Banner
You are here: Home እዋናዊ ናዕታ “ ኣበይ’ዩ ባ ነይሩ እቲ ባርነት?”

“ ኣበይ’ዩ ባ ነይሩ እቲ ባርነት?”

E-mail Print Print

“ ኣበይ’ዩ ባ ነይሩ እቲ ባርነት?”

ከበሮ ተደሲቝ ዑብዑብ ተሃን ምስ ተፈደሰ…
ባርነት ኣጕሪዑ ናጽነት ሃጽ ኢሉ ምስ ነፈጸ…
ኣስናንሲ ገና ግህጽ ይብል ኣሎ…
ዱርዕ ጣቓ
ብርሃን ጸዳል እንዳመሰሎ….
ቋሕ ሰም ድማ የብዝሕ
ኳዕታ ክፈጥር ካብ ድፍድፍ ጸለሎ….

ኣብቲ ሓመድ ንሓመድ ጕዕዞ
መንፈስ ተበቲዅ ስጋ ዝግነዞ…

ብትማሊኡ ንመን?
ኣብ ምእንቲ ምንታይ እዚ ኵሉ…?
ነዚ እንተዝሓትት እቲ መላሲ
ሕልኑኡ ረዲዩ
ቍስሊ ውሻጡኡ ምረኸበሉ ፈዋሲ 
 
ሻቡ…

ስጋ…..ኣኺልዋ…
ኣብ ሓመድ ሰፊራ
ብኸሙኡ ብሓመድ ተጠቢራ..
ገና ምናባር ከይጀመረት
ንስለ ሓመድ ምንባር
 ንሱ’ዩ ሕመረት ምንባር ተባሂላ

ኣበይ እሞ ፈሊጣቶ
ኣብ ውሽጢ ስጋኣ ዝተቐብረ
ዓፈል ውሻጠ
ጓንጓ ኣትሪፍዋ
ስጋ ኣዕጽምታ እንዳመጅረጠ

ግና…

ንሳ….ዛዕ ኢላ
እንታይ ይዓብስ
ኣብ ቦትኣ ስላዕ ገረብ እንተኸበረ…
ጡዋፍ እውን ይበኪ… የብኪ…ኣሎ
ከምስል ከምሰልስል
ምዛዝ ታሪኻ እንዳዘከረ….

ነዚ እሞ መን ኣቕሊብሉ
ሰብ ዘዝወደቖ…
 ደንጎላ እንዳነገሶ…
ከመይ እሞ ጽሙእ መሬት
 ደምካ ፊት ዘይብል..
ሕሉፍ ታሪኽ ዝደገሶ
 
እባ….
  
 
ኣበይ’ዩ  ነይሩ እቲ ባርነት
ከም ዝሓለየ
ቦሎኽ ዝበለ ኣብ ጽምብል ናጽነት?



“ ኣብ ውሽጢ ሓደ ታሪኽ ሓደ ወለዶ ክልተ ተመሳሳሊ በደል ክፍጽም ሃየንታ ኣለዎ፡፡”

ኪሮስ ዮውሃንስ
This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it
 

 

 

Add comment

Security code
Refresh

ናዕታ

ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ! ( ዑቕባይ ገብረመድህን)

ደሞክራሲ እንታይዩ መንነታ?
እስከ ዘርዝሩለይ መንገዳ ስርዓታ
ግልጺ ኢዩ ጠባያ: ሓቂ’ውን ቅናታ
መፈለምታ ዕርዕር ትብል: ደሓር ግን ዘይምኖ መቐረታ።
***
ደሞክራሲ ንኽትውለድ ብዙሕ’ዩ ጠለባ
ብስምዒት “ሆ! ምባል ቀሓር ልባ

Read more...

ምርድዳእ ማእረ ይገብር التفاهم سوى دان (Maazin Abdul Qhanee)

ተማቒልካ'ያ ኣለም ተማቒልካ ንበር
ህይወት ሃብ ክበር ኣይትቕበር
ንበይንኻ ኣይግበርን ቁምነገር
ስራሕ ጃብር ኣይኮነ ዋላ ስራሕ ጋብር።

የማነ ጀብረ ሚካኤል ከምዚ ኢሉ፡
"ንፋቐር ንሳነ ንከባበር
ንእብየት ብልጽግና ንቑምነገር"

Read more...
More: