You are here: Home እዋናዊ ተስፋ ደሊና ኣዝማሪኖ ናይ ቋንቋ ዓረብ ገጽ ክጅምር እዩ

ኣዝማሪኖ ናይ ቋንቋ ዓረብ ገጽ ክጅምር እዩ

E-mail Print Print
Arabic Asmarinoኣዝማሪኖ ንናይ ቋንቋ ዓረብ ተኸታተልትና ነቲ ቅድሚ ሎሚ ዝተማባጻዕናዮ ብቋንቋ ዓረብ ዝካየድ ገጽ ካብ ዝመጽእ ሰሙን ንኽጅመር ድልዉ ምዃኑ ከነፍልጥ ንደሊ።
 
እቲ “ናይ ዓረብ ገጻት ኣብ ቀረባ እዋን ክወጽእ እዩ” ዝብል መልእኽቲ ኣብ ናይ ኣዝማሪኖ መርበብ ካብ ዝህሉ ነዊሕ እዋን ገይሩ።  እዚ “ቀረባ እዋን” ብዝቐልጠፈ ጊዜ ንኽመጽእ ኣድላዪ እዩ ነይሩ። ብምድንጓይናን ብምጽባይናን ንኽትምሕሩና እናተማሕጸና፣ መዓልቲ እንሆ ኣኺሉ።

ናይ ኣዝማሪኖ መርበብ ኣዳለውቲ ብ”ሕራይ” ዝሰርሑ ብምዃኖም፣ ነዚ ዝኣመሰለ ገጻን ንኽዳሎን ክወጽእን ክእለትን ተወፋይነትን ዘለዎም ሰባት ክሳብ እንረክብ ጊዜ ወሲዱ። እዚኣቶም ድማ ሎሚ ንተኽታተልቲ ንኸገልግሉ ተዳልዮም ይርከቡ። እዚ ገጻት ብምኽፋት በቶም ብዓረብኛ ዝዛረቡ ዝካየድ ዘተን ክትዓትን ንናጻ ማዕከን ኣዝማሪኖን ተኸታትልትናን ዝያዳ ከምዘህብቶሞም ንእምን።

ብተወሳኺ ክንብሎ እንደሊ፣ ምዕባለ ናይዚ መርበብ ኣገልግሎት ኣብ ተኸታተልትናን ጸሓፍትን ምትሕብባርን ስለዝምርኲስ፣ ነቶም ኣብዚ ገጻት ብቋንቋ ዓረብ ክትሰዱ እንተደልዩ፣ ጽሑፋትኩም ናብ This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it   ክትልእኹ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣዝማሪኖ ስታፍ

 

 

Add comment

Security code
Refresh

Banner

ናዕታ

ካብ 24/1991 ጉምበት ክሳብ ሕጂ ጥሜት (ተሰፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ)

ሓቂ መሲሉና ብዕልልታ ተቐቢልና
ከም ጀጋኑ ሰቒልናዮም ኣብ ርእስና
ብሳላኹም ወጊሓ መሬት እናበልና
ሳዕሲዕና ጨፊርና ሓጎስና ገሊጽና
መላእ ኤርትራ ብሓጎስ ኣጥለቕሊቓ
ካብ ጫፍ ክሳብ ስግር ባሕሪ ኣፍሪቃ
ብዓለማ ተበሲራ ብተለፎን ጠዋዊቓ
ሰላም ኮይኑ ንግዜኡ ጸሓይና በሪቓ

Read more...

መንእሰይ! ተበገስ ( ረድኢ ክፍለ (ባሻይ))

ጅግንነትካ ዓለም ዘንፈጥፈጠ
ኣጻብዕካ ጥይት ዝሸምጠጠ
ፈሪሁዶ ‘ብለካ ዘይፈለጠ
ዘንጊዕካ’ምበር ብተመን ውሻጠ
ጎበዝ ንቐል ናባኻ’ዩ ውራይ
ኣብ ገዛእ ገዛኻስ ዳርጋ ክራይ
ህግደፍ ክኣስረካስ ትብል ሕራይ
ወድ መንከ ክትብሃል ዳሕራይ?

Read more...
More: