Banner
You are here: Home እዋናዊ ተስፋ ደሊና ብቕዓት ን2010ን መጻኢን
E-mail Print Print

ብቕዓት
ን2010ን መጻኢን
ዘመን ይመጽእ ዘመን ይትካእ።

ኣብ ትሕቲ ጽላል ደሞክራሲን ፍትሕን ሰላምን ስለንነብር ዘለና በዚ ኣጋጢሙና ዘሎ ጸጋ እናመስገና፤ ዝሓለፈ ዓመት 2009 ኣብታ እተወለድናላ ሃገረ ኤርትራን ካልኦት ናይ ዓለም ሃገራት ዝተረኽበ፣ ሓዘንን ሞትን ስደትን ባርነትን ሕማምን ሓደጋን መስኪርና ኢና። ናይ ውሑዳት ናይ ስልጣን ድሪኺት ዘስዕቦ ናይ ብዙሓት ግዳይነት ንኽንፈልጥን ኽፍለጥን ክንርዳእን ከንርድእን ምእንቲ፣ ኣመጻጽእኡን ናይ መጻኢ ኣካይዳኡን እውን፣ ንምክትታል እቲ ጉዳይ ክዝርዘር ናይ ግድን ኮይኑ ዝረኸብዎ ጸሓፍትን ደረስትን ናይ ወብሳይት ሚድያ ኣሰናዳእትን ብዓቕሞም ፍልጠትን ሓበሬታን ኣብ ምዝርጋሕ ክሳተፉ ጸኒሖም። እዚ ድማ ፍልጠትን ክእለትን፣ ናይ ምዝርጋሕ ዕድልን ጠቕሚን፣ ኣተገባብርኡን ፍሉይነት ናይዚ ንነብረሉ ዘለና ናይ 21 ዘመን ተርእዮ እዩ ዘንጸባርቐልና ዘሎ። እንነብረሉ ሃገር(ራት) ናይ ከምድላይና ክንነጥፍ ዘኽእል ባይታ ንምጥራይ፣ ብቕዓት ዘለዎም ሰባት ተተካእትን ትካላትን ኣንቢሮም ስለዝኸዱ፣ ናቶም ጻማ ኣብ ወጻኢ እንቕመጥ ሰባት ኣብ ዘንጸፉልና ኽንምዕብልን ነጻ ኮይንና ክንቀሳቐስን፣ ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን መሰላትና ተዓቒቡ ናይ ምንባርና ጉዳይ እውን መከላኸሊ ኣብ ዘለዎ ጽላል ክንሳለ በቒዕና ኣለና።

ናይ ሎሚ መልእኽቲ “ብቕዓት” ዝበልናሉ ምኽንያት እምበኣር ደቀ ሰብ ተኸታታሊ ናይ ግዳይነት ኩነት ዘጋጥሞም እንተኾይኑ ናይ ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ምምዕባል የድልዮም እዩ። እንተኾነ ግን ናይ ዘድልየካን ዘየድለየካን፣ ዝምእምኣካን ዘይምእምኣካን፣ ዝጠቕመካን ዘይጠቕመካን፣ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ዘዋጽኣካን ዘይዋጽኣካን ናይ ምፍላጥን ናይ ምትግባርን ብቕዓት ኣሎዶ የለን ኮይኑ ረኺናዮ እቲ ሕቶ። ብቕዓት እንታይ እዩ ንዝብል ኣርኣስቲ እምበኣር ምስ መእተዊ ናይ 2010 ክንላለዮ ተበጊስና ኣለና። ከም ሕዝቢ እውን ንኽትህሉ ብቕዓት የድሊ ንብል።  
ርሑስ ሓድሽ ዓመት 2010 ንምነየልኩም።

 

Add comment

Security code
Refresh

ናዕታ

ካብ 24/1991 ጉምበት ክሳብ ሕጂ ጥሜት (ተሰፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ)

ሓቂ መሲሉና ብዕልልታ ተቐቢልና
ከም ጀጋኑ ሰቒልናዮም ኣብ ርእስና
ብሳላኹም ወጊሓ መሬት እናበልና
ሳዕሲዕና ጨፊርና ሓጎስና ገሊጽና
መላእ ኤርትራ ብሓጎስ ኣጥለቕሊቓ
ካብ ጫፍ ክሳብ ስግር ባሕሪ ኣፍሪቃ
ብዓለማ ተበሲራ ብተለፎን ጠዋዊቓ
ሰላም ኮይኑ ንግዜኡ ጸሓይና በሪቓ

Read more...

መንእሰይ! ተበገስ ( ረድኢ ክፍለ (ባሻይ))

ጅግንነትካ ዓለም ዘንፈጥፈጠ
ኣጻብዕካ ጥይት ዝሸምጠጠ
ፈሪሁዶ ‘ብለካ ዘይፈለጠ
ዘንጊዕካ’ምበር ብተመን ውሻጠ
ጎበዝ ንቐል ናባኻ’ዩ ውራይ
ኣብ ገዛእ ገዛኻስ ዳርጋ ክራይ
ህግደፍ ክኣስረካስ ትብል ሕራይ
ወድ መንከ ክትብሃል ዳሕራይ?

Read more...
More: