You are here: Home እዋናዊ ሰነዳት

ሰነዳት

ጸብጻብ ተቘጻጻሪት ጒጅለ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራን ሶማልያን - 2

ፍሉይ መጽናዕቲ፡ ስለያ ኤርትራ ምስ ዕጡቓት ጕጅለታት ሶማልያን ካልኦትን ዘለዋ ርክባት 

1. ካብ 2003 ጀሚሮም ዕጡቓት ጕጅለታት ሶማልያ ኣብ ምሕጋዝን ምርኻብን ተዋፊሮም  ካብ ዝነበሩ ሰብ መዚ ኤርትራ ሓደ ኣባል ወተሃደራዊ ስለያ ኮሎኔል ተወልደ ሃብተ ነጋሽ ኢዩ፡፡ ካልኦት ኣስማት እዚ ሰብ ኣማኑኤል ኪዳነ፡ ኮሎኔል ሙሳ፡ ኮሎኔል ሓጎስ ኮይኑ ኣብ ትሕቲ ኣላይነት ጀነራል ጠዓመ “ወዲ መቐለ” ኢዩ ዝሰርሕ፡፡  
 

ጸብጻብ ተቘጻጻሪት ጒጅለ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራን ሶማልያን

ፖሊሲ ወጻኢ ጒዳያትን ጸጥታን ኤርትራ እንተላይ አቲ ኣብ መላእ ዞባ (ምብራቕ ኣፍሪቃ) ንዕጡቓት ጒጅለታት እትገብሮ ሓገዝ ብመንጽር ኲናት ኢትዮ ኤርትራ ምርኣይ ይከአል ኢዩ፡፡ ኢትዮጵያ ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ምትግባር ብምእባያን ኣብቲ ብመሰረት ውሳነ ኮሚሽን ዶብ መሬት ኤርትራ ምዃኑ ዝተረጋገጸ መሬት ሰራዊትን ህዝብን ምስፋር ብምቕጻላን መንግስቲ ኤርትራ ንዕጡቓት ጒጅለታት ኢትዮጵያ (“ግንባር ሓርነት ኦሮሞ”-OLF፡ ከምኡ'ውን “ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን”- ONLF) ዝገብሮ ሓገዛት ከም ዘየቋርጾ ከም ምስምስ ይጠቕሶ፡፡ ኤርትራ ኣብ ካልእ ክፋላት እቲ ዞባ ብዘርኣየቶ ተግባራት ህሉው “ኣይሰላም አይኲናት” ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን  መሊሱ ተንጸባሪቑ'ዩ፡፡ ብፍላይ ኣብ ሶማልያ ክልቲአን ሃገራት ካብ 1998 ጀሚረን ዝተፈላለዩ ተቐናቐንቲ ጒጅለታትን ምምሕዳራትን ክድግፋ ጸኒሐን ኢየን፡፡  
 

ሐጺር ገምጋም ኩነታት ስደተኛታት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ

ሐላፊ ኢሚግረሽንን ስደተኛታትን ኢትዮጵያ ከም ዝገለጾ ኣብቲ ሃገር 64,582 ምዝጉባት ኤርትራውያን ስደተኛታት  አለዉ። ካብ ሶማልያውያን ስደተኛታት ቀጺልካ ከአ ብኻልአይ ደረጃ ይስርዑ። ክሳብ ዝሓለፈ መጋቢት 2011 ብስደተኛታት ቤት ጽሕፈት ተመዝጊቦም ዝሓልፉ ንወርሒ ብገምጋም 1,500 ከምዝኾኑ መዛግብ ይሕብሩ። ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚርካ ግን እቲ ቁጽሪ እንዳበርከተ ምኻዱን ከምኡ’ውን ብብዝሒ ብአንስቶምን ብቆልዑቶምን ዝተሰነዩ ኣረጋውያን ምዃኖም ሰራሕተኛታት መደበር መዐስከር ስደተኛታት የረጋግጹ።  
   

ምርጫ በይ-ኤርያን ተሞክሮኡን

ተቓዉሞ ደምበ ንህዝቢ ጸዊዑ ንዓ ወከልትኻ ምረጽ ክብል ንመጀመርያ ግዜኡ ዓሚ’ዩ።  ስለዚ እቲ ተሞክሮ ናይ ምርጫ ነይሩ’ዩ። እቲ ኣገባብ እውን በቲ ኮምሽን ኣይተቐየረን። ዓሚ ኣባላት ውድባት ዘይተመርጽሉ፡ ንሃገራዊ ዋዕላ ዝካፈሉ ካብ ውድባት ነጻ ዝኾኑ ዜጋታት ዝመርጽ ህዝባዊ ምርጫ ተኻይዱ እዩ። ነቲ ዋዕላ ድማ፡ ኣንዳዕዲዕና ኣስማት ወከልትና እንዳረቛሕና፡ ህዝቢ ተኻፊልዎ እዩ ክንብል በቒዕና። ካብተን ናይ ውድባት ናይ ህዝቢ ድምጺ ይበዝሕ እንዳበልና ክንትኣመመን ጀሚርና። ነተን ውድባት ከምኡ ብምግባረን’ውን ኣመስጊንና። እዚ ተሞክሮ’ዚ ክድገምን ክምዕብልን ይድለ። 

 

ስርዓት ህግደፍ ካብ መድረኽ ጃላነት ናብ ምክልኻል

ህግደፍ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ከምቲ ቀደም ኣብ መርበብ ሓበሬታቱን ኣብ ፈቐዶ እንዳ ቤት ምግብን መጸዋዕታ ብምጥቃዕ እንተወሓደ ቅድሚ ክልተ ሰለስተ ሰሙን ዝጽውዖ ዝነበረ ኣኼባታቱ ሎሚ ግን ኣይግድን ኣይከም ቀደሙን እንሆ ኣብ ዕለት 19 ሰነ 2011 ዓ.ም ብቴክስት መሰጅ ዝተጸውዐ ናይ ጭሉቕ ኣኼባ ኣካይዱ። 
እዚ ዝተጠቕሰ ኣኼባ ብመርሕነት ሽማግለ መኸተ ዝኾኑ ዶር ሃይሉ እምባየ ን ሙሉእብርሃን ዝተባህሉ ኢዩ ተመሪሑ። ንሳቶም መበገስን ዕላማን ናይቲ ኣኼባ ከብርሁ ከለዉ <ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ብሰንኪ እቲ መንግስቲ እንግሊዝ ኣብ ልዕሊ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ዝወሰዶ ናይ ምንቅስቓስ ገደብ ስጉምቲ ህዝቢ ኣዚዩ ተሻቒሉ ብዝጠለቦ መሰረት ዝተጸወዐ ኣኼባ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ከምኡ’ውን ባይቶ ጸጥታ ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 06 ሓምለ እቲ ዝተኣወጀ እገዳ ንኸተግብር ላዕልን ታሕትን ዝብለሉ ዘሎ ህሞት ኢዩ’ሞ

   

ወርቃዊ ዕድል፡ ንስምረትን ምልዕዓልን ኣንጻር ውልቀ መላኺ

 ኩሉኹም ኩቡራት ሙሁራትና፡ ብፍላይ ድማ እቶም ትማሊ፡ ንዝተፈላለየ ምኽንያታት፡ ነዚ ስርዓት'ዚ ብዝተፈላለየ ዓቀን ዝሓገዝኩም፡ ሎሚ ልዕሊ ዝኾነ ዩኹን እዋን ዑዙዝ ተራኹም የድሊ'ሎ። ዶር. ተስፋይ ግርማጽዩን፡ ዶር. በረኸት ሃብተስላሰ፡ ዶር. ኣማረ ተኽለ፡ ዶር.ወልደኣብ ኢሳቅ፡ ኣቶ ተስፋገርግሽ ባኣታይ፡ ዶር. ኣርኣያ ደበሳይ፡ ኣቶ ዳዊት መስፍን፡ ዶር. መሓመድ ኼር፡ ወ/ሮ/ሪት ሚርያም መሓመድ ኦመር፡ ኣቶ. ሙሴ ምስግና* . . . .ን ካልኦት ንኣሽቱን ዓበይቲን፡ ኩሉኹም ሙሁራትና፡ ኣተሓሳስባኹምን መርገጺኹምን ብዘየገድስ፡ ኩሉኹም ኩቡራት ተቃለስትን ተጋደልትን፡ በፍላይ ድማ እቶም ነዚ ስርኣት እዚ ብደንምቢ ትፈልጥዎ፡ ከምቲ ናይ ትማል፡ ሕጂ'ውን ኣውያት ኣዴታትኩምን፡ መዓንጣ ዘይቆጸሩ ንኣሽቱ የሕዋትኩምን ደቅኹምን፡ ይጣራዕ'ኣሎ ። እታ ትማል ዝደምኹሙላ ኤርትራ ኣብ ገምገም ጸድፊ ኮይና ትደሃይ ኣላ'ሞ፡ ሕድርኹም!።  ነዛ እትሰጥም ዘላ መርከብ ንምድሓን ኣበርክቶኹም የእዝዙ። እቶም ትማል ንፈልጠኩም፡ ተ/ይ ሃይለ መንቆርዮስ፡ ተ/ይ ኣንደብርሃን ኣንደገርግሽ፡ ተ/ይ ዶር. ተኸስት ፍቃዱ፡ ተ/ይ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ተ/ይ ኣብደላ ኣድም፡ ተ/ይ መሕየዲን ሸንገብ፡ ተ/ት ሕብረት በርሀ፡ ተ/ይ ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ተ/ይ ወልደሱስ ኣማር፡ ተ/ይ ኣሕመድ ናስርን፡ ተ/ይ መስፍን ሓጎስ፡ ተ/ይ መሓመድ ኑር ኣሕመድን*፡ ኩሉኹም ካልኦት ናይ ክልቲኡ ደንበ፡ ጀብሃን ሻእብያን፡ ተጋደልቲ ሎሚ፡ ኣብ ግዜ ህዝብን ሃገርን ኣድሕን፡ ዑዙዝ ተራኹም ይድለሎ።  

 

ይኣክል ግዝያዊ መንግስቲ ኤረትራ ስልጣኑ በኣጋ የረክብ!!!

ስለዚ ኢና ድማ ንግዝያዊ መንግስቲ ያኣክል ኣንጻር ድልየትና ድልየት ህዝብናን። ስለምንታይሲ ህዝቢ መሪርዎ ኣሎ።ብቅልጡፍ ስልጣኑ ተዘይ ኣረኹቡ ግን ሳዕበኑ ሓደገኛንን ብቅልጡፍ ስቅ ዘይብልን ኪኸውንዩ።ኣብ ተፈላለዩ ከባቢታት ኤረትራ ዝራኣዩ ዘለዉ ሕቶታት ምስቶም መዓልታዊ ኣብ ቤተ/ክትስትያን ዝገብሮም ዘሎ ጸቅጥን ምፍርራሕን ተወሲኾም ጽበት ይፈጥሩ ኣለዉ።ስለዚ ህዝቢ ክጽልን ክጸውምን ነቲ ብመንግስቲ ኤረትራ ዝግበር ዘሎ ክኹንኖን ኣንጻር ኩሉ ፍጻመታት ህግደፍ ደው ክብልን  ንጽውዕ።

   

ምኽንያት ምምልላስ ወዲ ገራህቱ ንከተማ ሸፊልድ እንታይ ኢዩ? ቀዳማይ ክፋል

ብመሰረት ዝኣተናልኩም ቃል ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፍና እቲ ንብዙሓት እንኮላይ ንብሪጣንያውያን ኣገሪምዎም ዘሎ ክሳብ ሕጂ “ምኽንያት ምምልላስ ወዲ ገራህቱ ንከተማ ሸፊልድ እንታይ ምዃኑ? ከም ነቕርበልኩም ኢዩ። መቸም ንምክትታሉ ምእንታን ክጥዕም ኣብዚ ቀዳማይ ክፋል ብመጀመርታ ገለ ድሕረ ባይታ ተቐማጦ ሸፊልድን ከባቢኣን ካልእ ጉዳይ ናይ ማሕበረ ሰብ (ኮሚኒቲ) ኤርትራውያ እታ ከተማ ኣሕጽር ኣቢለ ከቕርብ ክፍትን ኢየ።

 

ሃገረይን ውሽጣዊ ምሕዝነታታን፡ ሓላፍነታታን

ብርግጽ! ንህሉዋት ፍልልያትና ከም ቂሐ-ጽልሚ መከናወኒ ስፈ ኣጋጢሞምን፡ ኣስጢሞምን፡ ሰጢሞምን፣ ንወዮ ዝነኣሰ’ውን ብድምቀት ኣብ መንጎ’ቲ ዓቢ ተሰኹዑ ብዝያዳ ኩኖ’ቲ ዓቢ ጎሊሑን ተኾሊዑን፡ ኣኾሊዑን ንኽህልወሉ ዝኽእሎ መላግቦ ብምጥራይን ብምምዕባልን፡ ውርሻ ኩሉ ህዝብና ንምግባር ዘኽእል ርጡብ መስርሕ ከነጥሪ መተካእታ ዘይብሉ ቅዱስ ዕማም’ዩ።
   

ጦብላሕታተይ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ስድሪ (ስድሪ CDRIE)

ንስድሪ(CDRIE): እንተስ ብፍላጥ እንተስ ብምድንጋጽ: ወይ’ውን መትከላታ ብምእማን ናቱ ከምስላ ዝያዳ ናብኡ ከቕርባ ዝደሊ ሓይልን ወገንን እውን ኪህሉ ይኽእል ኢዩ። ስድሪ ግን ናይ ኩሉ ኪትከውን ኢያ ተፈጢራ። ንኹሉ ምስ እትኸውን ከኣ ኢያ ኪትህሉ እትኽእል።  ነቲ ዝቖመትሉ ቻርተር እንተዘይመሲላ ከተተንፍስ ኣይኮነትን። ቻርተራ ከኣ ጸግዕን ሻራን ኣይቅበልን ኢዩ። በዚ መትከል’ዚ ናይቲ ንነዊሕ ዝጠመተ ኤርራዊ ሲቪካዊ ማሕበር ሰረት ኪትፈጥር ክትክእል ግን፡  ንስድሪ (CDRIE) ሓገዝን ምኽርን፡ ከምኡ’ውን ተሳትፎ ናይ ዜጋታት ከድልያ ኢዩ። ንጹህ ሃናጽን መሃርን ምኽርን ለበዋን።

 

ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ - መበል 14 ክፋል

“ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ካርቱም ሱዳን ዝነበረ ዓብደላ ኣደም፣ ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ ዘሰከምዎ ሓላፍነት ክሒዱ ሃዲሙ ኣሎ።” ኣብ ኣጋ መወዳእታ ዓመተ-2002 ብረድዮ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ዝተቓልሐ ዜና ኢዩ ዝነበረ። ‘ሕሞር ካብ መዓር ክምቅር ክብል መጸጸ’ ከም ዝበሃል፣ ኣንቱም ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝለኣኸኩም…ካብ ህዝቢ ኤርትራ ክትጎርሑ ክትብሉስ ያኢ ተኸሺሕኩም እምበር።

ኣምባሳደር ዓብደላ ኣደም እነሃ እምበኣር እታ ብድሕሪ ኣቶ መስፍን ሓጎስ ትልጎም ዘላ  ምንሽር ህዝቢ ኤርትራ ናባኻ ኢያ ክትቀንዕ። ካብ ዓመተ-2000 ክሳብ’ዚ ዓመት እዚ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ክንደይ ኣምባሳደራትን ዲፕሎማትን ሃዲሞም ክነሶም፤ እታ ጥበበኛ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ግን ኣይተዛረበትሎምን። ግርም’ዶ ኣሎና ኣቶ ዓብደላ? እምበኣር ኣብ ዝቕጽሉ ክፋላት የራኽበና። ቅድሚኡ ግን ገለ ነገር ክትዛረብ ተስፋ ንገብር። ኣብ መበል 13 ክፋል ጽሑፍና ኣብቲ ብ Word ዝተሰደደን ብ PDF ዝተሰደደን ጽሑፍ ክነጻጸር እንከሎ ናይ ገለ ቃላት  ጉድለት ነይሩ ኢዩ’ሞ ኣቐዲምና ይቕሬታ ንሓትት። እቲ እሩም ጽሑፍ ድማ PDF ፋይል ኢዩ።

   

ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ ( መበል 13 ክፋል)

ኤርትራ! ኣለና ኣብ ዱሮ “ገዓት ሓምሊ ውጻእ ገዓት ጠስሚ እቶ” ኣብ ዝበሃለሉ ቅነ ጽንዓትን ጋማን!

ደቅናን ዲቂ-ደቂናን ከምቲ ንመንነቱ ብሓለንጊ እናተገርፈ ‘ኲንታኲንተ’ ዝበለ ኣፍሪቃዊ ጊልያ፤ ኣብ ርሁውን ጽንኩርን ግዜ “ኤርትራውያን ኢና” መታን ክብሉ፣ ሎሚ ክልቲአን ኣዒንትና ብማዕረ፣ ሓንቲ ንኢሳይያስ ኣፈወርቂ ካልኣይቲ ድማ ንመስፍን ሓጎስ ክጥምታ ይሕተታ ኣለዋ። እዞም ክልተ መራሕቲ ናይ ጥፍኣት ልኡኻት ኢዮም። ኣብ ሰሰክዔቶም ዘስፈርዎም ናይ ጥፍኣት ዓቀይቶት ከኣ ኣለዉዎም። እቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንኢሳይያስ የማነ-ጸጋሙ ዘለዉ ሰብ ጽሮራታት ኣብ መድረኽ ወጺኦም ንርእዮም ስለዘለና፤ ንምፍላጦም ዘጸግም ኣይኮነን።

ኣብ ደገ ምስ መስፍን ዝተጠናነጉ ሓያሎይ ልኡኻት ከኣ ብድሕሪ መስፍን ንክጋለጹ ኣብ መስርዕ ይርከቡ ኣለዉ። ገሊኦም ካብ ዓብደላ ጃብርን ፊሊጶስ ወልደዮሃንስን ገሊኦም ድማ ካብ ኢድ ኮሎኔል መልኣከ ገብረማርያም /ወዲ ፊተውራሪ/ ዝተፋነዉ ክጋለጹ ኢዮም። ከምቲ “ውረደ …ውረደ ከይትዋረደ” እናበላ ዝደርፍኦ ዝነበራ ሳድላታት ዓድና፣ መን ይፈልጥ ከይተዋረዱ እንከለዉ ባዕላቶም እንተተናስሑ! መን ይፈልጥ እንተተናዘዙ! እስከ ቁሩብ ነቶም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኮይኖም “…ኢሳይያስ ምስዚ ኩሉ ዘሎ ሕንፍሽፍሽ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ኣለዎ” ዝብሉ ዘለዉ እስከ ንጸበዮም!እቲ ጉዳይ ናይ ግዜ ሕቶ ጥራይ ኢዩ። ወፍሪ ኣለና ምስ መላእ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ኢድ-ንኢድ ተተሓሒዙ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ወሳኒ ህሞት፣ ከምቲ “መረብ ብተከዘ ትሕበን” ዝበሃል ብመላእ ህዝብና ንሕበን።

 

ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ መበል 12 ክፋል

ሰላም ክቡራት ተኸታተልቲ፤ ኣለና! ክሳብ እታ ኣብ መቓብር ኢሳይያስ እትቦቅል ተኽሊ ሰላምን ዲሞክራሲን እንርኢ…ክሳብ ምስ ገበነኛታትን ድርብ ገጻት ህግደፍን ኣብ ቅሉዕ መጋባእያ ቤት ፍርዲ እንራኸብን ድማ ክንህሉ ኢና። እቲ ምንታይ ሎሚ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ድርኩኺት ዓወት፤ ኢሳይያስን ቃፍላይ ህግደፍን ከኣ ናብ ኣፈፌት መቓብር ስለዘለዉ። ሎሚ መርድእ ኢሳይያስ ንክንሰምዕ ለይቲን መዓልቲን ኣእዛንና ኮኲዕና ጽን ንክንብል ደወልን ሃገራዊ ነጋሪትን ይሃርም ኣሎ። ሎሚ ኢሳይያስ ኣይኮነን ምውዳቕ ኣብዩ ዘሎ፤ እንታይ ደኣ ንሕና ኢና ብሰንኪ እቶም ህግደፍ ዘዋፈሮም ሳተላይታት ከም ኣሳትያ ኣኽላባት ኮይኑ ድምጽና።

   

ትልሚ፣ ዘርኢ ክርዳድ (7ይ ክፋል )

እቲ ዝነበረ ምፍጣጥን ሓያል ናጻ ርእይቶ ኢብራሂም ዓፋን ግን ንኢሳይያስ ፈጺሙ ኣየደቀሶን ነይሩ። ብድሕሪ ምዝላቕ፣ ኢሳይያስ ኢብራሂም ንምንጻልን ንምድስካልን ብዙሕ ፈተነታት ገይሩ’ዩ። ገለ ኢሳይያስ ዝለኣኾም መዓድቲ ንኢብራሂም “ካብዚ ዘለኻዮ ሓንሳብ ምስራሕ ንሓንሳብ ከኣ ምድስካልሲ ሞት ይሓይሽ፣ ሰብኣይ ክልተ ግዜ ክረአ የብሉን…” እናበሉ ከምቲ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ ተጋዳላይ ሃብተ ተኽለ ዝወሰዶ ርእሰ-ቅትለት፤ ወዲ ዓፋ’ውን ኣንጸርጺሩ ነብሱ ንክቐትል ምድፍፋእ ይግበረሉ ነይሩ።

 

ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ ቅንጸላ ኢብራሂም (6ይ ክፋል )

ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፣ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ድማ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዝነበሮ እምነትን ኣምልኾን ኣሽካዕላል ተፈድዩ። ብሰንኪ ፋሉላዊ ኣከያይድኡ ናብ ህዝብናን ሃገርናን ዝወረደ መሰክሕ ኣረመንነትን ስደትን ድማ ዕረ እናጠዓመና ኣስተማቒርናዮ። እቶም ብዙሓት ኣቐዲሞም ዝፈለጥዎ በላሕቲ ዜጋታትና ኣደራዕ ማእሰርቲን መስዋእቲን ኮኑ። ሎሚ ግን ኣይከም ትማሊን፣ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣለልዩዎ ስለዘሎ ጸወታ ቃርሳ ብጀጋኑ የለን። .............................. እቲ ግዜ ኣብ ምቕንጻል ኢብራሂም ዓፋ ኣብ ዓጋመት ወጋሕታ ከም ኢራብ ሃዲሙ ዝበረረ ኣባል ክፍሊ ታዕሊም ተጋዳላይ፣ ብሱዳን ገይሩ ናብ ተስፋምህረት ተጸንቢሩ ከም ዝነበረ ወረ ተናፊሱ ነይሩ።
   

ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ (5ይ ክፋል )

ንኢሳይያስ  ሎሚ ካብ ህዝቢ ኤርትራን ካብ ውድብ ህዝባዊ ግንባርን ፈሊና ንርኣዮ። ‘ኣቦይ ወልዱ ብዝበልዕዎ ሕሙቶ፣ ንኣደይ ኢታይ ኣጉስዐን’ ከም ዝበሃል ምስላ፤ ኣብቲ ንሱ ዝፈጸሞ ገበናት ብዘይካ’ቶም ውሑዳት ብረብሓ ዝተኣሳሰሩ ከዳዓት፣ ህዝቢ ኤርትራን ተጋዳላይ ነበር ህዝባዊ ግንባርን ዝሕተቱሉ ኣይኮነን። ነዚ እንተተረዲእና ድማ፤ ነቲ ኢሳይያስ ዝገበሮ ጌጋታት ኣይክንደግምን ኢና።

   
  • «
  •  Start 
  •  Prev 
  •  1 
  •  2 
  •  3 
  •  4 
  •  Next 
  •  End 
  • »
Banner

ናዕታ

ካብ 24/1991 ጉምበት ክሳብ ሕጂ ጥሜት (ተሰፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ)

ሓቂ መሲሉና ብዕልልታ ተቐቢልና
ከም ጀጋኑ ሰቒልናዮም ኣብ ርእስና
ብሳላኹም ወጊሓ መሬት እናበልና
ሳዕሲዕና ጨፊርና ሓጎስና ገሊጽና
መላእ ኤርትራ ብሓጎስ ኣጥለቕሊቓ
ካብ ጫፍ ክሳብ ስግር ባሕሪ ኣፍሪቃ
ብዓለማ ተበሲራ ብተለፎን ጠዋዊቓ
ሰላም ኮይኑ ንግዜኡ ጸሓይና በሪቓ

Read more...

መንእሰይ! ተበገስ ( ረድኢ ክፍለ (ባሻይ))

ጅግንነትካ ዓለም ዘንፈጥፈጠ
ኣጻብዕካ ጥይት ዝሸምጠጠ
ፈሪሁዶ ‘ብለካ ዘይፈለጠ
ዘንጊዕካ’ምበር ብተመን ውሻጠ
ጎበዝ ንቐል ናባኻ’ዩ ውራይ
ኣብ ገዛእ ገዛኻስ ዳርጋ ክራይ
ህግደፍ ክኣስረካስ ትብል ሕራይ
ወድ መንከ ክትብሃል ዳሕራይ?

Read more...
More: