You are here: Home እዋናዊ ዜና ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ቤትጽሕፈት ባንኪ ዓለም

ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ቤትጽሕፈት ባንኪ ዓለም

E-mail Print Print
ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ቤትጽሕፈት ባንኪ ዓለም ካብ ሃገርና ንምውጻእ ምድላዋቱ ይውድእ ኣሎ።
 
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ኤርትራ መንግስቲ ዝዓሉ ህዝባዊ ናዕቢ ንምክያድ ዝሃቀነ ምንቅስቃስ ከምዝገበረ ዘረጋግጽ መረዳእታ ኣለኒ ብምባል ምልክነት ኢሳይያስ ዝፈጠሮ ምህዞ ኩለን ናይ ሕቡራት ሃገራትን ዓለማዊ ትካላትን ክወጻ’ውን ዝኣዘዘሉ መምርሒ ዘስዓበ ብምዃኑ ብዙሓት ትካላት ካብ ሃገርና ንምውጻእ ምድላዋት ይውድኣ ኣለዋ ክብሉ ምንጭታት ወጋሕታ ሓቢሮም።
 
ብመሰረት’ዚ ባንኪ ዓለም ካብ ሃገርና ንምውጻእ ኣብ ቤትጽሕፈቱ ብዝተረፈ ሓደ ሰራሕተኝኡ ኣቢሉ ንብረት ናይ ምእካብ ስራሕ ዘሰላስል ዘሎ ኮይኑ ኣብ ዝኾነ ይኹን ፕሮጀክት ዝገብሮ ድጋፍ ከምዘቋረጾ ከኣ ተፈሊጡ’ሎ።
 
ብተመሳሳሊ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ብሪቲሽ ካውንስል ካብ ሃገርና ንምውጻእ ዘኽእሎ ምድላዋት ከምዝጀመረን ኮሚሽን ኤውሮጳዊ ሕብረት‘ውን ዝኾነ ዓይነት ፕሮጀክት ስለዘይብሉ ካብቶም ዝወጹ ሓደ ከይኮነ ከምዘይተርፍ እቲ ሓበሬታ ምንጭታት ወጋሕታ  ብተወሳኺ ኣነጺሩ’ሎ። 
 
                           ---------------------------------------//////----------------------------------------
 

Add comment

Security code
Refresh

ናዕታ

ካብ 24/1991 ጉምበት ክሳብ ሕጂ ጥሜት (ተሰፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ)

ሓቂ መሲሉና ብዕልልታ ተቐቢልና
ከም ጀጋኑ ሰቒልናዮም ኣብ ርእስና
ብሳላኹም ወጊሓ መሬት እናበልና
ሳዕሲዕና ጨፊርና ሓጎስና ገሊጽና
መላእ ኤርትራ ብሓጎስ ኣጥለቕሊቓ
ካብ ጫፍ ክሳብ ስግር ባሕሪ ኣፍሪቃ
ብዓለማ ተበሲራ ብተለፎን ጠዋዊቓ
ሰላም ኮይኑ ንግዜኡ ጸሓይና በሪቓ

Read more...

መንእሰይ! ተበገስ ( ረድኢ ክፍለ (ባሻይ))

ጅግንነትካ ዓለም ዘንፈጥፈጠ
ኣጻብዕካ ጥይት ዝሸምጠጠ
ፈሪሁዶ ‘ብለካ ዘይፈለጠ
ዘንጊዕካ’ምበር ብተመን ውሻጠ
ጎበዝ ንቐል ናባኻ’ዩ ውራይ
ኣብ ገዛእ ገዛኻስ ዳርጋ ክራይ
ህግደፍ ክኣስረካስ ትብል ሕራይ
ወድ መንከ ክትብሃል ዳሕራይ?

Read more...
More: