You are here: Home እዋናዊ Articles ናብ ዝኸበርኩም ኣቕሽሽትን: ፓስቶራትን: ድያቆናትን: አገልገልትን ምእመናንን አብ ወጻኢ ትርከቡ

ናብ ዝኸበርኩም ኣቕሽሽትን: ፓስቶራትን: ድያቆናትን: አገልገልትን ምእመናንን አብ ወጻኢ ትርከቡ

E-mail Print PDF

ናብ ዝኸበርኩም ኣቕሽሽትን: ፓስቶራትን: ድያቆናትን: አገልገልትን ምእመናንን አብ ወጻኢ ትርከቡ

Your browser may not support display of this image.ብቐዳምነት ብስም መድሓኒናን ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን። ቐጺለ አብ ትገብርዎ ኩሉ ስራሕኩም አሳልጦ ክህልወኩም ጸሎተይን ምንዮተይን እዩ። በዛ ሓጻር ደብዳቤ አምላኽ አብ ልበይ ዘስፈረለይ ሓሳባት ከካፍለኩም ከለኹ ካብ ሓልዮት ቤተ-ክርስትያንን ሃገርን ምዃኑ ክትግንዘቡለይ ይፈቱ።

ቕድሚ ገለ ዓመታት ሓደ ፓስቶር አብ ዝሰብከሉ ዝነበረ አነ ናብ ጎይታ መጺኤ። ካብታ ዕለት እትኣ ጉዕዞይ ምስ አምላኸይ ሓደ ዉርዙይን ኩቡሩን ዜጋ ክኽውን በቒዔ። በቲ ዝወሃበኒ ዝነበረ ትምህርቲ መጽሓፍ ቕዱስ ምስ ከባብየ ብሰላም: ንወደለደይ ብምኽባር: ንሃገረይ ብምፍቃር ክነብር ኪኢለ። ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስን ምኽሪ ኣቕሽሽተይን ፈታዊ ፍትሒ ክኸውን አባራቲዖሙኒ። ንዝኾነ እኩይን ዘይፍትሓዊ ነገራትን ብንጹር ክቃወም እቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝተኮስኮሰ ሕልናይ ይግድደኒ ነይሩ። እዚ ግና ናተይ ምስክር ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ኩሉ ኣማኒ እዩ። እቲ ነምልኾ ኣምላኽ ፍጹምን ፍትሓውን ስለ ዝኾነ፣ ከም ኣመንቲ መጠን ፍትሓውያን ክንከውን መጽሓፍ ቅዱስና ኣዳዕዲዑ ይምህረና። “ፍርዲ ኣይተቕንን፤ ገጽ ርኢኻ ኣይተዳሉ …” ኦሪት ዘዳግም 16፣19

ኣብ ሰብዓታት በቲ ደርጊ ዝገብሮ ዝነበረ ግፍዕታት ከም ኤርትራዊ ሕልናይ ስለ ዝተረበሸ ምስ ቀሸይን አገልገልቲ ናይ ቤተ-ክርስትያነይን ድሕሪ ምዝርራብ ናብ ሜዳ ወጺኤ ብሓደ ኢደይ መጽሓፍ ቅዱስ በቲ ሓደ ኢደይ ክኣ ከላሽን ብምሓዝ ንናጽነት ሓገረይ አበርኪተ። ኣምላኽ አሞጉሱና ክኣ ኤርትራ ሃገርና ነጻ ኾይና። ብ1998 አብቲ አብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተኸፍተ ናይ ዶብ ግርጭት: ንሃገረይ ክከላኸል ከም ኩሉ ኤርትራዊ ብዓልቲ ቤተይን ደቀይን ራሕሪሐ ከቲተ። ኣምላኽ ንክልቲኡ ህዝቢ ብምሕረት ዓይኒ ስለ ዝረኣየ ነቲ ህልቂት ጠጠው አቢልዎ። ድሕሪ እዚ ኹሉ፤ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ዕጫይ ኮይኑ ናብ ስደት አምሪሔ።

አብ ስደት ዝተጓነፈትኒ ሂወት ክርስትና ግና አይግድን። ነቲ ብግንቦት 2002 ናይ ቤተ-ክርስትያናት ምዕጻው ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተወስደ ስጉምቲ ንምቅዋምን ነቶም ብዘይ ገበን ዝተኣስሩ አመንቲ ንኽፍትሑን ዝጠልብ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ብምክፋለይ ፓስቶረይ ደስ አይበሎን። ገለ ዲያቆናት ናይ ቤተ-ክርስትያነይ ሓጥያት ከም ዝገበርኩ ገሰጹኒ። ገሊኦምውን ክርስትያን አብ ፖለቲካ ግደ ክህልዎ የብሉን እናበሉ ክምህሩኒ ጀመሩ። ንፍትሒኣቕሽሽትን: ፓስቶራትን: ድያቆናትን: አገልገልትን:ኣመንትን ዘይተጣበቑላ መንክጣበቐላእዩ?

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ንፍትሒ ዝተቓለሱ ብዙሓት እዮም። አስቴርን ማርዶካይን ንመሰል ህዝቦም ከም ዝተቓለሱ አብ መጽሓፍ አስቴር አስፊርዎ አሎ። ነህምያ ስቓይ ህዝቡ ከቃልል ነቲ ዝነበሮ ምቹእ ናብራ ራሕሪሑ ንህዝቡ ፍትሒ ዘምጸኤ ጻድቕ እዩ። ነብይ ናታን ንንጉስ ዳዊት ብድፍረት ነቲ ዝፈጸሞ ገበን ዓገብ እንተዘይብሎ፤ ንጉስ ዳዊት ካልእ ገበን ምስ ገበረ ነይሩ። ሎሚ ኤርትራ ተባዕ ከም ነቢይ ናታን የድልያ ኣሎ። አስቴርን: ማርዶካይንነህምያንነብይ ናታን ፈተውቲአምላኽንፍትሒንነይሮም። ልዕሊኹሉክኣጎይታናንመድሓኒናየሱስክርስቶስናብዓለምዝመጸንህዝቡፍትሒከምጽእእዩ። "... ንግፉዓትክኣምውጻእሓራክሰብኽ ..." ሉቃስ 4:18

ቤተ-ክርስትያናት ካብ ዝዕጸዋ ድሮ ሸውዓተ ዓመት ኮይኑ። ብኻልእ አዘራርባ አብ ሃገርና ቤተ-ክርስትያን ዘይፈልጥ ወለዶ ይፍጠር አሎ። ጳጳስ ናይ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ክብሮም ድሕሪ ምቕንጣጥ ኣብ ማሕዩር ኣትዮም። አመንቲ ብዘይ ገበን አብ ጎዳጉዲ ካብ ዝሰፍሩ ዓመታት ኮይኑ: ገሊኦም ሰንኪሎም፣ ገሊኦም ብሕማም ተሳቕዮም፣ ገሊኦም ክኣ ሞይቶም። ደቖም ዘኽቲሞም: አንስቶም ብዘይ ሰቡኡት ተሪፈን: ወለዶም ብሓዘን ሓሪሮም። ሎሚ ኢዚሄር (ኣብ ህላዌ ኣምላኽ ዘይኣምን - Athiest) ኣብ ጎዶናታት ኣስመራ ኣዳዕዲዑ ክኸይድ ከሎ፤ በንጻሩ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ሽቕሩር ክብል ይርኤ። ስለምንታይ? ናይ ፖሎቲካ እሱራት ብዘይ ፍርዲ አብ ጎዳጉድ በልዮምን ሞይቶምን። መንእሰያትና ካብዚ ኣሰቃቂ ናብራ ምስ ዘምልጡ ወለዶም አሽሓት ገንዘብ ክኽፍሉ ይግደዱ: ዘይከፈሉ ክኣ አብ ቤት ማሰርቲ ይበልዩ አለዉ። መንእሰያትና ካብዚ አሰቃቂ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ከምልጡ ክብሉ ገሊኦም አብ ምድረ-በዳ ገሊኦም አብ ባሕሪ ይቕዘፉ አለዉ። ኤርትራውያን ሃገር ከምዘይብሎም ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ስደተኛታት ኮይኖም ይነብሩ ኣለዉ።

ኣብዚ ቀረባ ጊዜ ካብ ኣስመራ ዝመጸ ኣማኒ ኣብ ዝሃቦ ምስክርነት ንሓንጎለይ ኣናዊጹ ንሕልናይ ድቃስ ከሊኡኒ። ኣብ ዝሃቦ ምስክርነት፤ ሓደ ካብቶም እሱራት ኣመንቲ ኣጸቢቑ ስለ ዝሓመመ ናብ ሆስፒታል ምስ ወሰድዎ፤ ካብ መጠን ንላዕሊ ስለ ዝተሃስየ ብቕጥታ IV (Intravenous)ተዋሂብዎ። ድሕሪ ገለ ሰዓታት ግና ‘ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት’ ባጀት የብልናን ተባሂሉ እቲ IV (Intravenous) ብቐጥታ ክቋረጽ ተገይሩ። ከይጸንሔ ክኣ ካብ ሆስፒታል ከም ዝወጽእ ድሕሪ ምግባር ብዙሕ ከይጸንሔ ሞይቱ። ከምዚ ዓይነት ግፍዒ ንዝገብር ስርዓት ዓገብ ምባል ነውሪ ድዩ?

እዚ ኩሉ ግፍዕታት እናተገብረ ከሎ፤ ቤተ-ክርስትያን ኢዳ ኣጣሚራ ከም ዘይጉዳያ ስቅ ክትብል፤ ሰብ ኣይፈትዎ ኣምላኽ ኣይፈትዎ። ቤተ-ክርስትያን ድምጻ ከተስምዕ ኣለዋ። ኣብዚ እዋን ቤተ-ክርስትያን እጃማ እንተዘይገይራ ብኣምላኽን ብታሪኽን ክትሕተት እያ። ፓስቶራትናን ኣቕሽሽትናን ኣብታ ዝሰብኩላ መድረኽ (Pulpit) ናይ ፍትሒ ድምጺ ከስምዑ ኣለዎም። ኣገልገልትናን ድያቆናትናን ናይ ፍትሒ ቃል ክምህሩ ኣለዎም። ምእመናን ናይ ፍትሒ ኣምባሳደራት ክኾኑ ይግብኦም ምኽንያቱ እቲ ዘገልግልዎ ኣምላኽ ናይ ፍትሒ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ። እዚ እዩ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህረና። ንፍትሒ ንጣበቐላ፤ ምኽንያቱ ናይ ፍትሒ ኣምላኽ ኢና ነምልኽ።

ኣቕሽሽትናን ፓስቶራትናን ክገብርዎ ዝግብኦም፤ ኤልሳ ጭሩምን፣ ሰላም ኪዳነን ከይሰልከየን ንመሰል ኤርትራውያን ይቃለሳ ኣለዋ። ከም በዓል Nehemiah International Mnistry, Release Eritrea, In Chains For Christ ብትግሃት ንቤተሰብ እሱራት ኣብ ምሕጋዝን፤ ነቲ እኩይ ስራሕ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምቅላሕን ይነጥፋ ኣለዋ። እዚ ጉዳይ እዚ ቤተ-ክርስትያን እንተትገብሮ ክንደይ መምሓረላ! ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክኣ ሞገስ ምረኸበት። ሕጅውን እንተኾነ ብዙሕ ዝስራሕ ስለ ዘሎ፤ ቤተ-ክርስትያን ብትብዓት ንመሰል ጥቑዓት ኤርትራውያን ክተግህ ይግብኣ። “ንምግዱርን ንዘኽታምን በይኑሎም፣ ንጭኑቕን መስኪንን ፍትሒ ኣውጽኡሎም።” መዝሙር ዳዊት 82፣3

“ክቡር ሰብ ግና ክቡር ሓሳብ ይሓስብ፣ ኣብ ክቡር ነገር ክኣ ይጸንዕ።” ትንቢት ኢሳይያስ 32፣8 ስለዚ ሃየ ካብ ጣዕሳ ዝኸፍእ የለን እሞ፤ ክቡር ሓሳብ ንሕሰብ ኣብ ክቡር ነገር ክኣ ንጽናዕ። እቲ ክቡር ነገር ክኣ ንጥቑዓት ምጥባቕ እዩ። “… ሓቀኛ ፍርዲ ፍረዱ፤ ንሓድሕድኩም ድማ ሰናይን ምሕረትን ግበሩ።” ትንቢት ዘካርያስ 7፣9 እዚ ምስ ንገብር ናይ ሕልና ቅሳነት ንረክብ፤ ንመጻኢ ወልዶ ክኣ ብሩህን ትስፍውን ህይወት ንኸፍተሉ። ነቲ እኩይ ፈንፊና፤ ነቲ ሰናይ ክንገብር ኣምላኽ የሞግሰና። እሞ ከምቲ ነብይ ናታን ንንጉስ ዳዊት ዓገብ ዝበሎ፤ ሎሚ ንመራሕቲ ሃገርና ዓገብ እንተንብሎም ንሃገርና ካብ ጥፍኣት መውጻእናያ።

እዮብ
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

 

 

ናዕታ

መታን ህዝብና ክርህዎ ንህግድፍ ሓቢርና ንምሓዎ

ሕጊ እንዳባ ሓዊ ኣንዲድዎ
ጥንታዊ ታሪኽና ነበረ ነበረ ገርዎ
ካብኡ ዘይሕሹ ሚኒስተራት ኣለዉዎ
ጥንታዊ ታሪክና ከጥፍእ ትም ኢሎም ይሪእይዎ
ኣባ ኣጎቲኖ እዚ ከይመጽእ እዮም ዝበሉ ቀድምዎ

Read more...

ዋርሳይ ይከኣሎ ሕጂውን ኣይፋለይን በሎ::

መን ኢዩ ኣሳሪ መንዩኽ ተኣሳሪ
መንዩ ተንበርካኺ መንዩኸ መካቲ

ትፈልጦ ኢኻ ባዕልኻ ኣብ ግዜ ኩናት ከመይ ከም ዝነበረ
መን ከም ዝመከተ መን ከም ዘድሓርሓረ
መን ኣብ እንዳ ስዋ ኣብ ባር ከም ዝነበረ
መን ኣንዊሑ ብምሕሳብ ንረብሓ ሃገር ዝገበረ
ንረብሓ ህዝቢ ዝኸውን ኣግፊሑ ዝመኸረ
መንዩኽ በሽካዕላል ዘየድሊ ቃላት ዝወርወረ
ዘየድሊ ብድዐ ጌሩ ዝመደረ ዝገዓረ!!

ኩሉ እኮ----- ኣይተረስዐን

ናይ ትማሊ ተዘክሮዩ ይግባእ ክኽዘን!!
ኣሎ ኣብ መዘክር ማህደር ተኸዲኑ ብመኽደን::

Read more...
More:

ምልክታ ንተሳተፍቲ

ብተክኒካዊ ምኽንያታት ተቋሪጹ ዝጸንሐ ናይ ትግርኛ ገጽ፡ ደጊም ጀሚሩ ከምዘሎ ብሓጎስ ነበስር። ኣብ’ዚ ገጽ እዚ ክወጻልኩም እትደልይዎ ጽሑፋት ብኢመይል tigarticles@delina.org ልኣኹልና። ቅድሚ ሕጂ በቲ ናይ ቀደም ኣድራሻ ዝሰደድኩሞ እሞ ዘይወጸ ጽሑፋት እንተልዩ እውን፡ በዚ ዝተጠቕሰ ሓድሽ ኣድራሻ-ኢመይል ደጊምኩም ክትሰድዎ ከምእትኸሉ ነዘኻኽር።

መርሓ ሕንጻጽ (Submission Guidelines)
የቐንየልና... ኣዝማሪኖ

All categories

ናይ ሞት መንፈስ አብ ዙርያ ኤርትራዊያን

ናይ ሞት መንፈስ አብ ዙርያ ኤርትራዊያን


ዓው ኢልካ ዘይብከዮ ሰማዒ ዘይብሉ ኣውያት መንእሰያት ኤርትራ አብ ሃገሮም ብሰላም ንኸይነብሩ እሾክ እግሪ ኮይኑ እንዳወግኤ  ለይትን ቀትርን ከም ቁርዲድ ደሞም እንዳመጸየ ብምስምስ ሃገራዊ አገልግሎት መወዳታ ዘይብሉ ናይ በረኻ ናብራ እንዳጮቆነ ዓፊኑ ካብ ዝሓዞም ስርዓት ንምህዳም ክብሉ ፈቆዶ ስደትን፣ ቀለብ ዓሳ ባሕርን ግዳይ ሕጻ በረኻን ኮይኖም የርከቡ ኣለዉ

More:

ፍሉይ ቃለ መጠይቅ ምስ ክቡር ቀዳማይ ምኒስተር መለስ 5ይ ክፋል

ፍሉይ ቃለ መጠይቅ ምስ ክቡር ቀዳማይ ምኒስተር መለስ  5ይ ክፋል

 16) እዚ ብኔፓድ ዝፍለጥ ቁጠባዊ ፕሮግራም ናይ ኣፍሪቃ ሕብረት፡ ብ2001 ከምዝተመስረተ ይዝከር፡ ዛጊት ንኣህዛብ ኣፍሪቃ ዘበርከቶ ጥቕሚ ኣሎዶ፧ ምስ'ዚ ብዝተተሓሓዘ፡ እንተ ዘይተጋግየ ንስኻ ወቕታዊ ኣቦ-መንበር ኔፓድ ኢኻ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ፡ ኣብ ኢጣልያዊት ከተማ ላኩዌላ፡ መራሕቲ G-8 ፡  ንስኻን ካልኦትን ልኡኻት ነፓድ ተሳቲፍኩም። ሃብታማት ሃገራት ዕስራ ቢልዮን ዶላር ንድኻ ሃገራት ንኽህባ ቃል ምእታወን ፡ ካብቲ ኣኼባ ዝወጸ መግለጺ ፈሊጠ። እዚ ገንዘብ'ዚ ነተን ድኻታት ዝብሃላ ሃገራት ብኸመይ ከምዝስላዕ'ዶ ምገለጽካለይ፧ ብኻልእ ኣዘራርባ ሓንቲ ድኻ ሃገር ካብዚ ገንዘብዚ ክትረክብ እንተኾይና ክተማልኦ ዝግብኦ ቅድመ-ኩነት ኣሎዋዶ፧

17) ኣፍሪቃ ኣብ ሕሱም ድኽነት ትርከብ ክፍሊ-ዓለም እያ። ካብ ድኽነት ንምውጻእ ትኽእለሉ ዕድላት ኣለውዋ'ዶ ትብል፧

 18) ዝመጽእ 2010 4ይ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ክካየድ ምዃኑ ካብ ማዕከናት ዜና ሃገርካ ሰሚዐ። እዚ ምርጫ ብጽፉፉን ዲሞክራስያዊ መንገዲን ንኸካይድ፡ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገበርኩሞ ምድላዋት እንታይ ይመስል፧

19) መጻኢ ዝምድናታት ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብኸመይ ትርእዮ፧

20) ብዓልቲ በትካ: ኣብ ንኡስ ዕድሜኣን ምጡን ኣካዳምያዊ ፍልጠትን ሒዛ  ናብ ገድሊ ከምስተሰለፍት ይንገር:: ሕጂ ድግሪ ኣልዋ ጥራይ ዘይኮነ: ሓደ ዓቢ ትካል ትመርሕ: እባል ማእከላይ ሽማግለ ሕዝባዊ ሓርነት ትግርራይን ኣባል ፈደራላዊ ዲምክራስያዊ ባትይቶን ኢያ:: ኤች ኣይቪ ኣይድስ ካብ ኢትዮጵያ  ንምጥፋእ ሓንቲ ካብ'ቶም ዓቢ ኣበርክቶ ዘሎውም ውለንተኛታትን'ያ:: ናይ ገዛእ ርእሳ ብልሕን ተበግሶን ከምዘለዋ ርዱእ ኮይኑ: ንስኻ ዝሓሸ ኣካድያሚያዊ ዓቕምን ተምኩሮን ከም ዘለካ: እብ ምዕባሊኣ: ኣበርክቶ ኣሎኒ ኢልካ ምስነብስኻ  ተዛራሩብካ'ዶ ትፈልጥ'ዶ?

21) ብዘይካ እቲ ምዱብ መንግስታዊ ስራሕካ: ዝተረፈ ግዜኻ ኣብ ገዛኻ ምስ ስድራበትካን ምስ ምጽሓፍቲ ምንባን ምጽሓፍን'ዩ ሂወትካ ዝብሉ ሰባት ኣሎዉ:: እስከ ዐዕልለኒ::

ክቡር ቀዳማይ ምኒስተር፡ ደጊመ ከምስግነካ እፈቱ የቀንያለይ።

Related Article: ፍሉይ ቃለ መጠይቅ ምስ ክቡር ቀዳማይ ምኒስተር መለስ 1ይ ክፋል | 2ይ ክፋል | 3ይ ክፋል | 4ይ ክፋል

More:

ኣብ ሳዋ ንዝርከብ ቤት ትምህርቲ ክዕጾ ከምዝተወሰነን ተወሳኺ ዜና ብዛዕባ ሜጀር ጀነራል ውጩ።

ቀዳማይን ኣውራን: ካብ ሳዋ ናብ ጎረቤት ሱዳን ዝግበር ህድማ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዝኾነ ሕማም ርእሲ ብምዃኑ።ካልኣይ ድማ: ፍቅሪ ወለዶም ዘይጸገቡ ዕሸላት ደቅና ንምንታይ ሳዋ ከይዶም ክመሃሩ ተገድድዎም ኣለኹም: ደቅና ብተላባዒ ሕማም ኣብ ዕሸል ዕድሚኦም ይቕዘፉ ኣለው ዝብል ናይ ህዝቢ ብርቱዕ ጸቕጢ ይዛይድ ብምህላው’ዩ ክብል ብዘየማትእ መገዲ ከምዝተዛረበ ድማ ኣመልኪቶም እዮም።

More:

ኢሰያስ ኣብ ኣኼባ ካቢኔ ሚኒስተራቱ፡ ዑና መርከብ ክምርቕ መዲቡ።

ኢሰያስ ኣብ ኣኼባ ካቢኔ ሚኒስተራቱ፡ ዑና መርከብ ክምርቕ መዲቡ።

መራሒ ህግደፍ ዲክታቶር ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ድሕሪ ሳልስቲ ናይ ካቢኔ ሚኒስተራቱ ኣኼባ ከካየድ መዲቡ ኣሎ። እዚ ናይ ሕጂ ኣኼባ ካቢኔ ሚኒስተራት፡ ስርዓት ኢሰያስ ከም'ቲ ልሙድ "እሰርሕ ኣለኹ" ኢሉ ህዝቢ ንምቕሻሸ ንፕሮፕጋንዳዊ ሃልኪ ዝኾኖ ስእሊ ንምቕራጽን፡ ኣንፈትን ኩነታትን ሹማምንቱ (ጠሊሞሞ’ዶ ገና ምስኡ ኣለዉ) ንምፍታሽን ኮይኑ፡ ኣብ ርእሲ'ዚ ሓንቲ ብላዕላያ ቀለም ተለኽያ ጥዕይቲ እትመስል፡ ኣዝያ ዝኣረገት ጠስጣስ መርከብ ንምምራቕን እውን ኢዩ። እታ መርከብ፡ ናይ ኢሰያስ ናይ ቢዝነስ መሻርኽቲ ዝኾኑ በዓል "ወልዱ ባርያ" ዘይተኣደነ መኽሰብ (ኣፋረ) ረኺቦም ዳርጋ ብጥርሑ "ዝዓደግዋ" ኮይና፡ ዓለማዊ መድሕን (Insurance) ስለዘይብላ ኣብ ስዊዝ ካናል ተዓጊታ ድሕሪ ምቕናያ፡ ናብ ኤርትራ ኣምሪሓ ኣላ።

More:

ሕጂኸ ናበይ??? ብራሰልስ

ብጂ13 ነብሶም ዝጸውዑ ነንሕድሕዶም ተዓዳዲሞም ኣብ ጀርመን ኣኸባ ጌሮም ናብ መዋፈሪኦም ኢደወነናዊ ሃብሮማይ ኢሰያስ ተመሊሶም ንብሱል ኩነታት ኣበርዒኖም ንግዳያት መፍተቱ ከም ዘሳጥሕዎ ናይ ትማሊ ተዘክሮ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ:: ንጂ15`ውን ሕማቕ ኣሰር ኣንጺፈሙሎም ነናብ መሕበኢኦም ተመሊሶም:: ብሓጺሩ ንተንኮል ፍሕሶታት ኢሰያስ ኣራጉዶም ንጂ15 መለገጫኡ ንኸውዕሎም ሓጋዚ ታራ  ከም እተጻወቱ ዘይምፍላጦም ዘብኪ እዩ:: ሎሚ ከኣ ኮር-ተገልበጥ ምስ ገለ ሽርሓኛታት ከም በዓል ኣና ጎመዝ ዝኣምሰሉ ኤውሮጳውያን ኮነ  ኣመሪካውያን ተማሻጢርካ: ሰብ ዋኒን ደቂ ሃገርካ ጠንጢንካ ላዕሊ ታሕቲ ሸለብ-ገለብስ ንመን ጠቕሚ ኮን ይኸውን? ኣቱም ህዝቢ ዓገብ ይግበር ኣሎ:: ካብ ዝሓለፈ ጌጋታቱ ዘይመሃር ምሁር ከም ምሁር ክትገልጾ ዘሰክፍ እዩ:: ....ብሓቂ ብህዝቦም ዝግደሱ እንተዝነብሩ ካብዚ ናይ ሎሚ ንህዝቢ ኤርትራ ኣጋጢምዎ ዘሎ ጸበባ ዝኸፍእ ተጋኒፍዎ ኣይፈልጥን:: መጽሓፍ ድጊ ግፉዓት ትብል ብኣባ ተወልደብርሃን ጸጋይ ዝተደረሰት ምንባብ እኹል እዩ::  ምስጋና ይብጻሕኩም ኣባ ተወልደብርሃን ጸጋይ!!

More:

ምልክታ “ዑደት መምህር ተስፉ ዘውደ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ”

ምልክታ “ዑደት መምህር ተስፉ ዘውደ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ”


መምህር ተስፉ ዘውደ: ውዲታትን ገበናትን ህግደፍ ብኸፊል ኣብ ኢንተርነት ከጋልጽ ድሕሪ ምጽናሕን፡ ኣብዚ ከብጸሓና ዝኸኣለ ቀጻሊ ደናንነት ድሕሪ ምትንታንን፡ ብኣካል ሕቶታት ንምብራህ፡ ብህዝቢ ንዝቐረበ ጠለባት ግብረ መልሲ ንምሃብን፡ እዚ ስርዓት’ዚ ወዲቑ፡ ንዕኡ ዝመስል ማንታ ከይውለደና ከኣ እንታይ ዓይነት ቃልስን ዕጥቅን ከም ዘድልየናን፡ ንምድህሳስ ኣብ ሓያሎይ ከተማታት ኣሜሪካ ዑደት ንኸካይድ መደብ ወጽዩ’ሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሽኡ፡ መንእሰያት ድማ ብኣውራ ነዚ ዘሎ ተቓውሞ ብኸመይ ከሐይሎን፡ ክመርሖን ከኣ እንታይ ኣገባብ ቃልሲ ክኽተል ከም ዝግባእን፡ ምስ ህዝቢ ገጽ ንገጽ ተራኺብካ ንምምኽኻርን ሓሳብ ንሓሳብ ንምውህሃብን፡ ውጽኢቱ ገምጊምካ ከኣ ህዝብና ኣብ ምልዋጥ እዚ ስርዓት’ዚ ተርኡ ዘዕዝዘሉ ተግባራዊ መደባት ንምስራዕ፡ ዑደቱ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ሰንበት ሕዳር 8, 2009 ብከተማ ሳንድየጎ ካሊፎርኒያ ክጅምር’ዩ።

Marriott Mission Valley/Hotel Circle
595 Hotel Circle South, San Diego, CA 92108
ግዱሳት ኤርትራውያን ሕ.መ.ኣ ሕዳር 6, 2009

More:
Cartoon by yerhwo amlak