You are here: Home እዋናዊ ዜና ሶፊያ ተስፋማሪያም ኣብ ሃገረ ካናዳ ከይትኣቱ ተሓቲቱ

ሶፊያ ተስፋማሪያም ኣብ ሃገረ ካናዳ ከይትኣቱ ተሓቲቱ

E-mail Print Print

ሶፊያ ተስፋማሪያም ብዝገበረቶ ናይ ጽልእን ምስዋርን ጎስጓስ ኣብ ሃገረ ካናዳ ክይትነብር ወይ ዉን ክይትኣቱ ብሕጊ ንኽትእገድ ዝሓትት ተሪር መጸዋዕታ ንመንግስቲ ካናዳ ብ19 ግንቦት 2011 ብወግዒ ጥርዓን ኣቕሪቡ ከምዘሎ ማሕበረ-ሰብ ኣይሁድ ኣብ ካናዳ ኣብ ዘዉጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ኣብ ካናዳ ዝመደበሩ ንመሰላት ኣይሁዳዉያን ዝጣበቕ B'nai Brith Canada ዝተባህለ ኣይሁዳዊ ማሕበር   ንመንግስቲ ካናዳ ዘቕረቦ ጥርዓን፡ ብዉክልና ስርዓት ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ብምዃን ነቲ ብዉሳነ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶማሊያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣሽበርቲ ብምሕጋዝን ብምዕጣቕን እገዳ ተጌርሉ ዘሎ ህግደፍ ዉክልና ብምዉሳድ ማህበረሰብ ዓለም ኣንጻር ኤርትራ ኮይኑ ብምባል ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ወጻኢብሓሶትን ምድንጋርን ጎስጓስ ፕሮፖጋንዳ ብምንዛሕ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ንስርዓት ህግደፍን ሹማሙንቱን ጥራይ ኣነጻጺሩ ዝተገብረ 1907 ዝፍለጥ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ዉሕሃ፡  ልክዕ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝተገብረ ጌራ ናይ ፈጠራ ጎስጓስ ብምግባር ብፍላይ ከኣ፡ እስራኤላዉያን ወይ ከኣ ኣይሁዳዉያን ኣንጻር ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብዝሰርሕዎ ተጻብኦ ማሕበረሰብ ዓለም ኣንጻርና ተሰሪዑ ዝዓይነቱ ጎስጓስ ክትጉስጉስ ብጭብጢ ስለዝቐረበ መንግስቲ ካናዳ ንሶፊያ ተስፋማሪያም  ብሕጊ ኣብ ሃገር ካናዳ ክትበጽሕ ይኹን ክትነብር ንኸይፍቀዳ ንሕጋዊ ሰነዳት ዉሳነ ብምጥቃስ እቲ ማሕበር ጥርዓን ኣቕሪቡ ከምዘሎ ኣብ ዝውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ ሓቢሩ ኣሎ፡፡

ሶፊያ ተስፋማሪያም ብህግደፍ ተላኢኻ ብዕለት 2 ጥቅምቲ 2010 ብማህበረሰብ ኤርትራዉያን ኣብ ካናዳ ተወዲቡ ተባሂሉ ኣብ ዝተጸወዐ ኣኼባ ዋና ተዛራቢት ኮይና ብዕድመ ድሕሪ ምምጻኣ፡ ኣብቲ ብመሰረት ዉሳነ ዓንቀጽ 1907 ዉሕሃ ስሮኣት ህግደፍ ብሰንኪ ምስ ኣኽረርቲ ግብረሽበራዉያን ዝገበሮ ምትሕግጋዝን ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ከባቢኡን ብዝገበሮ ጸረ ሰላም ምንቅስቓሳቱ ዝተገበረሉ እገዳ ብዝምልከት፡ ሶፊያ ተስፋማሪያም ኣብዚ ዝተጠቕሰ ኣኼባ ናይ ኤርትራዉያን ኤርትራ ነብሰ ምርኮሳ ኢላ ብምብጋሳ ዘይታሓጎሱ ምዕራባዉያን ኮነ ኢሎም ብዝተወደበ ዜናዉን ዉደባዉን ብዘሎዎ መልክዕ ንኤርትራ ብምክሳስ ዝተኻየደ ኣንጻርና ዝቐንዔ ኣህጉራዊ ዉዲት ብምባል ነቲ ጉዳይ እገዳ  ንፍልስጤማዉያን ናብ መሬት ኣይሁዳዉያን ከይኣትዉ ዝኽልክል ዉዕል 1948 ብምዝማድ ፡ንኤርትራዉያን ኣብ ወጻኢ ብሓሶትን ናይ ጽልኢ ፕሮፖጋንዳን ብፍላይ ከኣ ኣንጻር ኣይሁዳዉያን ንኽላዓሉ ክትጉስጉስ ጭብጢ ከምዝተረኽባ   ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብመሰረት እቲ መግለጺ ሶፍያ ተስፋማሪያም ነቲ ብስራሓት ግብረሽበራ እገዳ ዝተገበርሉ ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ከም ብኣህጉራዊ ሽርሒ ከምዝተኣልመ ኣምሲላ ዝጎስጎሰትሉ ኣጋጣሚ ተጠቂማ እዉን፡ እቲ ብባይቶ ጸጥታ  ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣንጻር ህግደፍዝተወሰነ እገዳ ፡ ንረብሓታት ኣይሁዳዉያን (እስራኤላዊያን) ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምሕላዉ ተባሂሉ ከምዝተወስደ ብምግባር ኮነ ኢላ ጉጉይ ስእሊንተስተፍቲ  ኣብ ምሃብ ጥራይ ከይተሓጸረት፡ ኤርትራ ርእሰ ምርኮሳ ዝብል ፖሊሲ ምሕንጻጻ ብቐጥታ ኣንጻር እስራኤልን ኣይሁዳዉያንን እዩ ተባሂሉ ስለዝተቖጸረ እዩ እገዳ ዝተገበርልና ብምባል፡ ብሓሶት ናይ ጽልኢ ጎስጓስ ብምክያድ  ንኤርትራዉያን ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ ብጽልኢ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሓደገኛዊ ኣታሓሳስባ ከማዕብሉ  ብምፍታና፡ ብሕጊ ዘኽስስ ተግባር ከምዝፈጸመት ክፍለጥ ከምዝተኻእለ ካብቲ  ዝወጸ መግለጺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ባዓል መዚ ቤት ምኽሪ ኣይሁዳዉያን ኣብ ካናዳ ዝኾነ ሚስተር ዳቪድ ማታስ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ቃል ” ሶፊያ ተስፋማሪያም ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ንኣይሁዳዉያን ከም ቀንዲ ዘይምርግጋእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምጥቃሳ ጽልኢ ምስዋር ኣብ ርእሲ ምዃኑ ብሕጊ ካናዳ ይኹን ሕጊ ማሕበረሰብ ዓለም ቅቡል ኣይኮነን ኢሉ፡፡ ንሱ ወሲኹ ኤርትራዉያን ማሕበረሰብ ኣብ ካናዳ ነኸምዚ ዝኣመሰለ ዘይሕጋዊ ምልዕዓላትን ጽልእን ንግብረ ሽበራዊ ንጥፈታት ዝሕግዝ ኣኼባታት ካብ ምዉዳብ ክቑጠብ ጸዊዑ።

መሓሪ ኣብራሃም
ዜና መርበብ ሲቪካዊ ማሕበራት ኤውሮጳ 

 

 

Add comment

Security code
Refresh

Banner

ናዕታ

ካብ 24/1991 ጉምበት ክሳብ ሕጂ ጥሜት (ተሰፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ)

ሓቂ መሲሉና ብዕልልታ ተቐቢልና
ከም ጀጋኑ ሰቒልናዮም ኣብ ርእስና
ብሳላኹም ወጊሓ መሬት እናበልና
ሳዕሲዕና ጨፊርና ሓጎስና ገሊጽና
መላእ ኤርትራ ብሓጎስ ኣጥለቕሊቓ
ካብ ጫፍ ክሳብ ስግር ባሕሪ ኣፍሪቃ
ብዓለማ ተበሲራ ብተለፎን ጠዋዊቓ
ሰላም ኮይኑ ንግዜኡ ጸሓይና በሪቓ

Read more...

መንእሰይ! ተበገስ ( ረድኢ ክፍለ (ባሻይ))

ጅግንነትካ ዓለም ዘንፈጥፈጠ
ኣጻብዕካ ጥይት ዝሸምጠጠ
ፈሪሁዶ ‘ብለካ ዘይፈለጠ
ዘንጊዕካ’ምበር ብተመን ውሻጠ
ጎበዝ ንቐል ናባኻ’ዩ ውራይ
ኣብ ገዛእ ገዛኻስ ዳርጋ ክራይ
ህግደፍ ክኣስረካስ ትብል ሕራይ
ወድ መንከ ክትብሃል ዳሕራይ?

Read more...
More: