Banner
You are here: Home እዋናዊ ድሃይ ካብ ኤርትራ ኤርትራ፥ ደስኪልካ ትመክኽ እንደገና ትምዘዝ

ኤርትራ፥ ደስኪልካ ትመክኽ እንደገና ትምዘዝ

E-mail Print Print
ደስኪልካ እንደገና ትመክኽ እንደገና ትምዘዝ

ብድሕሪ ናይ ሕ.መ. እገዳ እቲ ስርዓት ኣብ ስግኣት ኣትዩ ኣሎ ይብሉ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ። ታሪኻዊ ኣመል ኢሳያስ ኣብ ግዜ ሽግር ዝተጠቕመሎም ስልትታት ብምቕጻል ተኽሊጥን ምምዛዝን ናይ ቦታ ልውውጥን ጀሚሩ ኣሎ። ካብ ናይ ኮሎነል ተስፋልደት ሃብተስላሰ (ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት) ዝመሎቚ ከምዝሕብሮ ነዊሕ እዋን “ዝደስከሉ” ሰባት እንደገና “ተባራቢሮም” ኣገደስቲ ናይ ስራሕ ቦታት ከምዝሕዙ ይግበር ኣሎ። ምስዚ ተተሓሕዙ ክሰረሓሉ ዝጸንሐ ናይ ስራሕ ምልውዋጣት እውን ኣሎ።

ገለ ካብቲ ፍሉጥ ዝበሃሉ ለውጥታት፤ ናይ ዞባ ማእከል ኣማሓዳሪ ዝጸንሐ ተወልደ ቀላቲ ሚኒስተር ናይ ዓሳ ክኸውን እዩ ይበሃል ኣሎ። ናይ ጋሽ ባርካ ዝጸንሐ ካሕሳይ ገብረሂወት ድማ ናብ ዞባ ማእከል ኣማሓዳሪ ክቐየር እዩ ይበሃል።

“ደስኪሉ” ዝጸንሐ ገዲም ተጋዳላይን ዓቃበ ሕጊን ዝነበረ፣ ሙሳ ራብዓ፣ ከም ኣማሓዳሪ ናይ ጋሽ ባርካ ክኸውን እዩ። ሓላፊ ስፖርታዊ ጉዳያት ዝጸንሐ ብሪጋደር ጀነራል ተኪኤ “ብላታ”  ኣብ ሓደ ትሕት ዝበለ ናይ ሓይሊ ኣየር ምምሕዳር ተመዲቡ ኣሎ። ናይቶም 12 ተጻወትቲ ኩዑሶ ምህዳም ናይ ተኪኤ ካብ ፍቶት ናይ ፕረዚደንት ኣዛሕቲልዎ ኣሎ ይበሃል።

ናይቶም ካልኦት ተለዊጦም ኣለዉ ዝበሃሉ ሰባት ጸኒሕና ከንቕርቦ ኢና።

እዚ ምልውዋጥ ኣብዚኦም ጥራሕ ኣይተወሰነን። ናይ ዞባታት ምምሕዳር እውን ተተንኪፉ ኣሎ። ኣብ ኤርትራ፣ በርገሳዊ ምምሕዳራዊ ኣገባብ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ልዕሊኡ ዝዝምቢ ወተሃደራዊ ምሕደራ እውን ኣሎ። እዚ ነቶም ወተሃደራት ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ ጉድያት ልዕልና ናይ ስልጣን ንኽህልዎም እዩ ተሰሪሑ። እዚኣቶም ሓሙሽተ ምምሕዳራት ጸኒሖም ሎሚ ግን ኣብ ሰለስተ ተጠቕሊሎም ይርከቡ። እዚእቶም ቀይሕ ባሕሪ (ሰሜንን ደቡብን ኣብ ሓደ)፣ ማእከልን “ደቡብ” ኣብ ሓደ፣ ጋሽ ባርካን ዓንሰባን ኣብ ሓደ።

ሓደ ሓደ ሰብ ስልጣን ከምዝብልዎ ምሕጻር ናይ ወተሃደራዊ ምምሕዳራዊ ኣካላት እቶም ፕረሲደንት ዝኣምኖም ጀነራላት ውሑዳት ስለዝኾኑ እዩ ይበሃል። ዝያዳ ምስረኸብና ኣስማት ናይቶም ምምሕዳርዊ ሓላፍነት ዝተዋህቡ ክንነግር ኢና።

ብተወሳኺ ብዕለት ጥሪ 11፣ 2010 ፕረሲደንት ኢስያስ ምስጢራዊ ርክብ ምስ ሙዕማር ኣል ቓዛፊ ከምዝገበረ ይንገር። እዝን ካልእን ብዝያዳ ምስተረጋገጸ ክወጽእ እዩ።
 

Add comment

Security code
Refresh

Banner

ናዕታ

ካብ 24/1991 ጉምበት ክሳብ ሕጂ ጥሜት (ተሰፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ)

ሓቂ መሲሉና ብዕልልታ ተቐቢልና
ከም ጀጋኑ ሰቒልናዮም ኣብ ርእስና
ብሳላኹም ወጊሓ መሬት እናበልና
ሳዕሲዕና ጨፊርና ሓጎስና ገሊጽና
መላእ ኤርትራ ብሓጎስ ኣጥለቕሊቓ
ካብ ጫፍ ክሳብ ስግር ባሕሪ ኣፍሪቃ
ብዓለማ ተበሲራ ብተለፎን ጠዋዊቓ
ሰላም ኮይኑ ንግዜኡ ጸሓይና በሪቓ

Read more...

መንእሰይ! ተበገስ ( ረድኢ ክፍለ (ባሻይ))

ጅግንነትካ ዓለም ዘንፈጥፈጠ
ኣጻብዕካ ጥይት ዝሸምጠጠ
ፈሪሁዶ ‘ብለካ ዘይፈለጠ
ዘንጊዕካ’ምበር ብተመን ውሻጠ
ጎበዝ ንቐል ናባኻ’ዩ ውራይ
ኣብ ገዛእ ገዛኻስ ዳርጋ ክራይ
ህግደፍ ክኣስረካስ ትብል ሕራይ
ወድ መንከ ክትብሃል ዳሕራይ?

Read more...
More: