You are here: Home እዋናዊ ናዕታ መልቀስ ወየ ኣነ! ወየ ኣነ! ወየ ኣነ!

መልቀስ ወየ ኣነ! ወየ ኣነ! ወየ ኣነ!

E-mail Print Print

ኣንታ ናኢዝጊ ብዓል ድርብ ስረ
ሓርበኛ ኤርትራ ብትብዓቱ ዝሰኸረ
ኣብ ሳንጀርጆ መንደፈራ ዝጀመረ
ብሓምሳታት ጀሚሩ ዘናገረ
ኣንታ ጠፊእዎምዲዩ ናትካ ወረ
ሩስያ ከይዱ ዝተማህረ
ምስ ሰናቶር ዝመኸረ

ኣመሪካ መጺኡ ዘይሓፈረ

ኤናስኣ ንኽምስረት ዘዕገርገረ

ኣመሪካ ገዲፉ ንመዳ ምስከደ
ኣባኡ ጸንህዎ ክርዳደ ምርዳደ

ኣእተዉዎ ኣብ ሓለዋ ሰውራ
ሓሶት ዝትምህርቱ ብኹምራ

መርዛም ጅግና ዝሓራ
ንመንኢሰይ ኤርትራ ኣእተወሉ ፈራ

ኣይትሕተቱ እናበለ ንኹላትና ዘደንቖረና
ብመንነቱ ዘይሕበን ዜጋ ጌሩዋ ሃገርና
እንሆ ሕጂ በብሓደ ንሪኣዮ ኩልና
ብላሽ ኣገልግሎት ተጋድሎና ሃገርና
መንነት ዘይብልና ኩላትና ጠፋእና

ናይዝጊ ወዲ ዓደይ
ሕማም ድሓር ኮንካ ንዓደቦኻ
ቤተሰብ ሓዚኑ ባኻ
ተኸላ መርጉዝ ነይሩ ዝዑናኻ
ስቅ ከይብሉ ካብ ሰብ ስለ ዝተወሊድካ
ስንብታ ኮይኒ ኣኺሉ ሰዓትካ
ምስቲ ጅግነንትካ ሓሚቑ ተግባርካ

ወየ ኣነ! ወየ ኣነ!

ኣንታ ጉድ ተረኺቡ ሎሚ ቅነ
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እዩ ዝኾነ
ናይዝጊ እምበር ሰብ ሰኣነ

ኣምባሳደርዶ ኣብ ራሻዶ ዘይነበረ
ምኒስተር ዜናዶ ዘይነበረ
እሙን ጊላዶ ይበሃልዶ ዘይነበረ

ኣይተ ናይዝጊ ክፍሉ ዓሪፉ ምስተባህለ
ዓዱ ከይዱ ንኸይቅበር ተኸልከለ ተባህለ
ኣየ ጉድ ኣብዚነኻ ናይ ኮለል ኮለለ
ናይ ፕረሲደንት ኣማኻሪዶ ዘይተባህለ
ወዲ ገራህቱ ኣይኮነን ዝኸልከለ
ኣንታ ናይእዝጊ ኣያ! ኣያ!ይዶ! ዘየበለ
መንእሰያት ክጥፍኣኡዶ ዘይ ኣሽካዕለለ
ዕረፍቲ ዘይብሉ ናይ መቕዘፍቲ ወሓለ
ንጀጋኑ ዘልመሰ መንካዕዶ የማን እናበለ
ኣብ ረሳታት በላሕቲ ዝደበለ
መንሞ ተሪፉኩም ኣነ ኣለኹ ዝበለ

ሓሪድኩም ወዲእክሞም ብዘይሰዳድ ወረ
ኣንታ ክንደይ ኣሎ ጉድኩም ዘይተነግረ
እቲ ኩሉ ምስጢር ምሳኻ ተቐብረ

ናይዝጊ ሓወይ ክንደይ ተጋጊኻ
ተላኣኺ ኮንካ ከይትመርሕ ባዕልኻ
ትእዛዝ ከተኽብር ናይ ኣረመንየ ጎታኻ
ኣንታ እንታይ ክብሉዮም ዓዶቦኻ

ማእውይቲኸ ተላእከዶ ንዓደቀበነ እንዳቦኻ
ተነጊሮምዶ ንማይ ላሓም እንዳ እኖኻ
ወይስ ዓዲ ኣልቦ ዘይብልካ ብኡ ንቡኡ ጠፊእኻ
ዓዲ ጀጋኑ ነይሩ ኣድከመ ምልጋእ እንዳቦኻ
ዓዲ ሕጊ ዓዲ ለባማት እኮዩ ነይሩ መሰረትካ

ምስ ዘራኢ መርገም ኮንካ ኣጥፋእካዮም የሕዋትካ
ንኹሎም ኣብረስካዮም ምስ ጎሓሉ መኺርካ
ሕጂ ዜይርከቡ ዳም ዳም ኢልካ ደሊኻ

ጀነራላት ኮኑ ምኒስተራት ሃገርና
ጋዘጢኛታ ኩሎም ሙሁራት ዓድና
ኣሰሮም ጠፋእና ድሃዮም ጭኒቑና
ኣበይ ከምዘጥፋእኩሞም ከይነገርካና

መቕበሪ ሳኢንካ ኣብ ሎንዶን ተዓሺግካ
መስክነይቲ ረኻቢት መከራ ወያ ሰበይትኻ

ንቡርዶ ብምሰኣንካ ንዓለም ገሪምዎ
ወዲ ሰራየ ዝኾነ ኩሉ ሓርቢትዎ
ዓዲ ኣይትሕተ ኢልኩም ምሂርኩምዎ
ወዲ ኣከልጉዛይ ገሪምዎ
ወዲ ሓማሰን ዓንዚዝዎ
ወዲ ብለን ዝኾነ ኣስደሚምዎ
ወዲ በኒ ዓሚር ነገሩ ሰሚዕዎ
ኩናማ ባርያ ናትካ ፈሊጥዎ
ቀይሕ ባሕሪ ዝኾነ ኣፉ መርጢጥዎ
ወዲ ደንከል ብዙ ኣጠራጢርዎ
ናዚ መንግስቲ እዚ ተግባር ኣስካሕኪሕዎ
በላዕ ሰብ ሙኻኑ ኩሉዩ እንሆ ርኣይዎ

ሽፍታ መንግስትኻ ኣማኒ ነብሉ
ንሕስያ ዜይገብር ድንጋጼ ዘይብሉ
ንዘገልገሎ ኩሉ ይድርብዮ ምስ ተጠቕመሉ

ኣንታ ብሂወት ዘልኹም ዓሳክር ኩልኹም
ናይ ናይዝጊ ኪፍሉ ትምህርቲ ይኹንኩም
ነጻነትኩም ኣምጽእዋ ብስረኹም
ራይዎ ፍለጥዎ ክብረት ከምዘይብልኩም
ዓስቢ ዘይርከቦ ከንቱዩ ድኻምኩም
ተግባር መንግስትኹም ራይዎ ገናጺልኩም

ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ተበገስ በጃኻ
ኣይተጽቅጥ ተዛረብ ንሓቂ ሕጂዩ ግዜኻ
ምእንቲ ወጽዓ ምእንቲ ሓቂ ግለጾ ጸገምካ

ናይዝጊ ጂግና እምነት ኣልቦ
ሞትካ መጺኣ ብዘይ ኣላዝቦ
ኣባኡ ዝጸንሓካ ኩሉ ተረከቦ

ዓድኻ መዘከሪ ነይ ገደፍካ ጠሊምካያ
ወያ መንግስትኻ ከይትቅበለካ ኣብያ
ነብሰይ ኣውጽእኒ እዋና ተራእያ
ኣጣላልም ኮይኑ በብሓደ ኣብያ

ኪድ በል ዕረፍ ተጋላገል ካብዛ ዓለም
ብድሕረኻ ኤርትራ ትኹን ምድሪ ለምለም
ብሕግን ብፍትሕን ብደሞክራሲን ትሰለም
ህጻውንቲ ጨድሩ ኣዋልድ ዘምራሎም
ኣደታት ኣቦታ ክነብሩ ብሰላም
ኤርትራ ፍቕሪ ግበሪ ምስ ጎሮባብትና ኹሎም
ሽግርንና ዪኺዱ ከም ተንኮበት ተጠቕሊሎም

ሃይለ ገብረ ትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና ኣመሪካ

 

 

Add comment

Security code
Refresh

ናዕታ

ካብ 24/1991 ጉምበት ክሳብ ሕጂ ጥሜት (ተሰፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ)

ሓቂ መሲሉና ብዕልልታ ተቐቢልና
ከም ጀጋኑ ሰቒልናዮም ኣብ ርእስና
ብሳላኹም ወጊሓ መሬት እናበልና
ሳዕሲዕና ጨፊርና ሓጎስና ገሊጽና
መላእ ኤርትራ ብሓጎስ ኣጥለቕሊቓ
ካብ ጫፍ ክሳብ ስግር ባሕሪ ኣፍሪቃ
ብዓለማ ተበሲራ ብተለፎን ጠዋዊቓ
ሰላም ኮይኑ ንግዜኡ ጸሓይና በሪቓ

Read more...

መንእሰይ! ተበገስ ( ረድኢ ክፍለ (ባሻይ))

ጅግንነትካ ዓለም ዘንፈጥፈጠ
ኣጻብዕካ ጥይት ዝሸምጠጠ
ፈሪሁዶ ‘ብለካ ዘይፈለጠ
ዘንጊዕካ’ምበር ብተመን ውሻጠ
ጎበዝ ንቐል ናባኻ’ዩ ውራይ
ኣብ ገዛእ ገዛኻስ ዳርጋ ክራይ
ህግደፍ ክኣስረካስ ትብል ሕራይ
ወድ መንከ ክትብሃል ዳሕራይ?

Read more...
More: