Banner
You are here: Home እዋናዊ ዜና መሰል ነጻ ምዝራብ ብትዊት ትዊት ተጨቢጡ።

መሰል ነጻ ምዝራብ ብትዊት ትዊት ተጨቢጡ።

E-mail Print PDF
ትዊት ትዊት ናይ ትዊት ተጠቐምቲ ታሪኻዊ ዓወት ብኣገባብ ኢንተርነት ኣመዝጊቦም።  

ዝሓለፈ ሰኑይ ጥቅምቲ 12፣ ጋርድያን ዝተባህለ ናይ ዓባይ ቢሪጣንያ ጋዜጣ ብዛዕባ ኣብ ባይቶ መንግስቲ ዝተኻየደ ጉዳይ ንኸይገልጽ ተኸልኪሉ። እዚ ብሕጋዊ መስርሕ ዝተገብረ ምኽልካል ነቲ ብ1688 ዝጸደቐ ናይ ነጻ ምዝራብ መስላት ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእቱ ኾይኑ ተረኺቡ። ኣብዚ መዓልቲ እዚ እቲ ጉዳይ ብዛዕባ ሓደ ሚኒስተር ክምልሶ ዘለዎ ኾይኑ ማለት፣ እቲ ጋዜጣ ስም ናይቲ ነቲ ሕቶ ዝሓተተ ሚኒስተር፣ እቶ ሕቶ እንታይ ከምዝነበረ፣ ኣየናይ ሚኒስተር እዩ ዝምልሾ፣ ከምኡውን እቲ ሕቶ ኣበይ ከምዝርከብ የጠቓልል። ጋርድያን ብተወሳኺ፣ ንመጀመርታ እዋን ኣብ ታሪኽ፣ ስለምንታይ ብዛዕባ ባይቶ (ፓርላማ) ንኸይገልጽ መኸልከሊኡ ምኽንያት እውን ኣብዚ “ምኽልካል” ኣትዩ ይርከብ ከምዝነበረ ገሊጹ።

እዚ ጉዳይ እዚ ብጋርድያን ኣብ ኢንተርነት ድሕሪ ምውጽኡ፣ ተጠቐምቲ ኢነትርነት ነቲ ምኽልካል ባዕሎም ኣበይን ብኸምይ ኣገባብን ብዛዕባ መንን ብምክትታል ነቲ ምስጢራዊ ካባ ለቢሱ ዝጸንሐ ጉዳይ ኣቓሊሖሞ። እቲ ጉዳይ ዝምልከቶ ሚኒስተር ፓውል ፋረሊ ምዃኑን፣ እቲ ሕቶ ድማ ብዛዕባ ኣብ ኣይቮሪ ኮስት - ኣፍሪቃ ዝተጓሕፈ ቶክሲክ (መርዛም ተረፍ ፋብሪካታት) ምዃኑ ተገሊጹ። ናይ ፋረሊ ሕቶ እቶም ኣባላት ባይቶ ብዛዕባ ጓሓፍን ናይ ነጻ ምዝራብን ጉዳይ ዝምልከቶም ሰባት ዘለዎም መሰላት ምሕላዉ እዩ ሓቲቱ። መሕተቲኡ ድማ እቲ ነዚ ጉዳይ ፈጺማ ትበሃል ኩባንያ ናይ ዘይቲ፣ ትራፊጉራን ጠበቓታታን ካብ ቤት ፍርዲ መኸልከሊ ወረቐት ምስኣምጽኡ እዩ ኔሩ።
 
ካብቶም ብመጀመርታ ብዝቐልጠፈ እዋን ነዚ ዘጋለጸ ሪቻርድ ዊልሰን ዝተባህለ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ዝጣበቕ 34 ዝዕድሚኡ ሰብ እዩ። ናይ ባናና ሕምባሻ እናሰርሐ እንከሎ ብዛዕባ እቲ ምኽልካል ሰሚዑ። ድሕሪ ቑሩብ ኣብ ኢንተርነት ምፍታሽ እቲ ምኽልካል ብዛዕባ ናይ ፋረሊ ንትራፊጉራ ኩባንያ ዝምልከት ምዃኑን እተን ሕቶታት እንታይ ከምዝኾናን ሓቲሙ (ኣብ ኢንተርነት) ኣውጺኡ። ትራፊጉራ ከም ኩባንያ ኣብ ሕጋዊ ኲናት ናይ ምእታውን ካርተር ሩክ ዝተባህለ ናይ ጠበቓ ትካል ወኪል ከምዘለዎም ምስፈለጠ ናብቲ ናይ ባይቶ ናይ ትእዛዝ ወብሳይት ብምኻድ ነተን ሕቶታት ክረኽበን ከምዝኽኣለ ገለጹ። ናይ ጋርድያን ምኽልካል ጉዳይ ምስወጸ ድሕሪ 42 ደቒቕ ኢንተርነት እቲ ጋዜጣ ከውጽኦ ዘይከኣለ ብግልጺ ኣውጺእዎ።  

ብድሕሪ እዚ ዝሰዓበ ናይ ብርሃን ጩራ ኣብ ልዕሊ ናይቲ ኩባንያ ስርሓት ኩለን ማዕከናት ዜና ነዚ ወረ እዚ በብሓደ ብምዝርጋሕ ነቲ ብድሕሪ ሕጋዊ መስርሕ ተሓቢኡ ከተርፍ ኢሎም ዝሓሰብዎ ጉዳይ ንዓለም ተቓሊሑ። ብረቡዕ 14 ጥቅምቲ ኩለን ጋዜጣታት ነዚ ዓወት እዚ ኣብ ዓምድታተን ኣስፊረነኦ ይርከባ።

ብዛዕባ ጉዳይ ባይቶ ዓባይ ቢሪጣንያ ኣብ ጋዜጣ ምጽሓፍ ካብ 18 ክፍለ ዘመን ኣትሒዙ ዝተኻየደ ፍረ ቃልሲ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ኣባል ፓርላማን ጋዜጠኛን ዝነበረ ጆን ዊልኪንስ ክሳብ ናብ ንጉስ ከይተረፈ ብምምጥራዕ ኣፍልጦ ናይ ሕዝቢ ክሕሎ ከምዘለዎ ንነዊሕ እዋን ተቓሊሱ እዩ። ብድሕሪ ናይ ዊልኪንስ ቃልሲ፣ ናይ ታሪኽ ጸሓፋይ ሮበርት ሃርግረቭስ፣ “ሕዝቢ ብዛዕባ እቶም ካብኡ ተወኪሎም ኣብ ባይቶ ዝለኣኹ ወከልቲ ዝገብርዎ ጉዳይ ብሙሉኡ ክፈልጥ ከምዘለዎ ዝያዳ ተቐባልነት እናረኸበ ከይዱ” ክብል ጺሒፉ።  

 

 

Add comment

Security code
Refresh

Banner

ናዕታ

ክንድ ሽሕ ክልተ (ካብ ኣባል ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ጨንፈር ጀርመን)

ክንድ ሽሕ ክልተ

ሓደ ሓደ ኣሎዋ ዝዓበዳ
ምስ ቆረባ መሊሰን ዝገዳ፣ ካብ ሳጥናኤል ንሰን ዝገደዳ

 

ንእሱራት ስጉምቲ ዝወስዳ

 

ኣበይ ነርኩም ጳጳስ ክእሰሩ?ብዘይ ስዋ ተስካር ተተግቢሩካልእ ጊዜ ከምኡ ከይትገብሩ?መራሕቲ ሃይማኖት ኢኹም ብሓጺሩ።

 

 

Read more...

ደሮና (ሰሎሞን ብርሃነ ሠንጋል - ሕልና )

ደሮና

ተስፋ አሎ ግን ዝወሃብ
ብመራሒ ደሮና ዝጋልብ
ህዝቢ ሬሳ ዓዱ ክስሕብ
ሰዓብቲ ደሮና ክኣኻኽብ
ብሽም ውጹዓት ክንግድ
ብልሙሳት ምዉታት ክዛረብ
ደሮና ተበቲኑ ኣብ ዓለም።

 

 

Read more...
More:

ምልክታ ንተሳተፍቲ

ብተክኒካዊ ምኽንያታት ተቋሪጹ ዝጸንሐ ናይ ትግርኛ ገጽ፡ ደጊም ጀሚሩ ከምዘሎ ብሓጎስ ነበስር። ኣብ’ዚ ገጽ እዚ ክወጻልኩም እትደልይዎ ጽሑፋት ብኢመይል tigarticles@delina.org ልኣኹልና። ቅድሚ ሕጂ በቲ ናይ ቀደም ኣድራሻ ዝሰደድኩሞ እሞ ዘይወጸ ጽሑፋት እንተልዩ እውን፡ በዚ ዝተጠቕሰ ሓድሽ ኣድራሻ-ኢመይል ደጊምኩም ክትሰድዎ ከምእትኸሉ ነዘኻኽር።

መርሓ ሕንጻጽ (Submission Guidelines)
የቐንየልና... ኣዝማሪኖ

The Graffiti Wars