ምስግጋር ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሽመልባ ናብ ሳልሳይ ሃገር ኣብ ምስልሳል ይርከብ፡፡ ከም መርኣያናቱ ድማ ካብ 2006 ክሳብ መወዳእታ ወርሒ 2009 ዘሎ ግዜ፡ 5,822 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሳልሳይ ሃገር ከምዝተሰጋገሩ፡ ጸብጻብ ቤ/ጽሕፈት ምምሕዳር ጉዳይ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኢትዮጵያ ይገልጽ፡፡

ብዘይካ’ዚ ስደተኛታት ናብ ዝሓሸ ሃገር ተሰጋጊሮም፡ ናብርኦም ብዝሓሸ መንገዲ ክመርሕሉ ዝኽእልሉ ባይታ ኣብ ምጥጣሕ ግደ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኽ ስደተኛታት ድማ ዘይርሳዕ ረዚን ታሪኽ’ዩ፡፡ ብጻዕሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ን6,800 ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሽመልባ ዕድል ከምዝተዋህበ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ሒዝናዮ ዘለና ዓመተ 2010፣ 3,100 ኤርትራውያን ስደተኛታት ክሰጋገሩ ኣብ መስርሕ ይርከብ፡፡ ክሳብ ሕጂ ድማ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመተ 2010፣ ምስዞም ናይ ሰኑይ 6 መስከረም ንምስግጋር ዝተዳለዉ 130 ኤርትራውያን ስደተኛታት ደሚርካ፤ 1,458 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሳልሳይ ሃገር ከም ዝተሰጋገሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ፡፡
ነዘም ሰኑም 6 መስከረም ናብ ሳልሳይ ሃገር ዝሰጋገሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ምምሕዳር ቤ/ጽሕፈት ጉዳይ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኢትዮጵያ ብክብ ዝበለ ናይ መፋነዊ ግብዣ ሎሚ ድ/ቀትሪ ጌርሎም፡፡



Comments
Nay bihaki azi`u zidinek ri`eyito ika hibika des zebil eyu Serawit Eritrea eye eti jigina ayewe ayer`ika hiji gize hasimiwo ember kemey diyu.
For your information, we are still in the camp and are not allowed to leave the camp. What we need from you guys is to inform our people and others that our situation has not changed. It is getting warst, due to the screening methods. I am not sure why some of the people left the camp and others are still in the camp.
Your friend Shimalba
RSS feed for comments to this post.