You are here: Home እዋናዊ ተስፋ ደሊና ረሞዳን ሙባረክ ይኹነልና

ረሞዳን ሙባረክ ይኹነልና

E-mail Print Print
 تقبل الله صيامك 
واسعد ايامك
وكل عام وانتم بخير
ረሞዳን ሙባረክ ይኹነልና
ብሓፈሻ ኤርትራውያን ኩልና ብፍላይ ካኣ ኣመንቲ ምስልምና

ረሞዳን ፍልይቲ ወርሒ ካብ ኩለን ኣዋርሕ
ናብ ረብኻ ብዝያዳ ተቅርብ ትመርሕ
እቲ ረቢ ዝኣዘዘና ረሱል ዝበሉና
ንምትግባር ገለ ከይገደፍና

ኩሉ  ተዳሊዩ  ዝጽበያ
ነታ  ዝበደለት  ነብሲ  ንኽኣልያ
ብዙሕ    ይሰግድ  ዱዓ  እንዳ  ገበረ
ጸይሙ ይውዕል ካብ ምግቢ ነብሱ እንዳ ኣሰረ
ሙሳማሓ      ይሓትት   ረቡ   እንዳ ዘከረ

ንመስጊድ   ይቀዳደም   ጀማዓ    ከርክበላ
ፈርዲ  ምስ   ተሰግደ   ሶና   ይውስኸላ
ኣልሓምዱሊላህ  ኢሉ ንረቡ  የመስግነላ

ናይ የዱንያ ዘንቡ ይሓተት መቅፊራ
ናይታ    ዳረ-ሰላም  ዝኾነት ኣኼራ

ጽቡቃ      ይምነ   ዱዓ    እንዳገበረ
ፍቅሪ ሕውነት ሰላም ከኾነልና እንዳዘከረ

ንረቡ ይልምን ሰላም ንሃገርና ንዓለምና
 ሽሻይ ራህዋ ክኹነልና
ኣሚን    ኣሚን   ኣሚን
ምሉእ              ሓሳባቱ
ንጀና                    ኻኣቱ
ክፍጽም ትእዛዝ ናይ ረቢ ክሳብ ዕለተ ሞቱ
ኣማን ሰላም
ካብ ማእከላይ ምብራቕ

 

 

Add comment

Security code
Refresh

ናዕታ

ካብ 24/1991 ጉምበት ክሳብ ሕጂ ጥሜት (ተሰፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ)

ሓቂ መሲሉና ብዕልልታ ተቐቢልና
ከም ጀጋኑ ሰቒልናዮም ኣብ ርእስና
ብሳላኹም ወጊሓ መሬት እናበልና
ሳዕሲዕና ጨፊርና ሓጎስና ገሊጽና
መላእ ኤርትራ ብሓጎስ ኣጥለቕሊቓ
ካብ ጫፍ ክሳብ ስግር ባሕሪ ኣፍሪቃ
ብዓለማ ተበሲራ ብተለፎን ጠዋዊቓ
ሰላም ኮይኑ ንግዜኡ ጸሓይና በሪቓ

Read more...

መንእሰይ! ተበገስ ( ረድኢ ክፍለ (ባሻይ))

ጅግንነትካ ዓለም ዘንፈጥፈጠ
ኣጻብዕካ ጥይት ዝሸምጠጠ
ፈሪሁዶ ‘ብለካ ዘይፈለጠ
ዘንጊዕካ’ምበር ብተመን ውሻጠ
ጎበዝ ንቐል ናባኻ’ዩ ውራይ
ኣብ ገዛእ ገዛኻስ ዳርጋ ክራይ
ህግደፍ ክኣስረካስ ትብል ሕራይ
ወድ መንከ ክትብሃል ዳሕራይ?

Read more...
More: