ብቀዳምነት ልባዊ ሰላምታና ይብጻሕኩም። ብተወሳኺ’ውን፡ ግዜኹምን፣ ዓቅምኹምን፣ ንዋትኩምን፣ ከይበቐቕኩም፣ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ኣብ ትሕቲ፡ ጮቛኒ ስርዓት ውልቀ-መላኺ ሃገርና፡ ዘሕልፎ ዘሎ ሕሱምን መሪሪን ናብራ ንኽጋላገል፡ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ሰሪዕኩም፣ ተባዕን ዘይሕለል ቃልስን፡ ተካይዱ ምህላውኩም፡ ሞጎስን ምስጋናን ይብጻሕኩም። ብምቕጻል ብሓሙስ ዕለት፡ 06. ጥሪ 2011 ዓ.ም.ፈ.፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ፓል-ቶክ (Paltalk)፡ “Eritrean room for Strong and United Oppesition”፡ ተራኺብና ብምዝታይ፡ ትጽቢትናን ትምኒትናን ካብዚ ጉባኤ”ዚ፡ ከመይ ይመስል፡ ድሕሪ ምፍታሽን፡ እነሆ ብለበዋ መልክዕ ነቅርቦ።
ትጽቢትና ትምኒትናን ካብ ጉባኤ ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን 2011 ከመይ ይመስል ...?
ኩላትና፡ ብፍላይ ካኣ እዞም፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ውልቀ-መላኺ ኣሊኻ፡ ብደሞክራሲያዊ ሰርዓት ክትካእ፡ እንቃለስ ዘሎና ደቂ ሃገር ከምእንፈልጦ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ዝለዓለ ጠለብ ናይ ህዝብና ኣብ ሃገርና ኤርትራ፡ ካብዚ ሰብ ምዃን ፈንፊኑ ናብ ኣራዊት ዝተቀየረ፣ ደም ደቂ ሃገር እንዳመጸየ፣ ኣብ ስልጣን ናይ ምንባር መዋእል ከረጋግጽ፣ ዝፍትን ስርዓት ውልቀ-መላኺን ናይ ገበን መሻርክቱ ህግደፋዉያንን ተገላጊሉ፡ እቲ ተነፊግዎ ዝነበረን ዘሎን ክብሩን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላቱ፣ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሕጊ ክረጋገጸሉ፤ ሰላምን ቅሳነትን ረኺቡ፡ ንዕብየትን ምዕባሌን ብልጽግናን ሃገሩ ክሰርሕ፣ እዩ። እዚ ክኸውን ዝኽእል ግን፡ እዚ ኣብ ወርሒ 02. 2011 ዓ.ም.ፈ. ክግበር ታሓሲቡ ዘሎ ጉባኤ፡ ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን፡ ነዞም ኣብ ታሕቲ፡ ከም ለበዋ ኣቐሚጥናዮም ዘሎና፡ ከም ምዕባሌታት ውጽኢ ናይ ጉባኤ ኮይኖም ምስዝመጽኡ እዩ፡ ዝብል ዕግበታት ኣሎና።
ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን፡ ክሰርሓሉን ከተግብሮን ዘለዎ ነገራት ብዙሕ እኳ እንተኾነ፡ ካብ ኲሉ ደቂ ኣንስትዮ ይኹን መንሰያት፡ ንዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ክዕጠቅሉ ዘኽእሎም ምቹእ ባይታ ምፍጣር። ብተወሳኺ’ውን፡ ፍናን ህዝብና ሓፍ ክብል፡ እተን ወታሃደራዊ ክንፊ ዘለወን 8 (ሾሞንተ) ውድባት፡ ኣብ ክንዲ በበይነን፡ ብሓደ መሪሕነትን ኮማንዶን ክዋሳኣ፡ ኪዳን ሓደ ውሳኔ ከገብርን ክእውጅን ኣለዎ።
ብመሰረት ዉጺኢት እቲ ዕዉት ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሳዊ ለዉጢ፡ ኣብዚ እዋናት’ዚ ህዝብና ይላዓዓል ስለዘሎ፡ ነዚ ሓቅታት”ዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዕድመ ስርዓት ውልቀ-መላኺ ክሓጽር፡ ንዝፈላልዩኹም ናእሽቱ ነጥብታት ኣብ ጎድኒ ገዲፍኩም፡ ነቶም ዝዓበዩን ዝበዝሑን ዘራኽብኩም ነጥብታት፡ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ብምስራዕ፡ ነዚ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቅታት ከምዝመዝ ምእንቲ፡ ብሓደ እውነታዊ ውሳኒ ክትወጽኡ፡ ትጽቢት ናይ ኩሉ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝቃለስ ዘሎ ወዲ ሃገር እዩ።
ኣብ ግዜ ምሕዝነት ይኹን ኣብ ግዜ ኪዳን፡ ብሰንኪ፡ ”መን ክመርሕ ኣለዎ”፡ ዘብል ሕቶ ዘይምስምማዕ፡ ሞራልን ሕልናን፣ ናይ ምቅላስ ሽውሃት፣ ደቂ ሃገር ዝሰብር፡ ውሳኔታት፣ ምግምማዕ፣ ምብትታን፣ ከም እተራኣየ፡ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ሕጂ ግን፡ ስርዓት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ህዝብና ኣብ ምጽናት ዘቃላጥፈሉ ዘሎ እዋናት፡ መን ይመርሕ፡ ዝብል ሕቶ ይኹን፡ ፖለቲካዊ ረብሓ ውልቀ ውድብ ኣብ ጎድኒ ገዲፍኩም፣ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ከም ወሳኒ ኣጀንዳ፡ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ብምስራዕ፡ ብናይ ሓባር ውሳነ ክትወጽኡ ዘሎና ትጽቢት መዳርግቲ የብሉን። ብተወሳኺ’ውን፡ ንሕጊ ኪዳን ዝጠሓሰት ዉድብ/ ሰልፊ ብዘይነሓፍነት ክትቕጻዕ ከምዘለዋ ብንጹርን ብዘይየሻሙን መንገዲ መምሪሒታት ከተውጽኡ ንላቦ።
ኣውያት መንእሰይ ኤርትራ ንሰምዖ ኣሎና። ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ሳህራ፣ ኣብ ምስጋር ባሕርን፣ ዝኸፍሎ ዘሎ ዋጋ፡ ንጸላኢኻ’ውን ኣይትምነየሉን። መስሓቅ እቶም ነዚ ኪዳን ንኸይዕወትን ከይሳማምዕን፡ ከይደቀሱ ዝሓድሩ ከይንኸውን፡ ኪዳን እቲ ናይ ደገ ዘለዎ ዲፕሎማሲያዊ ብልጫታት ተጠቂሙ፡ ሽግር መንእሰይ ኤርትራ፡ ኣብ ሱዳን፣ ኣብ ግብጺ ይኹን፣ ኣብ ልብያ፣ ዝቃለለሉ መገዲ ክርከብ፡ ኣብ ጉባኤኡ ብዕቱብ ክመያየጥሉን፡ ብናይ ሓባር ውሳኔ ክወጽእን ንላቦ።
ዝሰርሕ ኣብ ገለ እዋናት ክጋገ ባህርያዊ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኪዳን ብምኽንያት ናእሽቱ ነገራት ኣብ ዘየድሊ ምስሕሓብ ኣብ ክንዲ ዝኣቱ፣ ፖለቲካዊ ረብሓ ወልቀ-ውድብ ብምቅዳም፡ ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ዘታባብዕ፡ ዘየድሊ ወጥርታት ካብ ምእታው፣ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ፡ ዝብል ኣምር ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ብምስራዕ፡ ህዝብን ሃገርን ዘርብሕ ውሳኔ ሒዝኩም ክትወጽኡ፡ ትጽቢትና እዩ። ብተወሳኺ’ውን ተራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ተኻፋልነት ጉባኤ ኣዕጋቢ ዝኾነ ባይታ ዝፈጥር ውሳኔታት ሒዝኩም ክትወጽኡ ንላቦ።
ኪዳን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝኣተዎ ቃል ነይሩ፡ ንሱ ካኣ ምትሕንፋጽ ሰራዊት እዩ ነይሩ። ኮይኑ ግን ክሳብ እንታይ ገይሩ፡ ዝፍለጥ ምዕባሌታት የልቦን እሞ፡ ድሕሪ ሕጂ ዝኣተዎ ቃል ከትግብር ንላቦ። ከምኡ’ውን ኣብ ጉባኤ ግሉጽነት ክስራሓሉ ምእንቲ፡ ካብተን ዘለዋ ነጻ ናይ ዜና ማዕከናት፡ ኣብ ጉባኤ ዝካፈለሉ ዕድላት ክህሉ ኣለዎ ንብል። ብተወሳኺ እውን፡ ኪዳን ኣብዚ ዝገብሮ ዘሎ ጉባኤ፡ ካብ ኩሉ ቀጸላታት ህዝቢ ከም ታዓዛቢ ተዓዲሙ ዝካፈለሉ ዕድል ክኽፈት ኣለዎ። እዚ ኻኣ ንረብሓ ኪዳን፣ ንረብሓ ጉባኤ፣ ንረብሓ ህዝቢ እዩ።
ኪዳን ኣብ ደገ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ናይ ዓለም፡ ሽምግለታት መስሪቱ ከብቅዕ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ኣዕጋቢ ስራሕ ክሰርሕ ኣይተራኣየን። ካብ ሕጂ ንንየው ግን፡ ናይ ወጻኢ ዝምድናታቱ ክማሓየ፡ ሽማግለታቱ ክሳርሓሉ ዝኽእላ፡ ኣብ ጉባኤ ውሳኔታት ሒዙ ክወጽእ፡ ኣለዎ። ከምኡ’ውን፡ ኣብ ውሽጣዊ ቅዋም ኪዳን፡ ምምሕያሽት ክገብር ኣለዎ። ኣዚ ማለት ካኣ፡ እቲ ቅዋም ቀያድን ጠርናፍን ኮይኑ፡ ልዕሊ ቅዋም ንዝዋሳእ’ውን፡ ክሳብ ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ደረጃ ዘኽእሎ ክኸውን ኣለዎ ንብል።
ብተወሳኺ’ውን፡ ኣብ’ዚ ጉባኤ፡ እተን ክልተ ቦታታት ኮምሽን ብዋዕላ ንሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተዋሃባ፡ ግን ክሳብ ሕጂ ዘይተታሓዛ ዘለዋ ናይ ኮሚሽን መንበራት፡ ነቲ ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝተወሰነ ውሳኔታት ዋዕላ ይቀየደሉን ይምእዘዞን ፣ ንውሳኔታት ዋዕላ ብዘይ ቅድሚ ኩነት ይቅበሎን ይሰርሓሉን፣ ንምሕያል ኪዳን’ውን ብዘይ ቀላዓለም ክሰርሓሉ እየ፡ ዝብል ኣካል ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክዋሃባ፡ ኣለወን ዝብል ዕግበት እዩ ዘሎና።
ዓወት ጉባኤ ኤርትራዊ ደሞክራኣሲያዊ ኪዳን!
ዓወት ንፍትሓዊን ደሞክራስዊን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!
ዘልአለማዊ ዝኽርን ሞጎስን ንስዉኣትና!
ካብ ኤርትራውያን፡ ኣባላት ናይ ዝተፈላለያ ውድባት/ሰልፍታት፤ በርገሳዊ ማሕበራት፤ ብውልቀ ተቓወምቲ፤ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ፓልቶክ (Paltalk)፡ ብዛዕባ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን፣ ከምኡ እውን፡ ብኣገባብ አቃላልሳናን ኣቐዋውማናን፡ ኣንጻር ውልቀ መላኺ ሃገርና፡ እንመያየጥን እንዛተን ደቂ ሃገር። This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it




Comments
ታሪኽ ኣይንረስዕ፡ ጕዕዞና ክቐንዕ!!! ተኽሎም ንርኣዮ ተጋዳላይ ተ.ሓ.ኤ. ነበር
ኣብ 1983 ዓብደላ ነቶም ኣብ መዓስከሩ ኣሲርዎም ዝነበረ መራሕቲን ካድረታትን ፈቲሕዎም። ኣብቲ እዋን’ቲ ሳግም ምስ ሻዕብያ ርክብ ጀሚሮም ነይሮም። ኣባላት ትያር ድማ ካብ ማእሰርቲ ዓብደላ ምስ ተፈትሑ ብቐጥታ ምስ ሳበ ተጸጊዖም። ቲያር፣ ”ንሕና ገስገስቲ ሓይልታት ስለዝኾንና፣ የማናውያን በዓል ዓብደላ የጥቅዑና ስለዘለዉ፣ ገለ ኣድሓርሓርቲ ሃገራት ዓረብ እውን ኣንጻርና ደው ስለዝበላ፣ ምስ ሳበ ተጸጊዕና ክንጸንሕ መሪጽና” ኢሎም እዮም ኣዊጆም። በዚ ተስፋ ቈሪጾም ድማ፣ ክሳብ ኣብ እግሪ ጸላኢ ምስጋድ በጺሖም። ምስ ደርግ ኣብ ከሰላ ርክባት ጀሚሮም። መንግስቲ ሱዳን ከኣ ምናልባት ነዚ ዝፈለጠ ይመስል፣ ካብ ሳበ ድሕሪ ምፍላዮም ኣሲርዎም ነይሩ እዩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ካብታ ሃገር ጠሪዝዎም።
ኣብዚ ናይ ዕግርግርን ሕንፍሽፍሽን መስመር’ዚ ብዙሓት ሓለፍቲን ካድረታትን ጀብሃ ተቐቲሎም እዮም። መልኣከ፣ ስዒድ ሳልሕ፣ ወልደዳዊት፣ ሓንገላ፣ ዓብደላ ጸጋይ፣ ወዲ ሓሰብን ካልኦትን። ዝበዝሕ ካብዚ ቅትለታት’ዚ ናይ ዓብደላ ስጉምቲ እዩ ነይሩ። ገሊኡ ድማ ብኻልኦት ዝተፈጸመ ክኸውን ይኽእል።
ዓወት ንሓፋሽ!
በረኸትኣብ ዑቝባስላሴ
ካብ ዴንማርክ
ሓላይን ቅኑዕን መሲሉ የደናግር
ንመለኽቲ ጎይቶቱ ይውድስ
ንዝተዋህቦ መሰል ኣብ ክንዲ ብግቡእ ዝጥቀመሉ፡ ይጽይቕ።
ዘቕርቦ ርእይቶ መሰረት የብሉን
እንተ ደኣ ህዝብን ሰራዊትን ሓቢርካ ኣንጻር እዚ ጨካንን ኢሰብኣዊን ዝኾነ መላኺ መንግስቲ ተላዒልካ ዓጋቲ ከምዘይብልካ እዚ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበላት ኣብነት ክኾነካ ይኽእል እዩ።
ስለዚ ግዜ ከይተጸበኻ ተበገስ ተለዓል ነዚ ቦኽባኽ መንግስቲ ካብ ሱሩ ዕለዎ።
ካብ ወዲ 5 ዓመት ከለኹ ኣትሒዘ ብኻልኦት ተኣዚዘ፡ ዝገበርክዎ ነገር ኣይዝከረንን፡ ኩሉ ግዜ ንዓይ ቅኑዕ ኮይኑ ዝተራእየኒ ጥራይ እየ ዝገብር። ኣብዛ ሓሳዊት ዓለም ናይ 41 ዓመት ተሞክሮ ኣለኒ። ቀንዲ ምኽንያት መጽሓፍየይ ሓደ ክልተ መንእሰያት ብከድዓት ከይታለሉ እዩ። ኣነን ዊኪልክስን ዳርጋ ሓደ ኢና፡ ስራሕና ንዓመጽቲ ምቅላዕ እዩ። ሃገርና ኤርትራ ብሳላ ህዝባዊ ግንባር እያ ናጻ ወጺኣ። ናይ ቀደም ህዝባዊ ግንባር፡ ናይ ሎሚ ህ.ግ.ደ.ፍ እዩ። ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ህዝቢ ኤርትራን ኣባላት ህግደፍ እዮም። ኩሉ ኣነ ዝብሎን ዝገብሮን ካብ ንህዝቢ ኤርትራ ዘለኒ ሓልዮት እዩ ዝብገስ።
ብሰራሕተኛታት መንግስቲ ኤርትራ ተበዲለ ዝብል ኤርትራዊ ዜጋ እንድሕር ኣልዩ፡ ጭብጥታት ሒዙ እንተኣቃልዐ ኣነ ይድግፎ እየ። ኣነ ዝጸልእ ከድዓትን ጠላማትን ደድሕሪ ወያነን ማ.ወ.ስን ዞኽዞኽ ዝብሉን ዝመኽሩን እየ።
ዓወት ንሓፋሽ!
በረኸትኣብ ዑቝባስላሴ
ካብ ዴንማርክ
ስዒድ ሳልሕ
ወልደ ዳዊት
ኣደም ዓጂብ
ካብ ከሰላ ዝተጨውዩ ድማ
ወልደማርያም ባህልቢ
ህዝባዊ ግንባር ኣዩ ሓላፍነቱ ዝስከም። ናይ ቀደም ህዝባዊ ግንባር ናይ ሎሚ ህግደፍ (መንግስቲ ኤርትራ) መቐናንቕንቱን ኣብ ፖለቲካዊ ዓውዲ ካብኡ ፍልይ ዝበለ ኣረኣእያ ክጻወር ባህርያቱ ስለ ዘየፍቅደሉ ካብ ምቕንጻል ካልእ መተካእታ የብሉን። እዚ ድማ እንታይነት ናይቲ ውድብ ወይ ስርዓት ማዕረ ክንደይ ጸቢብን መላኽን ምዃኑ ኣጕሊሑ የርእየካ።
4ይ ክፋል
ታሪኽ ኣይንረስዕ፡ ጕዕዞና ክቐንዕ!!! ተኽሎም ንርኣዮ ተጋዳላይ ተ.ሓ.ኤ. ነበር
ጀብሃ ተሳዒራ ካብ ሜዳ ኤርትራ ካብ እትወጽእ ልዕሊ 29 ዓመት ኮይኑ ኣሎ። ዳርጋ ክንድ’ቲ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝወሰዶ ዓመታት ምዃኑ እዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም፣ ካብ ሽዑ ኣትሒዞም ካብ ሃገራዊ ቃልሲ ዝዀብለሉ እዮም። ነቲ ዝተፈጥረ ሓድሽ ክውንነት ተቐቢሎም ኣብ ሃገራዊ መስመር ተጸምቢሮም ግደኦም ከበርክቱ ትብዓት ኣየጥረዩን። ከም ብዙሓት ካልኦት እውን ጸገዖም ኣይሓዙን። ኣብ ክንድኡ፣ ምስ ዝመጸ ንሃገር ዝጻባእ ግዳማዊ ሓይሊ እናተጸግዑን ኣብ እግሩ እናሰገዱን፣ ኣብ ከተማታት ጎረባብቲ ሃገራት ክዛውኑ፣ እናተጸዋውዑ በብዓይነቱ ኪዳናት ክምስርቱን ነዊሕ ከይጸንሑ ክፈናጥሑን ዕድመና ምሉእ ተዓዚብና። ኣብዚ ልዕሊ 29 ዓመታት እንታይ ዘሪእኩም እንታይ ሓፊስኩም ዝብል ለባም ሓታቲ እንተዝረኽቡ፣ እንታይ መልሲ ኮን ምሃቡ? ጽልኢ ዘሪኦም ውርደት ዝሓፍሱ እምበር ካልእ ኣይረኣናን። ኣነ ርግጸኛ እየ ምስ ነብሶምን ሕልናኦምን እውን ሰላም ዘለዎም ሰባት ኣይኮኑን። ምህርቶም፣ ውርደት ጥራይ እናኾነ ግን፣ ነውራም ተግባሮም ይቕጽልዎ ኣለዉ። ሕጂ’ውን ፖለቲካዊ ሩኳን ምግምዳሕ ኣይገደፉን። እቲ ዝኸፍአ ከኣ፣ ኣብ እግሪ ጸላእቲ እናሰገዱ መሳርሒ ግዳማዊ ተጻብኦ ብምዃን ክብረት ህዝቢን ሃገርን የዋርዱ ምህላዎም እዩ።
ይቕጽል
ዓወት ንሓፋሽ!
በረኸትኣብ ዑቝባስላሴ
ካብ ዴንማርክ
i think that you seem to be working inside asmarino websites, otherwise they wouldn't allow such a repeated propaganda.
i think you, need to think yourself, the people of Eritrea doesn't really like to answer with you. Because the people are fed up the current ruler and hence our people are suffering with all means. I think Eritrea people is the only people who are much oppressed in the world. There is no such rules and lies in this world more than in Eritrea. please make conscience! you seem to be close with the relatives of the current president but that is not gonna help to all of us. i suggest you to grew up and leave this rubbish propagand.
3ይ ክፋል
ታሪኽ ኣይንረስዕ፡ ጕዕዞና ክቐንዕ!!! ተኽሎም ንርኣዮ ተጋዳላይ ተ.ሓ.ኤ. ነበር
ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፣ ዝነበርና ኩልና ተጋደልቲ ከምእንዝክሮ፣ ገለ ካብዚኣቶም፣ ”ብሻዕብያ ካብ ዝመጽእ ናጽነት መግዛእቲ ይሓይሽ” ኢሎም ዝባኖም ቀሊዖም ተምበርካኺ መንፈስ ዝነዝሑ ዝነበሩ እዮም። ኣብ ፖለቲካ ከምዚ ዝኣመሰለ ጥሩፍ ስምዒታት ሓድሽ ኣይኮነን። ፖለቲካዊ ፍሽለት ናብ ዕብዳን ስለዘምርሕ፣ ዝኸሰረን ዝተሳዕረን ኣእምሮኡ ስሒቱ ከዕበድብድ ምርኣይ ዘገርም ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነት ዝወደቐ ፖለቲከኛ’የ በሃሊ፣ ክውንነት ክቕበል የጸግሞ እዩ። ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውን ሓቂ ተረዲኡ፣ ኣካይዳኡ ኣሪሙ ኣብ ቅኑዕ መስመር ዝምለስ ዝወሓደ እዩ። ብዙሓት፣ ተስፋ ቈሪጾም ካብቲ ቃልሲ ብምግላል፣ ጸግዖም ሒዞም፣ ግዜኦምን ጉልበቶምን ናብ ካልእ ውልቃዊ ዋኒኖም ዘውዕልዎ ኣለዉ። እዚ፣ ብኻልእ መዳይ ክውንነት ምቕባል እዩ። ክንደይ ዓሻ ድማ ኣሎ፣ ኣብ ክንዲ ጸግዑ ዝሕዝ፣ ኣንጻር ክውንነት ደው ብምባል፣ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ሕስረትን ዕሱብነትን ወሪዱ ክቡር ግዜኡን ኣእምሮኡን ጉልበቱን ዘባኽን።
ይቕጽል
ዓወት ንሓፋሽ!
በረኸትኣብ ዑቝባስላሴ
ካብ ዴንማርክ
2ይ ክፋል
ታሪኽ ኣይንረስዕ፡ ጕዕዞና ክቐንዕ!!! ተኽሎም ንርኣዮ ተጋዳላይ ተ.ሓ.ኤ. ነበር
ፖለቲካዊ ተቓውሞ ካብ ዕላማን ራእይን ስለዝብገስ፣ ምድንጋር ከይፈጥር፣ ቅድም ቀዳድም፣ ተቓውሞ ናይዞም ሰባት’ዚኣቶም ፖለቲካዊ ተቓውሞ ከምዘይኮነ ምብራህ ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ፣ እዞም ሰባት’ዚኣቶም ሓደ ብሓደ በዓል መን እዮም? ኢልካ እንተፈቲሽካ፣ ብምሉኦም ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ብዝተፈላለየ መልክዕ ተቐልቂሎም ዝኸሰሩ፣ ዝተሳዕሩ፣ ኣብ ትሕቲ ጸላኢ ዝተምበርከኹ፣ መጋበርያ ዝኾኑ፣ ብሉል ታሪኽ ዘለዎም ሰባት እዮም። ብሓጺሩ፣ ዛጊት ንነብሶም ተቓወምቲ ኣጠሚቖም ክተኣኻኸቡ ዝረኣዮም፣ ኩሎም እቶም ዝጠፈሹን ዝነደዩን ባእታታት ጥራይ እዮም። ካልኦት ሓደስቲ ኣይረኣናን። ናይዞም ሰባት እዚኣቶም ተቓውሞ ከኣ፣ ካብ ዝኸሓነ ቂምታ፣ ቅርሕንትን ቅብጸትን ዝብገስ ብምዃኑ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ክበሃል ኣይከኣልን። ምኽንያቱ ብኸምዚ ዓይነት ስምዒት’ዚ ተደሪኽካ፣ ጥዑይ ፖለቲካዊ ስራሕ ክስራሕ ከምዘይክኣል ፍሉጥ እዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም፣ ብምኽንያት ተደጋጋሚ ፍሽለቶምን ንድየቶምን ብምረትን ነብሰ-ምትሓትን ምሒር ዝቐርዓኑ እዮም። ኣዒንቶም ሓቂ ከይርኢ ብመጋረጃ ጽልኢ ዝተጎልበበ እዩ።
ይቕጽል
ዓወት ንሓፋሽ!
በረኸትኣብ ዑቝባስላሴ
ካብ ዴንማርክ
1ይ ክፋል
ታሪኽ ኣይንረስዕ፡ ጕዕዞና ክቐንዕ!!! ተኽሎም ንርኣዮ ተጋዳላይ ተ.ሓ.ኤ. ነበር
ጽሑፈይ ነቶም ምሉእ ዕምሮም ኣብ ደምበ ክድዓትን ዕስቡነትን ዘብለዩ የግዳስ ገና ዘይበለየሎም ገለ ወገናትና ዝምልከት ምዃኑ ኣይሰሓትኩሞን። ካብቲ ዕድመ ዝሃቦ ገዲም ተጋዳላይን ካልእ ዜጋን፣ በዞም ሰባት እዚኣቶም ዳግም ክደናገር ዝኽእል ዘሎ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ልቦና ዘለዎ ሓንሳብ እዩ ዝዕሾ። እንተኾነ ግዳ፣ ኣብ ቃልሲ ንሓርነት ብዛዕባ ዝተሰግረ ፖለቲካዊ ሕልኽላኻት ዘይፈልጡ ንኣሽቱን ንጹሃትን ኣሕዋት ኣለዉና። እዞም ምሉእ ዕምሮም ኣብ ደምበ ክድዓት ዝተመራስሑ ሰባት፣ ኣብ ቅድሚ’ዚ መንእሰይ ወለዶ ጨለ መደረ ከይለምዱ እምበኣር፣ ነቲ ክትዛረበሉ ዘሕፍር ውልቃዊ ታሪኾምን ፖለቲካዊ ግደኦምን ምግላጽ ግድን ኣድላዪ ይገብሮ። እዞም ሕጂ ”ተቓወምቲ ኢና” ኢሎም ኣብ ትሕቲ ጽላል ወያነ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ከምኡ’ውን ኣብ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ከውደኽድኹ እንዕዘቦም ዘሎና፣ ብልክዕ እንታዎት እዮም? ሓደ ብሓደ ባይታኦም እንታይ ይመስል? ኣብ እዋን ቃልሲ’ኸ እንታይ ግደ ነይርዎም? መንእሰይ ወለዶ ኣዳቒቑ ክፈልጦ ዝግባእ እዩ።
ይቕጽል
ዓወት ንሓፋሽ!
በረኸትኣብ ዑቝባስላሴ
ካብ ዴንማርክ
ናጻ ማዕከን
ድኻ ኣተሓሳስባ፡ መሰረት ባርነትን ድንቁርናን!
ድኻ ኣተሓሳስባ፡ መሰረት ባርነትን ድንቁርናን!
ድኻ ኣተሓሳስባ፡ መሰረት ባርነትን ድንቁርናን!
ድኻ ኣተሓሳስባ፡ መሰረት ባርነትን ድንቁርናን!
ዓወት ንሓፋሽ!
በረኸትኣብ ዑቝባስላሴ
ካብ ዴንማርክ
ኣብ መርበብ ሓበሬታኹም፡ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ክልተ ቃላት ብጌጋ ተጻሒፈን ኣለዋ።
ኣዝማሪኖ
ናጻ ማዕከን
ሃብታም ኣተሓስስባ፡ መሰርት ሓርነት!
ኣተሓስስባ ተባሂላ ተጻሒፋ ዘላ ቃል፡ ብ`ኣተሓሳስባ፡ መሰርት ተባሂላ ተጻሒፋ ዘላ ቃል፡ ከኣ ብ`መሰረት ተኣሪመን ንኽጸሓፋ ይሕብር።
ዓወት ንሓፋሽ!
በረኸትኣብ ዑቝባስላሴ
ካብ ዴንማርክ
ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ
ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ
መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት
መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት
መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት
መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት
ዓወት ንሓፋሽ!
በረኸትኣብ ዑቝባስላሴ
ካብ ዴንማርክ
መበል 16 ክፋል ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ ካብ መርበብ ሓበሬታ “ኣሰና” ተሳሒባ ኣላ፡ ምኽንያቱ እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ጠቐነ ስለ ዝተረኽባ።
ሓበሬታ - ካብ ከዳዕ “ኣለና”
“ኣብ መበል 16 ክፋል ጽሑፍ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ ንኣቶ ዓብደላ ኣደም ኣብ ጉዳይ ቅትለት ስዒድ ሳልሕ ብዝምልከት ግን፣ ካብ ግዱሳት ዜጋታት ኤርትራ ኣገዳሲ ሓበሬታን መአረምታን ረኺበ። ስለዚ እቲ ክዉንነትን ዝጸንሓና መረዳእታን ነንበይኑ ስለዝኾነ፣ ኣቶ ዓብደላ ኣደም ኣብ ቅትለት ናይዚ ተጠቒሱ ዘሎ ዜጋና ከምዘይወዓሎ ንክቡራት ተኸታተልቲ እሕብር።”
ዓወት ንሓፋሽ!
በረኸትኣብ ዑቝባስላሴ
ካብ ዴንማርክ
ናጽነት ኤርትራ ዝሓለፈ ታሪኽ ንምዝካር ጥራይ ዘይኰነስ እቲ ታሪኽ ዓወት ንኹሉ ሳዕ ነባሪ ክኸውንን ተረከብቲ ሕድሪ መጻኢ ወለዶታት ንኽዕቅብዎ ኣስተምህሮ ንምሃብ ዝግበር እዩ።
ዓወት ከ ብኸመይ ይዕቀብ? ዓወት ካብ ዝዕቀበሉ ሓደ መገድታት ጸላኢኻ ነጺርካ ብምልላይ ከም ዝዀነ ይፍለጥ። ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ኸ መን እዩ? ህዝቢ ኢትዮጵያ ከም ዘይኰነ ደጋጊምና ኩሉ ሳዕ እንብሎ ስለ ዝዀነ ኣብዚ ምዝካሩ እውን ኣይመድለየን። ንህዝብታት ብሓሶትን ብደዐን እናደረኸ ንውግእ ዘለዓዕል ጸላኢ ሰላም ዝኰነ፡ ናይ ጃህራ መንፈስ ከም ዘሎ ንተረካቢ ታሪኽ ክንገር ዘለዎ ሓቂ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘይሃገሩ ኣትዩ ድዩ ተዋጊኡ? ኣይፋሉን። ናብ ሃገሩ ኣትዩ ክዕብልል ዝፈተነ ናይ ግዳም ሓይሊ ደፊኡ ንምውጻእ ዝገበሮ ነዊሕ ዓመታት ዝወሰደ ተጋድሎ፡ ኣብ ውሽጢ መሬቱ እዩ ኣካይዱ። ህዝቢ ኤርትራ ሕድሕዳዊ ምክብባር ጉርብትና ዝኸልኡን ብትምክሕቲ ታሪኽ ሓሶት እናተሃንደዱ ሰላም ንዝኸልኡ ሓይልታት ሓምሺሹ ብሰላም ናይ ምንባር ድልየቱ ኣረጋጊጹ እዩ።
ዓወት ንሓፋሽ!
በረኸትኣብ ዑቝባስላሴ
ካብ ዴንማርክ
ዕለት 2 ለካቲት 2011 መበል 65 ዓመተ ልደትካ ኣብ ኤርትራ እተብዕል ዘለኻ ክቡር ፕረዚደንት ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ዮሃና እንቋዕ ኣብዚ ኣብቅዓካ፡ ከምኡ’ውን 2011 ዓመተ ሰላም፡ ራህዋ፡ ቅሳነት ይግበረልካ።
ዓወት ንሓፋሽ!
በረኸትኣብ ዑቝባስላሴ
ካብ ዴንማርክ
ታሪኽ ኣይንረስዕ፡ ጕዕዞና ክቐንዕ!!! ኣይትሓዙለይ ደኣምበር ደንጙዩ ከምዝተረድኣኒ ኢሳያስን ሄግደፍን ብምኽንያት ተደጋጋሚ ፍሽለቶምን ንድየቶምን ብምረትን ነብሰ-ምትሓትን ምሒር ዝቐርዓኑ እዮም። ኣዒንቶም ሓቂ ከይርኢ ብመጋረጃ ጽልኢ ዝተጎልበበ እዩ።
ክሳብ ሕጂ ብዝለፍለፍኩዎ ጌጋታት ይቕረ በሉለይ
ሓውኹም
በረኸትኣብ ዑቝባስላሴ
ካብ ዴንማርክ
ታሪኽ ኣይንረስዕ፡ ጕዕዞና ክቐንዕ!!! ኣይትሓዙለይ ደኣምበር ደንጙዩ ከምዝተረድኣኒ ኢሳያስን ሄግደፍን ብምኽንያት ተደጋጋሚ ፍሽለቶምን ንድየቶምን ብምረትን ነብሰ-ምትሓትን ምሒር ዝቐርዓኑ እዮም። ኣዒንቶም ሓቂ ከይርኢ ብመጋረጃ ጽልኢ ዝተጎልበበ እዩ።
ክሳብ ሕጂ ብዝለፍለፍኩዎ ጌጋታት ይቕረ በሉለይ
ሓውኹም
በረኸትኣብ ዑቝባስላሴ
ካብ ዴንማርክ
በረኸትኣብ ዑቝባስላሴ
ካብ ዴንማርክ
ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ
ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ
መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት
መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት
መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት
መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት
ዓወት ንሓፋሽ!
በረኸትኣብ ዑቝባስላሴ
ካብ ዴንማርክ
ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ
ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ ኣተሓስስባ
መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት
መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት
መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት
መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት መሰርት
ዓወት ንሓፋሽ!
በረኸትኣብ ዑቝባስላሴ
ካብ ዴንማርክ
RSS feed for comments to this post.