Banner
You are here: Home እዋናዊ ስማዒ ዝሰኣነ ኣውያት ኣብ ሱዳን ድንጎላ ኣብ ዝባሃል ቦታ ሕጹጽ ሓገዝ ድሕነትን ዝጽበዩ 365 ኤርትራዉያን ስደተኛታት

ኣብ ሱዳን ድንጎላ ኣብ ዝባሃል ቦታ ሕጹጽ ሓገዝ ድሕነትን ዝጽበዩ 365 ኤርትራዉያን ስደተኛታት

E-mail Print Print
ኣብ ሱዳን ድንጎላ ኣብ ዝባሃል ቦታ ሕጹጽ ሓገዝ ድሕነትን ዝጽበዩ 365 ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኣብ መላእ ዓለም ንዘሎዉ ኤርትራዉያን ንድሕነቶም ህጹጽ ምንቅስቓስ ከካይዱ ኣምሪሮም ይምሕጸኑ።

ኣስታት ቅድሚ ሰሙን ኣቢሉ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገራይብ ብምህዳም ኣብ ኢድ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣብ መሸጣ ንግዲ ደቂ ሰባት ዝተዋፈሩ ተወላዶ ብሔረ ራሻ-ይዳ ዝወደቑ 94 ደቂኣንስትዮን ሓንቲ ነፍሰጾርን 10 ቆልዑኡ ዝርከብዎም 365 ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ሽማል ዝተባህለ ቦታ ድሕሪ ምብጸሖም፡ ኣብ መንጎ እቶም ራሻይዳን ሓይልታት ጸጥታ ሱዳንን ብዝተገብረ ናይ ተኹሲ ልውዉጥ እቶም ራሻይዳ ድሕሪ ምህዳሞም፡ እዞም 365 ኤርትራዉያን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስቲ ሱዳን ኣትዮም ሽማል ኣብ ዝተባህለ ቦታ ፍሉይ መጸዉዒኡ ድንጓላ ኣብ ዝተባህለ ቁሸት ተኣሲሮም ከምዘሎዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
 
ስጋብ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ እዞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዘሎዉ ኤርትራዉያን፡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ምስ ሓይልታት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ብምስምማዕ ብፍላይ ከኣ፡ ምስ ዘይሕጋዊ መሸጣን ዝውዉርን ስደተኛታት ምትእስሳር ዘሎዎ ሓደ ኣባል ጸጥታ ግደፍ ኣብ ሱዳን ብምዃን፡ ምእንቲ ገበናት ከይቃላዕ ንምስታሩ ተባሂሉ፡ ንኹሎም እቶም ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ንምጥራዞም ዉሳነ ተማሓላሊፉ ኣብ ምድላዉ ከምዘሎዉ ተፈሊጡ ኣሎ፡፡
 
ስለዝኾነ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎኹም ኤርትራዉያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጉዳይ ስደተኛታትን ብሓበራ፡ ነዞም ኣብ ህጹጽ ኩነታት ኣትዮም ድሕነት ዝጽበዩ ዘሎዉ ኤርትራዉያን ኩሉ ዝካኣለኩም ጻዕርን ስራሕ ድሕነትን ከተካይዱ እቶም ስደተኛታት ኣምሪሮም ሓቲቶም ኣሎዉ።
 
ዛጊት ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ህጹጽ ናይ ድሕነት ስራሕ ካብ ዝሰርሑ ዘሎዉ ንጉዳይ ስደተኛታትን ሰብኣዊ ንጥፈታትን ኤርትራዉያን ካብ ዝሰርሑ ዘይመንግስታዉያን ማሕበራት እቲ ብ( ጋንዲ ዘይመንግስታዊ ሰብኣዊ ማሕበር) ዝተባህለ ማሕበር ድሮ ንድሕነት እዞም 365 ኤርትራዉያን ናብ ኤርትራ ከይምለሱን ሰብኣዊ ክብሮም ንኽሕሎን ኣድላይ ምንቅስቓስ የካይድ እንተሎ፡ ዝያዳ ጸቕጥን ምንቅስቓስን ከምዘድልይ ተሓቢሩ ኣሎ።  

መሓሪ ኣብራሃም 
This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it       

 

Add comment

Security code
Refresh

Banner

ናዕታ

ካብ 24/1991 ጉምበት ክሳብ ሕጂ ጥሜት (ተሰፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ)

ሓቂ መሲሉና ብዕልልታ ተቐቢልና
ከም ጀጋኑ ሰቒልናዮም ኣብ ርእስና
ብሳላኹም ወጊሓ መሬት እናበልና
ሳዕሲዕና ጨፊርና ሓጎስና ገሊጽና
መላእ ኤርትራ ብሓጎስ ኣጥለቕሊቓ
ካብ ጫፍ ክሳብ ስግር ባሕሪ ኣፍሪቃ
ብዓለማ ተበሲራ ብተለፎን ጠዋዊቓ
ሰላም ኮይኑ ንግዜኡ ጸሓይና በሪቓ

Read more...

መንእሰይ! ተበገስ ( ረድኢ ክፍለ (ባሻይ))

ጅግንነትካ ዓለም ዘንፈጥፈጠ
ኣጻብዕካ ጥይት ዝሸምጠጠ
ፈሪሁዶ ‘ብለካ ዘይፈለጠ
ዘንጊዕካ’ምበር ብተመን ውሻጠ
ጎበዝ ንቐል ናባኻ’ዩ ውራይ
ኣብ ገዛእ ገዛኻስ ዳርጋ ክራይ
ህግደፍ ክኣስረካስ ትብል ሕራይ
ወድ መንከ ክትብሃል ዳሕራይ?

Read more...
More: