Banner
You are here: Home እዋናዊ ናዕታ 'ዛ ሕይወት

'ዛ ሕይወት

E-mail Print Print

ኣይንሎሚ ንጽባሕ

ረብሪባ ለምለም: ትብል ፋሕ ፋሕ

 

ከም ጉድጓድ ማይ ከኣ ትፍልፍል: ትግንፍል

ዘርኢ ዘሪኣ: ንተስፋኳ ትዕብልል

 

ግዳስ ኣብ ሰብ ሎሚ ምስ ዓለበት

በልበል እናበለት

 

እንታይ ምስወረዳ'ዩ ዘይተጽልል

መሬት ረጊጻ: ዘይተዕልል

ኣብ ዘላታ: ርግእ እንተትብል

 

ገብሪኤል ጓንጉል

13 ጥሪ 2011

 

Add comment

Security code
Refresh

ናዕታ

ካብ 24/1991 ጉምበት ክሳብ ሕጂ ጥሜት (ተሰፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ)

ሓቂ መሲሉና ብዕልልታ ተቐቢልና
ከም ጀጋኑ ሰቒልናዮም ኣብ ርእስና
ብሳላኹም ወጊሓ መሬት እናበልና
ሳዕሲዕና ጨፊርና ሓጎስና ገሊጽና
መላእ ኤርትራ ብሓጎስ ኣጥለቕሊቓ
ካብ ጫፍ ክሳብ ስግር ባሕሪ ኣፍሪቃ
ብዓለማ ተበሲራ ብተለፎን ጠዋዊቓ
ሰላም ኮይኑ ንግዜኡ ጸሓይና በሪቓ

Read more...

መንእሰይ! ተበገስ ( ረድኢ ክፍለ (ባሻይ))

ጅግንነትካ ዓለም ዘንፈጥፈጠ
ኣጻብዕካ ጥይት ዝሸምጠጠ
ፈሪሁዶ ‘ብለካ ዘይፈለጠ
ዘንጊዕካ’ምበር ብተመን ውሻጠ
ጎበዝ ንቐል ናባኻ’ዩ ውራይ
ኣብ ገዛእ ገዛኻስ ዳርጋ ክራይ
ህግደፍ ክኣስረካስ ትብል ሕራይ
ወድ መንከ ክትብሃል ዳሕራይ?

Read more...
More: