ሓርበኛነት ሕዋስ ነፍሰ ፍቕርን ቅድመ ፍርድን እዩ።
ቮልቴር
“ሃገርን፡ ውሕስነት ሃገርን” ክልተ ቀለልቲ፡ ኣረ ምቍራት ሓረጋት ይመስላ። ብዙሕ ይደጋገማ እምበኣር ቀለልቲ። ብዙሕ ይደጋገማ። ኣማን ብኣማን ምቍራት። ኣደን ጓልን ይመስላ 'ተን ሓረጋት ምዕሩጋት'የን ክትርእየን ትህነን። እታ ሓንቲ መሬትካ እታ ሓንቲ ፍረ መሬትካ፡ መጻኢኻን'ዬን። ክስሕቃ፡ ክዝምራ ክትሰምዐን ትስለብ። ክሓዝና፡ ክነብዓ፡ ክልምና ከመሕጽና ክትርኢ ከብድኻ ይበልዓኻ። ደምካ ይፈልሕ ልብኻ ትምሸት ንድሕንነት መሬትካ ክትቀትል ክትቅተል ይብርሃካ። መሬት ኣደ’ያ: ህይወት ሂባትካ። መሬት መርዓት'ያ: ውላድ ሂባትካ።
እታ ኣደን መርዓትን መሬት እታ ዝጸበቐት፡ እታ ዝመቕለለት፡ እታ ዝለዓለ ዘፍቀረት ካብ ኣዴታት እያ። ንስኻ እቲ ፍቑርን ኣፍቃሪን ወዳ ከኣ እቲ ሓላዊ ድሕንነታ ኢኻ።
ስለ'ዚ ድማ'ዬን መብዛሕተን ሃገራት እመቤታት ዝኾና። ስለ'ዚ ከኣ'ዩ ፍቕሪ ሃገር፡ መቐጸልታ ወይ ከኣ ብኵራት እናታዊ ፍቕርን ስምዒታትን ዝኸውን።
ፖለቲካውያንን ሞያውያን መለዓዓልትን ኣብዛ ኣሉታውን ኣዎንታውን ክኸውን ዝኽእል ግዙፍ ሓይሊ ዝምንጭወላ ነጥበ ስንኵፍና ኣብ መንፈሳዊ ኣእምሮ ሰብ ኣተኵሮም ዓላምኦም ንምዕዋት፡ ንምክልኻል ንምንዋሕ ይዝውሩዋ። ብርቱዕ ሓይልን ድኽመትን ኣብ ሓደ እዋን ዝተዓቝሩላ ሓደገኛ ጕድጓድ ነፍስና'ያ።
'ሃገርን ሃገራዊ ውሕስነትን' ከኣ መፋትሕ ናብ'ቲ ጉግዳ`ድ'የን። ስለ'ዚ ከኣ'የን ፍቱዋት። ኣብ ዲክታቶራት ዓለም ከኣ ህቡባት። ተኣምራታት ዝሰርሓ ቃላት'ዬን።
'ሃገርን ሃገራዊ ድሕንነትን'፡ ሂትለር፡ ንዓለም ንኽጎብጥ ኣለዓዒሉለን'ዩ። ይዋኣት'ዬን ክሳብ ዓንቀረን ዝነቅዕ ግዒሩለን። ንምሉእ ሃገር ድማ ኣስከረ።
ቸርችል'ውን ንዓባይ ብሪጣንያ ካብ'ቲ ጎበጣ ሂትለር ክከላኸል ገዓረለን። ንሱ'ውን ንምሉእ ሃገር ኣስከረ።
ስታሊን'ውን፡ ነቲ ድሒሩ እቲ ዝዓበየ ሰራዊት ዓለም ዝኾነ ቀይሕ ሰራዊት ወደበለን። ንሱ'ውን ንምሉእ ሃገር ኣስከረ። ንምልእቲ ዓለም'ውን ኣስከረ። ኣብ ፍርቂ ዓለም ነገሰ። ሊቀ መንበር ማኦ'ውን ገዓረለን ሚልያርድ ከኣ ኣስከረ። ኣብ ልዕሊ ሚልያርድ'ውን ነገሰ። ሃይለ ስላሴ'ውን። መንግስቱ፡ ቦካሳ፡ ሞቡቱ፡ ኢሳያስ … ክንደይ'ይ ኢልካ እሞ ክጽብጸቡ በተን ተኣምራታዊ ቃላት ሓመድ ሓፋሽ ኣላዓሉ። ትኣምራታዊ ቃላት'ዬን ግድን ኵሉ ይፈትወን። ብፍላይ ዲክታቶራት ይፈትውወን። ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ከኣ ዲክታቶራት ኣፍሪቃ ብፍላይ ኣፍቂሮመን ኣብ ከናፍሮም ክሳብ ተጠቢቐን። ዲክታቶር ኢሳያስ'ውን ማዕረ ኣረቂ ይፈትወን። ኮራኵሩ'ውን ማዕረ ጮማ ይፈትውወን።
እቲ ኣዳ ካዳብራ ተኣምራታት ግን ኣዳ ካዳብራ ጥራሕ ኣይኮነን ገዛእ ስነሞገት ኣሎዎ። መስርሕ'ዩ። ከም ዝኾነ መስርሕ ከኣ መፈለምታን ጠረርን መወዳእታን ኣሎዎ። ንወርትግ ዝሰርሕ ተኣምር የሎን።
ኣብ ኮረሻ ስልጣን ሓዅሮም ኣይወርድን ዝበሉ መራሕቲ ኵሉም፣ ሃይለስላሴ፡ መንግስቱ፡ ኑመሪ፡ ኤል ማህዲ፡ ሲያድ ባረ፡ ኢዲ ኣሚን፡ ሞቡቱ፡ ቦካሳ … ብማዕበል ተቓዉሞ ህዝቢ ወይ ሓይሊ ብረት ተጎኒጾም ክሳብ ዝወድቁ፡ ን”ሃገርን ውሕስነት ሃገርን” ከም ምቍር ሕብስቲ ንግሆን ምሸትን ኣኮማሲዖመንን ነቲ ህዝቢ'ውን ኣኮማሲዖሞን እዮም፡፡ ዕድሜኦም ክሳብ'ቲ ዝለዓለ ዝከኣል ኣናዊሐን። ንመጠረስትኡ ብብዝሒ ተጠቃምነት በልየን ላሕሊሐን ኣድማዕነተን ተጀሊሑ ከም ኵሉ ኣሃዱ ምልዕዓል ይሞታ። ተጠቐምቲ ይግለጹ። ይወድቁ። ናብ ጕሓፍ ታሪኽ ይድርበዩ።
እቲ ኵሉ ኣውያት ብዛዕባ ሃገርን ድሕንነታን ነቲ ስንኵፍ ስምዒት ፍቕሪ ሃገር ንምትንኳይ እዩ። ንምልዕዓሉን ምቍጽጻሩን።
ነቲ ስምዒት ከላዕሎ ፈለማ የፍርሖ፡ የስግኦ። ጸላእቲ ይፈጥር። ክዉናትን ዘይክዉናትን ብዙሓት ጸላእቲ ይፈጥር። ሃገር ተወሪራ፡ ኣደ ተደፊራ የርድእ። ንፍቑራት ደቂ ሃገር ንኣፈርክቡ ይጽውዕ። ሃገር ልዕሊ ኵሉ እያ። ኵሉ ሓዲግካ ሃገርካ ኣድሕን! ይእውጅ።
እቲ ብፍቕረ ነብሱ ዝሰኸረ ሃገራዊ ከኣ ሃገሩ ከድሕን ይለዓል።
እቲ ምትእስሳር ሰብን መሬትን፡ ብርቱዕን ሕልኽልኽን ኴይኑ እቲ ሜላ ብዙሕ ሳዕ ይሰርሕ። ይደጋገም ግን ይበዝሕ እሞ፡ ሃገር መን? ድሕነት መን ? ዝበሉ ሕቶታት ይለዓሉ።
ይቅጽል...




Comments
awet n wtsue hizbi eretra
now at this time live in Ethiopia in the adminisration of UNHCR, IRC, and ARRA Ethiopian organazation.
now i will like to leial with your organazation
Nshaebia dea kemey keterkubuwom anta TEWENCIFOM `keydom indiom. HADE lbi Ertra FETIROMA. Hagerna kemzi lomi mesila do TFELIT. nsChamo intay keytgebr -wetr- trah. Sebn hizbn kmeharu ab Hangolka neaishto P... boqila ala. nAA trah koskussa Sebeyti interechebka.
.....Hitler gobiTu inteilka.....goita meles intay geyru yibahal? tmliselei do? wey hade kabtom korachurka
keda.. n telam..
Abza tlflfa zelocha medere nMelese goitacha dea zeytTeqso kemti qedem bla bla tblo zneberka? wey gud?
oromay tesfit .....meskinay dihrit terifka...guday jeganu gn ktzrzro ilka aithasbon icha......teshendihka...weylcha
Tes bravismo sei grande!!!!!!
enqua kem beal nska kea halekum eti haki tegaltsu.
Ajoka snka nkes keribu iyu eti ewan.
Powerful piece.
Al Mahdi is wrongly placed in your list of dictators. He wasn't removed by a popular uprising. It is the other way round. He was twice elected prime minister and each time toppled by military coups - first by Numeiri and then by Al Bashir.
RSS feed for comments to this post.