ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት እቃውም እየ ምባል፣ ናይ ግዜና ቕዲ ፋሽን ኮይኑ ኣሎ። ቀንዲ ዕላማ ናይ ኤርትራዊ ተቃዋማይ ንለውጢ ኾይኑ፡ ንዘሎ ስርዓት ብሓዲሽ ስርዓት ምትካእ እዩ። ለውጢ ዝብል ጥምሮ ሓሳብ ንዝተፈላልና ኤርትራውያን ዝተፈላለየ ትርጉም ክህልዎ ይኽእል።
ምልጋስ ስርዓት ውልቀ ሰብ
ገሌና፣ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ዲክታቶር ውልቀ ሰብ ምልጋስ ከም ዓቢ ለውጢ ገይርና ክንወስዶ ንኽእል። ብርግጽ ድማ ነቲ መን ከማይ ኢሉ ንዅሎም ኤርትራውያን ኣርዒዱ፣ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ተኾዲጩ፣ “ስገዱለይ” ዝብለና ዘሎ ኣራዊታዊ መራሕነት ብኻልእ መሪሕነት ምትካእ ዓቢ ለውጢ ምኻኑ ዘከራኽር ኣይኮነን። እዚ ዓይነት ለውጢ ዕልዋ መንግስቲ (Coup d’état) ተባሂሉ ይፍለጥ። እቲ ኾይኑ እቲ፡ ካብዚ ዘሎ ስርዓት ዝኸፍእዶ ከይመጽእ ብማለት፣ ብዕልዋ ይኹን ንዝመጽእ ውልቀ-መራሒ ሕዝብና መርሓባ ኢሉ ናይ ምቅባል ኣኽእሎ ከምዘሎ ክንስሕቶ የብልናን። ኮይኑ ግን፡ ካብ ታሪኽ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየዱ ዕልዋታት ክንርድኦ ከም ዝኸኣልና፡ ውጽኢት ናይ ዕልዋ ኣብ ሰናይ ድሌት ናይቶም ዝመርሕዎ ዝምርኮስ ኮይኑ፡ ውጽኢቱ፤
- ንዲክታቶርነት ብሓዲሽ ዲክታቶርነት ዝትክእ (ናይ ውልቀ ሰብ ለውጢ)
- ድሩት ንሕዝቢ ዝጥብር ጽገናንታት ዘካይድ ሓዲሽ መንግስቲ
- ናብ መሰረታዊ ለውጢ ዘምርሕ ስርዓት ዝተክል መንግስቲ፡
ክኾኑ ይኽእሉ።
ኣብዚ እቲ ሓደ ክበርሃልና ዝኽእል፡ ውጽኢት ዕልዋ ከምቲ ሽሙ ዝሕብሮ ፈጺሙ ንጹር ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ብጸጥታዊ ሸነኽ ናይቲ ክዕሎ ንደልዮ ዘሎና ስርዓት ምስ እንምልከቶ’ውን፣ ምክያድ ዕልዋ ኣብ ኤርትራ ንምትግባሩ ዘሎ ዕድል ዳርጋ ባዶ እዩ እንተ በልኩ ምግናን ኣይኮነን።
ጽገናዊ ለውጢ ብድሓን ንዝመሓደሩ ዘለዉ ድኣምበር…
ካብኡ ሓሊፉ፣ ገሌና’ውን ኣብ ዘገምታዊ መጎት (evolutionary) ተመርኲስና፡ ንለውጢ ብመልክዕ ንኣሽቱ ጽገናታት (incremental reforms) ክካየድ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ክህልወና ይኽእል። ኣብዚ ሓደ ካብቲ ኣገዳሲ፡ “እንታይ ኢና ክንጽግን?”፡ ዝብል ሕቶ እዩ። ምክያድ ጽገናታት ኣብ ዝነበርካ ቅዋምን፡ ምሕደራ መንግስቲን ምምዕባል ዝኣመተ ናይ ለውጢ መስርሕ እዩ። ጽገናዊ ለውጢ ነቶም ብቅዋምን፣ ስርዓተ ሕግን፣ ብሓውሲ ዲሞክራሲን ንዝመሓደሩ ኣሕዛብ፡ እቲ ዝዓበየ ናይ ለውጢ መሳልል እዩ። ጽገና ምቅዋም ጌጋ እዩ። ዝጽገን ምስ ዝህሉ፡ ብጽገና ምጅማር ልቦና ዝመልኦ ኣተሓሳስባ እዩ።
ኮይኑ ግን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት፡ ንምልኩ ክጥዕሞ ክብል፣ ክጽገን ዝኽእል ነገር ኣይገበረን። ክገድፈልና እውን ኣይኮነን። እዚ ስለ ዝኾነ ድማ እታ “እንታይ ኢና ክንጽግን?” እትብል ሕቶ ተንጠልጢላ ትተርፍ ኣላ። ውርሻ ስርዓት ዲክታቶርነትን እንታይ እዩ እንተበልካ፣ ስርዓተ ሕጊ ኣልቦነትን፣ ሕዝብኻ ምርዓድን፣ ንዝተቓወሙኻ ምቅንጻልን፣ ብዘይ ፍርዲ ምእሳርን፡ ኣብ ልዕሊ ሕዝብና ዝፍጸሙ ዘለዉ ገበናትን ንሓዋሩ ካብ ሱሮም ተማሕዮም ክድርበዩ ዘለዎምን ድኣ እዮም እምበር፣ ብጽገና ዝዕረዩ ተርእዮታት ኣይኮኑን። ንኸምዚኦም ገበናት ጽገና’ዩ መፍቲሒኦም ምባል ወይ ዕሽነት እዩ፤ ወይ ብተንኮል ዝተላዕጠጠ ውዲት የንጸላልወና ኣሎ ማለት እዩ። እንተ በዚ እንተ በቲ፣ ኣብ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ተመርኲስና፡ ንኻብ ሱሩ ክምሖ ንዘለዎ ስርዓት ክትጽግን ምፍታን፡ ፍረ ኣልቦ ሸንኮለል ስለ ዝኾነ፡ ክንጸግ ዘለዎ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ እዩ።
ሰውራዊ ለውጢ
ገሌና’ውን ኣብ ሰውራዊ ስነሞጎት (revolutionary) ተመርኲስና፡ ንለውጢ መሰረታዊ ክኸውን ኣለዎ። ማለት ኩሉ ምስዚ ዘሎ ስርዓት ዝተኣሳሰር፣ ብሱሩ ተማሕዩ ክለግስ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣሎና። ኣመንቲ እዚ ሸነኽ እዚ’ውን “እንታይ እዮም እቶም ብሱሮም ክመሓዉ ዘሎዎም?” ኣብ ዝብል ስትራተጂካዊ ሕቶ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ተዋጢርና ንርከብ። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ኣብ ካልኦት ከም ናይ ዋንነት መሬትን፣ ብሔራትን፣ ሃይማኖትን፣ ንለውጢ ንምምጻእ እንታይ ስልቲ ንጥቅም፣ ዝብሉ ስትራተጂካውያን ሕቶታት ኣብ ሓደ ናይ ሓባር ርእይቶ ክንበጽሕ ንኽእል የሎናን። እዚ ናይ ርእይቶ ፍልልይ ኣብ ክንዲ ኩሉ ዓቕምታትና ኣንጻር ዲክታቶርነት እነቕንዖ፣ ኣብ ፍረ ኣልቦ ዘይብሉ ሸንኮለል ጊዜና ከነጥፍእ ኣኽኢሉና ኣሎ። ፍልልያትና ብግቡእ ክንውግኖም ንኽእል ስለ ዘየሎና፣ ሕሉፍ ሓሊፍና ኣብ ዘየድሊ ጸለመታትን ምውንጃልን ዓቕምና ጸንቂቅና። እቲ ምናልባት ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ፍልልያት ኣብ ምጽባብን ምእላይን ዝተተለመ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ’ውን እንተኾነ፡ ኣብ ክንዲ ዘሳንየና፡ ኣባል ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ዝኾነ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ሰዓብቱን ክሳተፍዎ ኣይኮኑን።
ብርግጽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስክዎም ሕቶታት ዝተፈልየ ርእይቶን፡ ኣብ ገሊኦም ድማ ዓሚቚ ዕቃቤታት ስለ ዘለዎ ንባዕሉ ዘይተዛተየሎም ውሳኔታት ዋዕላ ክነጽጎም ከም ዝኽእል ክንስሕት የብልናን። ይኹን እምበር፡ ይሳተፉ የለዉን ተባሂሉ’ውን ዋዕለኛታት ናይ ርእይቶታቶምን፣ ዕቃቤታቶምን ጅሆ (hostage) ክኾኑ የብሎምን። እምበኣር ነዚ ኣብ ግምት ብምግባር ኣብ ዋዕላ ክልተ ነገራት ክንጸሩ ኣልዎም። እቲ ቀዳማይ ምስ መትከል ዲሞክራሲ ዝተኣሳስር ኮይኑ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ምስ ስትራተጅን ስልትን ዝተኣሳሰሩ ሃገራውያን ሕቶታት እዮም። እንታይ እዮም ብመትከል ዲሞክራሲ ክረኣዩ ዘለዎም? ብሸነኸይ ሕቶ ዓለም-ለኻውያን ሰብኣዊ መሰላትን (international human right issues)፣ ካልኦት ከም ህልውና ብዝሐ ሰልፍታትን፣ መሰል ብሔራትን፣ መሰል ሃይማኖትን፣ ምስኦም ተኣሳሲሮም ዝኸዱ ከም ባህልን፣ ቛንቛን፡ ዋንነት መሬትን፣ ጥሪትን ኣብ ውረድ ደይብ ዘይወርዱ ዲሞክራሲያዊያን መሰላት ስለ ዝኾኑ ሃገራዊ ዋዕላ ብቀጥታ ከጽድቆም ኣለዎ ዝብል እምነት ኣሎኒ።
መሰል ብሔራትን ሃይማኖትን
ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተራእየ: ኣብ መሰል ብሔራትን፣ መሰል ሃይማኖትን፣ ፍልልያት ክህልዉ እኳ እንተኸኣሉ፣ ነዞም ፍልልያት ኣባላት ዋዕላ ብሃናጺ መንገዲ ኣብ ዲሞክራሲያዊ መትከላት ተመርኲሶም ክፈትሕዎም ኣለዎም። ኩሉ ኣብ ዋዕላ ዝሳተፍ ናይ ሓባር ርእይቶ ክህልዎ ስለዘይክእል፡ ብፍላይ ኣብ ሕቶ መሰል ብሔራትን፣ መሰል ሃይማኖትን ጥሩፍ ርእይቶታት ዘለውም ባእታታት ክህልዉ ምዃኖም ዝሰሓት ኣይኮነን። ንገለ ካባና እታ መሰል ብሔራት ክሳብ ተነጽሎን፡ ኣጠቃቅማ ሸሪዓዊ ሕጊ ንኣመንቲ ሃይማኖት ምስልምናን፡ ዝብላ ፖለቲካዊያን ሓሳባት ጸገም እኳ ዝፈጥራ እንተኾና፡ ተሳተፍቲ ዋዕላ ነዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ቅዋማውያን ሕቶታት ብስምዒት ዘይኮነስ ብልቦና ተመልኪቶም ነባሪ ፍታሕ ከናድየሎም ይግባእ። ብመሰረቱ እዞም ሕቶታት እዚኦም ክለዓሉ ዘኽኣሎም ብምኽንያት ውጽኢት ኣዕናዊ ፖሊሲታት እቲ ሕሱም ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምጽናት ብሔራትን፡ ንምድምሳስ ሃይማኖትን፡ ባህሊ ሃገርን ስለዝተበገሰ ድኣ እምበር ባዕሎም ጥር ኢሎም ዝመጹ ሽግራት ኣይኮኑን። ዲሞክራሲያዊ ለውጢ፣ ነዞም ሕቶታት እዚኦም ኣብ መዕረፊ ስለ ዘብጽሖም፡ ኣባላት ዋዕላ መትከላት ዲሞክራሲ ብምክታል ኣብ ንኹሉ ዘዕግብ ማእከላይ ፍታሕ ክርኽበሎም ክምዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ኣብ ዝሓለፈ እዋናት እቶም ቀንዲ ንቃልስና ኣሲሮም ዝነበሩ እዞም ኣብ ላዕሊ ክትንትኖም ዝጸናሕኩ ምስ መትከል ዲሞክራሲ ዝተኣሳስሩ ሕቶታት ዘይኮኑስ፣ ምስ ስትራተጅን ስልትን ዝተኣሳሰሩ ሃገራውያን ሕቶታት እዮም። ንኣብነት ህላዌ ብሔራውን፣ ሃይማኖታውያን ውድባትን፣ ስልፍታትን፣ ምንቅስቃሳትን ወድዓዊ ሓቂ ስለ ዝኾነ ፈቲና ኣይፈቲና ምህላወን ፈሊጥናዮ ኣሎና። ገሊኤን ካብቶም መስረቲ ኣባላት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ኮይነን ንረኽበን። እዞም ምስ መትከል ዲሞክራሲ ዝተኣሳሰሩ ሃገራውያን ሕቶታት ኣብ ቻርተር ኪዳን ሰፊሮም ንረኽቦም። ኣብ ቻርተር ኪዳን ምስፋሮም ድማ ዓቢ ኣዎንታዊ ስጉምቲ ምንባሩ ዝሰሓት ኣይኮነን። ካብኡ ሓሊፉ እውን እንተ ብእምነት እንተ ንስለ ስልቲ፡ ኩለን ኣባላት ኪዳን ንመሰል ብሔራትን፣ ሃይማኖትን ኣብ ቅዋማተንን፡ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮታቶምን ኣስፊረንኦ ስለዘርከባ ብመሰረቱ እዚኦም ሕቶታት እዚኣቶም ብዙሕ ዘከራኽሩ’ውን ክኾኑ’ውን ኣይነበሮምን።
ብዛዕባ ሃገራውያን ሕቶታትን ኪዳንን
ብፍሉይ መንጽር ምስ እንምልከቶም፡ እቶም ምስ ስትራተጅን ስልትን ዝተኣሳሰሩ ሃገራውያን ሕቶታት፡ ብቀጥታ ምስ ድኽመታት ኣሰራርሓን ልምድን ኪዳን ተኣሳሲሮም ስለዝርከቡ፣ ህጹጽ ፍታሕ ዘድልዮም መሰረታዊ እዋናውያን ሕቶታት ኮይኖም ንረኽቦም። እቶም ቀንዲ ምስ ስትራተጅን ስልትን ዝተኣሳሰሩ ሃገራውያን ሕቶታት ብኸምዚ ዝስዕብ ክውግኖም እፈቱ፡
• ምስ ኣቛውማ ኪዳን ዝተኣሳሰሩ ቅርጻውያን ሕጽረታት
• ምስ ስልቲ ተቃውሞ ዝተኣሳሰሩ ሕጽረታት (ሰላማዊ’ዶ ዕጥቃዊ ቃልሲ)
• ኣብ ምፍላይ ብደረጃ ኪዳን ክስርሑ ዘለዎም ዕማማት
• ዝምድናና ተቃወምቲ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት
ብዛዕባ ኪዳን ክዛረብ እንተኾይነ፡ ኪዳን ከም ኪዳን ዓበይቲ ፍጻሜታት ኣመዝጊቡ እኳ ክብል እንትዘይከኣልኩ፡ ብዓቕሙ ነቲ ኣብ መንጎ ተቃወምቲ ዝነበረ ምትፍናንን፣ ምቅንጻልን ብምውጋድ ንልዝብን፣ ንእንካን ሃባን ዝፈቅድ ሃዋህው ስለ ዝፈጠረ፡ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ ነይሩ። ኮይኑ ግን ኪዳን ነቲ ኣንጻር ዲክታቶርነት ዝካየድ ቃልሲ ንቕድሚት ከሰጉሞ ኣይከኣለን። ጸረ-ዲክታቶርነት ዝካየድ ቃልሲ፣ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ረቋሒታት ዕላማ ምምስራት ኪዳን ይትግበር ስለ ዘየሎ፣ ኪዳን ብዘለዎ ቅርጺ ክቅጽል ስለ ዘይኽእል፡ ኣብዚ ዋዕላ ፈሪሱ ብሓዲሽ ዝሰርሕ ኪዳን ክትካእ፡ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ትጽቢታት ውጽኢት ዋዕላ እዩ።
ከምቲ ካብ ኩሉ ሸነኻት ክንሰምዖ ዝጸናሕና ኪዳን ክሰርሕ ዘይመኽኣሊኡ፡ መሪሕነት ሰነፋት ኮይኖም ዘይኮነስ እቲ ዝተሰማምዑሉ ቻርተርን ኣሰናዪ ሰነድን፡ ብሰፊሑ ከስርሕ ዘይክእል ድሩት ብምንባሩ ክንስሕቶ የብልናን። ሓባራዊ ስራሕ ኣባላት ኪዳን ኣብ ተማእዛዝነት ቻርተር ዝተመርኮስ ዘይኮነስ፡ ኣብ ውልቃዊ ድሌት ውድባትን፣ ሰልፍታትን፣ ምንቅስቃስን ዝተመርኮሰ እዩ። ብኸምዚ ኣገባብ ዝልወጥ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ክህሉ ስለዘይክእል፡ ክሰርሕ ዝኽእል ኪዳን ድማ ናይ ለውጢ ቅድመ-ተደላዪ ስለኾነ፡ ምዕራይን ምሕዳስን ቅርጻ ኪዳን ኣብ ኣጀንዳ ዋዕላ ዝላዓለ ቀዳምነት ክህልዎ ይግባእ።
ብዛዕባ ቅርጻዊ ድኽመታት ኪዳን ካብ ኣልዓልና፡ እቲ ሓቂ እዞም ክንምንጭቶም ንውዕል ዘሎና መሪሕነት ኪዳን ወላ’ውን ነቲ ዝተበገሱሉ ከዕውቱ ኣይኽኣሉ’ምበር፡ ከም ዓቅሞም በቲ ብዘርኣይዎ ተወፋይነት ኣብ ክንዲ ዝጽረፉ ክምስገኑ ይግብኦም። ኪዳን ንህልዊ ኩነታት ኤርትራ ስለ ዘንጸባርቅ፡ ኣብ ኪዳን ስንፍና እንተሎ’ውን ናቶም ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ኩሎም ተቃውምቲ ኤርትራውያን ስንፍና እዩ። ምስቲ ኩሉ ዝነበረ ዘይምርድዳእ፡ ኣብ ኪዳን ቅርጻዊ ጸገማት ከምዘሎ ስለዝበርሄ እውን እዩ ብዓቢኡ ሃገራዊ ዋዕላ ኣገዳሲ ኮይኑ ዝተረኽበ። ሓደ ካብቶም ጸገማት፡ ኣባላት ኪዳን ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ምስ ዘይኽእሉ፡ ኣኼባ ረጊጽካ ናይ ምውጻእ ተረኽቦታትን፡ ብድሕሪኡ ዝስዕብ ዋጢጣትን እዩ። ኣኼባ ረጊጽካ ናይ ምውጻእ ዝግበር ስጉምቲ ኣብዚ ዋዕላ’ዚ፡ መደምደምታ ከንብረሉ ንጽበ።
ቅርጻዊ ጸገም መፍትሒ ክግበረሉ ምስ ዝኽእል፡ እቶም ስዒቦም ዝመጹ ከም ምስ ስልቲ ተቓውሞ ዝተኣሳሰሩ ፖሊሲታትን፣ ምፍላይ ዕማማትን፡ ዝምድናና ምስ ጎረባብቲ ሃገራትን ብቀጻሊ ዝምዕብሉ ጉዳያት ስለዝኾኑ፡ ኪዳን ብጽፈት ክሰርሕ ምስ ዝኽእል ክውገኑ ዝኽእሉ ጉዳያት እዮም።
መሰል ነፍሰ-ምክልኻል
እቲ ብቀዳምነት ከዘኻኽሮ ዝፈቱ ምስ ሜላ ቃልሲ ዝተኣሳሰር ጉዳይ እዩ። ኩሉ ኤርትራዊ ለውጢ ብሰላማዊ ኣገባብ ናይ ምምጻእ ትምኒት ከም ዘለዎ ዝሰሓት ኣይኮነን። ብዓመጽ ዝመጽእ ለውጢ ብዙሕ መስዋእትነት ዝሓትት እኳ እንተኾነ፡ ብዙሕ ቅርሕንቲ’ውን ኣብ ሕብረተ-ሰብ ስለ ዝገድፍ ብዓመጽ ዝመጽእ ሰውራ ብዙሕ ኣሉታ ከም ዘለዎ ዘከራኽር ኣይኮነን። ብመንጽር እዚ ጸረ-ዓመጽ ኣተሓሳስባ ግን፡ ምስ ህልዊ ባህርያት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ብምዝማድን፡ ንተቃወምቲ ሓይልታት ኤርትራ መሰል ነፍሰ-ምክልኻል ምስ ኩሉ ሸነኻቱን፡ ከምኡ’ውን ኣገዳሲ ምስ ዝኸውን መሰል ቅድመ-መጥቃዕቲ ክንፈጎም የብሉን። እቲ ካልኣይ ከዘኻኽሮ ዝፈቱ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ብዘይ ሻራነት ዝምድናና ከነደልድል ኣሎና። ብፍላይ ድማ ኣብ እነካይዶ ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ቃልሲ፣ ድጋፍ ናይ መንግስትን፡ ሕዝቢን ኢትዮጵያ ኣገዳሲ ብምዃኑ፡ ዝምድናና ምስ መንግስትን፡ ሕዝቢን ኢትዮጵያ ምስ ምድልዳል ዲሞክራሲያዊ ተቃውሞ ኣተኣሳሲርና ክንምልከቶ ይግባእ።
መደምደምታ
ናይ ጸረ-ዋዕላ ሓይልታት ትምኒት፡ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ምስምማዕ ስኢኑ ብዘይ ውሳኔ ፋሕ ኢሉ ክብተን እዩ። ኣብ ሃገርና ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት፡ እቲ ቀዳማይ ሓይሊ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንኽፈሸል ዝቃለስ ዘሎ ሓይሊ እዩ። ወላ’እኳ ልቦና ተሳተፍቲ ዓሚቚ እዩ ዝብል እምነት እንተሎኒ፡ ከምቲ ኣብ ታሪኽ ብተደጋጋሚ ዝተዓዘብናዮ፡ ነዚ ኣዕናዊ እማሜ ንምትግባር ዝተዋፈሩ፡ ቆርበት በጊዕ ዝተኸድኑ ተዃሉ ኣብ ውሽጢ ዋዕላ ክህልዉ ስለ ዝኽእሉ ተሳተፍቲ ዋዕላ ክግርሁ የብሎምን።
ኣብ መጨረሽታ ንኹሎም ነዚ ዋዕላ ንምዕዋት ንዝተቃለሱ ምስጋናይ ብምቅራብ፡ ዋላ እኳ ኣብቲ ሃገራዊ ዋዕላ ብኣካል እንተዘየሎኹ ብመንፈስ ኣብኡ ከምዘሎኹ ስለዝቆጽራ፡ ምሉእ ድጋፈይ ብምግላጽ፡ ርሑስ ዋዕላ ይግበረልና ክብል እፈቱ።




Comments
Just for your information: the most famous London call-girl drugs addict bisexual prestitute, the daughter of Asefa Abreha Ras Tessema Kebdi Hassema, the late Atsede's son name is ARON. Atsede had four Eritreans as lovers at the same and the father of Aron was ascertained at a London hospital by blood test as Abdella Ahmed Ali.
You are finished. Be prepared to recieve your masters. Most of your male population are either dead, disabled for life or infected by Aids. Your sisters will need us to impregnate them as we have always done. We came to Eritrea few in number, look what we have done with the help of your sisters. We have become a nation, difficult to uproot and increasing in number day by day.
Well said.
your fathers and grandfathers have been saying the same thing for thousands of yrs....where are they now???????dreaming is free so qomal agame pls dream all day long if you want but one is for sure...dreaming is for sucker lemani like you. you hate highlanders so much..why? we have been rejecting you for thousands of yrs...ouch that must hurt really bad, it will be better with time. as far as ulgy agame F*****ing our sisters nigga pls....haven't you heard aba shawel where yr mothers and isaias mother worked. ata qomal lemani stop dreaming about the beautifull hizbi eritrea, go hug yr oromo and amahru family.....INFERIOR KEDAMI......WHY THE WAY YOU WORSHIP the hibey eritrean in arat kilo thus you have been worshiping eritreans all yr life.....
We are telling that we are coming to fuck you and you are still wondering whether we have " a hidden agenda of expansion. " It is not a hidden agenda. Our expanding dick is coming to get you, openly.
Let us go back in history and expect what might happen in the future. Ethiopia in 1883 was what is known as Abyssinia made up of Tigray and Amhara. Between 1883-1962 the Abyssinian Kingdom conquered and annexed the NATIONS of Oromos, Ogadeni Somalis, Sidamas, Afars, Shekachos,Kaffa s, Kambatas, Wolayitas, Anuak , Hadiyas, Gedoes ,Nuer, Bertas, Gumuz, Agew, and Eritrea, and tyrannized them mercilessly. Eritrea was liberated in 1991.
Ethiopia is a re-baptized Abyssinia put together by conquering and annexing nations. Ethiopia just like some other nations may split into pieces as the tyrannized people will one day secede.
Eritrea of course is a sovereign nation , however the Ethiopians are saying they will use the opposition to get rid of the dictator of Asmara, or the Ethiopians have hidden agenda of expansion. Time will tell.
1. TO DENY ERITREANS THE LIBERATION THAT THEY STRUGGLED FOR
2. TO UPROOT ERITREANS , DISPERSE THEM , ANNIHILATE THEM , TURN THEM INTO SLAVES OF TEGARU NATION
3.DEMEAN DISRESPECT HEROES LIKE ASTER,BITWEDED , JAIL THEM, AND KILL THEM
4. LOOT ERITREAN WEALTH, LAND etc.
5. SELECTED MEMBERS HAVE TO BE OF TIGRAY ORIGIN, RELATED BY MARRIAGE WITH TEGARU , OR OTHER WILLING SERVANTS WHO HAVE IDENTITY CRISIS
6. INCLUDE ERITREA AS A PART OF TIGRAY NATION, 7.ALL CURRENT TIGRAY KILLIL HAS TO BE COMBINED WITH ERITREA TO FORM GREATER TIGRAY NATION.
8. DECLARE GOVERNMENT OF TIGRAY NATION WITH ITS CENTER AT TEMBIEN ABIYI ADDI
9. THE ONLY PARTY THAT WILL RULE THE NATION IS PFDJ.
History ; when EPLF was terminated , the PFDJ came into power by declaring , that the EPLF has accomplished its mission , and is being replaced by PFDJ. The new PFDJ got its name by eliminating E=ERITREA and L=LIBERATION thus to call itself PEOPLE &FRONT showing that the PEOPLE of PFDJ are not ERITREANS. So who are the PEOPLE of PFDJ ? The people here are those who call themselves GEZA TEGARU = NATION OF TEGARU= FROM BET TEGARU . This name was derived from GEZA TEGARU jn Tselot , where Isaias is from.cont
Whether we help you or push you to overthrow your government or you do it yourself the end result is the same. From now onwards you will be at our mercy. Look at Gen.Mesfin Hagos, first he refused to come to Addis...we begged him..then he came by himself to get fucked by us. Complete submission, complete destruction of the Eritrean will.
If Amara,Oromo,Som alis and others do not want to see our face how do you think then that we trained them and brought them to the front in hundreds of thousands to fight you? May be you have come to the idea that the Amaras and the Oromos do not want to see us in the face because we were leading them from behind.
RSS feed for comments to this post.