
ምስሊ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ኣውስትራልያ
ዮውሃንስ ወንድማገኝ (ወንድምኣገኘ) ንነዊሕ ግዜ ሰራሕተኛ ፈነወ ረድዮ ትግርኛን ዝተኣምነ ኣባል ኢሰፓን ዝነበረ ኤርትራዊ እዩ። ድሕሪ 2001 ተለኣኣኺን ኣፈኛን በዓላት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብምዃን ኣብ ዘየድልዮ ጉድያት ኣትዩ፣ ሕማቅ ባህርዩ ክደግም ስለዝተራእየ ናይ ቀረባ ቤተሰቡን መተዓብይቱን መማህርቱን፣ ካብ ተመኲርኡ ክመሃር ንዘቕረብሉ ምዕዶን ለበዋን ተሓሲሙ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብነታዊ መሳርሒ ኮይኑ ይርከብ።
ኣብራሃም ሓድጉ ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ንኣዋርሕ ተጋዲሉ ምስ ብረቱ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰለመ ወዶ-ገባ ኮይኑ፣ ኤርትራውያን ዘበሳበሰ ዕሱብ እዩ። ኣብርሃም ናብ ደርግ ኣብ ዝሰለመሉ ግዜ፣ ብዮውሃንስ ወንድማገኝ፣ ጋዜጠኛ ረድዮ ኣስመራ ፈነወ ክፍሊ ትግርኛ ቃለ-ኑዛዜ ተገይርሉ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ።









