ህዝባዊ ምንቅስቓስ (መንካዕ) ቁጽሪ 3
ብመምህር ተስፉ ዘውደ።
(መቐጸልታን ተወሳኽን ናይ ቀዳማይ ክፋል።)
መተሓሳሰቢ፣
ምስ ሰሓትካ ምኽሪ ይርከብ፣ ምስ ጠረጥካ እግሪ ይእከብ ዝብል ምስላ ወለድና፣ ኣብ ግምት ብምእታው ነታ ህዝባዊ ምንቅስቓስ (መንካዕ) ቁጽሪ 3 ትብል ዝለኣኽክዋ ጽሕፍቲ፣ ብርክት ዝበላ ናይ ፍደላትን ኣወቓቕጣ ጌጋታት ከም ዝነበረኒ ተዓዚበ። በቲ ካልእ መዳይ ድማ ነታ ,,ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣገዳሲትን እዋናውያን ጉዳያት“ ትብል ኣብ ክልተ ከፊለ፣ ነተን ዝተረፋ ኣብ ካልኣይ ከም ክፍል ክሰዳን መዲቢ ምንባረይ ዝዝከር ኢዩ። ኮይኑ ግን ነቲ ናይ ፊደላት ጌጋታት ኣሪመን፣ ነታ ቅልዕቲ ወረቐትን ኣብ ክንዲ ከፋፊለ ምቕራብ፣ ንክልቲኤን ክፋላት፣ ብሓንሳብ ጠርኒፈ ከመሓላልፈን ዝብል ሓሳብ ክኽተል መሪጸ። እዚ እውን ንኣንበብቲ ጥርንፍ ብዝበለ ኣገባብ ምስ ዝቐርብ ንክክትታሉን፣ ነቲ ምሉእ መልእኽቲ ከንብብዎን ባዕላዊ ትንታኔን ክህቡሉን፣ ኣድማዒ ክኸውን ይኽእል ካብ ዝብል መረዳእታን፣ ናይ ኣሓትን ኣሕዋትን ምኽሪ ስለ ዝለገሱኒ ኢዩ ተኸቲለ። እቶም ብ18 መስከረም 2001 ዝተቐየዱን ብዘይ ፍርድን ክስን ንሸሞንተ ዓመታት ተሰዊሮም ዘለዉ፣ ዘቕረብዋ ቅልዕቲ ወረቐት፣ ሎሚ ኣብዚ እዋን ከም ትንቢት ኩሉ ዝገለጽዎ መልእኽትታት ብዘይ ተረፍ እቲ ዝተጠቕሰ በደል በብታራን እብረን ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ይፍጸም ኣሎ። በቲ ካልእ መዳይ ድማ እዞም ህዝባዊ ጻውዒት ዘመሓላለፉ ኣባላይ ባይቶ ናይ ብሕቶም ረብሓን ስልጣንን ከረጋግጹ ዲዮም ነቲ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎሞ? ዝብል ርድኢት ዲዩ ዘለና፣ ወይስ ከም ምኩራት ተጋደልትን ሃገራውያንን ኣዝዩ ኣገዳሲ፣ ኣሞ ዘይሕለፍ ጻውዒት ኢዮም ሓቢሮምና? ተራናኸ ከመይ ክኸውን ነይርዎ? ህዝቢ ከውሕስን፣ ከም ወሃብ ስልጣንን ኣብ ኢዱ ዝርከበሉ መሰሉ ክጥቀመሉ ዝቐረበ ጻውዒት ኣይነበረን ኢዩ፣ ወይ እቲ ጻውዒት ዝንቡዕን ዘይውክለናን ገርና ዲና ንወስዶ? ብዘየገድስ ናቶም ጻውዒት ቅቡልን ዘይቅብሉን ክንብል ኣይነበረናን ዲዩ? ኣብ ክንዲ ህዝቢ ኮይኑ፣ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ካባና ዝተዋህቦ ስለጣን ተጠቒሙ ዲዩ ኣሲርዎም? ወይ ድማ ብሓፈሽኡ ብክልቲኡ መድያት ማለት ናይቶም ጻውዒት ዝገበሩ ኣባላት ባይቶን፣ ናይቲ ኣብ ስልጣን ኮረሻ ኩጢጥ ዝበለ ግዝያዊ መንግስቲ ንዓና ዘይምልከትና ኢዩ? ዘይምልከተና ጉዳይ ካብ ተባህለ፣ እቲ ዝምልከተናኸ እንታይ ኢዩ ክኸውን ዝበበሮ? ዝብል ሕቶ ነፍስ-ወከፍና ከነቐምጥ ነይሩናዶ? ወይስ ብዘይ ፍሉይ ኣተራጉማ ዘይተዋህቦ ኣይምልከተናን ዶኾን ዝብል መርገጺ ኢና ወሲድና? እዘን ሕቶታት እዚኤን ኮነ ወይ ካልኦት ኣነ ዘይጠመትከወን ካብ መላእ ህዝባዊ ጸፍሕታትና ክቐርባን ክምለሳን ዘለወን ኣብ ነፍስ ወክፍና ምንባረንን ምህላወን ዘጠራጥር ኣይኮነን እሞ፣ ጉዳይና ኣብ ኢድና ዝብል መርገጺ ክንክተል ዝብል ድፍኢት ከነላዓዕል ናይ ግድን ከም ዝኾነ ብወገነይ ነቲ ኣዝዩ ልኡምን ዝሑልን ተኻፋልነትና ዘበራብር ተዘክሮ ንምቕስቃስ ዝሓለነ ጻውዒት ኢይ ኣጸሓሕፋይ። ጭሩስ ከም ዓቕማ ብብርዒ ስገም ትሑጎም፣ ዝዓይነቱ ጻውዒት።
ኣብቲ ኣከታቲለ ዘቕርቦ ጽሑፋት፣ ወይ ከመሓላልፎ ዝደሊ መልእኽቲት ብሓንቲ ወይ ብክልተ ገጻት ጥራይ ከቕርብ ዝተዋህበኒ ማዕዳ ንምምላሽ፣ እቲ ተዘክሮታተይ ዝተበጣጠሰን ንምእካቡ ጸገም ከም ዝፈጥር ብተረድኦይ ዝሓሸ ኮይኑ ረኺበዮ ኢየ ኣንውሕ ኣቢለ ክጽሕፍ ዝመደብኩ። በቲ ካልእ መዳይ ድማ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ኮነ ኣብ ህዝባዊ ግንባር፣ ናይ ብሕቲ ዘጋጠሙ ዝርዝራት፣ ክትስንድ ዘየፍቅድ ውድብ ብምንባሩ፣ ከምኡ ውን ባህሪ ዝሃበካ ኣካላዊ ረቂቕ ሓሳብን ጠመተን ንብሕቲ ክትጥቀመሎም ዘየፍቅድ ውልቃዊ መሰል ዝግህስ ትካል ብምንባሩ፣ ኩሉ ዝስነድ ናይ ኣእምሮ ዳርጋ ዕቑር ሃብትኻ ዝተሃገረ ኢዩ። ህይወት ናይቲ ውድብ ናይ ናጽነት ቅርጺ ዘይገልጽን ዘየፍቅድና ዘየንቀሳቕስ ቀይዲ ስለ ዝነበረ። ኣብ ክንዲ ኩሉ ኣባል ብረታዊ ቃልሲ እታ መሪሕነት ጥራይ ኢያ ናይ ሓሳብ ወናኒት ነይራ። ካልእ ትሕቲ ጸፍሒ እታ መሪሕነት ስለ ዝተኾርመየ፣ ክሓስብ ዘይተፈቐዶን ንነብሱ ዘይውንና ከም ዝነበረ ርዱእ ክኸውን ኣለዎ። ናተይ ይኹን ናይ ብዙሓት ዝተሰውኡ ጀጋኑ ብጾትና ሓቀኛን ውህሉላት ናይ ሓሳብት ስእልታትን ፍጻሜታትን ኣብ በረኻታት ሃገርና ተቐቢሮም ተሪፎም ኣለዉ። ክሓስብን ከዋህልልን ዘይተፈቕዶ ኣባል ከም ሓደ ሰብ ጥራይ ክኸውን ስለ ዝተወሰነን፣ ሎሚ ገለ ገለ ተረፍ እንተዘይኮይኑ፣ ከምቲ ንሱ ዝመደቦ ብዙሓት ወሰንቲን መሃርትን ሓቤሬታት ተደብዮም ጠፊኦም ዝተደምሰሱ ዝበረሱን ከም ዘለዉ ድማ ኣብ ግምት ምእትው የድሊ። ብኻልእ ኣዘራርባ፣ ኣነ እውን 30 ዓመታት ጸቒጠዩን ሓቢአዮን ዝነበርኩ ከሳቕየንን ዝጸንሐ ምእንቲ ድሕነት ሃገር፣ ንምዕባሌና ከይዕንቅፍን ከይሓንቕን ዝብል መረዳእታ ተኸቲለ ወጊነዮ ዝነብርኩ ግዝይኡ ኣኺሉ ዝብል ገምጋም ተኸቲለ ከውጽእ ተገዲደ። ሕጂ እውን ገና ተበግሶን መሃዝነትን ኣብ ኤርትራ ዘየፍቅድ ሃዋሁ ዝዓሰሎ ኩነታት ኢዩ ዘሎ ። ዝሓስብን ዝብገስን እታ እንኮ ብውሽጢ ዝምድባ፣ በየን ይሃድም፣ ከመይ ገይሩ ነብሱ የድሕን ትብል መደብ ጥራይ ኢያ ዘይተሃገረት። እቲ ዘገርም ድማ እታ ዘበነ-ግርምቢጥ (Paradox) ትብል ገና ኣየብቀዐትን። ንጎዓዘሉ ናይ ምሕደራ ጎደና ቅርጸ-ኣልቦ መልክዕ ኢዩ ዘለዋ። ከምኡ ኢልና ክንጎዓዝ መጻኢ ቅርጽናን ቅርጺ ሃገርናን እንታይ ክኸውን ይኽእል? ብኩላህና ክምለሽ ዘለዎ እዋናውን ወሳንን ሕቶ ኢዩ።
እቶም ጽሑፋትካ ነዊሐን እሞ ኣሕጽረን ዝብል ርእይቶ ዘቕርብኩም፣ ንድልየትኩምን ጠለባትኩምን ምስ ምሉእ ኣኽብሮትን ተቐቢለ ኣብ ግምት ዘእትዎ’ኳ እንተኾንኩ፣ ብኻልእ መዳይ ድማ ጉዳይ ሃገርና ወሳኒ ስለዝኾነ ጉዳይና ምንባብን ወኒ ከም ዘለና ኣብ ግምት ኣእትየን ኢየ ኣንውሕ ዘበልክዎ። ንዓይ በብቑሩብ ቁንጭል ኣቢለ ክጽሕፍ መሓሸኒ። ኮይኑ ግን ብሓደ ዝኸይድ ኩነታት ምስ ካልእ ጠሚርካ ዝላገብ መረዳእታ ስለ ዝሓቁፍ፣ ከተሕጽሮ ምስ ትደሊ፣ ከም ዝሓፍር ዓለባ ስለ ዝሽምረር፣ ምምጣጡ ዝሓሸ ይመስለኒ። ነቐፌታ ተቐባሊ ኢየ። ካብ ጌጋይ ክመሃር ምደለኹ። ግን እቲ ኣራሚ ስነ-ምግባርን ተጻዋርነትን፣ ዝሓዘለ ምኽርን ማዕዳን ክልግሰኒ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ትሕዝቶ ዝተመርኮሰ ኣንበር ኣብ መንነት ዜጋ ኣቲኻ ዝውርወር ቃላት፣ ከምቲ ኣንቃዕሪርካ ትሸኖ ሽንቲ፣ ናባኻ ዝምለስ ገይረ ኢየ ዝርድኦ። ኣራሚ ኣብዝን ኣብትን ጌጋ ኣሎ፣ እሞ ክእረም ኣለዎ ክብል ከሎ፣ ጸሓፊ ድማ ንዝተዋህበ ቅሬታ ኮነ ሓበሬታ ክቕበሎ ወይ ድማ ብጭብጢ ክቃወሞ ይኽእል። ሃገሩ ዝፈቱ ናይ ብርዒ ስም ተጠቒሙ ክጽሕፍ ዝግደድ በዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዘይሕጋውን ዘይፍትሓውን ህሞት ዝፈጠሮ ኢዩ፣ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ሰቡ ወይ ገለ ዝምልከቶም ብጾቱ ክወርድ ዝኽእል ናይ መከላኸሊ ሜላ ክኸውን ይኽእል። እቲ ንዘሎ ስርዓት ደጊፉ ዝጽሕፍ ግን እንታይ ናይ ብርዒ ስም ኣድለዮ? ሓንቲ ዘረጋግጻ ጉድይ ግን ኣላ። ኣብ መጻኢ እዚ ዘሎ ምምሕዳር ምስ ተኣልየ፣ ከምዚ ኢልካ ተባሂለ ክይቃላዕ ዝብል ተበላጺ ጉርሒ ክኸውን ይኽእል። ምምሕዳር ከም ዝእለን ነባሪ ከም ዘይኮነ ከይተረድኦ ይቕበል ኣሎ ማለት ኣውን ኢዩ ዝገልጽ ዘሎ። ንህግደፍ ዝድግፍ መሰሉ ኢዩ መርገጺኡ ከነጽር። ግን ኣብ እንዳ ስፍርሕን ራዕድን ስለ ዝነብር፣ ኣብ ሃገር ይኹን ኣብ ግዳም ካብ ምርዓድን ምፍራህን ክእለ ኣይክእልን። መንነቱ ዝተደምሰሰ ተሓቢኡ ዝነብር ባህሪ ወኒኑ ኢዩ ዝጎዓዝ። መብዛሕትኡ እውን ንፍርሁ ቀንጢጡ ምድርባይ ሓቦን ትብዓትን ስለ ዝሰኣነ፣ እንበር ዘይርድኦ እውን ኣይኮነን። ገለ ድማ ካብ ኣሰመራ ብኹሉ መዳያት ተላኢኾም ዝተዋፈሩ ኣይሰኣኑን። ህግደፍ ንሃገር ዘርብሕን ዝሃንጽን ሰልፊ ኢዩ ኢሉ ዝኣምን በታ ዝኣምና ብዘይ ሕብእብእ መርገጺኡ ከነጽር ኣለዎ። ኣነ ግን ኣብ እንዳ ህግደፍ ተሳሓብቲ ደኣ እንበር ሞቶር ዘለዎም ተንቀሳቐስቲ ሪኤን ሰሚዐን ኣይፈልትን። ዘይሓሳቦም ተሰኪሞም ዝነብሩ ተጎተቲ ኢዮም ኣባላት ህግደፍ። በሰላ ሃገርና ድማ ንሳቶም ኢዮም እሞ ኣብ መጻኢ’ውን ኩርኳሕ ከም ዝኾኑና ኣብ ግምት ነእቱ።
ኤርትራዊ ብዝብል ቅጽል ስም ዝጽዋዕ ዝጸሓፎ ተዓዚበዮ። ትምህርቲ ንክኾኖ ጥሮታ ዝወጸ ሰብ ብተመክሮ ዝሃብተመ ኢዩ። ሑሉፍን፣ ህልውን፣ መጻእን ስለ ዝፈልጥ። ክነቅፍ እንድሕሪ መዲቡ ኣብ ትሕዝቶ ከድህብ ነይርዎ። ከም ካብ ምጽወታ ዝነብር ገይሩ ከቕርበኒ ፈቲኑ። እወ ህዝብና ካብ ትጽቢቱ ንታሕቲ ኣብ ምጽወታ ይነብር ኣሎ። ናብራ ተውሕስ ሃገር ስለ ዝሰኣነ ይምጽወት ምህላዉ ዘገርም ኣይኮነን። ርእሰ-ምሕደራ ዘየፍቅድ ኣመራርሓ ተመጽዋቲ ኢዩ ዝገብረካ። ግን ተመጽዋቲ ማለት ገበን ማለት እውን ኣይኮነን። ወሳኒ ከም ገበን ዝፍለጥ ተሓቢእካ ስምካ ዘይምግላጽ ኢዩ። ተሓቢእካ ምንባር ድማ ርእሰ-ተኣማንነት ኣጥፊእካ ኣለኻ ዝብል መግለጺ ጥራይ ኢዩ ክኽህልዋ ዝኽእል። ኣብ ሃገር ጥምየትን ዓጸቦን ከም ዘየለ ኣብ ተለቪዥን ቀንበይበይ ዝበላ ሓጽብታት፣ ቀጠልያ ኣግራብ ብምዕዛብ፣ ሃገር ሪህዋ ኣሎ ይብል ይኸውን፣ እቲ ሕቡእ ኤርትራዊ። ግርም ኣነ ኣብ ሜዳ እሰንክል እንበር፣ ኣብዚ ዘለኽዎ ሃገር ንነዊሕ እዋን ኣብ በኣእምሮ ዝስራሕ ሞያ ስለ ዝዋፈር መነባብሮይ ብዓይነት ንዋታዊ ሃልኪ ዝምስገን ኢዩ። ተመጽዊተ ኣይፈልጥን። ዝጀሃረሉ ግን ኣይኮነን። ከም ስምዒት ሃገራዊ፣ ሃገረይ እንተ ዝርህዋ ናተይ፣ ,,እደለ ይኹን“ ምበልኩ። ናይ ስልጣን ህርፋን ድማ ኣብ እዚ ዝለኽዎ ዕድመስ ይትረፍ፣ ኣብ ንእስነተይ ሓሊመዮ ኣይፈልጥን። ከም ዕድል በቲ ዝተሰለፍኩሉ ግዜ ኣሜን በሃሊ ሰብ ስለጣን ንምድያብ እቲ ዝቐለለ መሳልል ኢዩ ነይሩ። ኣብ ምዕብልትን ዝረሃዋን ሃገር ስልጣን ይሕለም ይኸውን። ስልጣን ምስ ብቕዓትን ሞያዊ ተመክሮ ዘለዓዕሎን፣ ደራኺን መበገስን ዘለዋ ዓለም ኢና ንነብር ዘለና። ንስልጣን ምውድዳር ብዲሞክራሲያዊ ቅርጺ ርገጋጽ ስለ ዝኾነ፣ ገበን ገርካ ክውሰድ ዘጽምዕ መግለጺ ዘይብስለትካ የነጽር። እዋናዊ ጠለብና ኣብ ሃገርና ተዳጋጊፍና ንነብረሉ እዋን ጥራይ ኢና ንምነ። ብድሕሪኡ እቲ ናጻ ሕብረተ-ሰብ ዘፍቅዶ ጎደና ንኽተል። ስልጣን ድማ ሎሚ ምምናይ ሕማም ኢዩ። ዝብኢ ዝባሓታ ሃገር፣ መጀመርታ ካብቲ ኣራዊት ክትገላገል ከም ዘለዋ ርዱእ ክኸው ኣለዎ።
ኣስመራ ግንቦት 2001
ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ኤርትራ
እገደስቲ እዋንውያን ጉዳያት
መእተዊ
ህዝቢ ኤርትራ ሰላም ክረክብን፡ ኩሉ ዓቕሙ መነባብሮኡን ናብ ምምሕያስ ከዋድዶን ይደሊ ስለ ዘሎ፣ እዚ ኣቲናዮ ዘለና ናይ መጨረሽታ መድረኽ ናብ ቅዋማዊ ስርዓት ንምስጋር ኣዝዩ ኣገድሲን ተነቃፍን ወሳንን እዋን ብምዃኑ፡ ካብ ተመኩሮ ዓሰርተ ዓመታት ክንመሃርን፡ ኣብ ተመኩሮ ተመርኩስና፣ ቅኑዕ ናይ መጻኢ ትልምን ኣንፍተን ክንሕንጽጽ ስለ ዘሎና፡ ኣጓኒፉና ንዘሎ ኩሉ መዳያዊ ቅልውላው፣ ብወድዓውነትን ብትብዓትን ብውሕሉልነትን ገጢምና ክንስዕሮን ስለዘለና፣ ካብ ወሪዱና ዘሎ ቅልውላው ንምውጻእን፡ ንሱ ካብ ዘኸተሎ ጸገማት ንምንጋፍን፡ ኣብ ውሽጢን ኣብ ወጻእን ናይ ዘሎ ኤርትራዊ ዓቕምን ጸጋታትን ብዝለዓለ ደረጃ ከነኽትትን፡ ናይ ወጻኢ ሓይልታትን ውልቀ-ሰባትን ምትሕግጋዝን ደገፍን ብዝበለጸ ኣድማዒ መገዲ ክንስሕብን፡ ኣብ መዓላ ከነውዕልን፣ ስለዘሎናን፡ ንዑኡ ዝምችእ ኩነታትን ባይታታትን ከነጣጥሕ ስለ ዝግበኣናን፡ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናይ ሓደ ዘመን ሰንሰለታዊ መግዛእትን፣ ናይ ሰላሳ ዓመታት ሓርነታዊ ቃልስን፡ ዝተመጠጠ ናይ ዓሰርተ ዓመታት ናጽነታዊ ናይ መሰጋገሪ እዋንን፡ ንመጀመርያ ግዜ ከም ልኡላዊ ህዝቢ መጠን፡ ብመሰረት ሃገራዊ ቅዋሙን፡ ናይ ሰልፍታት ፖለቲካዊ ውድድር ዘፍቅድ ሃገራዊ ምርጫን፡ ቅዋማዊ ስርዓት ክምስርትን፣ ስለጣን ክርከብን ክቀራረብ ስለዘለዎ፣ ብገለ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን፡ ካልኦት ሓርበኛታት ዜጋታትን ዝተላዕለ ሕቶታትን፡ ካልእ ሕብሪን ትርጉምን ኣውሂብካ፣ ኣብ ክንዲ ቅሉዕ ናይ ክትዕ ዘተን መድረኽን ምኽፋት ንህዝቢ ምድንጋር፣ ናብ ምኽፋእን ዘይሕጋውን ስጉምቲታት ምውሳድ ምኻድን፣ ይእምትን ምውጥዋጥ ይረአን ስለ ዘሎን፣ ኣብ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ኮነ፣ ኣብ ህዝቢ ብዛዕባ ኣገደስቲ ኣርእስትታት ሃገራዊ ጉዳያት፣ ናይ ርእይቶ ፍልልይ እንተሃለወ ብልዝብ ብዲሞክራስያዊን ብሰላማዊ መገድን ጥራይ ክፍታሕ ዝኽእልን ዘለዎን ካብ ዝብል እምነትና ተበጊስና ንዘተን ሰላማውን ፍታሕ ጥራይ ንደፍእ ብምዃና፡ ትም ክንብል መሪጽና ኣሎና እናተባህለ ብዝተፈላለየ መገድታት፣ እንተላይ ብናይ ካድረታት ቀጻሊ ዙርያ ኣኼባታት ክሰርጽ ዝድለ፣ ዝንቡዕ ገምጋማትን ርእይቶታትን ይጎሳጎስን፣ ክውሰድ ንዝድለ ዘይሕጋዊ ስጉምትታት ባይታ ምንጻፍ፡ ህዝቢ ንምድንጋርን ዲሞክራዊያ ምስግጋር ናብ ሓቀኛ ቅዋማዊ ስርዓት ንምዕንቃፍን ከኣ፣ ዘየድሊን ኣሻቓልን ናይ ኩናት ሃዋሁ መመሳመሲ ኩነትታት ይፍጠር ስለዘሎ፣ ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ቅልውላው (ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማሲያዊ፡ ድሕንነታዊ፡ ምምሕዳራዊ ቅዋማዊ) ብናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዕቱብ ተሳታፍነትን፣ ብግቡእን ሓላፍታዊ መገድን፣ ብኣጋን እንተዘይተገጢሙን፣ ኣይፍታሕን ጥራይ ዘይኮነስ ናብ ሓደገኛ ኩነታት ዘምርሕን ብኡኡ ኣቢሉውን ንምስግጋር ስለጣን ናብ ህዝቢ ክዕንቀፍን ከምዝኽእል ስለ ዝረኣናዮን፣ ንሕና እቶም ሕጋውን ቅዋማውን መድረኽ እተነፈገና ገለ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ፣ ናይ መመያየጢ ነጥብታት ርእይቶና ዝሓዘት ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ክንዝርግሕ ሓላፍነት ይስመዓና። ህዝቢ ክፈልጥን ኣብ ውሳነ ኣገደስቲ ሃገራዊ ጉዳያት ተራ ክህልዎን ስለ ንኣምን፣ ነቲ ኣብ ዝተወደኑ ጥራይ ዝሳተፍዎ መድረኽ ዝዝረብ ዘሎ ኣርእስትታት፡ ናብ ቅሉዕን ዘይሻርውን መድረኽ ምይይጥ ንኽዝረበሉ ኢና ነውጽኦ ዘለና። ንሕና መን ኢና ብዘየገድስ ከም ሃገራውን እዋናውን ኣገዳስን ጉዳያት፡ ህዝቢ በብዝጥዕሞ መገድን ኣገባብን ክመያየጠሉን እናጸዋዕና፣ ንሓባራዊ መረዳእታ መገዲ ክጸርግ ይኽእል ኢዩ ዝብል እምነት ኣለና።
ኣብ ገምጋም ምግባር ኮነ ህሉው ሽግራት ምልላይ፣ ህዝቢ በኹሉ ክፍልታቱን ብዝሰፍሐ ተሳታፍነትን ዘሰላስሎ እምበር፡ ንሕና በይንና ክንዓሞ ዘይንኽእልን ዘይንደልን ምዃንና ከም እንኣምን፣ ከምቲ ኩሉ ሽግራት ንምልላይ ዘጸግመና፣ ይትርፍ ናይ ኩሉ ናይ ውሱን ሽግራት ውዱእ ፍታሕ ከነቅርብ ንኽእል ኢና፣ ኢልናውን ከም ዘይንኣምን ከነፍልጥ ንፈቱ። ኣብዚ ንህዝብና ከቢድ ሽግራት ኣጋጢምዎ ዘሎን፣ ኣገዳሲ ዝኾነ ናይ መሰጋገሪ መድረኽ እዋንን ግዜን፣ ብጉልባብ ስግኣታትን፣ ግዜኡ ኣይኣኸለን ብዝብል ምኽኒትን ህዝቢ ከይመያየጥን ቅሉዕ ሃገራዊ ክትዓት ከይካየድን ክፉት መድረኽ ኣይተኸፍተሉን ዘሎ።
እዛ ወረቐት እዚኣ ጽንቁቕ ገምጋማትን ውዲእ መልስታትንኳ እንተዘይ እቕረበት ብውሑዱ ነቲ ዕቑር ሃብታምን ተባላሓትን ርእትዮታት ሓፋሽ ህዝቢ፣ መመያየጢ ነጥብታት ከም ተገልገል ጌርና ንወስዳ። ህዝቢ ኤርትራ ንመጀመርያ ግዜ፣ ኣብ ታሪኹ ናይ ልኡላዊት ሃገሩ ቅዋማዊ ስርዓት ንምትካል፣ ይሻባሸብ ስለ ዘሎ ዝተፈላለየ ርእይቶታቱ፣ ብናጻ ክካታዓሉን ንዝበዝሑ ኣእሚኑ፣ ብብዝሒ ድምጺ ኣንፈት መጻኢ ጉዕዞ ህንጸት ሃገር፣ ከም ዝቕለስ ክገብርን ዕድል ክረክብ ኣለዎ፣ ኢልና ንኣምን። ዕላማ ጽሑፍና ከኣ ንሱን ንዕኡ ምቹእ ኩነታት ክፍጠር ምሕላንን ኢዩ።
ቀዳማይ ክፋል፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ናጽነት እንታይ ተጸቢዩ?
- ኩሉ መዳያዊ መነባብሮ ክመሓየሽ፣
ውርሻ መግዛእትን ድሕረትን፣ ካብ ዝኾነ ካብ ክቱር ጥሜት፡ ሕማምን፡ ድንቁርናን፡ ተገላጊሉ ክርህዎን ናብ ብልጽግና ገጹ ከቋምትን ተጸብዩ። - ቅሳነት ዝሰፈኖ ህይወት ከሕልፍ፣
ሓድነቱ ብዝያዳ ኣደልዲሉ፣ ሃገራዊ ድሕነቱ ተረጋጊጹ፣ ምስ ከባብን ዓለምን ሰላምን ምርግጋእን ኣውሒሱ ምትሕግጋዝ ከደንፍዕ። - ዲሞክራሲን ፍትሕን ከንግስ፣
ሰብኣዊ መሰላትን ሓርነታትን ዝረጋገጸሉ፡ ጥዑይ ምሕደራ ዝህልወሉ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝረጋገጸሉ፣ ግዝኣተ ሕግን ፍትሕን ዝጥጥዓሉ ስርዓት ክህነጽ።
ካልኣይ ክፋል፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ይርከብ?
ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ክዝረብ ከሎ፡ ውጽኢት ተመኩሮ 10 ዓመታት ናጽነት፣ ኣማቲ መጻኢ በድሆታትን ዕማማትን ስለዝኾነ፣ ብዓይኒ ሕሉፍ ትጽቢታትን ህሉዉ ኩውንነትን ብሓደ ወገን፣ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮ ብዝርከብ ትምህርቲ፣ መጻኢ ብድሆታትን ዕማማትን ብኸመይን ብጽፈትን ኣድማዕነትን ክግጠሙ፣ ከም ዝክኣል ምንባይን መገዲ ምቕላስን ብኻልእ ወገን፣ ብግቡእ ምግምጋም ዝሓትት ኢዩ። ዓቕምናን ክንገብሮ ንኽእልን፣ ክንገብሮ ዘይንኽእል ኣብ ግምት ክኣቱ ስለ ዘለዎ፣ ሓቀኛ ሚዛን ምውሳድ የድሊ። ሓቀኛ ሚዛን ገምጋምን ከኣ፣ እኹል ሓበሬታ ኣብ ምርካብ ስለ ዝምርኮስ፣ ህዝቢ እኹል ሓበሬታ ክሰንቕ ኣለዎ።
ህዝቢ ዝርዝር ገምጋም ዝሓለፈ 10 ዓመታት ክገብር ሓበሬታ ክረክብን ክፉትን ናጻን መድረኽ ምይይጥ ክኽፈተሉን ስለ ዘለዎ፣ ንሕና ኣብ ክንዲ ህዝቢ ኮይና ገምጋም ክንገብር ኣይንደልን። ንምግምጋም ምቹእ ኩነታት ክፍጠር ጥራይ ክንጽዕር ንደሊ። ኣብ ገሊኡ ኣገዳስነትን መትከላውን ጉዳያት ግን ብዘተን ክትዕን ክህብትም ዝኽእል ምዃኑ እናተቐበልና፡ ርእይቶና ክንገልጽ መድረኻዊ ሓላፍነት ይድርኸና። ቅድሚ ሕጂ ብስቕታና ዝተፈጥረ ጉድለት መታን ከይድገም ድማ ብውሑዱ ህዝቢ ነቒሑሉ መታን ብጉቡእ ክዋሳኣሉ ሓሳባትና ክንገልጽ ንፈቱ። ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ግዜ ናጽነት ብዙሕ ዝተፈጸመ ጽቡቕ ነገራት፣ ብፍላይ ኣብ ምውዳድ ትሕተ-ቅርጺ’ኳ እንተሃለወ፣ እቲ ናብኡ ዝወዓለ ጸጋታትን (ሰብኣዊ ይኹን ፋይናንሲያዊ) ዝወሰዶ ግዜን፣ ዝተኸተለ ኣገባብን ኣብ ግምት ብምእታው፣ ዝበለጸን ኣዋጻኢ ብዝኾነ መገድንዶ ተጌሩ ተባሂሉ ክግምገምን ካልእ ዝሓሸ ኣማራጺ ኔሩዶ ኣይነበረን ተባሂሉ ብነቐፌታዊ ዓይኒ ክምዘን ከድሊ ኢዩ። ግሉጽን ምትሕታት ብዘለዎ’ዶኸ ተጌሩ፣ ብዕቱብ ክረአን ካብኡ ትምህርቲ ክውሰድ ዝግብኦን ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ እዋን ናጽነት ትጽቢት ንዘንበረሉ ምምሕያሽ መነባብሮን ቅሳነትንከ፣ ክሳብ ክንደይ ኣወፍዩን ኣበርኪቱን ተባሂሉ ክሕተት ኣገዳሲ ኢዩ።
እቲ ዝተፈጸመ ስርሓት ብማዕከናት ዜና ብዓውታን ስለዝግለጽ ኣብቲ ድኻማትን ዛጊት ዘይተፈትሐ ዘሎ ጸገማት ኣትኩርካ ምርኣይ ብዝያዳ ኣገዳሲ ይኸውን። ስለዚ እቲ ዝርዝራዊ ገምጋም ንህዝቢ ጊዲፍና፣ ምስትብሃል ኣብዘድልዮን ንምፍታሕ ክጸዓተሉ ኣብ ዘገድስ መዳያት ጥራይ ርእይቶና ክንህብ ክንፍትን ኢና። ቁጠባዊ ኩነታት ኤርትራ ንምሕዋይን ንምምሕያሽን ተፈቲኑኳ እንተኾነ፣ ብሰንኪ ኩናት ምስ ኢትዮፕያ ሓደ ሓደ ናይ ኣተሓሕዛ ጸገማትን፣ ሎሚ ድሕሪ 10ዓመታት ናይ ናጽነት መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ሕማቕ ኩነታት ወዲቑ፣ ውሕስነት መግቢ ተሳኢኑ፣ ብዙሕ ካብ ህዝብና ናብ ተመጽዋቲ ረድኤት ተቐይሩን ብሕማማት ይሳቐን ኣሎ።
ማሕበራዊ ሽግራት ንምቅላል ሓያሎይ ጻዕርታት ተጌሩኳ እንተኾነ፣
- ግዳይ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ናይ ዝኾነ ስድራ ስውኣት፣ ስንኩላትን፣ ዝተጣየሱ ተጋደልትን፣ ካብ ስደት ዝተመለስቲ፣ ብመጠኑውን ኣብ ታሕታይ ደረጃ ዝርከቡ ዘይተጣየሱ ተጋደልትን፣ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን፣ ሲቪል ሰራሕተኛታት መንግስትን፣ ጸግማት ኣይተፈትሐን ጥራይ ዘይኮነ ማሕበራዊ ውሕስነት ዘረጋግጽ መጻኢ ስለ ዘይረአ ቅሳነት ከሊኡ ዘሎ ኢዩ።
- ልዕሊ 200ሽሕ መንእሰይ ብዘይ ደሞዝ ንነዊሕ እዋን ኣብ ምክልኻል ሃገር ተጸሚዱ ብምህላዉ፡ ኣብ ቁጠባ ሃገርን መነባብሮ ስድራታቱን ወሪዱ ዘሎ ማህሰይትን፣ ዘይቅሳነትን ቀሊል ከም ዘይኮነን፣ ቅልጡፍ ፍታሕ እንተ ዘይተርኺብዎ ሽግር ክፈጥር ምዃኑ እይጽግምን።
- ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ብዙሕ ጸገም የጓንፈን አሎ።
- መንእሰያት ተመሃሮ ካልእይ ደረጃ ትምህርቲ ምስ ወዳኡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ናይ ምእታው ዝተረፉ ስራሕ ናይ ምርካብን ዕድሎም ጸቢብ ኮይኑ ኣጎላጉል ይኾኑ ኣለዉ።
ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ውጻኢን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ከም ኣብ ሓርነትዊ መድረኽ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ናጽነት ብፍላይ ከኣ ኣብ ኩናት ምስ ኢትዮጵያ ሓድነቱን ተወፋይነቱን ኣመስኪሩ ኣሎ። ሓድነቱን ተወፋይነቱን ብዝያዳ እናኣደልደለን እናዓበየን ክኸይድ፣ ግን ኩሉ ሸነኻዊ ብዙሕነቱ (ሃይማኖት፣ ቋንቋ፣ ባህልን ልምድን፣ ብሄር፣ ስነ-ኣእምራዊ ስምዒታቱ) ክኽበር ተሳታፍነቱን ምሽራኹን፣ ኣብ ሃገራዊ ውሳኔታትን ስልጣናን ትካላትን ክዓዝዝን፣ ስምዒታቱን ድልየቱን ክሕሎ፣ ኣገዳሲ ኢዩ። እንተኾነ ግን ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ገለ ገለ ናይ መንግስቲ ኢድ ምትእትታው፣ ኣብ ምሕደራ ኣብያተ ሃይማኖት፣ ናይ ቋንቋ ጸገምን፣ ኣብ ቢሮክራሲያዊ ስርሓት፣ መንግስቲ ንሱ ዝፈጠሮ ስምዒታትን፣ ናይ ኣደ ቋንቋ ኣስገዳድ ኣብ ገሊኡ መባእታዊ ትምህርት ዝፈጠሮ ቅሬታታት፣ ኣብ ተሻራኽነት/ተሳታፍነት ዝተፈላለየ ክፍልታት ሕብረተሰብ፣ ኣብ ሃገራዊ ትካላት ….ወዘት ሕማቕ ስምዒታት ክፈጥሩ ስለ ዝጸንሑ፣ ብግቡእን ብኣጋን እንተ ዘይተኣልዮም፡ ንሓድነት ህዝቢ ዝፍሑቕ ኩነታት፣ ቀስ ብቐስ ከስዕብ ከም ዝኽእል ክግመት ይከኣል።
ሃገራዊ ድሕነት ምርግጋጽን ምውሓስን፣ ኣብ ንሓድሕዶም ዝጸላለዉን ዝደጋገፉን ብዙሓት ረቛሒታት ይርምርኮስ። ብቐንዱ ኣብ ውሽጣዊ ኩነታትን ዓቕምን ይምርኮስ። ማለት ምክልኻልን ጸጥታን ኣብ ህዝብን ተሳትፎኡን ክምስረት ስለ ዘለዎ፣
- ውሽጣዊ ሓድነትን ስኒትን ዕግበትን ተወፋይነትን ህዝቢ፣
- ጥዑይን ዲሚክራስያዊን ምሕደራን ፍትሓዊ ስርዓትን፣
- ልዑል ሞያዊ ብቕዓትን ዘለዎ ውፉይን ዘመናውን ሓይልታት ምክልኻል ጸጥታን፣
- ስግኣታት ኣብ ምንባይን (forecast) ኣቐዲምካ ኣብ ምብርዓን ኣገዳሲ ተራ ዝጻውት ናይ ስለያን ትንታነን ትካላት፣
- ሓበሬታ ተጠቂሙ ብዝተዋሃሃደ መገዲ ንሃገራዊ ድሕነት ዘገድስ ውሳኔታት ዝወስድ ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ምህላው ይሓትት።
ውሽጣዊ ኩነታትን ዓቕምን ወሳኒ ይኹን እምበር፣ ሃገራዊ ድሕነት ንምውሓስ፣ ዓቕምኻን ሓደገኛነት፣ ናይ ግዳም ስግኣታትን ኣብ ግምት ብምእታውን፣ ንሃገራዊ ረብሓታት ኣብ ሓደጋ ብዘየእቱ ጥበብን፣ ናይ ከባብን ዓለምን ኩነታት ብደቂቕ ምክትታልን፣ ኣገደስቲ ምትዕርራያት ምግባርን የድሊ። ምስ ናይ ግዳም ሓይልታት ሃገራትን ኣብ ሓድሕዳዊ ረብሓታትን፣ ምግጣም ሓባራዊ ስግኣታት ዝዓለመ፣ ናይ ወጻኢ ሜላን ኣተሓሕዛን ምድፋእ፣ ናይ ሰላምን ምትሕግጋዝን፣ ግጭት ገታእን ብሰላማዊ መገዲ ምፍታሕን ዲፕሎማሲ ምኽታል፣ ንሓባራዊ ድሕነት (collective security) ኣባል ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ውድባት ምዃንን፣ ንኣህጉራዊ ሕግታትን ውዑላትን ምኽታምን፣ ኣብ ውሽጢ ጉዳይ ካልኦት ኢድካ ዘይምምላስን ይሓትት።
ኣብ ዝሓለፈ ናይ 10 ዓመታት ተመክሮ ምስ ኩሎም ጎረባብትና ግጭትን ምስ ኢትዮጵያ ኩናትን ተፈጢሩ። ብዙሕ ኣዕኑዩናን ኣድምዩናን። ሓፋሽ ህዝብን፣ ሓይልታት ምክልኻልን ብተባዕነትን ጅግነነትን ዓቢ መስዋእቲ ከፊሎምን መክቶምን ሃገር ኣድሒኖምኳ እንተኾኑ፣ ስግኣታት ኣብ ምንባይን (forecast) ኣቐዲምካ ተዳሊኻን ኣብ ምግጣሞምን (ንምውጋዶም ኮነ፣ ኣብ ልዕሌና ምስ ተገደዱ ኣብ ምፍሻሎም) ልዑል ሞያዊ ብቕዓትን ዓቕምን ዘለዎ ዘመናዊ ሓይልታት ምክልኻልን፣ ጸጥታን ኣብ ምምስራት ብቑዕን ኣድማዕን ኣመራርሓ ኣብ ምሃቡን፣ ዝተወሃሃደ ናይ ሃገራዊ ድሕነት መደባት ኣብ ምምጻእን ምዕዋቱን፣ ምስሊ ኤርትራ ኣብ ዘመሓይሽን ሃገራዊ ድሕነትና ንምውሓስን፣ ናይ ወጻኢ ምትሕግጋዝ ኣብ ምርካብን፣ ርኡይ ድኻም ከም ዝነበረ ይፍለጥ። ቅኑዕ ኣተሓሕዛ እንተ ዘይረኺቦም፣ ምስ ጎረባብትና ዘለዉ ጸገማት ናብ ጎንጺ ከምርሑ ከም ዝኽእሉ’ውን ክግመት ይከኣል። ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ናይ መሰጋገሪ መንግስቲን መንግስታዊ መዋቕርን ንምምስራት፣ ናብ ቅዋማዊ ስርዓት ንምስግጋር ዘድሊ ባይታ ንምውዳድን ተፈቲኑኳ እንተኾነ ዘዕግብ ኣይኮነን።
ካብ ባህርይ ሓርነታዊ መድረኽ ውጺኡን፣ ምስ ሲቪላውን መንግስታውን ኣከያይዳ ተሰማሚዑን ማዕቢሉን ክትከል ዝነበሮ መንግስታዊ መዋቕርን ኣሰራርሓን፣ ከምቲ ዝድለ ኣየተኣታተወን። መንግስታዊ ትካላት፣ ናይ ኪእላዊ ዓቕሚ ሕጽረት፣ ናይ ትካላዊ ኣሰራርሓ ድኽመትን ኣለዎም። ናይ መንግስትን ግንባርን መጠማምትን (Parallel) መተሃላለኽቲን መዋቕራት ተዘርጊሖም፣ ኣብ ምድብላቕ ስራሓትን ኣብ ምትፍናን፣ ከምዝኣትዉ ስለ ዝተገብረ ትካላትን ትካላዊ ኣሰራርሓታትን ከም ዘይሕይሉ ኮይኑ።
ሓጋጊ፣ ፈጻሚን፣ ፈራድን ኣካላት ንሓድሕዶም ዝቖጻጸሩን ዝመዛዘኑን ኣይኮኑን። ኣብ ኣገደስቲ ተኣፈፍቲን ሃገራው ጉዳያት ይትረፍ፣ ህዝቢ ሓገግቲን ፈጸምትን ኣካላትኳ ክመቲ ዝድለ ትሳተፎ አብ ውሳነ ኔርዎም ክብሃል ኣይክእልን። ኣካይዳ መንግስቲ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዝጎደሎ ነይሩ።
ምስ ሕጽረት ክኢላዊ ዓቕሚ መንግስቲ፣ ህዝቢ በብዓዱን ከባቢኡን ያታዊ ስርዓተ-ሕጉን ፍትሑን ተጠቂሙ ዋኒኑ ክመሓደር፣ ሽግራቱን ምስሕሓባቱን ክፈትሕ፣ ኣብ ክንዲ ዝግደፍ፣ መንግስቲ ክሳብ ዝተሓተ ጸፍሒ ምምሕዳር ኢዱ ከእቱን፣ ሽማምንቱን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክጽዕንን ብምፍታኑ፣ ስርዓት ምምሕዳርን ፍትሕን ዘይስሉጥን መረረ ዝበዝሕን ኮይኑ፣ ተበግሶን ተሳትፎን ህዝቢ፣ ከኣ ዕድል ከም ዘይረክብ ኮይኑ ኣሎ።
ንመሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ሓርነታትን ዜጋታት ዝድርት፣ ንምህናጽን ምድልዳልን ደሞክራሲያዊ ስርዓት ዝዕንቅፍ፣ ብዙሓት ተርእዮታትን ፍጻመታትን ተኸሲትም ኢዮም። ዛጊት ሲቪላዊ ማሕበራት ክምስረታ፡ ሕጊ ፕረስን፣ ካልኦት ናይ መሰጋገሪ ሕግታትን፣ ብመሰረት ዝጸደቐ ቅዋም ክመሓየሹ፣ ብሕታዊ ጋዜጣታትን ነቐፌታዊ ክትዓትን ክሳብዚ ቀረባ እዋን ክነጥፉ ኣይተፈቕደን። ዜጋታት መሰል ምንቅስቓስ፣ ካብን ናብን፣ ናብ ኤርትራን ወጻእን ተነፊጎም ኣለዉ። ገለ ዜጋታት ንነዊሕ እዋን ተኣሲሮም ናብ ፍርዲ ዘይቀረቡ፣ ገለ ከኣ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣትዉ እናተዘርበሉ ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ኣለዉ።
ብሃገራዊ ምርጫ ተመሪጹ ዝምስረት መንግስቲ፣ ሓላፍነታዊን መላሺን (responsive) ኮይኑ፣ መታን ክውለድ ጉድለታት መሰጋገሪ መንግስቲ ንምውጋድ፣ ዘኽእል ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ዘረጋግጽ፣ ጭቡጥን ውድዓዊን ገምጋም ዝሓለፈ 10ዓመታት ጌና ኣይተገብረን። ህዝቢ እኹል ኣማራጺታት፣ ንሃገራዊ ምርጫ ናይ ምርካብ መሰሉ ንክሕሎ፣ ሕጊ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ጸዲቑ፣ ሰልፍታት፣ ህግደፍ ከም ሰልፊ’ ወይ ከም ሰልፍታት ተዋቒራ ኪነጥፋን፣ ቅድሚ ሃገራዊ ምርጫ እኹል ግዜ ክረኽባ ከም ዝከኣል ኣይተገብረን ኣሎ። ዓብላልነት ህግደፍ ኣብ ፖለቲካውን ቁጠባውን ህይውት እኽቲሙ፣ ንምስግጋር ስለጣን ናብ ህዝቢ ዘመቻቹኡ ኩነታት ኣይተፈጥሩን ኣለዉ። ሕጊ ምርጫ ኣይጸደቀን፣ ዘይሻራዊት ኮምሽን ምርጫ ከኣ ኣይቆመትን ኣላ። ንሃገራዊ ምርጫን ናጻን ርትዓውን ንምግባሩን ዘድሊ ምቅርራባት፣ ዛጊት ኣይተገብረን ኣሎ። በዚ ኣተሓሕዛዚ ከኣ ሓቀኛን ደሞክራሲያውን ምስግጋር ናብ ቅዋማዊ ስርዓት ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ። በዚ ዝኸዶ ዘሎ ኣንፈት እንተተቐጺሉ፣ ኤርትራ ስለጣን ናብ ህዝቢ ዘረክብ ደሞክራዊያዊ ቅዋማዊ ስርዓት ዛይኮነስ ናይ ውሱናት ስለጣን በሓትን ምልክን ዘርግእ ስርዓት ጥራይ ኢያ ክትጽበ ትኽእል።
ሳልሳይ ክፋል፣ እንታይ ክግበር ይከኣል?
ርእይቶና ኣብቶም ኣዝዮም ኣገደስቲ ኣከራኸርቲ ክኾኑ ዝኽእሉን ጉዳይ ክሕጸርን፣ ብሓፈሻዊ መገዲ ክቐርብን ዝፍትን ኢዩ.
1. ጉፋይ ሰላምን ውግእን ሃገራዊ ድሕነትን፣
ናይ 30 ዓመታት ሓርነታዊኩናትን ማህሰይትን ከይኣኽላ፣ ኤርትራ ኣብ እግሪ ተኽላን ድሮ ቅዋማዊ ስርዓት ትተኽለሉ መድረኽን፣ መበገሲኡ ብዘየገድስ ምስ ጎረባብታ ሃገራት ኣብ ምስሕሓብን ምትፍናን ክትኣቱ ኣብ ኩናት ክትጽመድን ኣየድልያን ጥራይ ዚይኮነ ኣየዋጽእን’ውን። ብኻልኦት ምትኹታኽን ናይ ዕንደራ ኣንፈት’ውን እንተሎ፣ ንዝኾነ ክፉእ ተኽእሎ ከይተሃመልካ፣ ንምርድዳእን ሰላማውን ሕጋውን ፍታሕ፣ ምድፋእን እምነት ዘሕድር ምቹእ ሃዋሁ ምፍጣርን ከድሊ ኢዩ።
1.1 ምስ ኢትዮጵያ
ናይ ዶብ ሽግር ሕጋውን ሰላማውን መገዲ ጥራይ ኢዩ ክፍታሕ ዝኽእል።
ምስ ኢትዮጵያ ተበጺሑ ዘሎ ናይ ስለማ ውዕል፣ ኩናት ክውግድን ሽግር ዶብ ብሕጋዊ መገዲ ክፈትሕን ዝኽ፥እል ኢዩ። ናብኡ ንምብጻሕ ብግዜያውነት ተተግቢሩ ክጸንሕ ስምምዕ ዝተገብረሉ መሰጋገሪ ስርርዕ (Transtional arrangement) ጸገማት ከጋጥሞን ሙሉእ ብሙሉእ ንኽልቲኦም ወገናት ከይዕግብን ዝኽእልኳ እንተኾነ፣ ናይ ዶብ ኮምሽን ቆይሙ ስርሑ እንተጀሚሩን፣ ዓቃብ ሰላም ሰራዊትን ተዋፊሩ ብምህላዉን፣ ነቲ ስትራተጂያዊ ዕላማ ምዕራፍ ሕቶ ዶብ ብሕጋዊ መገዲ ኣብ ሓደጋ ስለ ዘየውድቖን፣ ናይ መሰጋገሪ ስርርዕ ጸገማት ብግዜ ፍታሕ ክርከበሉን ምጽማም (Tolerate) ክግበረሉን ስለ ዝካኣልን ስለዝምረጽን፣ ናብ ኩናት ዘምርሓሉ ምኽንያት የለን። እቲ ካልእ ወገን ስምምዕ ክጥሕስን ውዕል ከፍርስን እንድሕሪ ደልዩ፣ ንክመጽእ ዝኽእል ኣሉታዊ ምዕባለ ንምግታእን ንምብርዓንን ቀዳምነት ክንህቦ ስለዘለና ማሕበረ-ሰብ ዓለም ከም ዝነቕሓሉን ኣዎንታዊ ተራ ከምዝጻወትን ምግባር ከድልየና ኢዩ።
ህልኽን ቅርሕንትን ዝደፍኦን ንሕና ወይ ንሶም ዝብል ኣረኣእያ መበግሲኡን ኩናት ፍታሕ ኣየምጽእን ጥራይ ዘይኮነ፣ ንክልቲኡ ህዝብታት ኣየርብሕን ኢዩ’ውን። ብዓቢኡ ከኣ ክልቲኡ ህዝብታት ብጥምየት ተሳቕዩን ናይ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ረድኤት ተጸባዪ ኮይኑን ኣብ ዘለወሉ እዋን ማሕበረተ-ሰብ ዓለም ንምውላዕ ኩናት ብቐሊሉ ዝሕዞ ኣይክኽውንን ኢዩ። ሳዕቤኑ ከኣ ሃሳዪ ክኽውን ኢዩ።
ዝኾነ ይኹን ወጥርን ናይ ኩናት ሃዋህውን ንምውጋድ_
- ክልቲኡ መንግስታት፣ ወተሃደራዊ ሓይልያቱ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክቕንስን (ከጣይስ( ናይ ምክልኻል ወጻኢታቱ ከጉድልን፡-
- ክልቲኡ ህዝብታት በድረጃታቱ ወጥሪ ንምፍኳስ ዝሕግዝ ናይ ምትእምማን ሃዋሁ ዝፈጥር ስጉምትታት ክወስደሉ ዝኽእል ዕድል ክወሃቦ፣
- ኣብ መስርሕ ትግባረ ግዜያዊ ስርርዕ ንዝረአ ጸገማት ፍታሓት መታን ክርከበሉ፣ ናይ ሕቡራት ሃገራት ልኡኽን፣ ክልተኣተን መንግስታትን፣ ቀጻልን ዝርዝርን ሓበሬታታት ንህዝቢ ከቕርባን፣ ኣብቲ ጉዳይ ብፍላይ ብቐጥታ ንዝምልከቶም ናይ ከባቢ ዶባት ዝርከቡ ህዝብታት ንክዋስኡ ዕድል ክህባን የድሊ።
1.2 ምስ ሱዳን፡-
ሽግር ሱዳን ብሱዳናውያን ጥራይ፣ ሽግር ኤርትራ ከኣ ብኤርትራውያን ጥራይ ክፍታሕ ስለዝከኣልን ስለዘለዎን፣ ኣብ ነፍስ ወከፍ ሃገር ክምስረት ዘለዎ ዓይነት ፖለቲካዊ ስርዓት፣ ነቲ ካልእ ዝምልከቶ ስለ ዘይኮነን ብሓባር ብሰላም ምንባር ስለ ዝካኣልን፣ ቅድሚ ሕጂ ዝተፈተነ ሽርሕታት ጎነጻዊ መገድን ፍታሕ ስለ ዘየምጽእን፡ ከምጽእ ስለ ዘይክእልን፣ ኣብ ነፍሲ ውከፍ ሃገር ዲሞክራስያዊ ለውጥታት ክመጽእ፣ ንናይ ክልቲኡ ህዝብታት ረብሓ ይኹን እንበር፣ ሓደ ወገን ነቲ ካልእ ወገን ብጎነጽ ከገድዶ ስለ ዘይክእልን ዘይግባእን፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሓድሕድ ጣልቃ ምእታው ክህሉ የብሉን። ሓደ ሃገር ንቲ ካልእ መበገሲ ሸርሒታት ክኸውን የብሉን። ኣብ ከባቢ ዶብ ዝኾነ ይኹን ሽግር ይረአ፣ ብልዝብን ብሰላማዊ መገድን ክፍታሕ እንበር ናብ ውግእ ከምርሕ ኣይግባእን፣ ኣየዋጽእን ከኣ። በንጻሩ ምትእምማን ዝፈጥርን ምትሕግጋዝ ዘማዕብልን ፖሊሲን ስጉምትታትን ምክታልን ምውሳድን የድሊ።
- ክልቲኡ መንግስታት ሓይልታት ምክልኻሉ ካብ ዶብ ከርሕቕ፣
- ክልቲኡ መንግስታት ናይ ህዝብን ንግድን ናጻ ምንቅስቓሳት ኣብ ዶባት ከፍቅድ፣
- ክልቲኡ መንግስታት ኩሉ መዳያዊ ምትሕግጋዝ ከዕዝዝን ከደንፍዕን ክሰርሕ።
- ኤርትራ ብድሌት ኩሎም ሓይልታት ሱዳን ኣጠቓላሊ ብሰላማዊ ፍታሕ ሽግር ሱዳን ንክመጽእ ሃናጺን ኣወንታውን ተራ ክትጻወት።
1.3 ምስ የመን፡-
ዘሰሓሕብ ዝነበረ ደሴታትን ማያዊ ክሊ ዶን ብሕጋዊ ተዛዚሙን ክልትኡ ወገን ተቀቢሉ ከተግብሮ ተሰማሚዑ ስለዝኾነ፣ ኣብ ባሕሪ ናይ ገፈፍቲ ዓሳ ሓደ ሓደ ጸገማት ከጋጥም ዝኽእልኳ እንተኾነ፣ ብቐሊሉ ብልዝብ ክፍታሕ ስለዝኽእል፣ ኣብ ክንዲ ንድሕሪት ንቕድሚት ብምቁማት ናይ ቅድም በሰላ ዝሓውየሉን፣ ምትሕግግዝ ዝድንፍዓሉን ኩነታት ንምፍጣር ክጸዓር ኣለዎ።
1.4 ሓፈሻዊ፡-
ኣብ እግሪ ተኽላ ልኡላዊት ኤርትራ ብሰንኪ ግጭታትን ኩናትን ብዙሕ ተሃስያን ዕድል ጠፊኡዋን ኢዩ። ሃገራዊ ድሕነታ መታን ክተረጋግጽን ከውሕስን፣ ብጀካ ውፉይን ብቑዑን ክኢላዊ (Professional) ዘመናዊ ሓይሊ ምክልኻል ምምስራትን፣ ዕቑር ድሉው ሓይሊ ህዝባ ምቕራብን፣ ግጭት ዘወግድን ሰላማዊ ፍታሕን ዘምጽእ ዲፕሎማሲ ምኽታልን፣ ስግኣታት ኣብ ምጉዳልን ምእላይን ተራ ኣብ ዝህልዎ ስምምዓት ምጽንባርን ብመገዲ ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ውድባት ንሰላም ምድፍእ“ውን ይሓትት። ናይ ምትሕግጋዝ ገታኢ ተራ ንግጭት ከኣ ብዝለዓለ ክምዝመዝ የድሊ።
ሰራዊት ምክልኻል ውፉይን ኪኢላዊን ሃገራውን ክኽውን ስለ ዘለዎ ንቕዋም ዝምእዘዝ፣ ኣብ ፖለቲካ ገለልተኛ ዝኾነ፣ ኣቃውማ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ግምት ዘእተወ፣ ኣብ ወለንታ ክምርኮስ ስለ ዘለዎ ከኣ፣ ብደሞዝን ብዕብየትን ኣብ ስርሕን ዘተባብዕ ኣተሓሕዛ ክህልዎ የድሊ። ወፈራዊ ስራሓቱ ግሉጽነት፣ ተሓታቲነትን ኣድማዒነትን ክህልዎ የድሊ።
ኣገዳስነትን ኣድላይነትን መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ርዱእ ኮይኑ፣ ኣብ ኣተሓሕዝኡን ወፍራቂ ስራሓቱን ጽፉፍ ውጥንን ኣድማዒ ኣጠቓቕማ ዓቕሚ ስብን ዝኽተል ምግባሩ ከድሊ ኢዩ።
ኣስታት 200 ሽሕ ዝኾኑ ኣብ ወተሃደራዊ ግምባራት ዝርከቡ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ተጣይሶም ኔሮም ዝኸተቱ ተጋደልትን፣ ኣብ ውሽጢ ዓመትን መንፈቕን ንኽጣየሱ ኣብ መጀመርያ ናይዚ ዓመት’ዚ ወጺኡ ዝነበረ መደብ ክስብ ሕጂ ከይተገብረ ምጽንሑ ምኽኑይን ቅቡልን ኣይኮነን። ንዝኾነ ከጋጥም ንዝኽእል ሃገር ናይ ምክልኻል ጻውዒት ፣ ህጹጽ ምኽታት ክግበረሉ ዝኽእል ኣገባብ ክዋደድ ስለ ዝኽእል፣ ከቲቱ ዘሎ ዓቕሚ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሽግር ስድራታት ቁጠባ ሃገርን ንምሕዋይ ቀልጢፉ ክጣየስ የድሊ።
ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ተዋፊረን ዘለዋ ደቂ-ኣንስትዮ ብዙሕ ጸገማት የጓንፈንን ህዝቢ የዕዘምዝመሉን ስለ ዘሎ ንግዜኡ ካብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምውፋረን ደው ኢሉ ክጸንሕን፣ ንሓዋሩ ብኸመይ ክተሓዝ ከም ዘለዎ፣ ህዝቢ ተምያይጡ ርእይቶ ክህበሉን የድሊ።
ዝምድና ምስ ጎረባብትና ኣዝዩ ኣገዳስን ተነቃፍን፣ ናይ ሕሉፍ ኣሉታዊ ተመኩሮና ስምብራት ከኣ ተመዝማዝን ስለዝኾነ ነቲ ጉዳይ’ዚ ብትካላዊ መገዲ ዝከታተልን፣ ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ብኸመይ ክተሓዝ ከም ዘለዎ ህዝቢ ተመያይጡ ርእይቶ ክህበሉን፣ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ ፍርቂ ዘመን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሓድሕድ ጣልቃ ንይ ምእታውን ተቓወምቲ ሓይልታት ደጊፍካ ብጎነጽ ስርዓት ንምቕያር ናይ ምፍትታን ዝውሰድ ዝነበረ ፖሊሲታትን ተግባራትን ነዚ ከባብዚ ሰላምን ምርግጋእን ከሊኡ ኣብ ቀጻሊ ህውከትን ኩናትን ጠቢስዎን ይርከብ። እዚ ከባቢዚ ሰላምን ምርግጋእን ብጽልግናን ክጓናጸፍ እንተኾይኑ፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ካልእ ጣልቃ ምእታው፣ ተቓወምቲ ሓይልታት ደጊፍካ ብጎነጽ መንግስቲ ክትቅይር ምፍታን፣ ኣብቂዑ ንጽቡቕ ጉርብትና ብሰላም ብሓባር ንምንባርን፣ ሓባራዊ ምትሕግጋዝ ንምዕዛዝን ምስራሕ ከድሊ ኢዩ። ምስ ጎረባብትና ሃገራት፣ ናብ ዕርቅን ብሓባር ብሰላም ኣብ ምንባር፣ ክንጽዕርን ዝምድናታት ናብ ንቡር ተመሊሱ፣ ንረብሓ ህዝብታት ናብ ምትሕግጋዝ ዝድፍኣሉ ኩነታት፣ ምምዕዳውን ከድሊ ኢዩ። ነዚ ከኣ መተኣማመኒ ጭቡጥ ስጉምትታት ምውሳድ የድሊ።
2. ቕጠባውን ማሕበራውን ጉዳያት፡-
ቁጠባና ንምሕዋይ ማሕበራዊ ሽግርና ንምቅላል፣ ግዳያት ኩናት ናይ ዝኾኑ ስድራ ስውኣት፣ ስንኩላን፣ ዝተመዛበሉ፣ ዝተጣየሱን፣ ዝተወጽዑን ክፍልታት ሕብረተ-ሰብናን ንምጥያስን፣ ሃገር ናይ ምክልኻል ዓቕምና ንምሕያልን፣ ህዝብና ስላም ረኺቡ ናብ ተሃድሶን ዳግመ ጥየሳን መደባት ክተኩር የድሊ። ናይ ተሃድሶን ዳግመ ጥየሳን መድባት ብብቕዓት ተሰላሲሎም ንህጹጽ ኩነታትና ብኣድማዕነት መታን ክንገጥሞም፣ ብጀካ ሰላም ምስፋን ኩሉ ዓቕምና ናብ ቁጠባ ምውፋርን፡-
- ውሽጣዊ ዓቕምን ኣወዳድባን ክጸፍፍን ክሕይልን፣
- ሲቪካውያን ማሕበራትን ሃገራውያን ዘይመንግስታዊ ውድባትን ክቖማን ክተባብዓን፣
- ኣብ ቅጠባ ግላዊ ተበግሶን ውድድርን ናጻ ዕዳጋን ናጻ ዋኒንን ክተባባዕ፣
- ሕቶ መሬት ዓቢ ቅልውላው ፈጢሩ ስለ ዘሎ ህዝቢ ርእይቶታት ሂቡሉ ብኪኢላታት ተጸኒዑ ህጹጽ ፍታሕ ክግበረሉ፣
- ናይ ማሕበራዊ ውሕስነትን ናይ ጥሮታን ሕግን መደብን ወጺኡ ብዝቀልጠፈ ክትግባር፣
- ናይ ዜጋታት ካብን ናብን ኤርትራን ወጻእን ናይ ምንቅስቓስ መስል ክኽበር፣
- ኣብ ዩኒቨርሲቲ ክኣትዉ ንዘይከኣሉ ተመሃሮ ሞያዊ ስለጠናታት ክውሃቦምን ንዖኦምን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ንዘለዉን ናይ ወጻኢ ማህደረ-ትምህርቲ ሰፊሕ ዕድል ክኽፈተሎምን፣
- ናይ ተመሃሮ መደብ ክረምታዊ ማእቶት ኣፍራይን ኣድማዕን ስለዘይኮነ ክግምገም፣
- ብዘይ ፍርዲ ንነዊሕ ዝተኣስሩን ተቐይዶም ሃለዋቶም ዘይተፈልጡን ዜጋታት ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ ወይ ናጻ ክልቀቑ፣ ስጉምቲ ዝተወስድሎም እንተለዉ ከኣ ቤተ-ሰቦም ክሕበሩ።
- ናይ ትሑት ዝእትዋቶም ዜጋትጋት ናይ መምበሪ ኣባይትን ዋጋ ክራይን ሽግራት ንምቅላል ፍሉይ ኣካል ቆይሙ፣ ብደገፍ ናይ ግዳም ትካላትን መንግስትን ናይ ትሑት ዝዋግኡ ኣባይቲ ምስራሕ መደብ ክተሓዝ፣
- ናይ ውሽጣውን ግዳማውን ጸጋታትን ሃብትታትን ቅኑዕን ርትዓውን ኣድማዕን ኣጠቓቕማን መታን ክወሕስ ዘገድሶም ትካላትን ቅኑዓትን ኣሳተፍትን ቀጥዕታትን ብምውሳእ ብሃገርዊ ባይቶ ዝጸድቕ ሃገራዊ ባጀት ናይ ልምዓት መድባትን ክወጽእ።
- ናይ ግዳም ደገፍ ብዝለዓለ ደረጃ ንምኽሳብ ሓባራዊ ረብሓን ናትናን ናይ መሻርኽትን ዝሓለነን ዝሕሉን ዘቐድምን ሜላ ክድፈኣሉን ከድሊ ኢይ።
ጥዑይ ውድድር፣ ኣብ መትከላዊ ዕዳጋ ንምርግጋጽን፣ ውሽጥውን ግዳማውን ግላዊ ክፋል ምትብባዕን፣ ዓብላልነት ህግደፍ ኣብ ቁጠባ ሃገር ከም ዘብቅዕ ምግባር። ገንዘብን ንብረትን ህግደፍ ናይ ኩሉ ዝተቓለሰ ህዝቢ ንብረት ስለ ዝኾነ ኣብ መዓላ ግዳያት ኩናት ዝኾኑ ስድራ ስውኣትን ስንኩላን ጥዩስትን፣ ካብ ምምዝባል ስደትን ተመለስትን ክውዕል ፍትሓዊ ስለ ዝኾነ ብክኢላዊ ዓቅሚ ዝመሓደርን ሓደ ማዕገን (ትራስት) ቆይሙሉ፣ ኣብ ስራሕ ብኣፍራይ ኣገባብ ክዋፈር ከዲሊ ኢዩ። ኣብ መድረኽ ቅዋማዊ ስርዓት ህግደፍ ከም ፖለቲካዊ ሰልፊ ወይ ሰልፍታት ክዋሳእ እንተደልዩ ካብ ቢዝነስ (ቁጠባዊ ንጥፈት) ክወጽእ ስለ ዘለዎ እቲ ማዕከን (ትራስት) ናጻ ኮይኑ ክቀውም ናይ ግድን ይኸውን።
3, ጥዑይ ምሕደራ፣
ኣብ ተመክሮ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ኣብ ቢሮክራሲያዊ ስራሓት መንግስትን ናይ ኣደ ቋንቋ ምስግዳድ ኣብ ገሊኡ ኣብያተ ትምህርቲ ጸገም ክፍጠር ስለ ዝጸንሐን፣ ናይ ኩለን ቋንቋ ኤርትራ ምጥቃም ብዝያድ ከሸግር ስለ ዝኾነ፡-
- ወግዓዊ ቋንቋ ወይ ቋንቋታትን ምውሳን ኣገዳሲ ይኸውን።
- ናይ ህዝቢ ስምዒታት ኣብ ግምት ብምእታው፣ ወግዓውያን ቋንቋታተ ኤርትራ ትግርኛን ዓረብን ክኾና ኣለወን ዝብል ርእይቶ ኣለና።
- ህዝቢ ግን ነዚ ሕቶዚ ክመያየጠሉ ክውስንን ኣለዎ ንብል።
- ኣብ መባእታዊ ኣብያተ ትመህርቲ ናይ ኣደ ቋንቋ ምስግዳድ ክተርፍ።
- ዝኾነ ይኹን ዜጋ ቋንቋኡ ናይ ምጥቃም መሰሉ ሕሉው ይኸውን።
ብዙሕ ናይ ምምሕዳርን ፍትሕን ጸገማት ንምፍታሕን ህዝቢ ባዕሉ ንባዕሉ ክመሓድርን ስለዘለዎን፣ ብመንግስቲ ዝግበር ሕርያ ተሪፉ፣ ኣብ ኩሉ ጸፍሕታት ምምሕዳር ክስብ ብደረጃ ዓድን ከባብን ህዝቢ ኣማሓደርቱ ክመርጽ፡
4. ቅዋማዊ መንግስትን ዘድልዮ ምቅርራባትን፣-
ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ንመጀመርያ ግዜ ልኡላዊት ሃገር ቅዋማዊ ስርዓት (ምትሕልላፍ ስልጣን ናብ ህዝቢ) ትሰጋገር ስለ ዘላን፣ ናይ 10 ዓመታት ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ መድረኽ ተሓሊፉ ስለ ዝኾነ ንድሕሪ ሕጂ ጸገማት ዝፈጥር’ውን ክኸውን ስለ ዘይብሉን፣ እዚ ምስግጋር’ዚ ሓቀኛ ደሞክራስያዊን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘሳትፍን መታን ክኸውን ብህግደፍ ዘይዕብለልን ሓባራዊ መረዳእታን ዕግበትን ዝህልዎ ክኸውን የድሊ። መንግስቲ ፖለቲካዊ ኣረኣእይኦም ንመንግስትን ህግደፍን ክድግፉ ይጽንሑን ኣይጽንሑን፣ በዘየገድስ ልኡላውነት ሃገርን ሓድነት ህዝብን ኣሚኖም፣ ንቅዋም (ኣብኡ ዕቀቤታት እንተሃልይዎም ብሕጋዊ መገዲ ንምምሕያሹ ዕድል ከም ዘሎ ተረዲኦም) ተቀቢሎም ቅዋማዊ ስርዓት ኣብ ምትካል ክዋስኡ ቅሩባት ንዝኾኑ ኩሎም ኤርትራውያን ዜጋጋት ክጽውዕ የድሊ።
ደገፍትን ተቓወምትን ህግደፍ ዝኾኑ ዜጋታት፣ ንሕጊ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ንሕጊ ምርጫን ክመያየጥሉን ርእይቶቶታቶም ክህቡሉን ብመሰረት ድሕፊ ሕጂ ዝጸድቕ ሕግታት ድማ ፖለቲካዊ ሰልፊ ናይ ምምስራት ኣብ ሃገራዊ ምርጫ ተሳቲፎም ንሃራውን ዞባውን ባይቶታት ናይ ክመርጹን ክምረጹን መሰሎም ክሕለወሎም የድሊ። ቅድሚ ሃገራዊ ምርጫ ምስታፍ ኮነ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ንክነጥፋ ምቹእ ኩነታት ክፍጠረለን የድሊ። ሃገራዊ ምርጫ ናጻን ርትዓውን መታን ክኸውን፣ ናይ መላእ ህዝቢ ተሳትፎ ዘረጋግጽን ዘዕግብን ክኸውን፣ ደጋፍንን ተቓዋምን ብዝሰማማዕሉ ናይ ውድድር ሕጊ ክፍጸም፣ ሕጊ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ቀይድታት ዘይበዝሖ ክኸውን፣ ሕጊ ምርጫ ድማ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ብናይ ሓበራዊ መረዳእታ፣ (consensus) ክጸድቕ ይግባእ።
ብተወሳኺ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ሓርነታትን ክኽበር፣ ፍሉይ ቤት-ፍርዲ ክፈርስ፣ ሕጊ ፕረስ ብመንፈስ ቅዋም ክመሓየሽ፣ ናጽነት ፍርዳዊ ኣካልን መራኸቢ ብዙሓንን ክሕሎ፣ ኮሚሽን ምርጫ ናጻን ዘይሻራዊነትን ኮይና ክትቀውም ብህዝቢ እተምርጻ ኣካላትን፣ ሃገራውያን ሲቪላዊ ማሕበራትን ዕዱማትት ወጻእተኛታትን ንሃገራዊ ምርጫ ብሓባር ክዕዘቡ፣ ከም ዝኽውን ክግበር የድሊ። ነዚ ኩሉ ንምትግባር ዘድሊ ግዜ ከኣ ብጭቡጥ ለሌዳ ተሓንጺጹ ክትግበር ይግባእ።
መደምደምታ
ኤርትራ ኣብ ኣዝዩ ኣገዳስን ተኣፋፍን መድረኽ ኣትያ ትርከብ። እዚ መድረኺዚ ኣገዳሲ ቀለቤት ኣብ ምንጎ ናይ ዝሓለፈ መሰጋገሪ እዋን ሕሉፍ ተመክሮን፣ መላእ ህዝቢ ኣቋሚቱ ዘማዕድዎ ዘሎ ቅዋማዊ መጻእን ኢዩ። ኣብዛ እዋን እዚኣ ዝህሉ ኣተሓሕዛ ናይ ጉዳያት ከኣ፣ ቅኑዕ ምስግጋር ናብ ራህዋ ስርዓት፣ ወይ ከኣ ግጉይ ምንሽርታት ናብ ርግኣትን ፍትሕን ዝዕንቅጽ ኩነታት ዘምርሕ ወሳንን ፈታንን መስርሕ ክኸውን ኢዩ።
ኣብ ገምጋም ዝሓለፈ ተመክሮ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ ክህሉ ባህሪያዊ ከም ዝኾነ መጠን፣ ኣብ ድሌታትን ሃንቀውታታትን መጻኢ’ውን ፍልልያት ክህሉ ትጽቢት ክግበረሉን ምጽውዋር ክህሉን ዝሓትት ኢዩ። ንሕሉፍ ተመክሮ ብወድዓዊ መገዲ ኣብ ምግምጋም ካብ ኣወንታዊ መዳያት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ብዝያዳ ኣኳ ደኣ ካብ ኣሉታዊ መዳያት ብዙሕ ትምህርቲ ስለ ዝቕሰም ህዝቢ ብክፉት ክመያየጠሉ፣ ርእይቶታኡ ዝገልጸሉን ኽኸውን ኣገዳሲ ኢዩ።
ዝተፈላለየ ናይ መጻኢ ድሌታትን ሃንቀውታታን ምህላው ንናይ ህዝቢ ናይ ኣማራጺታት ዕድል የፍሕን ይሰፍሕን ኣምበር ናይ ግድን ናብ ምግምማዕን ህውከትን የናቑትን ማለት ኣይኮነን። ኣብ መውዳእታ ህዝቢ ብናጻን ርትዓውን መንገዲ ድሌቱ ክመርጽ ዕድል ክወሃቦ ስለ ዘለዎ ድሌትን ውሳኔን ህዝቢ ክኽበር ኣለዎ ማለት ኢዩ። ህዝቢ ሰላም ረኺቡ፣ ዝተፈላለየ ኣራኣእያታትውን እንተሎ፣ ከም ወትሩ ሓድነቱን ልኡላውነቱን ሃገሩን ሓልዩን ኣትሪሩን፣ ንቡር ህይወት ክሰርዕን፣ ማሕበረ-ቁተባዊ ጸገማቱ ንምፍታሕ ዝሕግዞ ምቹእ ሃዋሁ ዝፈጥረሉን ቅዋማዊ ስርዓትን ጥዑይን ፍትሓውን ምሕደራን ክተክል የድሊ።
ሰላም፣ ምእንቲ ሰላም ሰሪሕካን ከም ብሌን ዓይንኻ ሓብሒብካን እምበር፣ ብዋዛ ኣይትርከብን። ሓድነት ህዝብ ኣብ ድሌት ማዕርነት ተሳታፍነትን ምሽራኽን ይድልድል እምበር፣ ብጭርሖ፣ ብምጭዳር፣ ብምጉብዕባዕ ብስልበጣን ኣይመጽእን። ልዑላውነት ሃገር ዝሕሉን ኣድማዒ ዝኸውንን፣ ኣብ ፍቕሪ ሃገርን ዕግበት ምሕደራን ተወፋይነትን ዝድርኽ እምበር፣ በስገዳድን፣ እምነትን ተገዳስነትን ብዘዳኽም ኣገባብን ኣይከውንን። ህዝቢ ንነዊሕ ግዜ ጥሜትን ሽግርን ክጻወር ይኽእል፡ ፍትሕን ጽቡቕ ምሕደራን እንተዝይሃልዩ ካብ ጥሜት፣ ሕማም፣ ድኽነት፣ ድንቁርናን፣ ውግእን ክገላገል ከም ዘይክእል ስለ ዝፈልጥ።
ፍርቂ ናይታ ,,ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝብቲ ኤርትራ“ ምስቲ ኣብ ላዕሊ ዝሃብክዎ መግለጺ ኣብዚ ኣብቂዐ ነተን ዝተረፋ ሰለስተ ገጻትን ከምኡውን 15 ኣባላት ባይቶን ህግደፍን ንመግለጺ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ነጺጎሞ ዝብል ኣብ መቓልህ ዜና ነሓሰ 2001 ዝወጸት ኣብታ ቀጻሊት ካልኣይቲ ክፋል ከቕርብ ኢየ። ካብኡ ድማ ናብ መንካዕ ቁጽሪ ክልተ ንሓልፍ። ነዊሕ ንድሕሪት ተመሊስና ኣበይ ኢዩ እቲ መሰረት ጉድለታትና ንምፍታሽን፣ ንሕና ድማ ከም እምነትና ኣበየናይ መዳይ ኢና ተዘንጊዕና ንግምግመሉ ኣመት ይህልወና።
ኣብ ቀጻሊ ብጽቡቕ የራኽበና
መምህር ተስፉ ዘውደ።




ናይ ሓደስቲ