አብ የቶቦሪ ዝተጸውዔ ህዝባዊ አኼባ ብዓወት ተዛዚሙ::
ብሓልዮት ኤርትራዊ ጥርናፈ ንዲሞክራስን ንፍትሕን አብ የቶቦሪ ዝተጸውዔ ህዝባዊ አኼባ ብዓወት ተዛዚሙ::
አብቲ ዝተጽውዔ አኼባ አቶ አማኒኤል ሳህለን አቶ ኻልድ ዓብዱ ብዛዕባ ኩነታት ስደተኛታት አብ ኢትዮጵያን ብዛዕባ ዝተኻየደ ዋዕላ ሰፊሕ ሓበሬታ ንዕዱማት ሂቦም::
አብቲ ቀዳማይ መደብ ብዛዕባ ጉዳይ ስደተኛታት ኮይኑ ምኽንያት መኸዲኦም ድሕሪ ምሕባር ኩሉ አብተን መዓስክራት ዝተዓዘብዎን ካብቶም ስደተኛታት ዝተቀበልዎ ለበዋታት ንህዝቢ ድሕሪ ምሕባር ናብ ሽወደን ምስተመለሱ ስጋዕ ሕጂ ነቶም ስደተኛታት ንምሕጋዝ ዘካየድዎን የካይድዎ ዘለዉ ንጥፈታት ብዝርዝር ሓቢሮም::
አብቲ ካልኣይ መደብ አኼባ ብዛዕባ ዋዕላ ኾይኑ ንዋዕላ ንምክፋል ዓሰርተ መዓልቲ ኣቀዲሞም ናብቲ ቦታ ከምዝከዱ ድሕሪ ምግላጽ ካብ እታ ዝአተዉላ መዓልቲ ስጋዕ እታ መጨረሽታ መዓልቲ ኩሉ ከመይ ከምዝነበረ ብዝርዝር ንኣኼበኛታት ድሕሪ ምሕባር ናብቲ ሳልሳይን ዝዓበየን መደብ ብምሕላፍ ካብ ዑዱማት ዘቀረበሎም ሕቶታት ብዘዕግብ ድሕሪ ምምላስ ካብ ዕዱማትን ካብ አቶ አማኒኤል ሳህለን አቶ ኻልድ ዓብዱ ዝተዋህቡ ለበዋታት ብምስማዕ እቲ ኣኼባ ተዛዚሙ::

በዚ ኣጋጣሚ ኤርትራዊ ጥርናፈ ንዲሞክራስን ንፍትሕን አብ የቶቦሪ ንአቶ አማኒኤል ሳህለን ንአቶ ኻልድ ዓብዱ አብ ከተማና ብምምጻእ ንህዝቢ ሓበሬታ ብምሃቦም እንዳሞጎሰ ንመጻኢ እውን ኤሪትራዊ ጥርናፈ ንዲሞክራስን ንፍትሕን አብ የቶቦሪ ኣገደስቲ ሰባት እንዳዓደም ምስ ህዝቢ ከራኽብ ሙኻኑ ደጊምና ንኹሉ ኤሪትራዊ ተቀማጢ ጎተንበርግ ኽንሕብር ንፈቱ::
ምስ ብዙሕ ሰላምታ
መስከረም 5 2010




Comments
ኣነ ኣብ ክንዲ እቲ ብመንነቱ ዘይኮርዕ "ዓረብ ኢና " ዝብል ኤርትራዊ ብጣዕሚ ሓፊረን ጉህየን ::
እዚ ኹሉ መስዋእቲ ከፊልካስ ብቛንቋታትካ መንንነትካ ውርሻ ኣቦታትካን ኣዴታትካን ዘይምሕባንሲ ምስጢሩ እንታይ ይኸውን ? ርእሰ ተኣማንነት ዘይምህላው እንታይ ዓይነት ስነ ልቦናዊ ሕማም ይኸውን ?
ሶማል ዓፋር ሳሆ ኢራን ቱርኪ ኣፍጋኒስታን ኢንዶነዥያ ኩርዲሽ ኦጋዴን ገለ ኦሮሞ ... ገለ ኬንያ ገለ ታንዛንያ ኩሎም ኣስላም እዮም : እንተኾነ ግና ብባህሎም ታሪኾም መንነቶምን ቋንቋኦምን ኩሩዓትን ሕቡናትን ህዝቢ እዮም ::
እንተዞም ኣብ ኤርትራ ትመስል ሃገር ዝመበቆሎም ገለ ሰባት ግና : እዚ ኹሉ መስዋእቲ ተኸፊሉስ : ንነብሶም ሓፊሮም ሰብ ዘሕፍሩ ባሮት ዓረብ ንምኽዋን : እንታይ ኣድለዮም ? ናይ ጓና ወርቂ ተሸሊምካ ዶ : ወደኽድኽ ይብሃለለይ እዩ ? በሉ ምስ ከምዚኦምሲ : እንታይ ሃገር 'ዩ ክምስረት ? ኣንታ ቁሩብ ሕፍር በሉ : መንነትኩም ኣኽብሩ በሉልና ::
Her children for those who are suffering and looking for
acommodation we realy thanks the Gov.of Ethiopia,but
Eritreans we have to do more to helpe our people the
victems of the brutal junta in asmera.
so i would like to thanks Mr.Ammanuel Sahle and
Mr.Khald Abdu,
keep it up
I wish you all the best.
Samrawit
maitemenai
RSS feed for comments to this post.