You are here: Home እዋናዊ ናዕታ ሕጅስ ገሪሙና

ሕጅስ ገሪሙና

E-mail Print Print

        ሕጅስ ገሪሙና

ምስ ጥዕንኡ ዶሎ እዚ ዝገዝኣና
ወይስ ንሕና ምምዛኑ ስኢንና
ሕማሙ ከይከውን በዳሊና
ማጮሎት ንውሰዶ ሰብ ደሊና
ወይ ክመውት ወይስ ክኸደልና

ከይናዘዝ ካህን ዘይፈቱ
ሓደዶ የለን ካብ ፈተውቱ
ምኸርዎ ቅድሚ እታ ጥፍኣቱ
ከይልክማ ሃገር ንምሸቱ  

ካህን ዘይፈቱ ዳዊት ዝደገመ
ስልጣን ተተርኢሱ ካብ ሓመመ
ብኢዱ ሓዝዎ ካልእ ከይደገመ
ክብህርር ኢዩ ካልእ ምስተሸመ

ኩሉ ብዱል ኣብጺሑ መርገሙ
ገዳም ክወርስ ኢዩ እቲ ሕልሙ
ኣብኡ ክተርፍ’ዩ ተሸሚሙ
ጽዊዕዎ ኢዩ ዘዕወንውን ሕማሙ
ኣብኣ ኢያ ተውዳእ እታ ሽሙ
 
ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ዓወት ድማ ነቲ ውጹዕ ህዝብና

በላይ መስፍን ጀርመን

 

Add comment

Security code
Refresh

ናዕታ

ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ! ( ዑቕባይ ገብረመድህን)

ደሞክራሲ እንታይዩ መንነታ?
እስከ ዘርዝሩለይ መንገዳ ስርዓታ
ግልጺ ኢዩ ጠባያ: ሓቂ’ውን ቅናታ
መፈለምታ ዕርዕር ትብል: ደሓር ግን ዘይምኖ መቐረታ።
***
ደሞክራሲ ንኽትውለድ ብዙሕ’ዩ ጠለባ
ብስምዒት “ሆ! ምባል ቀሓር ልባ

Read more...

ምርድዳእ ማእረ ይገብር التفاهم سوى دان (Maazin Abdul Qhanee)

ተማቒልካ'ያ ኣለም ተማቒልካ ንበር
ህይወት ሃብ ክበር ኣይትቕበር
ንበይንኻ ኣይግበርን ቁምነገር
ስራሕ ጃብር ኣይኮነ ዋላ ስራሕ ጋብር።

የማነ ጀብረ ሚካኤል ከምዚ ኢሉ፡
"ንፋቐር ንሳነ ንከባበር
ንእብየት ብልጽግና ንቑምነገር"

Read more...
More: