Banner
You are here: Home እዋናዊ ዜና ሰላምዊ ሰልፊ 17 መስከረም 2010 ኣብ ከተማ ስቶክሆልም።

ሰላምዊ ሰልፊ 17 መስከረም 2010 ኣብ ከተማ ስቶክሆልም።

E-mail Print Print
 
 
 መደብ ህዝባዊ ሰላምዊ ሰልፊ 17 መስከረም 2010 ኣብ ከተማ ስቶክሆልም።

ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ መወዳእታ ናይ እኩብ ድምር እከይ ተግባራቱ፡ ንመጀመሪያ ግዜ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራን፡ ሕብረተ ሰብ ዓለምን ዝተቓላዕሉ፡ እቲ ኣብ 18 መስከረም 2001 ዝወሰዶ ጅምላዊ ጭውያን ማእሰርትን ቕትለትን'ዩ። ብመላኺ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ልዕሊ ነባራት ተጋደልቲ፡ ኣባልት ባይቶን፡ ማእከላይ መሪሕነት፡ ጋዜጠኛታት፡ ሽማግለታት ዝወሰዶ ስጉምቲ ሎሚ እንሆ 9 ዓመታት ሓሊፉ። ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ንዜጋታት ኤርትራ ኣብ ዘይትፍለጡ ጎዳጉዲ በረኻታት ኤርትራ ሓቢኡ ብዘሰቕቕ ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ክሳቕዮም ይርከብ ኣሎ።

ምእንቲ'ዚ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰል፡ ግዱስ ሃገራዊ ኣብ'ዚ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ንኽካየድ ተመዲቡ ዘሎ መበል 9 ዓመት ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፊ ንኽሳተፍ ይጽዋዕ።

ዝግበረሉ  ዕለትን ቦታን
ዕለት…… 17 መስከረም 2010
ሰዓት….... ካብ 1030 ክሳብ 1300

ቦታ……. ቆንስል ኤርትራ ሊዲንጎ ዝርከብ እዩ።
ኣድራሻ  Herserudsvägen  och Stjärnväg  ዝራኸባሉ መስቀላዊ መንገዲ'ዩ።

መጓዓዓዚ፡ ካብ ሰንትራለን ቀይሕ መስመር ባቡር ቁ.13 ንሩፕ ስቴን ትወስዱ፡ ኣብ ሩፕ ስቴን ምስ በጻሕኩም፡ ኣውቶቡስ ቁ 206 ትወስዱ። ኣብ ሊዲንግ ኦ ሰንትሩም ትወርዱ።

Tunnelbanas röda linje 13 från T-centralen mot Ropsten. Kliv av Ropsten och Ta buss 206 mot Lidingö Centrum: Kliv av I lidingö Centrum


ብደሓን ምጹ
ሽማግለ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ (E.M.D.H.R)
Contact tel 073-7444385
 

Add comment

Security code
Refresh

ናዕታ

ካብ 24/1991 ጉምበት ክሳብ ሕጂ ጥሜት (ተሰፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ)

ሓቂ መሲሉና ብዕልልታ ተቐቢልና
ከም ጀጋኑ ሰቒልናዮም ኣብ ርእስና
ብሳላኹም ወጊሓ መሬት እናበልና
ሳዕሲዕና ጨፊርና ሓጎስና ገሊጽና
መላእ ኤርትራ ብሓጎስ ኣጥለቕሊቓ
ካብ ጫፍ ክሳብ ስግር ባሕሪ ኣፍሪቃ
ብዓለማ ተበሲራ ብተለፎን ጠዋዊቓ
ሰላም ኮይኑ ንግዜኡ ጸሓይና በሪቓ

Read more...

መንእሰይ! ተበገስ ( ረድኢ ክፍለ (ባሻይ))

ጅግንነትካ ዓለም ዘንፈጥፈጠ
ኣጻብዕካ ጥይት ዝሸምጠጠ
ፈሪሁዶ ‘ብለካ ዘይፈለጠ
ዘንጊዕካ’ምበር ብተመን ውሻጠ
ጎበዝ ንቐል ናባኻ’ዩ ውራይ
ኣብ ገዛእ ገዛኻስ ዳርጋ ክራይ
ህግደፍ ክኣስረካስ ትብል ሕራይ
ወድ መንከ ክትብሃል ዳሕራይ?

Read more...
More: