓ

Read more...

መንእሰይ! ተበገስ ( ረድኢ ክፍለ (ባሻይ))

ጅግንነትካ ዓለም ዘንፈጥፈጠ
ኣጻብዕካ ጥይት ዝሸምጠጠ
ፈሪሁዶ ‘ብለካ ዘይፈለጠ
ዘንጊዕካ’ምበር ብተመን ውሻጠ
ጎበዝ ንቐል ናባኻ’ዩ ውራይ
ኣብ ገዛእ ገዛኻስ ዳርጋ ክራይ
ህግደፍ ክኣስረካስ ትብል ሕራይ
ወድ መንከ ክትብሃል ዳሕራይ?

Read more...
More: