• Create an account
    *
    *
    *
    *
    *
    Fields marked with an asterisk (*) are required.
You are here: Home እዋናዊ Articles ዓውድኻ ከምዘርእኻ! (4ይ ክፋል)

Google Search Asmarino Tigrina Pages

Custom Search

ዓውድኻ ከምዘርእኻ! (4ይ ክፋል)

E-mail Print

ዓውድኻ ከምዘርእኻ! (4ይ ክፋል)

 ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ

  ቀስ በሉ ከይትሳበሩ! ይብላ’ሞ እንቅዓ ጣፍ ኩኑ! ድማ ይውስኻሉ። እወ እተን ክቡራት ወለዲ፣ ንእግረ-መንገደን ደሃይ ዝጓየዩን ጫው-ጫው ዝብሉን ደቀን እንኪገብራ። ኣነ ድማ እንቋዕ ጥራይ ተቛይቕና ከይተበኣስና፣ ደሓን ውዓል/ሊ ደሓን ሕደር/ሪ፣ ብደሓን የራኽበና፣ ተበሃሂልና ናብ ንፈላለየሉ ምዕራፍ ገጽና ኣምራሕና’ምበሪ፣ እቲ መስርሕ ናይ ምውሳእ ጌና ይብገስ እንደኣሉ ዘሎ። ኩሉ ክንርኢ፣ ምቕናይ ጥራይ። ብሓፈሽኡ ግን ኣነ’ውን እንቅዓ ጣፍ ኩኑ እብለኩም። ብርኢቶ ምፍልላይ ከኣ መስርሕ ናይ ለውጢ ኢዩ። ምኽንያቱ ለውጢ እንታይ ትደሊ እንተበልኩም፣

                                              ሀ) ዋሕዚ ሓዲሽ ሓይሊ

                                              ለ) ዋሕዚ ሓዲሽ ሓሳብ

                                              ሐ) ዋሕዚ ሓደስቲ ሰባት 

                                              መ) ምስ እዋን ዝዋሳእ ንቑሕ ቅዲ-ኣመራርሓ….. ትደሊ።

  እዚኦም ድማ ክዝርኡ፣ ክኹስኮሱ፣ ክዓብዩን-ክምዕብሉን ባይታ፣ ግዜን ዓቕምን ይደልዩ። ኣይትተዓደሎ! ተዓዲልናዮ ግን፣ እቲ ዓቢ ገዛ እንዳ ህዝባዊ ግምባር/መንግስቲ ኤርትራ/ህግደፍ/ኢሳያስ ቅዲ-ኣመራርሕኡን’ኮ ንሓዲሽ ሓይሊ፣ ንሓዲሽ ሓሳብ፣ ንሓደስቲ ሰባት ግደ/እብረ ዝህብ ናይ ኣሰራርሓ ባህሊ የብሉን። እኳ ደኣ፣ ኣብ ሕሉፍ ታሪኹ ከጽልል፣ ንርእሱን ንምዕባለን ዘዳህልል፣ ጽን ኢሉ  ዘየዋህልል፣ ካብ ህዝቡን ካብ ዓለምን ሓኪሉ ንበይኑ ዘዕልል፣ ካብ እዋን ክሕባእ ዝብል ዕኹልል፣ ተማዒዱ ዘየጥልል፣ከም ጽምብላሊዕ እናረኣየ ናብ ሓዊ ዝድርገም ቅዲ-ኣመራርሓ ስለዝኾነ ንርእሱን-ንረብሕኡን፣ ንህዝቡን ንሃገሩን፣ ለኪሙ የንቆልቁል ኣሎ።

  እቲ ጸገም እምበኣርከስ ኣብ’ቲ መስርሕ ክሳብ ውሽጢ ዝሰረጸ ኢዩ። ብቐንዱ እቲ ዓቢ ገዛ፣ነጻነት ኣምጺአልኩም’የ ኣመስግኑኒ፣ ወላ እንተተጋገኹ ኣጣቕዑለይ/ንኣዱኒ፣ ንኣይ ዘይትመስሉ እንተኾንኩም ከኣ ርሓቑለይ፣ ክብል መሬት ስለዝዓረቦ’ዩ ክሳብ ክንድ’ዚ ረማዕ ኢሉ ዝወደቐ።

   ውድቀቱ ከምዘሎ ኮይኑ ግን፣ ምስ ህዝቢ ክዕረቕ፣ ካብ ምኽሪ ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሞን እንተተማሂሩ፣ እቲ ውሳኔ/መልሲ ናይ ህዝቢ ኢዩ።  እወ፣ ከም’ቲ ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሞን ቀቅድሚ ምእሳሩ፣ (ምስ ሓንቲ ጋዜጣ ቃለ መጠይቕ ክገብር’ከሎ ዝበሎ) “..ህዝባዊ ግምባር ካብ ድርጅታዊ ኣሰራርሕኡ ወጺኡ፣ መንግስቲ ክተክል ብቕዓት ከምዘይብሉ ተራእዩ ኢዩ። ይኣክል። ካብ ሕጂ ንንየው፣ መንግስቲ/ስልጣን ንህዝቢ ይወሃብ። … ብወገነይ ኣብ ስልጣን ኣይቅጽልን’የ። … ክሳብ ሎሚ ብዝፈጸምናዮ ስራሕ ድማ ህዝቢ ኤርትራ እንተምሒሩና ጽቡቕ፣ እንተዘይኮነ ግን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተሓተቲ ኢና።” ዝዓይነቱ ቅሩብነት የድሊ’ሎ። 

     ኣብ’ዛ ጥቕሲ’ዚኣ ስም ናይ’ታ ጋዜጣን ዕለቱን ጥራይ ዘይኮነ፣ ንብሂል ኣቶ ጴጥሮስ’ውን ብቓላቱ ከስፍሮ ብዘይምኽኣለይ ይቕረታ። ነታ መልእኽቲ ክዝክር ክብል ምናልባት ንኣቶ ጴጥሮስ ዘይናቱ እንተሂበዮ ድማ፣ ንኣረምቲ እገድፋ።  ኣነ ክብላ ዝደሊ ዘሎኹ ነጥቢ እምበኣርከስ እቲ ሕማም ኣበይ ኢዩ ዘሎ መድሃኒቱ ሃሰስ ምእንቲ ክንብሎ፣ ኢያ። ከም ርኢቶይ፣ እዚ ፍርቂ ዘመን በሊዑ ክጡረት ዘይደሊ፣ ንሓዲሽ ሓሳብ፣ ንሓዲሽ ሓይሊ እብረ ዘይፈቅድ መስርሕ፣ ፈቐዶ ዓድን-ዓውድን ዘሪእዎ ዘሎ ክርዳድ ብመራሕቱ ጥራይ ክምኽነ እኹል ኣይኮነን።

    ትልሚ ንዘርኢ-ክርዳድ ብኣለና ኣብ ሻሙናይ ክፋል፣  ምስጢር ንክልተ-ሰለስተ ዕቑድምበር /ዕስራ-ሰላሳ ዓመታት/ ንዘለኣለም ተቐቢሩ ኣይተርፍን ኢዩ። ስለዚ ነዚ ጀሚረዮ ዘለኹ መኽፈቲ ቅቡር ምስጢራት፣ ኣብ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ገዳይም ተጋደልቲካድራትን ዝለዓለ ሓላፍነት ዝነበሮምን ብዙሓት ሰባት ኣብ ስደት ኣለዉ። ነቲ ብሰንኪ ኢሳይያስ ዚዘርኦ ክርዳድ ከም ሰኽራም ኣንፈቱ ስሒቱ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ዘዝፈልጥዎ ክጽሕፉ ጀሚሮም ኣለዉ። ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ታሪኽ ንምስናድ ርሳሱ ዘብልሕ ሰብ ኣየድልን ኢዩ። እቲ ምንታይ፣ ሽዑ እቲ ተካል መጋብር ዝሓዘ ሰነዳት ኣብ ገዛ ኢሳይያስ ክንረኽቦ ስለዝኾንና።” ይብል።

 ዋእ ኣንታ ኣለና፣

     እሞ እዚ ከም ሰኽራም ኣንፈቱ ስሒቱ ዘሎ’ኮ፣ እቲ ህዝባዊ ግምባር/መንግስቲ ኤርትራ/ህግደፍ/ኢሳያስን ቅዲ ኣመራርሕኡን ኢዩ። ህዝቢ ኣይኮነን። ህዝቢ ደኣ፣ ቅድሚ ገድልን-ምግዳልን ጥራይ ዘይኮነ፣ ካብ ቀደም ካብ ጥንቲ፣ ካብ’ቲ ዝደቐቐ ክሳብ’ቲ ዝዓበየ፣ ኣብ ሂወትን ሞትን ከጋጥም ዝኽእል ራህዋን ፈተናን ዝኣልየሉ ትካል ናይ እንዳ’ባ’ኮ ኣለዎ። እቲ ቐንዲ ጸገም እቲ መስርሕ ህዝቢ ስለዘየሳትፍ ኢዩ። እቲ መስርሕ ባህልን ሕግን እንዳ’ባ ስለዘይቅበል’ዩ። ኣይተረኽበን’ምበር፣ ምስ ህዝቢ እንተዝመክር’ኮ ናብ’ዚ ኹሉ ደልሃመት ኣይምጠሓለን። ኣብ ሕራይ መዓልቲ ህዝቢ ናይ ምስታፍ ልምዲ ዘይጥረየ መስርሕ ድማ፣ ከም ሰኽራም ኣንፈቱ ምስ ሰሓተ፣ ብዓዳ ንኣይ ትመስል ኣላ ንምባል “…. ነቲ ከም ሰኽራም ኣንፈቱ ስሒቱ ዘሎ ህዝቢ..” ዝብል ብሂል ምሕዋስ ብወገነይ ኣይቅበልን። እንተ እቲ ዝሰኸረ ግን ስኽራኑ ንኺግንዘብ ዓቕምን ትብዓትን ይፍጠረሉ። ከመይ’ሲ ንመጻኢ’ውን እታ ፍታሕ ካብ ህዝቢ’ያ ትመጽእ።    

  ዝኾነ ኾይኑ ናብ’ቲ ቀንዲ ዛዕባ ቅድሚ ምእታወይ፣ ብዕለት (11-16-10) “ኣለናስ ዓብዩዎ ኣለኹ’ኸ ምሒር ኣይነኣሶንዶ? “ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፣ ኣቶ ምስሉ ተኪአ፣ ንርኢቶይ ዝኣመተ፣ ነዊሕ ትንታኔ ኣብ ኣሰና.ኮም ኣቕሪቡ። ንኣይ ዝገረመኒ ግን፣ ኣብ’ቲ ቀንዲ ሕመረት ናይ’ቲ ጽሑፉ፣

                                  ኣቶ ምስሉ ናተይ ኣምሲሉ  ምሳሉ ምምሳሉ ኢዩ።

                                  እወ! ‘…ትመስል’ ይብል መመሰሊ ምሳሉ ንምስሉ።

                                  እስኪ ካብ ጽሑፉ እዘን ዝስዕባ ኣብነታት ናይ ‘ትመስል’ ክጠቅስ።

1.       “ከምቶም ምስጢሮም ዝተደፍኑ ጠፊእካ እንተትኸውን ብምባልካ ንህግደፍ መሲልካ።

2.       ኣለና ናይ’ቶም ዝተቐዝፉ ምስጢር ንህዝቢ ከቕርብ ብምጅማሩ ዝጎሃኻ ትመስል።

3.       እዚ ካብ ከማኻ ዝበለ ብዙሕ ምስጢር ዝፈልጥ ሰብ ክወጽእ! ናይ ጥዕና ድዩ’ኸ! ግን ኣይመስልን’ዩ።

4.       ንምንታይ ህዝቢ ከይነቅሕ ዓዊሩ ክነብር ትፈርዶ! እንተነቒሑ የስግኣኒ’ዩ ትብል ዘለኻ ትመስል።

5.       ግን ከም’ቲ “እዚኣ ሱቕ ኢላ’ያ ወዳ መይትዋ’ያ!’ ዝተባህለ፣ ብስቓይ ህዝብኻ ተሽካዕልል ዘለኻ ትመስል።

6.       እቶም ምስጢሩ ትፈልጡ ዝነበርኩም ብኣግኡ ……… ኢሳያስ ክሳብ ክንድዚዶ ንህዝቢ ምነዓቐ፣ ምረግጸ ይመስለካ።

7.       ጸሓይ ምስ በረቐ ዘይድገም፣ ዘይወዓለ ዘይመስል ኣይትዛረብ።” …….. ይብለኒ ኣቶ ምስሉ።                       

                         ኣቤት ኣደራዕ

                         ብትመስል’ሲ

                          ከም’ዚ ጌርካ እንግድዓ ሰብ ይርዕራዕ።         

     ክቡር ኣቶ ምስሉ፣ ኣይትጠራጠር፣ ዘይምስለይ’ኳ ኣይለግበንን’ዩ። ደሓር ከኣ ኣነ ሓውኻ ‘ብትመስል’  ዝግለጽ ኣደብ የብለይን። ንኽትፈልጥ ድማ ብርሕ፣ ንውሕ፣ ርቕቕ ኢለ!! እተን ዝተረፋ ጸጉረይ ድማ፣ ሳላ’ቲ ኩልና ንፈልጦ እኳ እንኮ ከይተረፈትን ጡ……………..ጥ!!!  መሲለን ኣለዋ። ትቡቕቡቖለይ እንተኾንካሲ?  ሃየ በል’ሞ! ክቡር ኣቶ ምስሉ፣ ትመስል ምባል ካብ ፈቶኻ’ሲ፣ ምናልባት ንኣይ ዝመስል እንተረአኻ ኣይትሕለፈኒ፣ ‘ትመስል’ ምእንቲ ከይትደግመኒ። ሕድርኻ ግን ምሳለይ ናይ ምምሳል መሰለይ ምለሰለይ። ካልእስ ይትረፍ እዞም ዘዕቆቡና ፈረንጂ ከይክዕቡና ዝ’ሓወይ።

        ምስ’ዚ ኣተሓሒዘ ድማ ክቡር ኣቶ ምስሉ፣ እታ ናብ ክሩስቸቭ ከም ሕቶ ቀሪባ ኢልካ ዝጠቐስካያ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ጽብቕቲ ኣብነት’ያ። ከም’ቲ ዝበልካዮ፣ “ክሩስቸቭ ነታ ሕቶ ምስ ኣንበባ ‘መን’ዩ ነዛ ሕቶ ዘቕረበ?’ ይብል። ……. ኣነ’የ ኢሉ ደው ዝብል ምስጠፍአ……. ንሕና ከም’ዚ ሕጂ ሓታቲ ፊሪሑ ዘጽቀጠ፣ ስታሊን ንህዝቢ ከጥፍእ ከሎ ንሂወትና ፈሪህና ኣጽቂጥና ኔርና።” ኢሉ …. ብምባል፣ በዛ ጽቡቕቲ ናይ ታሪኽ ኣብነት ሕቶይ ክትምልስ ፈቲንካ።

    ኣይፋልካን ኣቶ ምስሉ። ኣነ ዝበልኩ’ኮ ጠፋእና ብኢሳያስን ቅዲ-ኣመራርሕኡን እናበልና ብጋህዲ ካብ ንዛረብ እነሆ ዓሰርተ ዓመቱ ኮይኑ። ክሳብ ሎሚ ደኣ ኣበይ ጸኒሕካ ኢየ ዝብልኩ’ምበር፣ ኩልና ከነጽቅጥ እንከሎና ስለምንታይ ተጽቅጥ ወይ ድማ ኩልና ከነጣቕዕ እንከሎና ስለምንታይ ምሳና ተጣቕዕ ኔርካ ዘይበልኩ። ስለ’ዚ እዛ ምሳሌ ጽብቕቲ’ኳ እንተኾነት፣ ኣብ ቦትኣ ኣይወዓለትን።

    እንተ ንኣለና ግን፣ ኣብ ምምልማል ናይ ኢሳያስን ቅዲ-ኣመራርሕኡን፣ ቀደም ኣብ እዋን ገድልን-ምግዳልን ምስ’ቶም ዘጣቕዑ ኣጣቒዕካ፣ ኣብ እዋን ነጻነት ድማ፣ ኣመራርሓ መንግስቲ ኤርትራ ወይ ድማ ኢሳያስን ቅዲ ኣመራርሕኡን፣ ውሽጡ ባኮ ምዃኑ ክሳብ ዝቃላዕ፣ ኩልና ብሓባር ነቲ ጣቕዒት ከምዝቐጸልናዮ ኣስሚረ፣ ናብ’ታ ቀንዲ ሕቶይ ሰጊረ። ንምድጋማ ዝኣክል፣

“ሎሚ ድማ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም መራሒ ኣንፈቱ ስሒቱ፣ ዲክተይተር ኮይኑ፣ ኩሉ ጸሊእዎ፣ በላዒ ሰብ ቆጺርዎ፣ ሰባት ምእሳርን ምቕታልን ጥራይ ኮይኑ ስርሑ ካብ ዝበሃል እነሆ ዓሰርተ ዓመቱ ኮይኑ።

ኣብ’ዛ ዓሰርተ ዓመት’ዚኣ ክሳብ ሎሚ ደኣ ኣበይ ጸኒሕካ? ወይስ ከም ኣመልካ ሕጂ’ውን ብዙሕ ሰብ ከጣቕዕ ምስረአኻ ኢኻ ተበራቢርካ ተጣቕዕ ዘሎኻ።” ዝብል ሕቶ ሓቲተ።

  ከምኡ’ውን እዚ ሕጂ ብትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ ዝግለጽ ዘሎ ቅዲ-ኣመራርሓ ናብ ናጽነት ኣብጺሑና ክበሃል ስለዝጸንሐ ኣብ መወዳእታ ናይ ጽሑፍካ፣ ተዓዘብ!!! ዘርኢ ክርዳድን ዓውዲ ስርናይን ክትፈላሊ ክንጽበየካ ኢና።

ዝብል ትጽቢተይ ብግልጺ ኣቐሚጠ፣ ዓውድኻ ከም ዘርእኻ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ድማ ምሳለይ ክሕውስ እፍትን ኣሎኹ። ትንታኔ ታሪኽ ከም’ዚ ብኣለና ዝቐርብ ዘሎ’ድ’ዩ፣ ኣይኮነን ብዘየገድስ፣ ስለምናታይ ካብ ገለ ሰባት፣ ታሪኽ ኣይተንተን ትብል ኣለኻ ዝብል ፍርድን ጸርፍን፣ ይወሃበኒ’ሎ ግን ክርደኣኒ ኣይከኣለን። እሂ ብሓደ ክርዳድ ዝዘርእ መራሒ ዝተመርሐ መስርሕ ስርናይ ክዓጽድ ይኽእል’ዩ ክበሃል ድዩ ዝድለ ዘሎ፣ ወይስ ሽሕ’ኳ መራሒና ክርዳድ እንተዘርአ፣ ንሕና ግን ንሱ ከየስተበሃለልና፣ ዓውድና ዓውዲ-ስርናይ ቀይርናዮ ኢና ክበሃል’ዩ ዝድለ ዘሎ።

    ምኽንያቱ’ሲ ንኣይ እቲ ፈውሲ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ሕማም’ውን ኣበይ ከምዘሎ ብንጹር ኣይረኣየንን ዘሎ። ብፍላይ ከም’ዚ ሕጂ ብኣለና ዝቐርብ ዘሎ ኣገባብ፣ እቲ ሕማም ብቕዲ-ኣመራርሓ ኢሳያስ ጥራይ ተመኽንዩ እንኪቐርብ ድማ ኣየዕግበንን። እኹል ኣይኮነን። እዚ ኣመራርሓ’ዚ ብኣባላቱ ተመልሚሉ ድዩ ወይስ ብኢዱ መንጢሉ ስልጣን ምስሓዘ፣ ንገድልን ምግዳልን መሪሑ ኣብ ፍጻሜ ማለት ኣብ ነጻነት ኣብጺሑና’ዩ እናበሉ፣ ናይ’ቲ መስርሕ ናይ ዓወቱ መስከርትን፣ ናይ’ቲ ቅዲ-ኣመራርሓ ድማ ናይ ረብሕኡ ተኻፈልቲ ካብ ዝነበሩ ሰባት፣ ኣብ እርጋኖም፣ እሞ ድማ ብናይ ብርዒ ስም ተኸዊሎም፣ እዚ ኣመራርሓ’ዚ፣ ብቐደሙ’ውን ንሕና ንጋደል ንሱ ግን ክርዳድ ክዘርእ’ዩ ዝውዕል ዝነበረ ዝዓይነቱ ሚዛን እንከቕርቡ ይገርመኒ። ዝገደደ ድማ ናብ’ቲ ንሳቶም ዝፈልጥዎን ዝወዓሉሉን፣ ናይ ቀደም ተግባራት ናይ’ቲ መስርሕ ንድሕሪት ተመሊሶም፣ ንሳቶም ዘይሕወሱሉ ናይ ታሪኽ ተሓታትነት ሃሰስ ክብሉ እንኪፍትኑ፣ እንታይ  ክብሉ ይደልዩ ከምዘለዉ ንዓይ ዓቢ ምስጢር’ዩ። ግፍዕታት ናይ’ቲ ቅዲ-ኣመራርሓ ይኹን ናይ’ቲ መስርሕ፣ ዘዛርብ እንተኾይኑ ድማ ርሑቕ ከይከድካ፣ እዚ ድሕሪ ነጻነት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ንዕስራ ዓመታት ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን ግፍዕታት ኣኺሉስ ተሪፉ’ሎ። ከም ርኢቶይ እዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ኤርትራውነትን፣ በቲ ቅዲ-ኣመራርሓን ይኹን በቲ መስርሕ፣ ድሕሪ ነጻነት ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን ጉድ፣ ትርጉም ነጻነት ቀይሩ፣ ብንጽጽር ነቲ መግዛእቲ ዝበሃል እዋን ንጉስ ሃይለስላሰን፣ እዋን መንግስቱ ሃይለማርያምን ከይተረፈ ከምዝዝከርን ከምዝናፈቕን ጌሩዎ’ሎ።  

  እወ ክቡር ኣለና፣  ‘ኣለና’ ካብ ተባህለ’ሲ፣ እዚ ኢሳያስ ሓደ መዓልቲ ኣንጊሁ ገጹ ትቑርር ኣቢሉ ደሓን ወዓሉ ዘይብሉ፣ ምሉቕ ኢሉ ናብ ዝሕሾ ዕዝር እንተበለ ወይ ድማ ንባጽዕ ክወርድ እንከሎ ብዓርበ-ረቡዕ እንተጸዲፉ፣ ህዝባዊ ግምባር/ህግደፍ/መንግስቲ ኤርትራ……፣ ብድሕሪኡ ንዝፍጠር ኩነታት ክኣሊ ዝኽእል ድርጅታዊ ቅሩብነት ኣለዎዶ ይመስለካ? ንስኻ ትብሎ እንድዒ’ምበር፣  ከም ናተይ ግምት ሕጂ’ውን ጌና የብሉን። ስለ’ዚ ድማ ኢየ፣ ክላ ወደይ ስም ቀይር ኣለናስ ምሒር ዓብዩካ ዝበልኩ። ዝኾነ ኾይኑ ገለ ደገፍቲ ናይ ጽሑፋት ናይ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ ብኣለና’፣ ካብ ‘ደምበ ኣለና’ ከምዝኾኑ እናሓበሩ ርኢቶ ይሕውሱ’ለዉ። ምህላው ጽቡቕ ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን። በሉ ሕራይ፣ ኣለና ካብ በልኩም’ሞ፣ ኢሳያስን ቅዲ-ኣመራርሕኡን ዓዲ የጥፍኡ ከም ዘለዉ ካብ ኣመንኩም፣ ሃየ’ባ በጃኹም ኣናግፉና ካብ’ዚ ሰይጣን ክሳብ ዝሰርሮ ዘጣቓዕኩምሉ ኢሳያስኩም። እዚኣ ክትገብሩ ዘይትኽእሉ እንተኾንኩም ግን ኣበይ ኣለና ኢኹም ክትብሉ ትደልዩ ዘለኹም። ሱቕ ጥዑም (ምስላ)።

ትዝ ኣይብለካን ኣለና! 

    ኢሳያስ ዓሶ ሓሚሙ ናብ እስራኤል ክሕከም ምስ ከደ፣ ብድሕሪኡ ዝተገብረ ኣኼባ፣ ኣቶ ሃይለ ወልደትንሳኤን (ድሩዕ) ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድን ብማዕረ ክመርሕዎ። ብዘይቃልዓለም ኣብ’ዚ ተርእዮ’ዚ ዝተቓልዐ ጉድ፣ ናይ ኢሳይስ ናይ ስልጣን ህርፋን ጥራይ ዘይኮነ፣ ማዕረ-ማዕርኡ ድማ ናይ’ቲ መስርሕ ውሽጣዊ ድኻምነት’ዩ። በል’ከ ኣለና፣ እዚ ህላዌ’ዚ ሒዝካ እምበኣር’ዩ ኣለና ዝበሃል ዘሎ።  

  ክቡር ኣለና፣ ሓቅኻ ኢኻ፣ ኣብ እዋን ገድልን ምግዳልን ዝነበረ ትፈልጦ ታሪኽ፣ ምትንታን ጽቡቕ’ዩ። እቲ ጸገም ግን ከም’ዚ ንስኻ ትብሎ ኣብ’ቲ ርእሲ ጥራይ ድዩ ዘሎ? ምናልባት እቲ መስርሕ’ውን ከም ርእሱ’ምበር ከም እንታይ ደኣ ክመስል ደሊኻ ኣብ ዝብል ሓሳብ እንተተሰማሚዕካ ግን፣ ናይ’ቲ መስርሕ ውዕሎ’ውን ዳግመ-ግምት ከድልዮ ኢዩ።  ሽዑ እቲ ምሕዳስ ሱር-በተኽ ክኸውን’ዩ። መንገዲ ለውጢ ድማ ንሱ ኢዩ። 

               እስኪ ነዘን ዝስዕባ ኣብነታት ተመልከት’ሞ ባዕልኻ ምዘን።

1.       መጽሔት ነጸብራቕ ኤርትራ (ነ.ኤ.) ሕታም ጥሪ-መጋቢት 2005፣ ምስ ዶክ. ብርሃን መሓመድን ዶክ. ዑቕባዝጊ ዮውሃንስን፣ ሕቶን መልስን ኣካይዳ ንሕትመት ካብ ዘቕረበቶ ትምህርቲ፣

“ናይ ኣመራርሓ ናይ ዘይምትእምማን (ህዝቢ ምስ ህዝቢ፣ ህዝብን ውድባትን) ጸገማት ኤርትራ ብኸመይ ክፍታሕ ይከኣል?”

ንትብል ሕቶ ዶክ. ዑቕባዝጊ ክምልሱ እንከለዉ ካብ ዝሃብዎ  ኣስተምህሮ “…….. ሕቶ ምትእምማን ክፍታሕ ዝኽእል፣ ሓዲሽ ባህሊ ናይ ኣሰራርሓ ብምፍጣር ጥራሕ ኢዩ። ንኣረጊት ደጊምካ ደጋጊምካ ብምኽላስ፣ ክረጋገጽ ዝኽእል ምትእምማን ኣይህሉን።” ይብሉ።

ከምኡ’ውን “ቅድሚ ሕጂ ነዚ ናትና ኩነታት ዝመስል ተርእዮ ኣብ ኣፍሪቃ፣ አስያ ወይ ላቲን ኣመሪካ ነይሩ’ዶ? ብኸመይከ ፈቲሖሞ?”  ንትብል ሕቶ እንኪምልሱ፣ ዶር. ዑቕባዝጊ ካብ ዘቕረብዎ ነዊሕ ኣስተምህሮ “…….እቲ ቐንዲ ሕማም ናይ ኤርትራ፣ እቲ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ኢሳያስ፣ ማለት ኣብ ሜዳ ከሎ ጸያቒ ከምዝነበረ እናፈለጡ ተተይ ኣቢሎም ተሰኪሞሞ ዝኣተዉ ሰባት፣ ክሕተቱ ይግባእ። ……” ይብሉ።

   ከምኡ’ውን ዶር. ብርሃን ነዛ ዳሕረወይቲ ሕቶ እንኪምልሱ ካብ ዘቕረብዎ ነዊሕ ኣስተምህሮ፣ “… እቲ ሓድሽ ወለዶ ብሓድሽ ኣመራርሓ ንኽኸይድ ሕጂ ክንሃንጾ ኣለና። ከመይ ጌርና ንሃንጾ ዝብል ሕቶ ናይ ሓባር መልሲ የድሊ። ግን ሓደ ካብ’ቲ ናይ ሕጂ ሽግር ኮይኑ ዘሎ ኩላትና ጠመተ ኣብ ኢሳያስ ጥራይ ምግባርና ኢዩ። እወ፣ እቲ ወሪዱ ዘሎ ኩነታት መሪርን ከቢድን ኢዩ፣ እንተኾነ ግን፣ ኣብ ክንዲ ካብ ውሽጥና ክንግንዘብን ክንምርምርን ንኽእል፣ ናብ ኢሳያስ ጥራይ ምትኳር እነካይዶ ጉዕዞ ሕማቕ ሳዕቤናት ከምዝህልዎ ኣይሰሓትን።……. ናይ ብሓቂ ብሓድሽ መንፈስ ዝብገስ ሓድሽ መሪሕነት ከነጠጥዕ ኮይንና ካብ ውሽጥና፣ መጀመርያ ክንጥምቶ ዘለና ጉዳይ ናይ ኢሳያስ ዘይኮነስ ጉዳይ ናይ ኣመራርሓ ኣብ’ዚ ናይ 20 ክፍለ-ዘመን እዚ ከነባብረና ዝኽእል ምህናጽ ኢዩ። እዚ ዘሎ መሪሕነታት ኣሰራርሕኡ ግሉጽ ኣይኮነን። ጥራሕ ንኢሳያስ ነጽድፎ’ሞ ጽባሕ ንርእዮ ብዝብል ኣገባብ’ዩ ዝኽየድ ዘሎ። እዚ ኣገባብ ኣካያይዳ’ዚ ኣይጥርንፈናን’ዩ። ካብ ሽግር ኣይውጽኣናን’ዩ ጥራይ ዘይኮነስ ዝገደደ ሽግር ዝውስኸልና’ዩ።…..” ይብሉ።   

2.       ነፍስ-ሄር ፕሮፈሰር ተኪአ ፍስሓጽዮን ብዕለት (08/12/2000) ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ጋዜጣ ኤርትራን ፕሮፋይል ድማ ብዕለት (08/05/2000)፣ “ድምጽታት       ካልኦት’ውን ይሰማዕ! ጽቡቕ ሓሳብ ብብሕትውና ዝውንን የለን።” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፣ እንዳ ህዝባዊ ግምባር ካብ ታሪኹ ክመሃር’ሞ፣ ኣብ  ኣቐራርጽኡ እንታይ ዓይነት ምትዕርራይ ከምዘድልዮ ብምሕባር እዚ ዝስዕብ ምኽሪ ለጊሶም ኔሮም። 

ሀ) “…ንሉኡላውነት ኤርትራ ንምክልኻል ሂወቱን ጉልበቱን ገንዘቡን ዘወፈየ ህዝቢ፣ ኣብ’ዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓዲሽ ብድሆ ድማ ሃገሩ ክትወስዶ ብዛዕባ ዘለዋ መገድታት ርእይቶኡ ናይ ምቕራብ መሰሉ ክሕለወሉ ከምዝግባእ መንግስቲ ክፈልጥ ኣለዎ።” 

ሁ) “…ሓደ ውሳነ ክመሓላለፍ ከሎ፣ ብኸመይን ንምንታይን ከም ዝጸደቐ ዝፈልጦ የብሉን። ኣዋርሕን ዓመታትን እናሓለፈ ብዝኸደ ድማ እቲ መንግስቲ ካብ ህዝቢ እናረሓቐ ከደ።” 

ሂ) “…ካባይ ንላዕሊ ንህዝቢ ክሓሊ ዝኽእል የለን ኢሉ ንነብሱ ዘእመነ፣ ካልእ ኣማራጺ ርኢቶ ካብ ካልእ ወገን ክቕበል ኣይክእልን እዩ። መንግስቲ ኤርትራ ብሓላፍነት ዘቐመጦም ሰባት እዚ ጠባይ እዚ ከምዘርእዩ ብዙሓት ዜጋታ ዝዛረብሉ ኢዩ።” 

ሃ) “…ፍሉይ ክእለት ዘድልዮ ዝለዓለ መንግስታዊ ሽመት ቅድሚ ሕጂ ነታ ሃገር ብዘበርከቶ ኣገልግሎት መለክዒ ተጌሩ ክወሃቦ ኣይግባእን። ጅግና ተዋጋኢ ምዃን ርእሱ ዝኸኣለ ብቕዓት ክኽውን ይኽእል፣ ግን ንኹሉ ስራሕ ብቑዕ ኢዩ ማለት ኣይኮነን።” 

ሄ) “….መንግስቲ ዝበሎ ኩሉ ኣሜን እናበልካ ምቕባል ናይ ጥንቲ ኣባታዊ ስርዓት ኢዩ። ደጊም መንግስቲ ኣነ ጥራይ ኢየ ጽቡቕ ሓሳብ ዝወጸኒ ኢሉ ክሓስብ ከምዘይብሉ ክፈልጥ ኣለዎ።” …. ይብሉ።

  ስለ’ዚ እቲ ውድቀት ክሳብ ኣበይ ሰሪጹ ከምዘሎ ርዱእ ኢዩ። እዚ እናፈለጡ ግን ንርኢቶ ፕሮፈሰር ዝቃወም ጽሑፋት፣ 

 ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ (09/21/2000) “ዝምድናን ፍልልያትን ተጋደልትን ሲቪልን ኣባላት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ” ብኣለምሰገድ ሃብተስላሰ ሚኒስትሪ መጓዓዝያን መራኸብታትን። 

ከምኡ’ውን ኣብ ሓዳስ ኤርትራ (09/23/2000)  “ድምጽታት ካልኦት ኣይተሰምዐን ድዩ?  (ብተኽለ በርሀ ማይተመናይ ኣስመራ) ዝወጽአ ጽሑፍ እንተ ኣንቢብና፣ ኣብ ስልጣን ዘሎ ክፋል ናይ ሕብረተሰብ ኤርትራ እንታይ ከምዝመስል የርእየካ።  

   እስኪ ካብ ናይ ኣለምሰገድ ሃብተስላሰ እዘን ዝስዕባ ክጠቅስ፣

ሀ)“…ንሰላሳ ዓመታት ኣብ በረኻ ኮለል ንዝበሉን ደሞም ኣፍሲሶም ዓጽሞም ከስኪሶም ታሪኽ ሰሪሖም ንዝመጹ፣ ኣካል ሕብረተሰብና ዝኾኑ ተጋደልቲ ንምንታይ ስልጣን ይሕዙ ኢልካ ምምራር ቅኑዕ ኮይኑ ኣይስምዓንን። ዝከኣል እንተዝኸውን ብወገነይ ኣብ ወርቂ መንበር መቐመጥኩዎም። እዚ’ውን ክውሕዶም ምዃኑ እናፈለጥኩ። ዓቕሚ ሃገር ድኣ ደሪቱ’ምበር ንሃፋ ጻምኡ ዝግባእን ናይ ኢዱን ገና ኣይተኸፍለን ዘሎ።”  

ሁ) “…ሓደ ካብ’ቲ ኣብ መንጎ ተጋደልትን ሲቪልን ዘሎ ጋግ ክጸብብ ዝኽእል ከምዚ ሕጂ ህዝባዊ ግምባር ንደሞክራስን ፍትሕን ዝወስዶ ዘሎ ምቅርራብ ክልቲኦም ክፋላት ሕ/ሰብ ኢዩ። ንሱ ድማ ንመጻኢ ኩሎም ኣባላት ግንባር ተጋደልቲ ይኹኑ ሲቪል ብሓደ ዓይኒ ከም ዝረኣዩን ኣኼባ ብሓባር ከካይዱን መራሕቶም’ውን ብሓባር ክመርጹን ስለዝተገብረ ኣብ መንጎ ተጋዳላይን ሲቪልን ዝነበረ ጋግ ይተርፍ ኣሎ። ኩሉ ኣባል ከኣ ሓንጎፋይ ኢሉ ዝተቐበሎ ይመስል።”

 ይብል ኣቶ ኣለምሰገድ ሃብተስላሰ።    

     ርአ’ሞ ኣለና፣ ናይ ህግደፍ ህድሞ’ሲ ደቂ ውሻጠን ደቂ ምድርቤትን ፈላልዩ ክኸይድ ጸኒሑ ይበሃል። ህግደፍ’ሲ ንተጋደልትን ንሲቪልን ኣባላቱ ካብ መስከረም 2000 ጀሚሩ ብሓደ ዓይኒ ክርእዮም ጀሚሩ። እዚኣ ድማ ዓባይ ስጉምቲ ኢያ ትበሃል። ነዚኣ ድማ ኩሉ ኣባል ሓንጎፋይ ኢሉ ዝተቐበላ ትመስል’ሞ ወስኸላ። ኣቤት ጉድ!

ኣለና ኣይገርመካንዶ?

 ስለምንታይ እዮም ክሳብ ሽዑ እቶም ናይ ህግደፍ ኣባላት፣ ጋንታ ተጋደልትን ጋንታ ሲቭልን ነንበይኖም ክእከቡ፣ መመራሕቶም ክመርጹ …. ጸኒሖም? ኩሎም ኣመንቲ ህግደፍ እንከለዉ። ነዚኣ’ውን ኣባላት ወይ ድማ እቲ መስርሕ ኣይሕመዩላን’ዮም ጥራይ ከይትብለኒ?      

በል ክቡር ኣለና ርአዮ’ሞ እዚ ሕምፍሽፍሽ። በዚ ምኽንያት’ዚ’ኮ ኢየ፣ ክላ ወደይ ስም ቀይር ኣለናስ ምሒር ዓብዩካ ዝበልኩ።  

            ካብ’ቲ “ድምጽታት ካልኦት ኣይተሰምዐን ድዩ? ብተኽለ በርሀ”፣ ካብ ዝቐረበ ጽሑፍ፣ ገለ-ቑሩብ ንምጥቃስ፣

ሀ) “…. ዝበልካዮ ደርዲርካ እዝጋምቤቲ ሂብካ ሃደሽድሽ ኣቢልካዮ። ምሁራዊ ናይ ኣጸሓሕፋ ክእለት ይብሉኻ እዚ ኢዩ።” 

ለ) “ … ኣብ ስደት ዘለዉ ምሁራትና ክሳብ ሞርጌጆም ከፊሎም ዝውድኡ፣ ናይ ደቆም ትምህርቲ ክሳብ ዘጠዓዕሙ ናይ ዘለውዎ ሃገራት መንግስታት ናይ ጡረታ መሰሎም ክሳብ ዘውሕስሎም ኣብ ኤርትራ ምዕቡል ሕክምናታት ክሳብ ዝቐውም፣ ምሁራትና ዝሕክም ማለት ኢዩ።” 

ሐ) “…. ኣብ ዘለናዮ ርሑቕ ቦታ ኮይና ነታ ሃገር ብሪሞት ኮንትሮል ክንመርሓ ዘኽእለና ኣገባብ ኣሎ ዝበሃል እንተኾይኑ ድማ ሃየ ፍልጠትካ ኣካፍል፣ መምህር።” 

መ) “..ምሳይዶ ኣሎኻ መምህር? ንቐጽል። ኣብ ጽሑፍካ ነቶም ሓርበኛታት ኣገባብ ኣሰራርሓኦም ካብ’ቲ ብረታዊ ቃልሲ ዝተወርሰ ወተሃደራዊ ኢዩ ኢልካዮ።” 

  ብዝዓይነቱ ናይ ኣስተሓቃር ቃና ዝደመቐት ጽሕፍቲ ኢያ። 

3.       )ብዕለት (11 – 14, 15 - 2002) ኣብ ታምፓ ፍሎሪዳ “International Conference ON Prospects For A Horn Of Africa Confederation” “Integrating Our Common Future” ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ ተሳቲፈ ኔረ። ገለ ካብ ተዛረብቲ፣ ንናይ ኢትዮጵያ መራሒ መለስ ዜናውን፣ ንናይ ኤርትራ መራሒ ኢሳያስ ኣፈወርቅን፣ ብስም ጠቒሶም፣ ምስ ኲናት (1998 – 2000) ኣተሓሒዞም፣ ኣምሪሮም ክወቕስዎም ዝሰምዐ ሓደ ኤርትራዊ ምሁር፣ ነታ ናይ ኢሳያስ ምጽራፍ ትምልከት ክፋል ናይ ተዛረብቲ፣ ብጋህዲ ተቓዊሙዋ።

ርአ’ሞ ኣለና እዚ መስርሕ ናይ ምስዕራር (lionization) ናይ ኢሳያስን ቅዲ ኣመራርሕኡን፣ ኣብ’ቲ መስርሕ ክሳብ ክንደይ ከምዝሰረጸ።

ለ)  ኣጋ ምሸት ድማ ኣብ’ቲ መዘናግዒ ቦታ ናይ’ቲ ዝሓደርኩሉ መዓርፎ ኣጋይሽ፣ ናብ’ቲ ኣኼባ ክሳተፉ ምስ ዝመጽኡ ኤርትራውያን፣ (ሓደ ካብ ኤውሮጳ ሓደ ድማ ካብ ኣመሪካ) ተራኸብና’ሞ ወግዕና ጀመርና። ጽንሕ ኢሉ ድማ ሓደ ፈረንጂ ተጸምበረና። እዚ ፈረንጂ ቀልጢፉ ኣብ ዕላልና ተሓወሰ’ሞ፣ ኣብ መንግስቲ ኣመሪካ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ዝምልከት ጉዳይ ሓላፊ ምዃኑ ሓበረና። ኣብ’ቲ ኣኼባ ድማ ብወግዒ ንመንግስቱ ወኪሉ ዘይኮነስ፣ ብግሉ ከምዝተሳተፈ ገለጸልና። ዝኾነ ኾይኑ ዕላልና ብምቕጻል፣ ….. ሓደ ካባና ንስኻትኩም’ሲ መንግስታት ሱዳን የመንን ኢትዮጵያን … ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ተሓባቢሮም ዝገብርዎ ዘለዉ ምንቅስቓስ ትድግፉ ኢኹም ይብሎ።  እቲ ፈረንጂ ድማ ኣይመስለንን፣ ቅድሚ ኹሉ እዘን ዝበልካየን ሃገራት ነናተን ጸገም ኣለወን። መንግስቲ ኣመሪካ ድማ ከምኡ ኣይገብርን’ዩ ይብል።

  ሓታታይ ድማ፣ ኣይፋልካን ንስኻትኩም’ሲ ንኢሳያስ ካብ ስልጣን ከተውርድዎ ትደልዩ ኢኹም ክብል ሓሳቡ ምግላጽ ቀጸለ። ሻቡ ወዮ ፈረንጂ ይሓርቕ። ክኸይድ ፍሕትሕት እናበለ፣

“መንግስቲ ኣመሪካ ግዜኡ ብኸንቱ ኣየጥፍእን’ዩ። ኣብ ኤርትራ ድማ ኢሳያስ ይኹን ካልእ ብዘየገድስ ብሕጊ ዘመሓድር መንግስቲ ክምስረት ድላይ መንግስቲ ኣመሪካ ኢዩ በለ። እንተ ንከም’ዚ ዓይነት መንግስቲ፣ ብፍላይ ንዜጋታቱ ብዘይፍርዲ ዝኣስር፣ (ሰራሕተኛታት ናይ ኤምባሲ ኣመሪካ ዝነበሩ እሱራት ኤርትራውያን ብምጥቃስ) ዝኣሊ በዓል ዓቕሚ እንተተረኺቡ ግን፣ ጽቡቕ ኢዩ” በለ’ሞ ገዲፉና ከደ። ከምዚኣ ኢላ ወያ ዕላልና ቀልጢፋ ተኾልፈት።   

     ዝኾነ ኾይኑ፣ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ንምዝዛም፣ ኢሳያስን ቅዲ-ኣመራርሕኡን መተካእታ ዘይርከበሉ ክሳብ ዝመስል ዝመልመሎን ሰማይ ዝሰቐሎን እቲ መስርሕ ባዕሉ ኢዩ። ካብ ቀዳማዩ ዳሕራዩ ንኽኸፍእ፣ በዚ እምነት’ዚ ዝዓወሩ ኣባላት ናይ’ቲ መስርሕ፣ ነቲ እምነቶም ከውርስዎ እንታይ ዘይገበሩ፣ እንታይከ ዘይበሉ። እስኪ ደሓን ካልእስ ይጽናሕ ነዚ ኣብ መንጎ ይከኣሎ-ንተጋደልቲ፣ ዋርሳይ ድማ ንመንእሰያት ናይ ሃገራዊ-ኣገልግሎት፣ ዘሎ ናይ ስያሜ ሕልና’ሞ ንመልከት። መንእሰያት ኤርትራ እንታይ ክወርሱ’ዩ ዝድለ ዘሎ። ተመኩሮ ናይ ቃልሲ’ዶ ኣይኮነን። ኣብ’ዚ ስያሜ’ዚ እቲ ዝገርም፣ ቃልሲ ድዩ ርስቲ ተቖጺሩ፣ ወይስ ጎደና ምዕባለ ኾይኑ ክውረስ ዝተደልየ። ስለምንታይከ ከም ዓለሞምን ከም እዋኖምን ከም መሳትኦምን ክመሃሩን ክመራመሩን ነጻ ዘይግደፉ። ኣብ ግብሪ ይርአ ከምዘሎ፣ ኣብዛ ኩነታት’ዚኣ እቲ ቅዲ-ኣመራርሓ ጥራይ ዘይኮነ እቲ መስርሕ ብዓቢኡ ንመንእሰያት ኤርትራ ብጉልቦቶምን  ብሓንጎሎም ኣሲሩዎም ኣሎ። ነቲ ዘሎ ኣሰራርሓ ዝረዓሙሉ፣ ኣባላት ናይ’ቲ መስርሕ፣ እቲ ፍልልይ ከም’ቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ዝርእይዎ ዘለዉ ኩነታት ክቕጽል ሱቕ ብምባሎም እቲ መስርሕ ምስ መራሒኡ ተሓታታይ ኢዩ። ስለ’ዚ ድማ ኢየ መራሕን ንሱ ዝመርሖ መስርሕን ክሳብ ክንደይ ይቀራረቡ/ይረሓሓቑ ዝብል ዘለኹ።  

     ሕጂ ድማ፣ ድሕሪ ነዊሕ እዋን፣ ብፍላይ ከኣ፣ ብሰሪ ሳዕቤን ኲናት (1998-2000)፣ ብሃንደበት ኩነታት ተቐይሩ፣ እቲ ሰማይ ተሰቒሉ ዝነበረ ቕዲ-ኣመራርሓ፣ ኣብ ፖለቲካን ኣብ ዲፕሎማስን ኣብ ውግእን ምስ ተሳዕረ፣ ናይ ግድን መተካእታ ከምዘድልዮ ተጋሂዱ። ብኣንጻሩ ግን ካብ’ቲ ተሰቒሉዎ ዝጸንሐ ሰማይ መን የውርዶ ኮይኑ’ቲ ጸገም። ምኽንያቱ እቶም ናይ’ቲ መስርሕ ኣባላት ምስቃል ጥራይ’ምበር ምውራድ ከይፈለጥዋ ጸኒሖም። ስለዝኾነ ድማ እነሆ ነዊሕ ግዜ ይጠፍእ፣ ብዙሕ ስቓይ’ውን ይወርድ ኣሎ። መተካእታ ዝኸውን፣ ምስ እዋን ዝተዓጻጸፍ ቅዲ ኣመራርሓ ብእዋኑ እንተዘይተኾስኲሱ፣ ምስደላኻዮ ብተብተብ ከምዘይርከብ ድማ ብተግባር ይርአ’ሎ። እዚ ጸገም’ዚ ንኽፍታሕ እምበኣርከስ፣ እንተተረኺቡ፣ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ የድሊ’ሎ። እወ፣ ብሓዲሽ ሓይሊ፣ ብሓዲሽ ሓሳብ፣ ብሓደስቲ ሰባት ዝተመልመለ ምስ እዋን ዝተዓጻጸፍ ቅዲ-ኣመራርሓ የድሊ’ሎ። ክሳብ መኣስ’ዩ፣ ብዛዕባ መጻኢ ዕድልና ብመንጽር ገድልን-ምግዳልን ክንሓስብ ዝድለ ዘሎ ግን እንድዒ። እዚኣቶም’ኮ ኣብ እዋኖም  ግቡኣም ጌሮም’ዮም። ሕጂ ግን ይኣክል’ሞ በዓል እዋን፣ እዋኑን መጻኢ ዕድሉን ይቐይስ። ታሪኽ ድማ ንናይ ታሪኽ ተመሃርትን ተመራመርትን ዝግደፍ ዛዕባ ኢዩ።

   ዛጊት ብተደጋጋሚ ከምዝተረአ ኢሳያስን ቅዲ ኣመራርሕኡን ዝበልካ እንተበልካዮም፣ ዝጸረፍካ እንተጸረፍካዮም፣ ኣየሕሞምን’ዩ።  ስለዝኾኑ ድማ፣ እቲ መራሕን ንሱ ዝመርሖ መስርሕን ብዝሓለፈ ይኹን ብዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ተሓተቲ እዮም። ብሓባር ድማ በልዮም እዮም። ክሳብ ሕጂ ኣብ ተግባር ከምዝተራእዩ ዝፈላለዩ ኣይኮኑን። እቲ ምፍልላይ ዝተራእየ’ኮ ዓድን ህዝብን ምስጠፍአ፣ ብፍላይ ድማ ውጽኢት ኲናት ባድመ ምስ ተራእየ ኢዩ። ምናልባት ብሕጂ እንተተረኺቡ፣ ንኢሳያስን ቅዲ-ኣመራርሕኡን ኣልጊሶም፣ ለውጢ ከምጽኡ ዝኽእሉ ኣለና እንተበሉ ድማ፣ እንቅዓ ጣፍ ኩኑ፣ ዝብል ምስላ እደግመሎም። ዘይረአናዮ ይፍጠረልና (ምስላ)። እዚ ድማ ናተይ ርኢቶ ኢዩ። ኣነ ድማ ኣባልነት ይኹን፣ ዝጣበቐሉ ጽልዋ ናይ መንግስቲ ወይ ከኣ ተቓዋሚ ውድብ የብለይን። ከም ርኢቶይ ግን ምስ እዋን ዝተዓጻጸፍ ቅዲ-ኣመራርሓ የድሊ’ሎ። ንሱ ድማ ንቕድሚት ካብ ዝኣንፈተ ትንታኔን ሓበሬታን’ዩ ዝርከብ።   

ራህዋን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ።

This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it

 

 

  

 

   

Dear visitors,

Any Articles and or Press Releases must contain your contact information including telephone number. Exception are writers from INSIDE Eritrea. If you are writing from Eritrea, state that you are writing from Eritrea and you will be given instruction to securely  verify  that you are actually writing from Eritrea. We have added strict SPAM filter on our Email Server, any email that has more than one recipient and not addressed to the proper asmarino page (English, Tigrina, Arabic pages) will be stored in the junk folder possibly delaying posting and or never be posted. Thank you for your cooperation. 

NO GOOGLE PHONE OR VOIP PHONE NUMBERS ALLOWED. Each submission must have a line with the following line: "CONTACT INFORMATION" followed by a telephone number, your full real name. if you desire to use a different "pen name"

Asmarino.com

ናዕታ

ናዕታ
Written by ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተ/ጊ Fri - 22 Nov

መሽረቕረቕ!

ስርሓት መደበር፡ ኣዳነ መሽረፈት ዘመድ መንቀርቀር

ዳገት ውሻጠ ንዋት ምድሪቤት፡

ካብ በረካ ክሳብ ኣወል ቁም ነገራ ምእንቲ ክዝከር

በታ ነዋሕ እዝና እንዳ ስታር ባክስ ተ’ትስቀል፡

ምኣመኑዶ ፈረንጂ ዕማማ ተ’ዝፍቀድ።

Read more...
 
ናዕታ
Written by ወልዱ ተኽለ Thu - 21 Nov

ጽጉን ባርነት!

መንእሰይ ጸኒቱ ኤርትራዊ ሕፍረት ተቐኒቱ

ወላዲ ጸምይዎ ኣብ ዕብየቱ ቀባሪ ስኢኑ ኣብ ሙሟቱ፡

ዝኣመናዮም ጠሊሞምና ሕሱም ባርነት ኣግዚሞምና

ናጽነት ኢሎም መከራ ሸሊሞምና

Read more...
 
More:

Online Fundraising: Asmarino/VoD

VoD Shortwave/Satellite/Internet Radio

VoD Starts Broadcasting to Eritrea
on Jan 1, 2014
via Satellite 24/7


Buying Time Eyewitness Account Blood Money News Analysis Editorial Writers' Corner News Articles Press Releases Latest