You are here: Home እዋናዊ ድሃይ ካብ ኤርትራ

ድሃይ ካብ ኤርትራ

ደሃይ ካብ ደቀምሓረ

ካብ ገዝኣ ብጨወይቲ ካብ ትዕፈን ንልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ደሃያ ዝጠፍአ ጓለንስተይቲ
 
ትብለጽ ኣደ ሰለስተ ቆልዑን በዓልቲ ሓዳርን ኢያ። በዓል ሓዳራ ኣባል  ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኢዩ። ተቀማጢት ከተማ ደቀምሓረ ዞባ-ደቡብ ኢያ። ኣብቲ ዞባ -4 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክፋል ናይታ ከተማ ንክልተ ግዜ ናይቲ ብህግደፍ ዝእለ ሃማደአ ሓላፊት ክትከውን ተመሪጻ። ንሳልሳይ ግዜ ክትምረጽ ከም ሕጽይቲ ምስቀረበት ግን “ሕጂ ይኣኽለኒ፣ ደኺመ ኢየ፣ ካልኦት የብርያኒ” ብምባል ካብ ምርጫ ብፍቓዳ ስሒባ።

 

መግለጺ ሓዘን ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ - EYGM

እታ ንዳርጋ ሰለስተ ሰሙን ብዙሓት ኤርትራውያን ተሳፈርቲ ሒዛ ካብ ገማግም ሊብያ ተበጊሳ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጠፊኣ ዝቐነየት መርከብ፡ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ምስ ኩሎም ተሳፈርታ ግዳይ ማእከላይ ባሕሪ ምዃና ተፈሊጡ ኣሎ። በዚ ሓደጋ’ዚ ሰለስተ ሚእትን ዕስራን ሓሙሽተን ኤርትራውያን፡ ዓሰርተ ኢትዮጵያውያንን፡ ሓደ ምስራዊ መራሕ መርከብ ህይወቶም ከምዝሓለፈት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ካብቶም ህይወቶም ዝሓለፉ ተጓዓዝቲ እተን ሱሳን ክልተን ደቀንስትዮ ክኾና እንከለዋ፡ ዓሰርተ ሰለስተ ድማ መዓንጣ ዘይቆጸሩ ህጻናት ምንባሮም ክንርዳእ ክኢልና ኣለና። እዚ ኣዝዩ ዘሕዝን ተረኽቦ እዩ፡፡ 

 
President Omar Hassan Ahmad al-Bashir & President Issias Afewerki

ፕረዚደንት ኢስያስ ኣፈወርቂ፣ ድሕሪ 24 ዓመት ዝግበር ዘሎ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሱዳን ብናይ ኤርትራ ማዕከናት ዜና ንከይፍኖ (ንከይመሓለለፍ) ንሚኒስትሪ ዜና መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ሕዝቢ ሱዳን ካብ ናይዚ ወርሒ እዚ ዕለት11 ክሳብ 15 (ተመጢጡ ኣሎ ብክልተ መዓልቲ) ፕረሲደንት፣ 450 ዝኣባላቱ ባይቶን ኣመሓደርቲ 25 መንግስታትን ይመርጽ ኣሎ። ኣብቲ ሓውሲ ነጻ ዝኾነ ክፋል ደቡብ ድማ ፕረሲደንትን 171 ዝኣባላቱ ባይቶ ክምረጹ ኢዮም። እዚ ምርጫ እዚ ነቲ ብሰንኪ ካልኣይ ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ዝመጸ ግዚያዊ መንግስቲ ክትክእን ቀዋሚን ሕጋውን መንግስቲ ክተክልን ኢዩ።

ኤርትራ ካብ 1993 ጀሚራ ነጻ ካብ እትኸውን ፕረሲደንታዊ ምርጫ ኣይተኻየደን። ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከምዚ ምባል ሕዝቢ ኤርትራ ናህና ግደኸ መዓስ እዩ ኢሉ ከይሓስብን፣ ይከኣል ኢዩ ኢሉ ሞራል ከይገብርን ኢዩ። 

   

እሱራት ዘዘሊሎም ክህድሙ ተዂሲ ተኸፊቱሎም ክልተ ክሞቱ እንከለዉ፣ ብዙሓት ኣብ ኣእጋሮም ተሃሪሞም

ቅድሚ ክልተ መዓልቲ  ሞባይል ተለፎን ሒዞም ዝተረኸቡ ኢትዮጵያውያንን ብዙሓት ኣብ ዓዲ ኣበይቶ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኤርትራውያን እሱራት ዝሓዘት መኪና፣ ካብ ዓዲ ኣበይቶ ናብ መጠርን ናኹራን ከባቢ ዳህላክ ደሴት ኣብ ከባቢ መደበር ኣስመራ ምስበጽሐት፣ እታ ተሰቒሎማ ዝነበረት ማኪና ደው ምስበለት እሱራት ዘዘሊሎም ክህድሙ ጀመሩ። ብድሕር’ዚ  ተዂሲ ተኸፊቱሎም ክልተ ክሞቱ እንከለዉ፣ ብዙሓት ኣብ ኣእጋሮም ተሃሪሞም ተተሓዚም ገለ ገለ ድማ ክሃድሙ ኪኢሎም።

 

ናይ ዕለት 22 ለካቲት ኣብ ጎደና

እንታይ ድአ ተመኒና ዘስራሕናዮ ቤትና አይንሰፍሮን ኢና። አብ ሃገርና ዘለዉ አረጊት አቦን አደን አይክንሪኦምን ኢናን፤ ውክልና ከይከሉኡና እዮም ዝብሉ ጉዳም ኤርትራዊያን። እዚኦም እዮም ዘረባ ኤርትራ ዘይርዱኡ ኤርትራዊያን። እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሕቶታት እዩ ቋንቋአ ሃገርና ኤርትራ። እዚ ከይትዛረቡ”ሲ ሰረቕቲ ምስራቕ ተኸልኪሎም ኢልኩም ክትምጉቱ ጉድ”ዩ ነገሩ፤ ገለ ገለ ጹሉላት ናይ ጎደና ዕለት 22 ለካቲት ግን አሽንባይ ቋንቋኣ ሰሚዖም ሽግራታ ክርዱኡላን ክፈትሑላን ደማ ክውሕዝን ዓይና ክነብዕን ሃገርና ኤርትራ እንዳረኣ”ዩ እውን ብጩቕ አይብሉን። ከብዶም እቲ ምንታይ ብጥቕምን ረብሐን ስለ ዝተአስሩ ንካልኢት’ውን እንተተዛረብና እንታይ ገደሰኩም ጥራይ አይኮነን መልሰ ተግባር ካብ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝስዕበና።

   
ህ.ግ.ደ.ፋ.ውያን ገንዘቦም ይእክቡ

ኣል ሸባብን ተቓውምቲ ኢትዮጵያን ይበልዑሉን ይምንዝሩሉን ይወልዱሉን.....

ሕዝቢ ኤርትራ 1 ባኒ ክስእን ከሎ ተቓለስቲ ሶማልን ተቓወምቲ ትግራይን ኢሉ ዝሰምዮም ህ.ግ.ደ.ፍ ግን ዝተመርጸ ጻዕዳ ፊኖ ንዖዖም አኺሉ ምስተረፈ ክፋተውሉን ክሽርሙጡሉን ካብ መንእሰያት አሕዋትና ክወልዱሉን ከባዕሉጉሉን ንሪኦም አሎና ። ነዚ’ሲ ደገፍ ?? ??

 
እገዳ ዘኸትሎ ፍርኂ

መሪሕነት ህ.ግ.ደ.ፍ.ን. "ጐብለል" ሊቀ መንበር ኢሳያስን እቲ ሓድሽ ደሞም ናበይ ገጹ የብል ኣሎ?

እቶም ቀንዲ "ወረስቲን ተቀበልቲ ሕድርን ሊቀ-መንበር ኢስያስ ኢና:   "ፖለቲከኛታት" ኢና " በሃልቲ ሓጎስ ገብረሂወት (ኪሻ)፣ የማነ ገብረኣብ (ማንኪ) ከምኡኸኣ ዓብደላ ጃብር (ስታዝ-መምህር) ኢዮም። እዚኦም ኣብ ኮረሻ ስልጣን ኣብ 1995 ብስም “ሓድሽ ደም” ኮፍ ምስኣበሎም: ህላወኦምን ስልጣኖምን ንምጥጣሕ "ሕቆኻ ክሓኸከካ ሕቆይ ሕኸኸኒ" እናተበሃሃሉ: ከም "ግናናን ምናናን" ኮይኖም ይንቀሳቀሱ ነይሮም። ካብ 2002 ንድሓር ከኣ: ነናቶም መንገድታትን ውሽጣዊ ውልቃዊ ስልትታቶምን ክጥቀሙ ጀሚሮም።

ካብዚኣቶም እቲ ቀንዲ እሙንን ኣገግልጋልን ዝብሃል ዝነበረ ሓጎስ “ኪሻ” ገብረሂወት ኢዩ። ተኣማንነቱ ኣብ ቅድሚ ለቀ መምንበር ኢሳያስ  ዝኾነ ይኹን ናይ ምልክት-ሕቶ ኣይነበሮን። ምኽንያቱ: ካብ ቀደም ዝጽንሐ ናይ መቐለ ናይ ኣቦታቶም ዝምድና ኣሲሩ ስለዝሓዞም እዩ። ኣብዚ ወርሓት'ዚ ግን: ኣብ ንፋስ  ኣስመራ ቅልጡፍ ለውጢታትን ምዕባሌታትን ኢዩ ዘሎ።

   
ካብ ኣውራጃ ናብ ቁጽሪ

ኤርትራ፥ ደስኪልካ ትመክኽ እንደገና ትምዘዝ

ድሕሪ ናይ ሕ.መ. እገዳ እቲ ስርዓት ኣብ ስግኣት ኣትዩ ኣሎ ይብሉ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ። ታሪኻዊ ኣመል ኢሳያስ ኣብ ግዜ ሽግር ዝተጠቕመሎም ስልትታት ብምቕጻል ተኽሊጥን ምምዛዝን ናይ ቦታ ልውውጥን ጀሚሩ ኣሎ። ካብ ናይ ኮሎነል ተስፋልደት ሃብተስላሰ (ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት) ዝመሎቚ ከምዝሕብሮ ብነዊሕ እዋን “ዝደስከሉ” ሰባት እንደገና “ተባራቢሮም” ኣገደስቲ ናይ ስራሕ ቦታት ከምዝሕዙ ይግበር ኣሎ። ምስዚ ተተሓሕዙ ክሰረሓሉ ዝጸንሐ ናይ ስራሕ ምልውዋጣት እውን ኣሎ።
 
Google Earth Map - Massawa

መግለጺ ዘይብሉ ምቁራጽ ናይ ስልኪ ካብ ምጽዋዕን ጥዋለትን ኣብ ኤርትራ

እዚ ብ552 ዝጅመር ናይ ስልኪ መራኸቢ ንጥዋለትን ውሽጢ ምጽዋዕ እዩ ዝምልከት።  ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ነበርትን ሓፈሻዊ ሕዝብን ኣይተነግሩን።

ወግዓዊ ወረ እዚ ናይ መራኸቢ መስመራት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ 2010 ክኽፈት እዩ ይብሉ።

እቲ ምስዚ ዝኸይድ ዘሎ ግምት እቲ ስርዓት ከም መትሓዚ ዘይብሉ ገረወይኛ ሓበሬታ የውጽእ ስለዘሎ እቲ ናይ ከበባን ፍርሕን ስግኣት ናብ ነቶም ኣብ ውሽጢ ዘለዉ እሙናት ንምፍላይን ምክልኻልን ዝዓለመ እዩ ይበሃል።

   
እገዳ ዘኸትሎ ፍርኂ

ወ/ሮ ኣበበሽ፣ በዓልቲ ቤቶም ንሓጎስ ገብረሂወት “ክሻ”፤ ናብ ኤውሮጳ ክትበጽሕ ቀንያ

ወ/ሮ ኣበበሽ፣ በዓልቲ ቤቶም ንሓጎስ ገብረሂወት “ክሻ”፤ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ኤውሮጳ ክትበጽሕ ቀንያ ይበሃል። እዚኣ ናይ ኣሜሪካ ዜግነት ስለዘለዋ ኣይገርምን እዩ። ወ/ሮ ኣበበሽ ንበይና ኣይኮነትን ናይ ወጻኢ ዜግነት ዘለዋ ናይ ሓደ ዓቢይ በዓል ስልጣን ኣብ ኤርትራ። ብግዜ ገደሊ ንነጻነት ብዙሓት ናይዞም ሕጂ ስልጣን ሒዞም ዘለዉ ሰባት በዓል ቤት (ዳርጋ ኩለን ደቂ ኣንስትዮ) ኣብቲ ዝሓሸ ተባሂሉ ዝግመት ናይ ኤውሮጳ ሃገራት ካብ ሜዳ እናተላእካ፣ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ. እናሰርሓ፣ ናይ ረድኤት ካብቲ መንግስቲ ማለት ናይ ገዛን ናብራን ቆልዑን ከይተረፈ እናወሰዳ ንህዝባዊ ግንባር ይሰርሓ ኔረን እየን። እዚ ተግባር እዚ ኣብ ናይ ኤርትራ ናይ ረድኤት ማሕበር (ኤራ) እውን የጠቓልል።
 
ሓራት ንስእላዊ ኣገልግሎት ዝማጸት መርከብ!

ኢሰያስ ኣብ ኣኼባ ካቢኔ ሚኒስተራቱ፡ ዑና መርከብ ክምርቕ መዲቡ።

መራሒ ህግደፍ ዲክታቶር ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ድሕሪ ሳልስቲ ናይ ካቢኔ ሚኒስተራቱ ኣኼባ ከካየድ መዲቡ ኣሎ። እዚ ናይ ሕጂ ኣኼባ ካቢኔ ሚኒስተራት፡ ስርዓት ኢሰያስ ከም'ቲ ልሙድ "እሰርሕ ኣለኹ" ኢሉ ህዝቢ ንምቕሻሸ ንፕሮፕጋንዳዊ ሃልኪ ዝኾኖ ስእሊ ንምቕራጽን፡ ኣንፈትን ኩነታትን ሹማምንቱ (ጠሊሞሞ’ዶ ገና ምስኡ ኣለዉ) ንምፍታሽን ኮይኑ፡ ኣብ ርእሲ'ዚ ሓንቲ ብላዕላያ ቀለም ተለኽያ ጥዕይቲ እትመስል፡ ኣዝያ ዝኣረገት ጠስጣስ መርከብ ንምምራቕን እውን ኢዩ። እታ መርከብ፡ ናይ ኢሰያስ ናይ ቢዝነስ መሻርኽቲ ዝኾኑ በዓል "ወልዱ ባርያ" ዘይተኣደነ መኽሰብ (ኣፋረ) ረኺቦም ዳርጋ ብጥርሑ "ዝዓደግዋ" ኮይና፡ ዓለማዊ መድሕን (Insurance) ስለዘይብላ ኣብ ስዊዝ ካናል ተዓጊታ ድሕሪ ምቕናያ፡ ናብ ኤርትራ ኣምሪሓ ኣላ።

   
  • «
  •  Start 
  •  Prev 
  •  1 
  •  2 
  •  3 
  •  Next 
  •  End 
  • »

ናዕታ

ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ! ( ዑቕባይ ገብረመድህን)

ደሞክራሲ እንታይዩ መንነታ?
እስከ ዘርዝሩለይ መንገዳ ስርዓታ
ግልጺ ኢዩ ጠባያ: ሓቂ’ውን ቅናታ
መፈለምታ ዕርዕር ትብል: ደሓር ግን ዘይምኖ መቐረታ።
***
ደሞክራሲ ንኽትውለድ ብዙሕ’ዩ ጠለባ
ብስምዒት “ሆ! ምባል ቀሓር ልባ

Read more...

ምርድዳእ ማእረ ይገብር التفاهم سوى دان (Maazin Abdul Qhanee)

ተማቒልካ'ያ ኣለም ተማቒልካ ንበር
ህይወት ሃብ ክበር ኣይትቕበር
ንበይንኻ ኣይግበርን ቁምነገር
ስራሕ ጃብር ኣይኮነ ዋላ ስራሕ ጋብር።

የማነ ጀብረ ሚካኤል ከምዚ ኢሉ፡
"ንፋቐር ንሳነ ንከባበር
ንእብየት ብልጽግና ንቑምነገር"

Read more...
More: