You are here: Home እዋናዊ ዜና 30 ቆልዑ ዝርብዎም 207 ስደተኛታት ኣብ ዓዲ ጥልያን ሎሚ ጥቅምቲ 27 ኣትዮም

30 ቆልዑ ዝርብዎም 207 ስደተኛታት ኣብ ዓዲ ጥልያን ሎሚ ጥቅምቲ 27 ኣትዮም

E-mail Print Print
30 ቆልዑ ዝርከብዎም 207 ስደተኛታት ኣብ ዓዲ ጥልያን ኣትዮም።

ታይምስ ናይ ማልታ ኣብ መርበብ ኢንተንረንት ብዝወጽኦ ናይ ዜና ሓበሬታ መሰረት፣ ነዚኣቶም ስደተኛታት ኣብ ምጉዕዓዝ ዝተጠርጠሩ ክልተ ሰባት ኣብ ሊብያ ተኣሲሮም ክብል ሓቢሩ። እቶም ስደተኛታት ናብ ዓዲ ጥልያን ተወሲዶም። ካብ ናይ ጥልያን ዜና ማዕከናት ዝተረኸበ ሓበሬታ እቶም ክልተ ዝተኣሰሩ ሓደ ናይ ሱዳን ፓስፖርት ኣብ ኢዱ ዝሓዘ ወዲ 26 ዓመት ኤርትራዊ ክኸውን እንከሎ ካልኣዩ ድማ ሊብያዊ ዜጋ ኾይኑ ዋና ናይታ ስደተኛታት ዝተጓዓዙላ ዓሳ ትገፍፍ ጀልባ እዩ ይብል።

መርበብ ሓበሬታ ኣድሮኖኮስ ብተወሳኺ ነዚ ናይ ስደተኛታት ምድሓን ኣብ መንጎ እታ ኣንቲኛኖ ዝተባህለት መርከብን ብትእዛዝ ናይ ውሽጢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ሮበርቶ ማሮኒ ዝተኻየደ ሓባራዊ ስራሕ እዩ ተኻይዱ ክብል ሓቢሩ። እታ ነዞም 207 ስደተኛታት ዝሓዘት ጃልባ ኣብ ባሕሪ ንኣስታት 3 - 5 መዓልቲ ኣብ መንጎ ጥልያንን ማልታን ክትንሳፈፍ ድሕሪ ምቕናያ እዩ እቲ ጉዳይ ክፍታሕ ዝተኻእለ። ናይ ንፋስን ማዕበልን ኩነታት ነቲ ጉዳይ ኣናዊሕዎ እዩ።

እቶም ስደተኛታት ካብ በንጋዚ ከተማ ገለ 70 ማይል ዝኸውን ቦታ ክንሳፈፉ ከለዉ እዮም ተረኺቦም። ብድሕርዚ ብናይ ጥልያን መርከብ ፖዞሎ ዝበሃል ኣብ ሲቺልያ ተወሲዶም። ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰደተኛታት ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣብታ ጃልባ ሓገዝ ዘድልዮም ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ኣለዉ ኢሉ።

እታ ብሰንበት ምሽት ነዚኣቶም ስደተኛታት ክትወስድ እያ ዝተባህለት ናይ ሊብያ ናይ ውግእ መርከብ ከተራእየት ተሪፋ።

እዚ ጉዳይ ኣውራ ክፍለጥ ዝተኻእለሉ ምኽንያት ሓደ ካብቶም ስደተኛታት ኣብ ዓዲ ጥልያን ዝርከብ ዘመዱ ብምድዋሉ ንሰበ ስልጣን ናይ መንግስቲ ጥልያንን ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰደተኛታት ናይ ሕቡራት መንግስታትን ኸፍልጦም ስለዝኸኣለ እዩ። ብድሕርዚ ናይዞም ስደተኛታት ኣብ ድሓን ቦታ ናይ ምውሳድን ምእላይን ስራሕ ናይ ሮማ ኤስ. ኣር. ኣር. ማእከል ተረኪቡን ነታ ናይ ጥልያን ምዝግብቲ ዝኾነት መርከብ ድማ ነታ ጃልባ ክትኮልፋ (intercept) ኣዚዙ። እታ ጃልባ ጌና ገለ 250 ባሕሪ ማይልስ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይ ማልታ እያ ኔራ እቲ ኣፍልጦ ክቃላዕ እንከሎ። እዘን ክልተ ኣካላት ናብ ማልታ ምስቀረባ፣ ናይ ማልታ ወተሃደራዊ ሓይሊ (AFM) ክዕዘብ ምስተላእከ እቶም ስደተኛታት ናብ ማልታ ክኸዱ ከምዘይደልዩን ሓገዝ ከምዝኣበዩን ናብ ዓዲ ጥልያን ጥራሕ ክበጽሑ ከምዝደልዩን ተጋሂዱ። ስደተኛታት ዓዲ ጥልያን ጥራሕ ክበጽሑ ከምዝደለዩ ኣብ ኣንቲኛኖ ዝርከብ ካፕተን ማርያኖ ኣድራኛ ንመርበብ ዜና እንደገና ኣረጋጊጹ። ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ተመልከቱ

መንግስቲ ጥልያን ምስ መንግስቲ ሊብያ ብዝገበሮ ውዕል መሰረት ካብ ቫቲካን፣ ሕቡራት መንግስታትን ሰብኣዊ መሰል ተጣበቕቲ ውድባትን ተግሳጽ ወሪድዎ እዩ። በዚ ውዕል መሰረት ናይ ሊብያን ጥልያንን መራኽብ ስደተኛታት ዝጸዓና ጀላቡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብምክትታል ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ናብ ሊብያ ክምለሱ ከምዝተገብረ ዝዝከር እዩ። ሊብያ ናይ ሕ.መ. 1951 ስደተኛታት ስምምዕ ስለዘይፈረመት ናይ ዑቕባ ምሕታት ኣገባብ የብላን። ብተወሳኺ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ጸብጻብ እውን ድኹም እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋናት እቶም ብሊብያ ናብ ኤርትራ ዝተመለሱ ስደተኛታት ኤርትራውያን ተኣሲሮም ብፍላይ ገልዓሎ ዝተባህለ ሆተል ክሰርሑ ከምዝተግደዱ ካብ ዓዲ ጥልያን ዝወጸ ዜና ሓቢሩ ኔሩ። ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ጥልያንን ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዘሎ ዝምድና ብሓደ ፋብሪዝዮ ጋቲ ዝተባህለ ጋዜጠኛ ኣብ ቪድዮ ተጋሂዱ።

 

Add comment

Security code
Refresh

ናዕታ

ካብ 24/1991 ጉምበት ክሳብ ሕጂ ጥሜት (ተሰፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ)

ሓቂ መሲሉና ብዕልልታ ተቐቢልና
ከም ጀጋኑ ሰቒልናዮም ኣብ ርእስና
ብሳላኹም ወጊሓ መሬት እናበልና
ሳዕሲዕና ጨፊርና ሓጎስና ገሊጽና
መላእ ኤርትራ ብሓጎስ ኣጥለቕሊቓ
ካብ ጫፍ ክሳብ ስግር ባሕሪ ኣፍሪቃ
ብዓለማ ተበሲራ ብተለፎን ጠዋዊቓ
ሰላም ኮይኑ ንግዜኡ ጸሓይና በሪቓ

Read more...

መንእሰይ! ተበገስ ( ረድኢ ክፍለ (ባሻይ))

ጅግንነትካ ዓለም ዘንፈጥፈጠ
ኣጻብዕካ ጥይት ዝሸምጠጠ
ፈሪሁዶ ‘ብለካ ዘይፈለጠ
ዘንጊዕካ’ምበር ብተመን ውሻጠ
ጎበዝ ንቐል ናባኻ’ዩ ውራይ
ኣብ ገዛእ ገዛኻስ ዳርጋ ክራይ
ህግደፍ ክኣስረካስ ትብል ሕራይ
ወድ መንከ ክትብሃል ዳሕራይ?

Read more...
More: