Banner
You are here: Home እዋናዊ ናዕታ ዘይኢደይ!

ዘይኢደይ!

E-mail Print Print

ኣንቱም ሰባት ጉድ’ኮ’ዩ ተረኺቡ
ምድርን ሰማይን ክላገቡ ከምዝቐረቡ
ኣብ ርእሰይ ደይቡ ዓቕለይ ኣጽቢቡ
እና’ፈጸመ ሓሳቡ!

ልዋም ዝኸልኣኒ
ዛርቲ ድዩ ሒዙኒ!

ክንዲ ዓሳ ነባሪ ወዲ ቐይሕ ባሕሪ:
ገዚፉ ኸቢዱ
እንግድዓይ ጎዚዙ
ብትእዛዝ ቀይዱ ብደወይ ኣፍዚዙ
ጋሕንትዕርብ እና’ሓረስኩሉ ግራቱ
ዘይግዱ።

ብስኽራን ደንዚዙ ኣዒንቱ ዓዝዒዙ፡
ቅጭን ተወንዚፉ ብኢዱ ነጊሱ
ማእሱ ብሒቱ ምሕዳሩ ደቂሱ
ይገርመኒ መመሊሱ።

ሕስብ እንከብሎ ነዚ ናቱ ግብሪ
ከም ረመጽ ከም ጓህሪ ከም’ዛ ሓዳስ ፍቕሪ፡

ብጓህን ጥሜትን መዓንጣይ ኣሕሪሩ
ክንዳይን ክንድኡን ተዛሪቡ በይኑ
ተጠሊዑ ክንየት ምድፋሩ
ክገርመንስ ውዒሉ  ምሕዳሩ።

ንሱ ከይኣኽለኒ ክቡራት ወለደይ
ንእገረ መ’ገደይ ረኺበ ዘይኢደይ።

ኣብ’ዛ ሂወት ቀጣን
ብማዕዶ ዝርእያ ጽብቕቲ ሚዛን
ፋኑስ ትመስለኒ ተኾሊዓ ብርሃን
ጸጉሪ ርእሳ ናይ እንግድዓ ክዳን።

እቲ ዘገርም ዘጨንቕ
ከም’ዛ ትስሕቕ ትበርህ’ሞ ትደምቕ
እንተቐረብኩዋ ትርሕቕ
ጭልም ተብለኒ ዓይነይ ክሳብ ዝደቅቕ
ብህርፋን ክሳብ ዘምባሁቕ።
እዚኣስ!
ምናልባት ከይህልዋ ኽታብ ኣብ’ቲ ቕናት ሕዛብ
ምእንቲ ኽግበር ጸብጻብ ናይ’ቲ ኹሉ ሕሳብ
ሽማግለ ዓደ’ቦ ኣብ ባይቶ ብምእካብ
እንተዝመኽሩ’ሲ ምተረኽበ ባብ
ሽዑ መመስገንኩዎም ተሰኪመ ድባብ
ተኸዲነ እጀጠባብ።

ምኽንያቱ ኣብ’ዛ ኸባብ ዓለም 
መሊኡ’ሎ ኣብነት ብሕብሪ ብቐለም
ኣነ ደኣ’ሞ   ክሳብ መኣስ ክታለል።

ኣብ ናይ ፍቕሪ ዓለም ብናይ እምነት ገመድ
ተሓኒቐ’ወርድ ናብ ጸድፊ ናብ ገደል።

ክቡራት ወለደይ ሰሚዕኩምዶ ጉደይ
ንእግረ መ’ገደይ ረኺበ ዘይኢደይ።

ኣብ’ቲ ቕርዓት ዓደይ ኣብ’ቲ ጎልጎል ዓውደይ!

ዝነፈሰ ንፋስ ብበረኻ’ቢሉ ከም ሊላ በሪሩ
ከምዘሕረሰ ንህቢ ኣብ ርእሰይ ዓሲሉ
እንተበርበርኩዎስ መዓር’ኳ’ብሉን
ሕንዚ ግን መሊኡ።

እንተ’ስተውዓልኩልስ ሓላዪ ተመሲሉ
ምሒሉ ጥሒሉ ኣእሚኑኒ’ርፊዱ፡

መሬት ምስ መሰየ ኣብ ቁሪ ኣብ ጸልማት
እሔው እና’በልኩ ጠንጢኑኒ ኸይዱ።

ወይ ኣነ ጉዳም በርቲዑኒ እዋን
በዚሑኒ ዳምዳም ክኣቱዶ ገዳም
ክሓድርዶ ግዳም ካብ ኢድ ሰብ ንምህዳም
ክርቕሕ ካብ ጸላም ተ’ረኸብኩ  ብርሃን
ዝዓሰሎ ሰላም።

ስለ’ዚኮ’የ እዋን ምስ መሰየ መሬት ምስ ጸመወ
ዝኹሕኩሕ ዘለኹ ማዕጾ ዝተራሕወ።

ፍቑራት ወለደይ ሕለፉ ንቕድመይ ጽረጉ መ’ገደይ
ክፍትን’የ ዓቕመይ ኣብ’ዛ ሰዊት ዕድመይ
እንተዘይኮነ ግን ኢድኩም ኣልዕሉለይ።
ጠፍጥፉ ዝባነይ
መርቑለይ ጻዕረይ ንኽምሰለለይ
ከም ንቡር ብደንቢ ጓልሰብ ርኣዩለይ
ክመስል ከም ዕድመይ።

ንእግረ መ’ገደይ ረኺበ ዘይኢደይ
ትጽቢተይ ደኣ’ምበር ኣይጸንቀቕኩን ዓቕለይ
ንለውጢ ንዕርቂ ክፍትን’የ ዓቕመይ
ኣጆኹም ወለደይ።

(01 – 28 -2012)
Daniel T Teclegiorgis ( This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it )

 

Add comment

Security code
Refresh

ናዕታ

ካብ 24/1991 ጉምበት ክሳብ ሕጂ ጥሜት (ተሰፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ)

ሓቂ መሲሉና ብዕልልታ ተቐቢልና
ከም ጀጋኑ ሰቒልናዮም ኣብ ርእስና
ብሳላኹም ወጊሓ መሬት እናበልና
ሳዕሲዕና ጨፊርና ሓጎስና ገሊጽና
መላእ ኤርትራ ብሓጎስ ኣጥለቕሊቓ
ካብ ጫፍ ክሳብ ስግር ባሕሪ ኣፍሪቃ
ብዓለማ ተበሲራ ብተለፎን ጠዋዊቓ
ሰላም ኮይኑ ንግዜኡ ጸሓይና በሪቓ

Read more...

መንእሰይ! ተበገስ ( ረድኢ ክፍለ (ባሻይ))

ጅግንነትካ ዓለም ዘንፈጥፈጠ
ኣጻብዕካ ጥይት ዝሸምጠጠ
ፈሪሁዶ ‘ብለካ ዘይፈለጠ
ዘንጊዕካ’ምበር ብተመን ውሻጠ
ጎበዝ ንቐል ናባኻ’ዩ ውራይ
ኣብ ገዛእ ገዛኻስ ዳርጋ ክራይ
ህግደፍ ክኣስረካስ ትብል ሕራይ
ወድ መንከ ክትብሃል ዳሕራይ?

Read more...
More: