Banner
You are here: Home እዋናዊ ተስፋ ደሊና

ተስፋ ደሊና

ብስም ሃገርን ውሕስነት ሃገርን ምድንጋር

እቲ ኣዳ ካዳብራ  ተኣምራታት ግን ኣዳ ካዳብራ ጥራሕ ኣይኮነን ገዛእ ስነሞገት ኣሎዎ። መስርሕ'ዩ። ከም ዝኾነ መስርሕ ከኣ መፈለምታን ጠረርን መወዳእታን ኣሎዎ። ንወርትግ ዝሰርሕ ተኣምር የሎን።  

ኣብ ኮረሻ ስልጣን ሓዅሮም ኣይወርድን ዝበሉ መራሕቲ ኵሉም፣ ሃይለስላሴ፡ መንግስቱ፡ ኑመሪ፡ ኤል ማህዲ፡ ሲያድ ባረ፡ ኢዲ ኣሚን፡ ሞቡቱ፡ ቦካሳ …  ብማዕበል ተቓዉሞ ህዝቢ ወይ ሓይሊ ብረት ተጎኒጾም ክሳብ ዝወድቁ፡ ን”ሃገርን ውሕስነት ሃገርን” ከም ምቍር ሕብስቲ ንግሆን ምሸትን ኣኮማሲዖመንን ነቲ ህዝቢ'ውን ኣኮማሲዖሞን እዮም፡፡ ዕድሜኦም ክሳብ'ቲ ዝለዓለ ዝከኣል ኣናዊሐን። ንመጠረስትኡ ብብዝሒ ተጠቃምነት በልየን ላሕሊሐን  ኣድማዕነተን ተጀሊሑ ከም ኵሉ ኣሃዱ ምልዕዓል ይሞታ። ተጠቐምቲ ይግለጹ። ይወድቁ። ናብ ጕሓፍ ታሪኽ ይድርበዩ።

እቲ ኵሉ ኣውያት ብዛዕባ ሃገርን ድሕንነታን ነቲ ስንኵፍ ስምዒት ፍቕሪ ሃገር ንምትንኳይ እዩ። ንምልዕዓሉን ምቍጽጻሩን።    
ነቲ ስምዒት ከላዕሎ ፈለማ የፍርሖ፡ የስግኦ። ጸላእቲ ይፈጥር። ክዉናትን ዘይክዉናትን ብዙሓት ጸላእቲ ይፈጥር። ሃገር ተወሪራ፡ ኣደ ተደፊራ የርድእ። ንፍቑራት ደቂ ሃገር ንኣፈርክቡ ይጽውዕ። ሃገር ልዕሊ ኵሉ እያ። ኵሉ ሓዲግካ ሃገርካ ኣድሕን! ይእውጅ።

 
ኣብ ትሕቲ ጽላል ደሞክራሲን ፍትሕን ሰላምን ስለንነብር ዘለና በዚ ኣጋጢሙና ዘሎ ጸጋ እናመስገና፤ ዝሓለፈ ዓመት 2009 ኣብታ እተወለድናላ ሃገረ ኤርትራን ካልኦት ናይ ዓለም ሃገራት ዝተረኽበ፣ ሓዘንን ሞትን ስደትን ባርነትን ሕማምን ሓደጋን መስኪርና ኢና። ናይ ውሑዳት ናይ ስልጣን ድሪኺት ዘስዕቦ ናይ ብዙሓት ግዳይነት ንኽንፈልጥን ኽፍለጥን ክንርዳእን ከንርድእን ምእንቲ፣ ኣመጻጽእኡን ናይ መጻኢ ኣካይዳኡን እውን፣ ንምክትታል እቲ ጉዳይ ክዝርዘር ናይ ግድን ኮይኑ ዝረኸብዎ ጸሓፍትን ደረስትን ናይ ወብሳይት ሚድያ ኣሰናዳእትን ብዓቕሞም ፍልጠትን ሓበሬታን ኣብ ምዝርጋሕ ክሳተፉ ጸኒሖም። እዚ ድማ ፍልጠትን ክእለትን፣ ናይ ምዝርጋሕ ዕድልን ጠቕሚን፣ ኣተገባብርኡን ፍሉይነት ናይዚ ንነብረሉ ዘለና ናይ 21 ዘመን ተርእዮ እዩ ዘንጸባርቐልና ዘሎ። እንነብረሉ ሃገር(ራት) ናይ ከምድላይና ክንነጥፍ ዘኽእል ባይታ ንምጥራይ፣ ብቕዓት ዘለዎም ሰባት ተተካእትን ትካላትን ኣንቢሮም ስለዝኸዱ፣ ናቶም ጻማ ኣብ ወጻኢ እንቕመጥ ሰባት ኣብ ዘንጸፉልና ኽንምዕብልን ነጻ ኮይንና ክንቀሳቐስን፣ ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን መሰላትና ተዓቒቡ ናይ ምንባርና ጉዳይ እውን መከላኸሊ ኣብ ዘለዎ ጽላል ክንሳለ በቒዕና ኣለና።
 
Arabic Asmarino

ኣዝማሪኖ ናይ ቋንቋ ዓረብ ገጽ ክጅምር እዩ

ኣዝማሪኖ ንናይ ቋንቋ ዓረብ ተኸታተልትና ነቲ ቅድሚ ሎሚ ዝተማባጻዕናዮ ብቋንቋ ዓረብ ዝካየድ ገጽ ካብ ዝመጽእ ሰሙን ንኽጅመር ድልዉ ምዃኑ ከነፍልጥ ንደሊ።

እቲ “ናይ ዓረብ ገጻት ኣብ ቀረባ እዋን ክወጽእ እዩ” ዝብል መልእኽቲ ኣብ ናይ ኣዝማሪኖ መርበብ ካብ ዝህሉ ነዊሕ እዋን ገይሩ።  እዚ “ቀረባ እዋን” ብዝቐልጠፈ ጊዜ ንኽመጽእ ኣድላዪ እዩ ነይሩ። ብምድንጓይናን ብምጽባይናን ንኽትምሕሩና እናተማሕጸና፣ መዓልቲ እንሆ ኣኺሉ።

ናይ ኣዝማሪኖ መርበብ ኣዳለውቲ ብ”ሕራይ” ዝሰርሑ ብምዃኖም፣ ነዚ ዝኣመሰለ ገጻን ንኽዳሎን ክወጽእን ክእለትን ተወፋይነትን ዘለዎም ሰባት ክሳብ እንረክብ ጊዜ ወሲዱ። እዚኣቶም ድማ ሎሚ ንተኽታተልቲ ንኸገልግሉ ተዳልዮም ይርከቡ።

 

ክቕንጠጥ ኢዩ እዚ ድነ፡ ክፍደ ኢዩ እቲ ሕነ! ንዝኽሪ ኩሎም ብግፍዒ ህግደፍ ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰብ ሕልና

በቲ ሓደ ግና፡ መስከረም 18፡ ናይ ተስፋ ዕለት'ውን ኢያ፡፡ እቲ ምንታይ፡ ብሳላ ተስፋ ህዝቢ ክመክን ዘይደለዩ ተባዓት ደቂ ሃገር፣ እንታይነት ኣቶ ኢሳያስ ብግብሪ ዝተረጋገጸላ፣ ተንኮሉን፡ ውዲቱን ግናይ ኣመሉን ዝተኸሻሓላ ዕለት ኢያ፡፡  ምእንቲ'ዚ ድማ፡ ነቶም ካብ ኣምልኾ ከምዚ ዝበለ ምስሊ ሰብ ዝለበሰ ኣረሜን ግልል ኢልና፡ ብናይ ሓሶት መብጸöዓታት ምህማል ከነቋርጽ፣ ናብ ልብና ንውሽጢ ኣቋሚትና፡ ብርእስና መታን ክንሓስብ፣ ብሓንጎልና መታን ክንመራመር፡ ካብ ድቃስና ዘበራበሩና ኣሕዋትና፡ በቲ ተባዓት፡ በቲ ድማ፡ ደቂ ሰብ፡ ክቡራት ከማና ከም ምዃኖም መጠን፡ ድሃይ ዘይብሎም ስለዝተሸርቡ - ብሓዘን፣ መራሕቲ መንገዲ ስለዝኾኑና ድማ፡ ብኣድናቖትን፡ ክብርን፡ ክንዝክሮም ይግባእ፡፡ ብሳላኦምን፡ ብሳላ ብዙሓት ቅድሚኦምን ድሕሪኦምን ንሓቂ ዘቃልሑ ሰብ ሕልና ድማ፡ መስከረም 18፡ ኤርትራውያን፡  እንዳሞትና እንዳተቐዘፍና፡ ክብረት ኢሳያስን ደቀ መዛሙርቱን ኣብ ክንዲ ዝዓጠና፣ ክብረትና፡ ፍትሕና፡ መሰልና፡ ሪምና መታን ክንብል፣ ብሓፈሻ ድማ፡ ህይወትና መታን ክንውንን፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ወርሒ መስከረም 1961 ዓዋተ ዝፈለሞ ሰውራ ንናጽነት፣ በብውልቅና፡ ኣብ ገገዛና፡ ምስ ስድራና፡ ምስ ጎሮቤትና፡ ሰውራ ሓርነትና ዝጀመርናላ ዕለት ኮይና፡፡ 

   

ኣዝማሪኖ: ዓሰርተ ክልተ (12) ዓመታት ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት

ኣዝማሪኖ ዶት ኮም ካብ ትጅመር ዓሰርተ ክልተ መሊኣ፡፡ ብምኽንያት ናይዚ ኣጋጣሚ'ዚ፡ ናብ ኩሉኹም ተኸታተልቲ ኣዝማሪኖ ዳት ኮምን መሓዙታን ዝቐንዐ መዘኻኸርን፡ ናብቶም ብስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ዝስሕቁ ዘለዉ ዘተኮረ ሕጽር ዝበለ መልእኽትን ከነመሓላልፍ፡ ምኽኑይ ከም ዝኾነ ስለ ዝኣመንናሉ፡ ንኩሉ ህዝቢ ኤርትራ፡ ልባዊ ሰላምታና ድሕሪ ምቕራብ፡ ንመልእኽትና ምኽኑይ ዝገብሮ ሓቂ እንታይ ከም ዝኾነ ክንገልጽ፡፡

ንመልእኽትና ምኽኑይ ዝገብሮ፡ ግዜ ኢዩ፡፡ ግዜ ማለት ድማ፡ ዕድመ ደቂ ሰብ፡ ህይወት ደቂ ሰብ ማለት ኢዩ፡፡ ካብዚ ሓቂ'ዚ ብምብጋስ፡ እስከ ነዚ ዝሓለፈ ዓሰርተ ክልተ ዓመታት፡ በዚ መንጽር'ዚ፡ ማለት፡ ብህይወት ደቂ ሰብ ንገምግሞ፡፡

ኣብ ኣመሪካ ምስ ኣዝማሪኖ ዝተወልደ ሕጻን፡ ሎሚ፡ ሻብዓይ ወይ ሻምናይ ክፍሊ በጺሑ ኣሎ፡፡ ሸሞንተ ዓመት ጸኒሑ፡ ገለ ዶክተር ክኸውን ኢዩ፡፡ ገለ ተመራማሪ ጠፈር ክኸውን ኢዩ፡፡ ገለ፡ ሊቕ ስነ ቁጠባ፡ ገለ መሃንዲስ ክኸውን ኢዩ፡፡ ኮታ ኩሉ፡ ከከም ሞያኡ፡ ክስልጥን ክምዕብል ኢዩ፡፡ ወለዱ ድማ፡ ነዚ ዘይተርፍ ጉዳይ ውሉዶም ምድላዋት ክገብሩ፡ ኣበየናይ ዩኒቬርሲቲ ከም ዘምህሩዎ፡ የዋድዱ፡ ይውጥኑ ኣለዉ፡፡

 

Video - From Zalanbesa with Love

WITH LOVE FROM ZALANBESA - Video Log

 

መድረኽ ዒምም ይእከል፡”ሽገይ ሃቡኒ” ንበል!

ሓርነት ማለት ግን እንታይ ድዩ ?

ሓርነት ማለት ደኣ ከም ትርጉም፡ ዓመጽን ግፍዕን ዘይብሉ፡ ፍትሒ ዝነግሰሉ፡ ርትዒ ተሳፍሓሉ ሃዋህው ማለት ኢዩ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 1991 ብደም ሰማእታትን ብተጋድሎ ህሉዋትን ናጽነት ሃገርና ምስ ተረኽበ፡ እዚ ግበሩለይ ወይ እቲ ሃቡኒ ኣይበለን፡፡ ክብል ' ውን ኣይኽእልን ። ምኽንያቱ፡ ጻዕረኛን ሓኾተን ህዝቢ ብምዃኑ፡ ካብ ሰብ ዝጽበዮ ነገር ኣይነበረን፡፡ ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራስ ፡ ኣብታ ደቁ ዝኸፈለላ ሃገር፡ በቲ ዝልለየሉ ሓኾትኮቱን ወሓለ ኢዱን ከተሸቑረረ ሰሪሑ ምእንቲ ክምዕብል፡ “ኣቶኻ ወጻእካ ዘይብል ፍትሓዊ ምምሕዳር” ክትከለሉ ኢዩ ዝነበረ።

   
Banner

ናዕታ

ደሮና (ሰሎሞን ብርሃነ ሠንጋል - ሕልና )

ደሮና

ተስፋ አሎ ግን ዝወሃብ
ብመራሒ ደሮና ዝጋልብ
ህዝቢ ሬሳ ዓዱ ክስሕብ
ሰዓብቲ ደሮና ክኣኻኽብ
ብሽም ውጹዓት ክንግድ
ብልሙሳት ምዉታት ክዛረብ
ደሮና ተበቲኑ ኣብ ዓለም።

 

 

Read more...

ቶባእ! እርጋን’ድዩ ዕብዳን ሕርቃን’ዩ ስኽራን ምንጪ’ዚ ኹሉ ስሕታን። (ዳንኤል ተኽለጊዮርጊስ)

ቶባእ!  እርጋን’ድዩ ዕብዳን ሕርቃን’ዩ ስኽራን ምንጪ’ዚ ኹሉ ስሕታን።

ኣብ ቅድሚ ካመራ ኣብ ቅድሚ ኣሬባ
ንምስክር ዘሕንኽ ዘረባ።
ወይሰብ ደቀይ እንታይከ ኽትብሉ
ዛርቲ ድኣ ከይህሉ
ኣብ ሓንጎሉ ሰፊሩ ዘሽካዕልለሉ።

ብኹሉ መዳይ ስኢንዎ ምእላይ
“ላይ ኣናዘር ላይ” ጥራይ
ቀላሲት ዘረባ ብሒታቶ ውራይ።
ዘገርም’ዩ መዐቀኒ ዘይብሉ
ተጎቢኡ ብኣሉ

 

 

Read more...
More:

ምልክታ ንተሳተፍቲ

ብተክኒካዊ ምኽንያታት ተቋሪጹ ዝጸንሐ ናይ ትግርኛ ገጽ፡ ደጊም ጀሚሩ ከምዘሎ ብሓጎስ ነበስር። ኣብ’ዚ ገጽ እዚ ክወጻልኩም እትደልይዎ ጽሑፋት ብኢመይል tigarticles@delina.org ልኣኹልና። ቅድሚ ሕጂ በቲ ናይ ቀደም ኣድራሻ ዝሰደድኩሞ እሞ ዘይወጸ ጽሑፋት እንተልዩ እውን፡ በዚ ዝተጠቕሰ ሓድሽ ኣድራሻ-ኢመይል ደጊምኩም ክትሰድዎ ከምእትኸሉ ነዘኻኽር።

መርሓ ሕንጻጽ (Submission Guidelines)
የቐንየልና... ኣዝማሪኖ

The Graffiti Wars