Banner
You are here: Home እዋናዊ Articles ርሑስ ዋዕላ ይግበረልና

ርሑስ ዋዕላ ይግበረልና

E-mail Print PDF
ኣቦታትና ኣገዳሲ ጉዳይ ክርከብ እንከሎ ርሑስ ይግበረልና ብማለት ይምርቕዎ። እዚ ግን ኩሎም ነቲ ክግበር ተመዲቡ ዘሎ ተሰማሚዖምሉ ኣየስመዕን። ንሕና እውን ብሸነኽና ብጸዓት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳንን፤ ሲቪካውያን ማሕበራትን፤ ተባዓት ሃገራውያንን ኣብ ድሮ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንርከብ ኣሎና። ኣነ እውን ከምቶም ኣቦታትና፤ ርሑስ ዋዕላ ይግበረልና፡ ቀዳዊና ይግበሮ ክብል እፈቱ።

ርግጽ ነዚ ዝግበር ዘሎ ዋዕላ ዝድግፍዎን ዝጻረርዎን ከም ዘለዉ ብሩህ እዩ። ብዛዕባ እቶም ዝድግፍዎ ብዙሕ ዝበሃል እኳ እንተሎ፡ ባዕሎም ይብልዎ ስለ ዘለዉ፡ ኣብ ናይ ውልቀይ ኣተኲረ ስለምንታይ ይድግፎ ከም ዘሎኹ ካብ ዘሎኒ መትከላዊ እምነት ተበጊስ ከብርህ እፈቱ። እዚ ማለትይ፤

 

  1. ብመልክዕ ሃገራዊ ዋዕላታትን፡ ጉባኤታትን፡ ኣኼባታትን ዝውሰኑ ጉዳያት ዝያዳ ዲሞክራሲያዊ ሰረት ኣለዎም ኢለ እኣምን። ኣብ ኽምዚ ዝኣመስለ ጉዳያት ሓደ ርእይቶ ወይ ዝምባሌ ክዕብልል ስለ ዝይከእል ንተሳተፍቲ ኣብ እንካን ሃባን ዘፍቅድ ውረድ ደይብ ተመርኲሾም ኣብ ንኹሉ ዝጥርንፍ ማእከላይ ፍታሕ ክሰማምዑ ዘኽእል መስርሕ የምርሖም።
  2. ዕላማ ናይዚ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ስለ ዝኾነ ኣብ ኤርትራ ንዚ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምልጋስ ተኣኪብካ እትገብሮ ካብ ብውልቀ ውድባት ዝግበር ጉባኤታትን፡ ዋዕላታትን፡ ኣኼባታትን ዚያዳ ኣድማዕነትን፡ ዓቢ ምልኣትን ዘለዎ መስርሕ ክኸውን እዩ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ተሳትፎ ሕዝቢ ኣብ ምምስራት ንኹሉ እትሓቁፍ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ የረጋግጽ ብምህላዉ ፍሉይ ታሪኻዊ ኣገዳስነት ክህልዎ እዩ።
  3. እዚ ሃገራዊ ዋዕላ እዚ ኣብዚ ተታሓሒዝናዮ ዘሎና ቃልሲ ንመጀመርያ ጊዜ ዝግበር ዘሎ ኮይኑ፡ ነቲ ብሰንኪ ባዕዳውያንን፡ ዲክታቶርያውያንን ዓመጽቲ ተሪፉ ንዝነበረ ሕዝባዊ ባህልና “ሽግራትና ብዋዕላታት ናይ ምፍታሕ” ምዕቡል ልምዲ ዘሕድስ መስርሕ ኮይኑ፡ እዚ ዋዕላ እዚ ፈላሚ ኾይኑ፡ ንመጻኢ ዋዕላታት ንምክያድ መስረት ዘንበር መስርሕ እዩ።
  4. ሓደ ካብቲ ሽግርና ግን ገለ ካባና ‘ንሃገራዊ’ ንዝብል ጥምሮ ሓሳብ ምስ ‘ፖሊቲካዊ ውክልና’ ዝብል ይሓዋውስዎ። ብሸነኸይ ሃገራዊ ዘብሎ ምኽንያት፡ ካብ ኩሉ ሸነኻት ናይ ሃገርና ይሳተፍዎ ስለ ዘለዉ ድኣ እምበር ንኹሉ ስለ ዝውከለ ኣይኮነን። ብዓቢኡ እቲ ተጠቃሚ ዲሞክራሲ ክኸውን ንጽበዮ ዘሎና ኣብ ትሕቲ ዲክታቶርነት ዝሳቀ ዘሎ ሕዝቢ ኤርትራ ብቀጥታ ክሳተፎ ይኽእል ከምዘየሎ ካብ ኩልና ዝተሰወረ ኣይኮነን። ኮይኑ ግን ብዙሕ ሸነኻት ናይ ሕብረተስብና ይሳተፍዎ ስለ ዘለዉ፡ ንኹሎም ሸነኻትን፡ ዝምባሌታትን ሕዝብና ዝውክል ዋዕላ ምኻኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን ዝብል እምነት ኣሎኒ።

ንኹሎም ነዚ ዋዕላ ንምዕዋት ዝቃለሱ ምስጋናይ ብምቅራብ፡ ደጊመ፡ ርሑስ ዋዕላ ይግበረልና፡ ቀዳዊና ይግበሮ ክብል እፈቱ።

 

Comments  

 
0 #20 lwam 2010-07-27 05:18
shalom derho :
Quote
 
 
0 #19 ኣውሊዕ 2010-07-26 23:23
hahaha........This is some funny stuff.Enjoy playing a game under different names.


Quoting Tazabi:
playing game with your body!!

Quoting ኣውሊዕ:
Quoting Tazabi:
Shalom or (Awli'A)
The people has heart!!


Knowing each others is a good thing I believe in.
Quote
 
 
0 #18 Tazabi 2010-07-26 21:35
playing game with your body!!

Quoting ኣውሊዕ:
Quoting Tazabi:
Shalom or (Awli'A)
The people has heart!!


Knowing each others is a good thing I believe in.
Quote
 
 
0 #17 ኣውሊዕ 2010-07-26 20:57
Quoting Tazabi:
Shalom or (Awli'A)
The people has heart!!


Knowing each others is a good thing I believe in.
Quote
 
 
-2 #16 Tazabi 2010-07-26 19:59
Shalom or (Awli'A)
The people has heart!!
Quote
 
 
0 #15 ኣውሊዕ 2010-07-26 19:31
Quoting ሻሎም ኤርትራ:
ኣውሊዕ ኣንትታ ባምቢናቾ ኣብ ኤርትራ ወይ ምስ ህግድፍ ወይ ምስ ተቓውሞ ዝበሃል ጥራይ የለን ፡፡ ኣብ ኤርትራ ካብ ኣቦይ ዓንዱ ጀሚርካ ንዓይ ወሲኽካ 98% ቅጭ ዝመጻና ወዳኢትኩሞ ትምጻእ ንብል በብዝኸድኩሞ ሃጽ ኢልኩም ግብ በሉ ንብል ንበዝሕ፡፡ ካፒቶ ያሑማር ኣድግ ፤ ክትፎኽን ብልዓ ሱቕ ኢልክን ኣይተ መለስ ክሳብ ዝሽንድሓክን፤ bye bye baby see you in hell ,you sell out


ሻሎም ኤርትራ....

""...ተባዕ ኣይሞተ ፡ ፈራህ ኣይሞተ ፡ ላንግላንጋ ሞተ""...መበል ኣርባዓተ ሚልዮን ብዝሒ ሕዝቢ ኤርትራ መቋጽርቲ ምዃንካ ኣይሰሓትኩን።መሰተማሰሊ ሰብ እኳ ኣይፈቱን።ሰነፍ ኣይትኹን ርግእ በል።ካብ ካልእ ቋንቋ ትጥቀም ትግሪንያ ጸፊፍካ ተዛረብ።
Quote
 
 
0 #14 Hewan 2010-07-26 19:25
Shalom kabzom kulom zeyhilel hade nisika eka zeleka.misti natey hasab dima tisemamae.kemti hade zibelo kab zeytifelto melak tifelto seytan elu hizbi tim elu yirie alo.zibezi dima nikulom iydigifin eyu.Adekido hatineki hisha kulen hade yilehasa eyu koynu emo bicha itikotae nidid libl eneakaye. rigie blbelka chele blikone iyzoka ab gonika enena.
Quote
 
 
+1 #13 ሻሎም ኤርትራ 2010-07-26 18:27
ኣውሊዕ ኣንትታ ባምቢናቾ ኣብ ኤርትራ ወይ ምስ ህግድፍ ወይ ምስ ተቓውሞ ዝበሃል ጥራይ የለን ፡፡ ኣብ ኤርትራ ካብ ኣቦይ ዓንዱ ጀሚርካ ንዓይ ወሲኽካ 98% ቅጭ ዝመጻና ወዳኢትኩሞ ትምጻእ ንብል በብዝኸድኩሞ ሃጽ ኢልኩም ግብ በሉ ንብል ንበዝሕ፡፡ ካፒቶ ያሑማር ኣድግ ፤ ክትፎኽን ብልዓ ሱቕ ኢልክን ኣይተ መለስ ክሳብ ዝሽንድሓክን፤ bye bye baby see you in hell ,you sell out
Quote
 
 
-3 #12 ኣውሊዕ 2010-07-26 17:25
Quoting ሻሎም ኤርትራ:
#10 ኣውሊዕ 2010-07-26 15:56
''ሻሎም ኤርትራ....
ኣይትቀየመለይ እምበር.. እስኻ እውን ብዘይትፈልጦ ፖለቲካ ተኸኽ ኣቢልካና ኣሎኻ።ንኣኻ'ውን ምሕረት የውርደልካ።'' ኢልካ ኣውሊዕ፡፡
ኣውሊዕ ከምዚ ካብ በልካ ፤ ዕርቃንካ ባዕልኻ ካብ ቀላዕካ ፤ በል እስከ ንገረና እቲ ""ቤት ምጽራይ"" ከመይ ከምዝነበረ፡፡ እንተ ምሕረት የውርደልካ ዝበልካዮ ኣነ እኳ ምሕረት የውርደልካ ዘይኮነስ ንዓኻን ንቦለቲከኛታትካን ቦንቋሪትኩም ትምጻእ እየ ዝብለኩም ፡፡ ይኣኽለኩም ሕጂኸ እንታይ ከተጽርዩን ከተጻርዩን ኢኹም ? ዶስ '' የጎደለ ሙላ ..ልቐረይ እንኤ መልእዋቶ ኣንቱም ዓናናት ሃሳሳት '' ኢሎምኹም እዮም ጐይተትኩም ፡፡

ሻሎም ኤርትራ......
ንኣያኻ ኢሰያስ ምስታ ዝመርሓ ዘሎ ህግደፍካ ፡ ብማህጸን ኣደታት ኤርትራ ብምጽዋቶም ቦንቋሪቶም ትምጻእ።እንተ ንስኻ ግና ምስኪናይ ደድሕሪኦም ተጎቲትካ ኣብ ዘይትፈልጦ ፖለቲካ ትዕዱኽ ሰለዘለካ ምሕረት የውርደልካ እየ ዝብለካ።ምናልባሽ ኣይፍለጥን ጽባሕ ናተይ ፓፓጋሎ ክትከውን ትክእል ኢኻ፡ምክንያቱ ፓፓጋሎ እተባህለ እናደገመ ስርሑ ኣይልውጥን ኢዩ። .....ዓዳዅ ኣይትኹን።
Quote
 
 
+1 #11 ሻሎም ኤርትራ 2010-07-26 16:49
#10 ኣውሊዕ 2010-07-26 15:56
''ሻሎም ኤርትራ....
ኣይትቀየመለይ እምበር.. እስኻ እውን ብዘይትፈልጦ ፖለቲካ ተኸኽ ኣቢልካና ኣሎኻ።ንኣኻ'ውን ምሕረት የውርደልካ።'' ኢልካ ኣውሊዕ፡፡
ኣውሊዕ ከምዚ ካብ በልካ ፤ ዕርቃንካ ባዕልኻ ካብ ቀላዕካ ፤ በል እስከ ንገረና እቲ ""ቤት ምጽራይ"" ከመይ ከምዝነበረ፡፡ እንተ ምሕረት የውርደልካ ዝበልካዮ ኣነ እኳ ምሕረት የውርደልካ ዘይኮነስ ንዓኻን ንቦለቲከኛታትካን ቦንቋሪትኩም ትምጻእ እየ ዝብለኩም ፡፡ ይኣኽለኩም ሕጂኸ እንታይ ከተጽርዩን ከተጻርዩን ኢኹም ? ዶስ '' የጎደለ ሙላ ..ልቐረይ እንኤ መልእዋቶ ኣንቱም ዓናናት ሃሳሳት '' ኢሎምኹም እዮም ጐይተትኩም ፡፡
Quote
 
 
-3 #10 ኣውሊዕ 2010-07-26 15:56
Quoting ሻሎም ኤርትራ:
ዕላል ምስ ኣቦይ ዓንዱ
ቁሩብ ዓመታት ይገብር ኣብ ሓንቲ ቁሸት ገለ ዕጡቓት ሰባት ይመጹ ፤ ኣብቲ ደንበ ሓደ ወዲ 13 ዓመት ይጸንሖም ምስኡ ኸኣ ዕላል ይጅምሩ ፤ ኣቦይ ዓንዱ ድምጺ ሰሚዖም ይወጹ፡፡ ርእይ ምስ ኣበሉ ኸኣ
" ሓጎስ ምራኽካ ሒዝካ እቶ እዚ ወደይ'' ምስ በሉ ፤ ወዮም ዕጡቓት ሰተት ኢሎም ይኸዱ፡፡
" ኣበሓጎይ... እንታይ ኮንካ ድኣ እቶ ንገዛ ኢልካኒ '' ምስ በሎም፤
'' እዚኦም ተኸኽ ዘበሉና ቦለቲከኛታት እዮም '' በሉ
'' ከመይ ጌሮም '' በለ ሓጎስ
'' 36 ዓመት ይገብር በስመራ ዝመጹ ሓለፍቲ መገዲ ኣብዚ ቤትና ማይ ክሰትዩ የዕርፉ ፤ ሓደ ካብኦም ኣትን ኣደይ ንዓባይካ እዚ ቤትክን ክንደይ ይጸሪ ኢሉ ይሓታ ንሳ ኸኣ ትቕብል ኣቢላ ' ሳላ እዞም ደቅና ' ትብሎም፤......ይቕጽል


ሻሎም ኤርትራ....
ኣይትቀየመለይ እምበር.. እስኻ እውን ብዘይትፈልጦ ፖለቲካ ተኸኽ ኣቢልካና ኣሎኻ።ንኣኻ'ውን ምሕረት የውርደልካ።
Quote
 
 
+1 #9 Hewan 2010-07-26 14:24
Hizbi Eritrea nai 40 amet temokro alewo ezi kulu meswaiti dem Eritrawi fesisu abkindi rahwan debesin endegena degsi zeywdae kalsi ab hiwetu ab mulue alem zelo kulu kisanet zeybilu hiwet yehilif alo. Ab siltan zelo megletsi zeyblu ainet agezaza geru neti hizbi dihikwo mikiniatu neti hizbi yifelto silezikone kemu ainet atehahiza entezeygerkalu kem zitsegebet ADGI finchirae elu aiezezon eyu.Etom oppositions dima kem nai menegedi fetene nenatom entekone kone entezeykone dima nifitin ainet eyom buzuh zisebom kemzeyrekbu rudue eyu.Telealu telka tensiu telka weyke kulu abzezelewo tim temeadadika kulihlih. Arbea Amet Kelil aikonen. Betri aron kemta zibelkaya eten 3 ab kulom alewa.Nikulen tisieren gin FIKRI eya.Fikri ab Eritrawi tefiu.
Quote
 
 
+5 #8 Nebiyat Beyene 2010-07-26 10:16
We have known Asefa Abreha Tessema from a distance. He was so sad to see his daughter in her mid 40's without an Eritrean man requesting her family for her hands. What a shame, she led a miserable life in London as a call-girl prestitute and drugs addict alcoholist. Asefa used to boast that he could pick-up any Eritrean man she wants to marry this filthy monkey face prestitute. Eritreans who knew Asefa used to feel sorry for him so much. He used to cry, saying: "I have to find an Eritrean man for her. She is getting so old". Yes, we knew that this disgusting beast with a money face was getting old as a prestitute.
Quote
 
 
+5 #7 Nebiyat Beyene 2010-07-26 09:54
Father of a Dog face Atsede, Asefa Abreha Tessema from the village of Ma'ereba was married to a slave daughter of Ras Mengesha Seyoum just for the benefit of money and privildge. Asefa had two children from a monkey face Rebecca a daughter Atsede and a son Abreham. These nasty families targeted an Eritrean for over thirty years. They did not want to listen to his appeal to just get away and forget him. They said: "No way. We will not leave you alone. You will not be left in peace until you submit to our request to marry our daughter." What a funny World we live in. It is so awful World as it is full of devil sub-human beasts such as those I mentioned above.
Quote
 
 
+7 #6 Nebiyat Beyene 2010-07-26 09:39
W/ro Asefash nay Hirkam nay mezo kab enda Diyablos Ras Mengesha Seyoum Korerima Hanti Adgi welida. Neza Adgi guala dima ni Eritriyawiyaw temer'awey enda belet feqedo geza geza kolel ila. Eritrawiyan gud rekibina. kabana yediHinkum. Amen. Amen. Amen.
Quote
 
 
+5 #5 Nebiyat Beyene 2010-07-26 09:36
Quoting Abe Abraham:
Habtezion,

nsKa meskinay Ika:: ab Alem kndey kf'at negerat kem zelo tfelT aytmesln Ika::


Ane kindey buzH kf'at nay w/ro Asefash gual Dejazmatch Abreha enda Ras Tessema Hargaf Hassema kemu dima nay enda Diyablos Aryos Mengesha Seyoum Korerima yifeliT iye. Medhanie Alem dima hade biHade kimetrom yitseli aleku. kikewin iyu dima. ayiTeraTerin iye dima.
Quote
 
 
0 #4 Betri Aron 2010-07-26 08:16
ንወድ ሰብ ናብቲ ዝሓሰቦ ብታ ንከይበፅህ እዝኤን ሰለስተ ነገራት እይን አቢ ግደ ዘለወን። ንሳተን ድማ:-
1)ፍቅሪ ገንዘብ 2)ዝምቡእ ዝኾነ ፍትወተ ስጋ (sex) 3) ክብሪ ምድልይ(አነነት፣ ናይሥልጣን
ሕርፋን፣ ትምክህቲ ወዘተ)ብናተይ አረኣእያ ብተቃወምቲ ወገን ይኹን አብስልጣን ዘለዉ ሰባት ካብዘን ሠለስተ
እንተወሀደ ብሃድኤን ህማም ክምዝተተንከፉ ጥርጥር የብለይን። ብፍላይ ናይተቃውምቲ ብሃደ ደይምስማር ቀንዲ
ጠንቁ ብቁፅሪ 3 ተጠቂሱ ፟ዘሎ ሕርፋን ስልጣን ምዃኑ ንኹላህና ጋህዲ ይመስለኒ። እቲ ዘገርም ግን
ዋላንኳ ወድሰብ በዝኤን ነጥብታት ምፍታኑ ባህርያዊ እዩ ምባል እንተተካአለ፣ በቲኦም ተቃወምቲ ወገን ነቲ
ዝምነይዎ ሥልጣን ንምርካብን ዘሎ መንግስቲ ንምቅያር ብምቅዳም ናቶም ህብረት እድላይነትን አገዳስነትን
ከምዘለዎ ምዝንጋዖም አዝዩ እዩ ዝገርመኒ። አነስ ዋላንኳ ምዝራቡ ዘህፍር እንተኾነ ካብዚዖም ጸኣዱ ሀደ
ክም ክሊንተን ወይ ጂሚ ካርተር ዝአምሰለ ኃያልን ለባምን ሰብ መፂኡ ክጥርንፎምን መንገዲ ከትህዞምን
እንተደይካአለ ብነብሶም ልቦና ገሮም ክጥርነፉን ክሀብሩን ዝኽእሉ እይመስለንን። ዝኾነ ኾይኑ አምላኽ ልቦና
ይሃብኩምን ይሃግዝኩምን።
Quote
 
 
+2 #3 ሻሎም ኤርትራ 2010-07-26 06:42
'' ብድሕሪኡ.. እቶም ደቂ ኣስመራ ግዲ ፊሽ ኣቢሎምሎም ኾይኖም ንምሸቱ መጺኦም .. ነዛ ዓባይካ ዘለዎም ጸርፊ ኩሉ... ቡርጅዋዶ.. መስፍንዶ...መድሓርሓሪት ዝገደፉላ የብሎምን ፡ ጉሂና... ዓባይካ እውን ኣይጸንሐትን...ወላዲኻ ተስፋይ ምስኦም ምስ ከደ ኸኣ ዓዲ እዝግሄራ ኸይዳ ....ሕጂ ኸኣ እዚኦም ኣብ ዝነበሩ ኔሮም ሃለው ክብሉ መጽዮም ''
'' ኣንታ ኣበሓጎይ እምበርዶ ክሓልፈልና እዩ ካብዚ ዘለናዮ ናብራ ?''በለ ሓጎስ
'' ኣቦኻ ሰለስተ ኣሕዋቱ ሓዲጉ ሰንኪሉ ምስ ተመልሰ ተመርዕዩ ንዓኻን ንሓውኻ ተኣምራትን ወሊዱ ፤ እዝጊ ይተሓወሶ ኮይና ተሪፋ በዓል ሓውኻን ብጾቱ ደቂ ሳዋን ድኣ ገለ ጌሮም ራህዋ ተምጽኡልና እምበር ካብ ካልእ ምጽባይ ሱቕ ኢልካ እዩ..የርህዎ '' ኢሎም ዘረብኦም ደምደሙ ፡፡
Quote
 
 
+1 #2 ሻሎም ኤርትራ 2010-07-26 05:00
ዕላል ምስ ኣቦይ ዓንዱ
ቁሩብ ዓመታት ይገብር ኣብ ሓንቲ ቁሸት ገለ ዕጡቓት ሰባት ይመጹ ፤ ኣብቲ ደንበ ሓደ ወዲ 13 ዓመት ይጸንሖም ምስኡ ኸኣ ዕላል ይጅምሩ ፤ ኣቦይ ዓንዱ ድምጺ ሰሚዖም ይወጹ፡፡ ርእይ ምስ ኣበሉ ኸኣ
" ሓጎስ ምራኽካ ሒዝካ እቶ እዚ ወደይ'' ምስ በሉ ፤ ወዮም ዕጡቓት ሰተት ኢሎም ይኸዱ፡፡
" ኣበሓጎይ... እንታይ ኮንካ ድኣ እቶ ንገዛ ኢልካኒ '' ምስ በሎም፤
'' እዚኦም ተኸኽ ዘበሉና ቦለቲከኛታት እዮም '' በሉ
'' ከመይ ጌሮም '' በለ ሓጎስ
'' 36 ዓመት ይገብር በስመራ ዝመጹ ሓለፍቲ መገዲ ኣብዚ ቤትና ማይ ክሰትዩ የዕርፉ ፤ ሓደ ካብኦም ኣትን ኣደይ ንዓባይካ እዚ ቤትክን ክንደይ ይጸሪ ኢሉ ይሓታ ንሳ ኸኣ ትቕብል ኣቢላ ' ሳላ እዞም ደቅና ' ትብሎም፤......ይቕጽል
Quote
 
 
0 #1 Abe Abraham 2010-07-25 23:43
Habtezion,

nsKa meskinay Ika:: ab Alem kndey kf'at negerat kem zelo tfelT aytmesln Ika::
Quote
 

Add comment

Security code
Refresh

Banner

ናዕታ

ዛኣኽለን ጥሒነን ባዓለማርያም ይብላ (በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን)

ወለቕ ዘለቕ ዝብልስ ከማካ ኣነ ኢለ ኣይፈልጥን
ኣፍልበይ ገቲረ ኢየ ዝኸይድ ከይበልኩ ድንን
ንምልካዊያን ካብ ምምካት ድሕር ኣይብልን
ኣብ ልብኻ  ክሳብ ትምለስ ዳሓን ኩን
ንቕሓትካ ተጠቐመሉ ሃሱስ ኣይትኹን።
Read more...

ኤርትራና ሎሚ ኣይትሽየጥ ~ ኣይትፍንጨል ~ ኣይትልወጥ (ብተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ )

ዘተሃላልኽ ስልጣን ድዩ? ተማቐልዎ
መፈጠሩ ዝጸልአ ኮለል ኣይተብልዎ
ብቕንዕና ብግብሪ ኣለናካ ቅሰን በልዎ
ተሰሪቱ ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ ኣሰላስልዎ
ድሕሪ ኣዲስ ኣበባ ኣስመራ ኣለና በልዎ
Read more...
More:

ምልክታ ንተሳተፍቲ

ብተክኒካዊ ምኽንያታት ተቋሪጹ ዝጸንሐ ናይ ትግርኛ ገጽ፡ ደጊም ጀሚሩ ከምዘሎ ብሓጎስ ነበስር። ኣብ’ዚ ገጽ እዚ ክወጻልኩም እትደልይዎ ጽሑፋት ብኢመይል tigarticles@delina.org ልኣኹልና። ቅድሚ ሕጂ በቲ ናይ ቀደም ኣድራሻ ዝሰደድኩሞ እሞ ዘይወጸ ጽሑፋት እንተልዩ እውን፡ በዚ ዝተጠቕሰ ሓድሽ ኣድራሻ-ኢመይል ደጊምኩም ክትሰድዎ ከምእትኸሉ ነዘኻኽር።

መርሓ ሕንጻጽ (Submission Guidelines)
የቐንየልና... ኣዝማሪኖ

ዋዛ

እዞም 330+ ናይ ዋዕላ (ዋዛ ዲያስፖራ)

 እዞም 330+ ናይ ዋዕላ

ተዋዛያይ #1፡ እሞ፣ ኣንጻር ዋዕላ ከምዚ፣ ዋዕላ ከምቲ፣ ዝብሉ ዘለውኸ?

ተዋዛያይ #2፤ ንሶም ድማ ከምኡ። ምስዓር የሕምም ኢዩ ኢሎሞ። እታ ሲኒማ ባዕሎም ከይሰርሕዋ ኣይሰርሕዋ። ስለዘይሰርሕዋ ቀጨውጨው ኣቢልዎም።

Read more...

ኣድሓኖምን በሃሊትን፤ (ዋዛ ድያስፖራ)

ኣድሓኖምን በሃሊትን፤

በሃሊት፤ ሪኢኻዶ? ኣነን ንስኻን ብሓደ ተሳኢልና ንዋዕላ ኣማዕሪግናዮ ይብል ኣነ። ኣብ ወጻኢ ኮይንካ ኣለኹ ምባል እውን ኣድለዪ እዩ። እቶም ዓው ኢሎም ኣይከውንን እዩ ዝበሉ ተሳዒሮም። እረ መልሓሶም ኣብ መድረኽ ኮይኖም እንተዝቖርጽዎ ጽቡቕ ኔሩ። እዚ ዘረባሲ ብእንግሊዝ ስለዝጥዕም ብዝርዝር ኣንብቡ።

 

Read more...

ኣንበሳን ዋዕሮን ካብ ኤርትራ (ዋዛ ድያስፖራ)

ኣንበሳን ዋዕሮን ካብ ኤርትራ

ኣንበሳን ዋዕሮን ካብ ኤርትራ

ኣንበሳን ዋዕሮን ካብ ኤርትራ ወጺኦም። ዋዕሮ ክትሕተትን ክትዛረብን ከምዘይትደሊ ገሊጻ። ገጻን ኣዒንታን ርኢዮም እቶም ንዓምዲ ዋዛ ዝኸውን ወረ ዝደለዩ ጋዜጠኛታት እውን ኣይደፈሩን።…

Read more...

ብዛዕባ ኩርማንበክ ባኪየቭ ዜና ተኸልኪሉ። (ዋዛ ድያስፖራ)

ብዛዕባ ኩርማንበክ ባኪየቭ ዜና ተኸልኪሉ።

ፕረዚደንት ኢስያስ ኣፈወርቂ፣ ብዛዕባ ካብ 2005 ጀሚሩ ክሳብ 2010 ማለት፣ ድሕሪ 5 ዓመት ፕረዚደንት ዝነበረን፣ ብጸቕጢ ሕዝብን ኩነታትን ንኽወርድን ካብ ሃገሩ ንኽወጽእ ዝተገደደን ኩርማንበክ ባኪየቭ፣ ጉዳይ ዜና ብናይ ኤርትራ ማዕከናት ንከይፍኖ (ንከይመሓለለፍ) ንሚኒስትሪ ዜና መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።  እዚ ብሓሙስ 4/15/2010 ዝተፈጸመ ዜና ኢዩ።

ሃገረ ኪርግይስታን ምስ ኤርትራ ዘራኽባ ድኽነታን ሓይሊ ኤለትሪክ ንምምጻእ ናብ ቻይና ዝተላእከ ወዲ ፕረሲደንትን ንፖለቲከኛታት ምቕታልን ምእሳርን ንጋዜጠኛታት’ውን ከምኡ ጥራሕ ኢዩ። ብዝተረፈ ምስ ኤርትራ ምንም ዘራኽብ የብላን።

ብናዕቢ ካብ ስልጣኑ ንኽወርድ ዝተገደደ ፕረሲደንት ኩርማንበክ ባኪየቭ ኣብ ከባቢ እታ ሃገር ዝርከባ መንግስታትን ኣሜሪካን ውድብ ሓለዋን ምትሕብባር ኤውሮጳን ብዝገበርኦ ምትሕግጋዝ እዩ ናብ ስደት ከምርሕ ኪኢሉ።

 

Read more...

The Graffiti Wars