ብጀመርታ ንኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ርሑስ ልደት እምነ።
ክቡራት ተኸታተልቲ፡ ይህውኸኩም ይህሉ ኢየ። ዘረባ እንተበዚሑ መዓስ ጽቡቕ! ግን መታን ክትከታተሉ ምስቲ ስቕለት ናይ ፈነውቲ ስለዝጓየ ዘለኹ ኢዩ። ከምቲ መደብና እምበኣር ሎሚ መወዳእታ ክፋል ሳልሳይ ምዕራፍ ቅዋ ም ኢዩ። እዚ ማለት ንኩሉ ምዕራፋት ክንዛረበሉ ስለዘይመረጽኩ ብዛዕባ ሓንቲ ምዕራፍ ጥራይ ብምጽሓፈይ ኢዩ። ከምሓሳብ ግና ከምቲ ዝበሃል ንወርዘይዘይ ዘይኮነስ ቅዋምን ብሕጊ ዝምእዘዝ መንግስትን መሰረት መሰል ደቂ ሰብ ምዃኑን ብፍላይ ከእ ህዝቢ ኤርትራ መሰሉ ክግፈፍ ኣይኢዱን ብምኻኑ ኢዩ። ድሓን ሓበሬታ ተመሓላሊፉ ክኸው ን ድማ እትስፎ።
ዓንቀጽ 23 ፤ መሰል ንብረት። ደጋጊሙ ከምእተገለጸ ውልቀ-ዋንነት ንብረት ንርእሱ ብሕትና ኢዩ። እዚ ከኣ ምስ ብሕትና ስርዓትና ኣይቃዶን። ንማለቱ ምንግስታውን ብሕታውን ዋንነት ከምዘሎ ክውረ ካብምስማዕ ሓሊፉ ግብራ ውነቱ ግን ውጉዝ ኢዩ።ብዘይምኽንያት ኣይኮነን። ውልቀ-ሰባት ማሎም ከዋፍሩ ኣብታ ሃገር ውሕስነት ዝኸውን ቅ ዋማዊ ግዝኣተ-ሕጊ ክህሉ ኣለዎ። ሕጊ ወፍሪ ክህሉ ኣለዎ። እዚ ከኣ ፍጹም ሓደገኛ ኢዩ ነቲ ስርዓት። ምኽንያቱ ሰ ብ ናይ ስራሕ ዕድል ስለዝረክብ፡ ሰሪሑ ርእሱ እንተክኢሉ ተመጽዋቲ ናይ ህግደፍ ኣይክኸውንን ኢዩ፡ ብዓቢ መጠ ን እንተገመትና’ውን ገንዘብ ውልቂ ኣብ መዓላ ተቓውሞ ውልቀ-መላኺ ኣይክውዕልን ኢዩ።
በቲ ካልእ ንሱ እቲ ስ ርዓት ንዝተጠርየ ንብረት ውልቂ ክዓጹ ከባድም ክህግር ምእንቲ ክጥዕሞ ሕጊ ዋንነት ክጸንዕ ኣይድላዩን ኢዩ።ኮይ ኑ ከኣ ዘዝተጠረየ ንብረት፡ትካል፡ ልዕሊ ሰለስተ-ርብዒ ብርክታት ብምግዛእ ህግደፍ በዓል ሽርካ ክኸውን ኣለዎ። ሕራይ፡ ተባሂሉ ስራሕ ኣብዝተጀመረሉ እዋን’ውን ብዝተፈላለየ ጥበብ/ ኣውራዃ ካፒታል ብምምጣጥ/ ንበዓል ፍ ርቂ ምጽንጻል ውሃ ዘበለ ጥበብ ስርዓት ህግደፍ ኮይኑ እንሆ። እተን ዝርካበን ብናይ ውልቀ-ሰባት ፍቓድ ንግዲ ዝ ጽዋዓ ትካላት እምበኣር ዋንነተንሲ ህግደፍ ኢዩ። ከምገለ ብዝተሃንጻ ኣባይቲ ከነመስግን እንተደለና’ውን ንሳተን ከ ኣ ናይ ዋንነት ምስክር ዘይተዓደለን፡ ኣብ ቃሕ ዝበሎ እዋን ክስሕበን ዝኽእል መእሰሪ ዜጋታት ተባሂለን ዝቖማ እየ ን። ሓደ ዜጋ ዝርካባ እጃሙ ከይረኸበ እንከሎ፡ዋጋን ክፍሊትን ናይ ሓሓደ ገዛ ዝገበሩ ምጥቃም ኣብይዎ ሰሰለስተ ገዛውቲ ድማ ክምነየሎም ተሰሚዑ።
ስለዚ ሓቁ ኢዩ ደርሆ ኣንዊሑ ክኣስር።ከምቲ ቑሪ ጹጉባት ዝእልሽ፡ ገዛኢና ከ ኣ ንኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ዜጋታትና ብነዊሕ ገመድ ይኣስር። ዘይምፍላጥ በቲ ሓደስ ዝምስገነሉ እዋን ከኣ ኣሎ።በሉ እዚ ስርዓተ-ዴስነት ይሰመ ማሕበርነት ዓንቀጽ 23 ማለት መሰል ንብረት ብዘለዎ ጥሒስዎ ኢዩ። ስርዓተ-ቁጽጽር ኣይሃሉ፡ ክብል ዝደለኹ ይመስል ከይህሉ ግዳ፡ ማለተይ ብሓጺሩ፡ ኩሉ ብመሰል ዜጋታት ዝጥመት ረብሓታት ሃገ ራዊ ዘይኮነ ሰልፋዊ መሓንቖ ኮይኑ ከምዘሎ ንምብራህ ጥራይ ኢየ። ዝኾነ እንተኾነ ዝተባህለ ድማ እንተተባህለ ፡ “ ናህና“ እንብሎ ንብረት ብዘይ ንጹር ቅዋም ናህናነቱ ብኸመይ ነረጋግጽ? ብሸፈጥ ሓደ ልቢ ሰልፊ ህግደፍ ብሒት ዎ ዘሎ ናይ በረኻ ንብረት ህዝቢኸ? እቲ ህውቱት ናይ ምምቕራሕ ጸጋታት መደረ ገዲፍና መሰልና ብኸመይ ንሓተ ሉ? ንሰምዕ ኢና ርእስኻ ንምኽኣል ተባሂሉ ብዙሕ ይጸዓር ከምዘሎ። ምናልባሽ ሎሚሎሚ ገለ ኩባንያታት ኣትየን ኩዕታ ኣዋርቕ ጀሚረን እንተሰማዕና ብሰናይ ድሌት እቲ ስርዓት ከይመስለኩም። ቅድም ቀዳድም ናይመን እየን እተን ካምፓኒታት?እተን ትማሊ ከይቁርጥማና ዝፈራህናየን ካምፓኒታት ሃጸየ-መጸይዶ ኣይኮናን? ሎሚ ድኣዜግነት ዶ ተዓዲለን ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ግቡአን ክፍጽማ ባርካ ወሪደን/? መልሱ ንቕድሚት ንግደፎ።
ዓንቀጽ 24፤ ምምሕዳራዊ ፍትሒ። ከምዝፍለጥ ፍትሕን መሰልን ብዘይ ቁኑዕ ምሕደራ ዝከኣል ኣይኮነን። ምሕደራ ና እንታይ ይመስል ኣሎ? ተባሂሉ ኣብዝሕተተሉ እዋን መልሲ ዘየለ ምዃኑ ኢዩ። እንተኣልዩ ህዝቢ ከይሰናበድ ተጸ ሊኡ ዋላ እንተዘይተቓልሐ ሃገር ኣብ ሓደጋ ስለዘላ ከይተኣወጀ ዝተተግበረ ናይ ህጹጽ ኩነታት ተኣዊጁ እንሀ።ስለ ዚ ክቡር ፕረሲደንት ብላዕሊ ላዕሉ እናሓንሳብ ኣብከምዚ ዘለናዮ ኩነታት ከምዚ ዝኣመሰለ ርግኣት ከነርኢ ምኽኣ ልናሰ ልዑል ብቕዓት ምዃኑ ክገልጽ እንከሎ፡ ንምሕደራ ዝምልከት ግዳ ፍትሒ ዝበሃል ክሕተት ከምዘይብሉ፡ ካብ ዚ ዘለናዮ ንላዕሊ ፍትሒ ከምዘየለ፡ ካብ ካልኦት ቅድሜና ሃገራት ዝተሰመያ ንላዕሊ ብምሕደራና ኮነ ቁጠባና ንሕ ና ከምእንበልጽ ከእምን እንተዘየሎ ግን ካልእ ከምዘሎ ከጉባዕብዕ ይርአ። ስለዚ ስርዓት ኣልቦ ስለእተኣወጀ ኣብ ም ምዕራፍ ኣርባዕተ ዝሰፈረ ስልጣን ሃገራዊ ባይቶ ከምዘለዎ ተመንዚዑ ንይምሰል ጥራይ ከቑላሕልሕ ይረአ። ህዝቢ ከኣ ንመንግስቱ መኽሰሲ ቤትፍርዲ ከይተረፈ ስለዘይብሉ፡ ኣይፈለጠን እምበር ነዛ ንህላወኡ ብደዉ ተሸይጡ ከይህሉ ኣብ እዝግዮ ሸኣሎ ተሰኽቲቱ ይምህለል ኣሎ። ምሕረት የውርደሉ ንህዝቢ ኤርትራ!!
ምዕራፍ ሰለስተ እምበኣር ኣብዚ ተዛዚማ ኣላ። ብመሰረት ምዕራፍ ሓሙሽተ ናይዚ ቅዋምዚ፡ ፕረሲደንትን ቅዋምን ዘይነጻጸሉ ክፋላት ምምሕዳራዊ ቅርጺ መንግ ስቲ ክኾኑ ምተገብአ። እንተኾነ ኣይተዓደልናዮን። ስለዚ ናብታ ዘበገሰትና ስለምንታይ ኢዩ ህግደፍ/ፕረሲደንት/ንቅ ዋም ተሓሲምዋ? እትብል ሕቶ እስከ ንመለስ።
ግብቦት 23/1997 ቅዋም ሃገረ-ኤርትራ ጸዲቑ ኣብ ኢድ መራሕመንግስቲ ከምዝበጽሐ ኩልና ንዝክሮ ኢና። ኢቲ ግዜ ንክቡር ፕረሲደንትና ኣዝዩ ፈታኒ ኢዩ ነይሩ። እቲ እንተ ምእንቲ መጎጎ እንተ ብስንፈትና ዘሕለፍናዮ ናይ ንመሰልካ ምጥባቕ ግዜ ሽዑ ዘላቡ ኣይነበረን። ወዮ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከም “ ካብ እዚኦም ዝሕዙዋስ ንሱ ይሓዛ“ እናተባህለ ተጠቃሚ ናይ ዘይስምምዕ ዝነበረ ክቡር መራሕ መንግስቲ ሽዑ’ሞ ከምግምት ጉጅለ 15 መዋጽኦ ኣይነበሮን። ምኽንያቱ እቲ ናይ ኩሉ ግዜ ትጽቢትን ሃረርታን ተጋዳልይ ዝነበረ ፍትሕን ዲሞክራስን፡ቅዋም ብምጽዳቑ ክዉን ንምግባሩ ግዜኡ ከምዝኣኸለ ብምትእምማን ኢዩ ዝነበረ። ንሳቶም ንተግባራውነት ቅዋም ምስ ምብቃዕ ግዜ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ብምግንዛብ ናብ ምትግባሩ ኢዮም ኣድሂቦም። ብመሰረት ምዕራፍ ኣርባዕተ ስልጣን ሃገራ ዊ ባይቶ ዓብላሊ ድምጺ ስለዝነበሮም ከኣ ንተፈጻምነቱ ቅንጣብ’ዃ ኣይተጠራጠሩን። ፕረሲደንት ድማ ነብሱ ናይ ምክልኻል መሰል ስለዘለዎ ኣይተዘንግዐን። ብመሰረት ምዕራፍ ሓሙሽተ ምርጫን ቀጥዕታቱን ከምቲ ብናይውሽጢ ውሽጢ ደገፍ ናይተን ሕቡኣት ሰልፍታቱ ድምጺ ከምዘይረክብ ስለዝፈለጠ፡ ንቅዋምን ምዙዛታ፡ ብሓፈሻ ድማ ንሃገራዊ ባይቶ ምጭፍላቑ ተመራጺ ኢዩ ነይሩ።
ስለዚ ብዓንቀጽ 27 እዋን ህጹጽ ኩነተ ሓደጋ ኣወጀ። ነዚ ሕጋዊ ክገ ብር ከኣ ብሃታሃታ ኵናት ባድመ ኣናክሰ። ምእንቲ ከይሕተት ድማ ገናገና ዶብ ኣይክሕንጽጽን፡ ቅዋም ኣይክትግበር ን ኢዩ። ሓሽካ እቲ ግሩህ ህዝቢ ጭፍራ ዝወረረቶ ዝመሰሎ! ከምቲ ንዓሰርተ ትእዛዛት ምጥሓስ ኣካላውን መንፈሳውን ሳዕቤናት ዘለዎ፡ምጥሓስ ቅዋም ድማ ንክቡር ፕረሲደንት ብሓፈሽ ድማ ንኤርትራን ህዝባን ሰፍ ዘይብል ሳዕቤን ኣስዒቡ ኢዩ። ኩሉ ከምዝፈልጦ በቲ ግዜ’ቲ ንሱ ልዕሊ ሕጊ ሓሊፉ ህዝብን ሃገርን ክጠልም ዘኽእሎ እምንቶ ከናድን ከምኡ’ውን ድሕሪ ጥሕሳ ብዛዕባ ክመጽእ ንዝኽዝል ሳዕቤ ን ክገብሮ ዝመደበን ምግጣም ኣብይዎ ብምጭናቑ፡ ንዝቐረበሉ ጠለብ ኣኼባ መሳርሕቱ ብተርባጽ“ ክቛየቑ ኢለ ኣ ይመጽእን ኢየ“ኢሉ ኣብ ኣኼባታትውሽሽ ከምዘይብል ኣቕበጸ። ሳላ ጉጅለ መጠውቲ እኹል ሓበሬታ ይንበሮ’ምበር በታ ቀውጢ ግዜ መን ክእመን! እሞ ክፉእነቱ ገኒሕዎ ጭራሽ ንምንውናዉ ኣብ ደንደስ ህልም ገደል ደው ከምዝበ ለ ልቡ ኣብዘንሰላለወትሉ እዋን ነገር ፈነወ ኮይኑ ንሕና’ውን ክልቲኡ /ለውጥን ዘይምጥልላምን/ ብምድላይና ሓቂ ንምዝራብ ልቢ ናይእቶም እንዶ ነገራት ዝነበረና ነታ ቀዲማ ዝጠለመትና ደረቕ ልቢ ዝጭክን ጽንዓት ኣይነበረናን እሞ ቀዲምናዮ ክንነብዕ ኢና ተራኢና። እንኮላይ ጉጅለ፡ ፈቐዶ ኣኼባታትን ቤት ትምህርቲ ካድርን “ኣብ ሳልሳይ ዓለም ስርዓት ብሰላማዊ መንገዲ ኣይቅየርን ኢዩ“ ኢላ ከምዘይመሃረት ሽዑስ ሓዲግ ድማ ተንጠልጠለት።ጥልመት ንርእሱ ድፍረት ይሓትት። ፕረሲደንት ድማ ብክቱር ጻዕረ-ሞት ለይተለይቲ ክነፍጽ ተራእየ። ብመጻኢ ዕድሉን ብ መደባት መቐናቕንቱን ቅንጣብ ከምዘይዓጀቦ ንምምሳልን ንምዝንጋዑን እናተባህለ ፡ ናብ ሽምሩከ- ኣጓዱታት፡ከም ኡ ድማ ካልኦት መሰወሪታት ክበርር ቀነየ። ኣስመራ፡ በቶም ካብ ርሑቕ ተኲሶም ቐተልቲ ሰብ ነዋሕቲ ኣጫሕም ቀተልቲ ፕረሲደንት ኣሸሓት ኣልኼራት ከምዝተጎብአት፡ ኣብዛ ሰላማዊት ከተማ ኣስመራ ሰራሕተኛታት ጸጥታ ተነስኒሶም ንዘይነበረ ቀታሊ ከናድዩ ተራኣዩ። ከምቲ ዝተመደበ ድማ ነገራቱ ንግዚኡስ ክሽፈን ተፈተነ።
ጉጅለ መቀናጀውቲ “ፕረሲደንትስ ሰብዶ ኣይኮነን “ ብማለት ንጠባያት ትሕተክብሪ መራሕመንግስቲ ተዳፍዐት። እንተኾነ ዕርዲ ክፉኣት ንእዋኑ ጠራይ ስለዝኾነ ቀልጢፉ ድማ ሽዑ ዜና ተሰምዐ። ክቡር ፕረሲደንት ኣብ ቤት መስተታት ብኢዱ ንሰባት ጅግና ጽፍዒት ክጸፍዕ ከምዝጀመረ ተቐልዐ። ንስ ውን በቲ ወዳሲ ቃላት ተደናጊሩ ኣብስርሑ ዝዕንቅፎ ሰብ ከምዘይደሊ ብወግዒ ክምድረሉ ተሰምዐ። ኣብቲ ቤትመስተታት ካብዝተለኽዑ ሓደ ሚኒሲትሪ ዜና ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ ምንባሩ እቲ ክዕበጥ ዘይክእል ዜና ኣጋሊጽዎ ኢዩ። ናይዝጊ ኣብቲ መናድቕ ፎርቶ ኣጸጊዓ ጽገረዳ በሊዓቶ ከምዝነበረት ከይፈለጠ፡ ማዕረ መዝነቱ ዝነበረ መሲልዎ ብዘውጽኦ ቃል ብኢድ ፕረሲደንት ምስተጸፍዐ ብኢደይ ኢድካ ሓለውቲ ነብሲ ፕረሲደንት ተላዲዱ ሃለዋቱ ምስ ኣጥፍአ፡ ንወጻኢ ተላኢኹ።
ዓጃይብ ኢዩ ነገራቱ ። ንሱ ከምቲ ሽዑ ከይኮነ ኣብ 1973 ከምጀማሪ ናይታ “ሓለዋ ስውራ “ እተሰመየት ቤትማእሰ ርቲ ከምዝነበረ መጠን ነታ “መሪሕነት ክትቀትል መጺኣ“ ተባሂሉ ወንጀል ዝተሰርሓላ ቀዳመይቲ ግዳይ ቤትማእሰ ርቲ መስርዕ ሃንደሳን ፈዳኢንን ኣብ ዕጽውቲ ገዛ ኣእትዩ፡ ኣካል ናይታ ባዕሉ “መንካዕ “ኢሉ ሽም ዘውጸኣላ ኣዳሚት ጉጅለ ምዃና ሓቂ ተዛሪባ ነብሳ ከተቃልዕ እተገደደት ከምዝዓመጸ መጠን፡ መድረኹ ኣኺላድማ ኣብ ቃልዕ ቦታ ብ ኸምኡ ሰብኡት ተለኪዑ ምሒር ብምስቊርቋር ነታ ተሪፋቶ ዘላ ሩሕ ቛጺሩ ገለ ዕድመ እንተለቀበ ተሰዲዱ ዑቕባ ከምዝሓተተ ሰሚዕና።
ኣችለንተ ወዲክፍሉ! በል እንዃዕ ኣብጸሓካ። እንተኣነ ኣይትሕዘለይን ትኸውን ኢኻ። ዘረባይ ትርጉም ምእንቲ ክህ ልዎ ኢለ ብመንፈስ ናይታ ንጽህቲ ክንሳ ክትለፋለፍ ዝገደድካያ፡ ብመንፈስ ናይቶም ከምቲከማኻ ንናጽነትን ሓርነ ትን ቑመጣ ዓጢቖም ወፊሮም ክንሶም፡ ንስኻን ከማኻን ግን ብክሕደትን ምንክዕናን ጠቂንኩም ከይኣክል ስብእነት ቆጺርካዮ ኣእዳዎም ቀፊድካ ዝተባህልዎ ክኣምኑ ዝገደድካዮም፡ ብመንፈስ ናይእኒ በዓል ወደባቴ፡ ጴጥሮስ ሰለሞን ንካልኦትን ኢየ ታሪኽካ ኣዘንትየልካ። ገባር ክፉእ ብምዃንካ ድማ ኣብ ወጥርኻ ተጋዳላይ ግድሻ’ዃ ኣይገበረን።ዝ ኾነ ኮይኑ ከምቶም ንስኻውን ነቶም ኣከላቢትካ ንዘፋነኻዮም ዘርከብካዮም፡ ለኻዕትኻ ድማ ክሳብ ዘርክቡኻ ዕድ መ ይፍጠረልካ!!
ተጋዳላይ ብዙሕ ኢዩ ዝፈልጥ። ምዕቃብ ምስጢር ኣካል ናይቲ ገድሊ ስለዝኾነ ግን ክንድቲ ዝፈልጦ ክዛረብ ኣይ ደልን። እንተኾነ እዚ ተጋዳላይ ህዝቢ’ዚኸ ክሳዕመዓስ ኢዩ ልቡ ደፊንካ ክዕሾ ክነብር ዝድለ ዘሎ? ክሳዕ መዓስከ እቲ መሰረታዊ መባእታ መሰል ደቂ ሰብ ብዝተፈላለየ ጓል መገዲ እናተደፍነ ይጽቀጥ? እንተድኣ ቃልሲ መራሕትና ንፍትሒ ነይሩ መዓስ ኢዩ ቅዋማዊ መንግስቲ ክህሉ? እቲ መልሲ ርዱእ ኢዩ። ትማሊ ሎምን ጽባሕን ኣብ እዋን ሐደጋ ስለዘለና ቅዋም ኣይሕሰብን፡ጸሓይ በሪቓ እንከላ ድማ ዶብ ኣይሕንጸጽን በቃ! እቲ ቅብጸቱ ኣስተማቒርኩሞ እንተኣሊኹም ብሳላ ከምኡ ዝገበሩ ሃገር ከምዘውሓሱ ኢዩ እቲ ብደቂሰባት ላግጺ።ብሳላ ዘይግቡእ ኵናት ወሊዖም ሃገር ዘዕነዉ፡ ብሳላ ብዘይፍትሒ ዜጋታት ኣሲሮም ዘህለቑ፡ ብሳላ ኣፍ ሰብ ዓቢሶም ኣውያት ዝሰተሩ፡ ሳላ ቀቲሎም ከይተፈለጡ ዝደፈኑ ሰላምን ርግኣትን ከምዘስፈኑ ዝመደሩ፡ ሳላ ሽያጥ መንእሰያት ከምኣበሃህላኦም ድቢት ማሽነሪ ኣእትዮም ሃገር ዘልምዑ፡ ብሳላ መወዳእታ ዘይብሉ ጊላነት …………። እሞ ሕጂ ድማ ንዝያዳ ብልጽግናን ምዕባለን ዝተዓጻጸፈ ጥፍኣት እንደገና ኵናት ክህልወና ማለት ዲዩ? ገዛገዛ እናተኣተወ ብሕሹኽሹኽ “እቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ኮኑ እቶም ኣካላቶም ዝተሸጠ ካባና ኣይኮኑን፡ እከለ’ዃ ባዕሉ ኢዩ እንታይኣእተዎ ኣፉ ዘይሕዝ“ እናተባህለ ድዩ ብስዉር ፈላሊኻ ግዛእ ክገዳዳዕ ህዝቢ ኤርትራ?
መጨረሽታ ኩላህና ሓንቲ ሕቶ ከምእትህልወና ሓቂ ኢዩ። ቅዋማዊ መንግስቲ ተተኺሉ እንተዝነብርከ ክንደይ ማሽነሪ ኣትየን፡ ክንደይ መሬት ማዕድነ-ሕርሻ ተቖፊሩ ምሃለወ? ክንደይ ናይ ስራሕ ዕድላት ተኽፊቱ ክንደይ ስድራታት ተመስሪተን ምሃለዋ? እዛ ብመሸጣ ኣካላት ሰብ ዝተቓልዐት፡ ባዶ ዲፕሎምሲ “ ፍሉያት ኢና“ ካብዝብል ተንኮለኛ ጥበብ ህዝቢ ኣደናጊሩ ሃገር ከምትእገድ እንተዘይገብር ሃገርና እንታይ ዝኣመሰለ ርግኣትን መዓርግንከ ምሃለዋ“……።
ክሳራና እምበኣር ከምቲ ፕረሲደንት ዝበሎ 14 ዓመታት ጥራይ ዘይኮነ ነቲ እወታና’ውን በሊዕዎ ኢዩ። ብኡምኽንያ ት ኢዩ በሉ ለውጢ ንሓንቲ መዓልቲ’ውን ክትጓተት ዘይብላ።“ ብሰላማዊ ኣገባብ ቀስ ኢልና ኢና ነርክበሉ“ ክብሉ ንሰምዕ። ናቶም ይሓይሽ፡ ካብ ትጽቢት ሓሊፍናኸ እንታይ ገበርቲ ኾይንና እምበር ጸገማትና ድኣ መዓስ የላቡ።
ዘልዓልናያ ኣርእስቲ ኣብምዝዛምና ገለንዝርአ ሓሳባት ድማ ክንተናኽፍ። በቲ ሓደ ወገን ቅዋም ከምኣገዳስነታ ብኽ መይ ኣብ ኢድ ግዱሳት ክትበጽሕ ትኽእል? ኢዩ። ብወገነይ ዝከኣል ኣይመስለንን። ዝከኣል እንተኾይኑ ግን ጠለብ ሓታቲ ክማልእ ኢዩ። ቅዋም መንግስቲ ኣብ ሃይማኖታት ኢዱ ከእቱ ከምዘይብሉ ብዘይምጥቃሳ ዝወቅስ ኣንቢበ። ከይንህውትት መንግስቲ ድዩ ልዕሊኩሉ ሃይማኖት ኢልና። መንግስቲ ብዘለዎ ስልጣን ንዝኾነ ክሓትት ይኽእል፡ ግን ነየናይ ገበን በየናይ ሕጊ? በየናይ ቅዋም? ብተወሳኺ መምዘኒ ምርጫ መራሕ መንግስቲ ኣይነጸረን፡ ሕቶ ዜግነ ት ከምኡ ኣይጸበቐን…..ብዙሕ ርኢቶ ክመጽእ ይክእል። ቅዋም ግን ጉድለታ ክትእርምን ክትቅበልን ብገዛእ ዓንቀጻ ዓንቀጽ 59፡ ድልውቲ ኢያ።
ካልእ ዝበሃል ከኣ ኣሎ።ቅዋም ዕላማ ከምዝኾነ መጠን ናይ ሓባር ቛንቓ ኢዩ። ህግደፍ ድማ ሰራቕ ልቢ ሰብ ኢዩሞ ክብለጸሉ ደልዩ ክእውጆ ኢየ እንተበለከ? ብተወሳኺ ሚሊዮን ግዜ ከምዘይሰዓር ስለዝፈልጥ ምርጫ ክገብር ኢየ እ ንተበለኸ? ዝብል ተስፋን ስግኣትን ድማ ይስማዕ ኢዩ። ኣይትተስፈዉ፡ እቲ ነብሱ ኣብ ህዝባዊ ገንባር ክሓብእ ዝር አ ዘሎ ህግደፍ ቅዋም እንተተሓሲቡ መሰል ክቕበል ክግደድ ኢዩ። ቀዳመይቲ መሰል እሱራት ምፍታሕ ኢዩ። ሽዑ ናይ ትሕቲ መሬት ንላዕሊ፡ ናይ ላዕሊ ድማ ንትሕቲ መሬት ኢዩ ክኸውን። እምበር ቅዋም ድኣ ብመሰረቱ፡ ሕጊ ብ ሓጋጊኡ ከምዝጠሓስ ስለእትፈልጥ ክሳብ ንመራሕ መንግስቲ ዳኛን ርእሲ ኣብያተ-ፍርድን ቀይዲ ገይራትሎም እን ድያስ። ከምኡ ድማ ሓለፋን መከላኸሊ ንብስን ሓዚኣትሎም ኢያ ቅዋም። ንደረተኣልቦ ስስዐ ህግደፍ ዘርዊ ሓለፋን ንክንድቲ ዝፈለጥናዮ ቁንጣሮ ጥራይ ዘይኮነ ገናገና መዐቀኒ ንዘይርከቦ ገበናት ሕጋዊ መከላኸሊ ነብስን ግን ኣይርከ ቦን ኢዩ። ስለ’ቲ ንሱ ኢዩ እምበኣር ህግደፍ ናብ ሰላም ክምለስ ዘይክእልን ’’ገና ዘይተዳህሰሰ ተልእኾ ኣለዎ’’ ዝበሃ ል ዘሎን። ቅዋማዊ መንግስቲ ግና እንተ ብግዳማዊ፡ እንተ ብውሽጣዊ ሓይሊ ለውጢ፡ግህዶ ክኽውን ኢዩ።
በሉ ብዓቕመይን ብሓጺሩን ቅዋምን ኣገዳስነታን ምስ ተመኩሮታትና ብምዝማድ ዘቕረብኩዎ ጽሑፍ ኣብዚ ከቛርጾ ኢየ።
ድሓን ወንዩ።
ጎደፋ።



