Banner
You are here: Home እዋናዊ Articles ማዕርነት ብህ.ግ.ደ.ፍ. ተበላዕነት

ማዕርነት ብህ.ግ.ደ.ፍ. ተበላዕነት

E-mail Print PDF
“ምድንጓይ ማለት ሞት” እዩ በለ ለኒን። ዲክተተራት ግዜ የብሎምን። ኣይድንጉዩን ከኣ እዮም። ቁልጡፋትን ስጉምቲ ወሰድትን እዮም። ምስኡ ድማ “ነቀይ ነቀይ” ኣብ ዝብሉሉ እዋን ሃተምተም ኢሎም ዘድሕኖምን ብደቓይቕ ይኹን ብካልኢት ግዜ ዝገዝኣሎም ይደልዩ። ነዚ ተራ እዚ ንምጽዋት ድማ ዝደልዩ ውሑዳት ኣይኮኑን። ምኽንያቱ ምስወደቐ ክንትክእ ዝብል ስለዘሎ።

“ሳላሚ ታክቲክ”
ምብራቓውያን ናይ ኤውሮጳ ሃገራት ኣብ 1940ታት ሳላሚ ታክቲክ ብዝብል ስያመ ዝተወሰደ ኣገባብ ኣንጻረን ንዝለዓል የዳኽሞኦን ከምዘይሰርሕ ይገብርኦ ኔረን። ስልጣን ኣብ ምሕያል እዚ ኣገባብ ንሂትለርን እውን ጠቒምዎ እዩ። እዚ ናይ “ከፋፊልካ ግዛእ” መስርሕ፣ ንገለ ብምፍርራሕ፣ ንገለ ብምስምማዕ፣ ቀስ ኢልካ ነቲ ሙሉእ ስእሊ ፖለቲካዊ ሓይሊ ንምቁጽጻር ዝዓለመ እዩ። ስለዚ ከም “ሳላሚ” ክምተር እንከሎ እቲ ግዳይ ከይፈለጠን ከይተረድኦ ብሙሉኡ ሓይሉ ይበንን። ሓደ ሓደ እዋን እውን ኣብ ውሽጢ ተቓዋማይ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ብምፍጣር እንተተኻኢሉ፤ እንተዘይኮነ ድማ ንፍልይ ዝበለ ጉጀለ ብምድጋፍ ነቲ ተቓዋማይ ብውሽጡ ኣቲኻ፣ እተን ወገናት ብጭቕ ከይበላን ግዜ ከይረኸባን ምብታን እዩ።

ናይዚ ኣብነት ተስፉ ዘውደ ኣብ መበል #13 ዝጠቐሳ “እታ ቀዳመይቲ ናይ ምእራም ኢሎም ዝተበገሱ ካልእ ኣንጻሮም ዘልዕሉ ጉጅለ ፈጢርካ፣ ድሕሪ ብምብጋሶም ድማ ንሕቶታቶም ኣጽኒዕካን ምስቲ ብዝሒ ናይ ዘይተማህረ ኣካል ዘሰሓሕብ ወጥሪ ፈኒኻ ከም ገበነኛታትን ጥልመት ሃገር ከምዝፈጸሙ ኣእሚንካ ምሕቃቕ መደብ ወጸ።” ብድሕሪ’ዚ ናይ 1970ታት ተመሳሳሊ “የሚን፣ ሕሉፋዊ፣ ኣውራጃውያን፣ ቡርዥዋ፣ ወ.ዘ.ተ. ኣብነታት ክውሰድ ይከኣል።

ዲክታተርነት ክጽገን ኣይክእልን እዩ።
ኣብ ሩስያ ከምዝተራእየ፣ ጽገና ነቲ ዕሉል ግዝኣትን ገንዘብን ቁጠባዊ ሃብቲ ሃገር ዘብሕት ኣገባብ እዩ። እተን ትሕቲ ሩስያ ዝነበራ ግዝኣታት ኤስቶንያ፣ ሊቱወንያን ካልኦትን ማእስርቲ ኮሚኒዝም ደርብየን ኣብ ምዕብል ዝበለ ናብራ ክስጉማ ይርኣያ። ከም ነጻ ኣገባብ ናይ ርእሰማልነት ምስ ሓደ ኣብ ሕግን ስነ ስርዓትን ዝሕሉ መንግስቲ ማለት ቀረጽ እናወሰደ ነታ ሃገር ብኣገባብ ዝመርሕ እንተድኣ ኮይኑ እታ ሃገር ንኽትምዕብል ዘለዋ ዕድል ልዕል ይብል። ናይ ጎርባቾቭ ቁጠባዊ ምትዕርራይ ነቲ ናይ ሶቭየት መንግስቲ ከምቲ ዘለዎ እዩ ገዲፍዎ። ስለዚ ናይ ሎሚ ሩስያ ብሓደ ማፍያ መሰል መንግስቲ ትመሓደር ኣለ። መሰል ተጣበቕቲ ድማ ኣብ ሓደጋ ይርከቡ።

ደሞክራሲ መስርሕ እዩ።
ኤርትራ ንእሽቶ ሃገር ስለዝኾነት ንመስርሕ ደሞክራሲ ብዉሑድ ክሳራን ስቕያትን ክትበጽሖ ትኽእል እያ። ኣብቲ ሃገር ናይ ብነጻ ምስራሕ፣ ብነጻ ምጋሽ፣ ብነጻ ኣቑሑ ምዕዳግን ምሻጥን፣ ብነጻ ኣባይቲ ናይ ምስራሕን፣ ወከልትኻ ናይ ምምራጽ ተመኩሮ ኣሎ። ሎሚ ስለዘየለ ንመጻኢ ኣይክህሉን እዩ ማለት ኣይኮነን።

ጸረ ምሁር። “Anti-intellectualism”
ዲክታተርነት ንጸረ ምሁር ኣተሓሳስባ የደንፍዕ እዩ። ምኽንያቱ ዝተማህረ ኣካል ብዛዕባ ማሕበራዊን ህሉው ኩነታት ምሕታትን ምምርማርን ከምኡውን ናይቲ ዝገዝእ ኣተሓሳስባ ኣንጻር ደው ክብሉ ይኽእሉ እዮም ኢሉ ስለዝሰግእ ከም ጸላእቲ ይርእዮም። ስለዚ ኣብ ፋሽስታውነት፣ ስታሊንነትን፣ ኣብ እምነት ዝተመርኮሰ ስርዓትን፤ ጸረ ምሁርነት ብምጽላምን ምድሃልን ጥራሕ ዘይኮነ ብሓይሊ ናይ ምጥፋእ ስጉምቲ ይወስዱ። እቲ ዝኸፍአ ታሪክ ጸረ ምሁር ናይ ካምቦድያ እዩ። ኣብኡ ዝነበረ ናይ ከመር ሩዥ ስርዓት ነቲ ዝተሓተ ትምህርቲ ዘለዎ ሰብ ከይተረፈ ኣጥፊኡ እዩ። ካልእ ኣገባብ ጸረ ምሁር ስራሕ ቤት ንባብን፣ ኣብያተ ትምህርቲን ዩኒቨርስቲ ብምዕጻውን እዩ። ጆርግ ማጅፉድ ዝተባህለ ጸሓፋይ፣ “እዚ ንዕቀት ናይ ምሁራት ካብቶም ኣብ ማሕበራዊ ትካላት ዝድይቡን ትሕተ ተኣማንነት ናይቶም ተዋሳእትን ናይ ‘ዘይምዕቡላት ሃገራት’ን (ጥራሕ) ዝርከብ ኣይኮነን። እንታይ ድኣ እቶም ኣብ ርእሲ እቲ ካብ 10 ናይቶም ዝዓሸዉ ዝርከቡ ነቐፍቲ ምሁራትን ጸሓፍትን ኣርቲስትን ናይ ሃገር እዮም” ክብል ገለጹ።

“ክወስደለይ ዝረእኹዎስ፣ ክውስኸለይ ነይኣምኖ” ከምዝበሃል ነዚ ደርግን ተ.ሓ.ኤን. ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ዝወለደ ናይ 50ታት ናይ ማሕበርነትን ዴስነትን ፍልስፍናን ሒዝካ እንደገና ካብቲ ምሁር ምድላይ ተገራጫዊ ሓሳብ እዩ። እዚ ዝጸሓፈሉ ዘሎ ኢንተርነትን፣ መሃዝቱን ሰራሕቱን ስርሑን፣ ሓዚልዎ ዝመጸ ፍልስፍናን ኣብ ነጻ ሓሳብን ነጻ ሕብረተ ሰብን ዝሰረተን ዝተሞርኲሰ እዩ።

ኣብ መደምደምታ መስከረም 9፣ 2005 ኣብ ኤርትራ እንታይ እዩ እቲ ሽግር ብዝብል ኣርእስቲ፣ ቶም ዳውንዪ ዝተባህለ ጋዜጠኛ ዝጸሓፎ፣ “ሕሽኹሽኽ ናይ ኣስመራ ናብ ምጉራዕ ኣይቕየርን እዩ ምኽንያቱ፣ ኣፈወርቂ፣ ዝኾነ ምእባይ ማለት ካብ ዓለም ፈጸምካ ምጥፋእ-ሞት ምናልባት እውን እንተውሓደ ምሽራብ ምዃኑ ንሕዝቡ ኣፍሊጥዎ እዩ።” ክብል ዝጻሓፎ ክሳብ ሎሚ ከምኡ ኢሉ ዘሎ። 

“ንኩሉ ተዓዘቦ፤ ንሰናይ ሰዓቦ”

 

Add comment

Security code
Refresh

Banner

ናዕታ

ደሮና (ሰሎሞን ብርሃነ ሠንጋል - ሕልና )

ደሮና

ተስፋ አሎ ግን ዝወሃብ
ብመራሒ ደሮና ዝጋልብ
ህዝቢ ሬሳ ዓዱ ክስሕብ
ሰዓብቲ ደሮና ክኣኻኽብ
ብሽም ውጹዓት ክንግድ
ብልሙሳት ምዉታት ክዛረብ
ደሮና ተበቲኑ ኣብ ዓለም።

 

 

Read more...

ቶባእ! እርጋን’ድዩ ዕብዳን ሕርቃን’ዩ ስኽራን ምንጪ’ዚ ኹሉ ስሕታን። (ዳንኤል ተኽለጊዮርጊስ)

ቶባእ!  እርጋን’ድዩ ዕብዳን ሕርቃን’ዩ ስኽራን ምንጪ’ዚ ኹሉ ስሕታን።

ኣብ ቅድሚ ካመራ ኣብ ቅድሚ ኣሬባ
ንምስክር ዘሕንኽ ዘረባ።
ወይሰብ ደቀይ እንታይከ ኽትብሉ
ዛርቲ ድኣ ከይህሉ
ኣብ ሓንጎሉ ሰፊሩ ዘሽካዕልለሉ።

ብኹሉ መዳይ ስኢንዎ ምእላይ
“ላይ ኣናዘር ላይ” ጥራይ
ቀላሲት ዘረባ ብሒታቶ ውራይ።
ዘገርም’ዩ መዐቀኒ ዘይብሉ
ተጎቢኡ ብኣሉ

 

 

Read more...
More:

ምልክታ ንተሳተፍቲ

ብተክኒካዊ ምኽንያታት ተቋሪጹ ዝጸንሐ ናይ ትግርኛ ገጽ፡ ደጊም ጀሚሩ ከምዘሎ ብሓጎስ ነበስር። ኣብ’ዚ ገጽ እዚ ክወጻልኩም እትደልይዎ ጽሑፋት ብኢመይል tigarticles@delina.org ልኣኹልና። ቅድሚ ሕጂ በቲ ናይ ቀደም ኣድራሻ ዝሰደድኩሞ እሞ ዘይወጸ ጽሑፋት እንተልዩ እውን፡ በዚ ዝተጠቕሰ ሓድሽ ኣድራሻ-ኢመይል ደጊምኩም ክትሰድዎ ከምእትኸሉ ነዘኻኽር።

መርሓ ሕንጻጽ (Submission Guidelines)
የቐንየልና... ኣዝማሪኖ

The Graffiti Wars