You are here: Home እዋናዊ ናዕታ ኩሉ ባዕሉ

ኩሉ ባዕሉ

E-mail Print PDF
እዚ ብሚያዝያ 16፣ 2001 ዝተላእከ ግጥሚ ብኣጋጣሚ ተዘክሮ ናይ መበል 12 ዓመት ምስ ብዙሕ ምስጋና ነቶም ኣብ መፈለምታና ኣስተዋጽኦ ዝገበሩ ጸሓፍቲ እንደገና ነውጽኣ ኣሎና። ኣዝማሪኖ ስታፍ 



ናይ ግዜና ናይዚ እዋን
ውልቀ መላኽ ዕቡይ ፈርዖን
ሕንቁቕ ጣኦት ዓርኪ ሰይጣን
ሓዋርያቱ ፈገር-መገር
መዘና መንግስቱ ኢደኣሚን።

ስመ-ነቢይ ተሰኪሙ
ግርማ-ኣዳም ተሰሊሙ
ግብረ-እከይ ተዓሚሙ።

ስራውሩ ጨናፍሩ
ኣሳላጥቲ መጋብሩ
ኣጫፈርቲ ሃሱሳቱ
ኣጣቓዕቲ መናሽውቱ
ፈቐድኡ መዛርግቱ
መዋድስቱ መሻርኽቱ
መሓጥእቱ መዛምርቱ
መጉባዕባዕቲ መቓትልቱ
እንክውቀስ ኣመኽነይቱ
“ጅግና”-ሎሞ ተገዘእቱ።

ውሽጢ-ሃገር ስግር ባሕሪ
ነውረኛታት ቃርማ-ሸሪ
ጸረ-ህዝቢ ጸረ-ሰላም
ጸረ-ፍትሒ ሰንካም-መንካም
ጸረ-መሰል ግናይ-ሃርጓም
ይመስገኖም! ነዚኦም ሒዙ
በትሩ ነዊሕ ምስ ምዘዙ።

ባዕሉ ራእሲ ፊት-ኣውራሪ
ተናዳፊ ተናጋሪ
ተናኻሲ ተማዳሪ
ሕሱም-ሓኽሊ ተሳባሪ
ትዕቢተኛ ጸቢብ-ዓቕሊ
ደረቐኛ ክናብ-በቕሊ።

መሬት-ህዝቢ ክህግሮ
ሸዊት-ሂወት ክቛመሮ
ዝተማህረ ክደንቅሮ
ዝዘገነ ክድስክሎ
ዝዓመረ ኪጽልጽሎ
ዝዓምበበ እንክሕርሮ
ቡጭቕ ኢሉ ዒምዘለ’ደሎ?
ኣየ ስረ! መን ክደፍሮ።

ዝባን መንግስቲ ቅጥዒ’ብሉ
ይግባይ የለ ዝሰምዓሉ
ስርዓት ሕጊ ፍትሒ የብሉ።

ሓባር ከሳስ ገዛዝ ኣሳር
ሸምጋል ፈራድ መስካር መኻር
ሕሱም ዉላድ ስሱዕ ተኹላ
ኩርካሕ መደብ ርጉም ጊላ።

ጉዳም ፍጥረት ኩሉ ባዕሉ
ኣየ ጣቋ ክኽእለሉ
ዓደ ንስቲ ሓደ ባዕሉ
ኣርሓ ገዛ ኣያ ኩሉ
እንተንዲሩ እንተህሊሉ
ከልካል-ዓጋት መላስ ነይብሉ።

“ብመንገደይ ዝብልኩዋ
ትቕዶ-ኣይትቕዶ ሰዓብዋ”
“ኣይፋል” ቴልኩም ትረኽብዋ
ትኣትውዋ ዘይትወጽዋ
ዝወለደት ተቕብጽዋ።

ኣየውዕልኩም ኣብ ቁጠዐይ
ኣይጽንሕኩም ኣብ መገደይ
በሉ ድኣ ኣለይ-መለይ
ኣይትረስዑ “ክቡር ጎይታይ”
ድፍእ-ስጥሕ ትሕቲ-እግረይ።

ኩል-ብ-ኢዱ ኩሉ-ባዕሉ
እንተምጺኡ እንተንቂሉ
ዕጭ-ሓንፊፉ እንተፈሊሉ
ከም ጋሻ ውሕጅ ገማጢሉ
እንዳስሓቀ ኣዳህሊሉ
ከይወስደኩም ተኣለይሉ
ሓድው ሕጽቢ ውደይሉ
ዲጋ-ዛላ ግበርሉ
ገመድ-ቀይዲ እሰርሉ
ያዕ በልዎ ኮርይሉ
ኮርሽኡ ነውኑዉሉ
ተትመልሶ ልበ-ዓቕሉ
ድጋም-ዳዊት ዘይዓብሰሉ
ውዳሴ-ማርያም ፋይዳ-ብሉ።
 

Add comment

Security code
Refresh

ናዕታ

ክንድ ሽሕ ክልተ (ካብ ኣባል ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ጨንፈር ጀርመን)

ክንድ ሽሕ ክልተ

ሓደ ሓደ ኣሎዋ ዝዓበዳ
ምስ ቆረባ መሊሰን ዝገዳ፣ ካብ ሳጥናኤል ንሰን ዝገደዳ

 

ንእሱራት ስጉምቲ ዝወስዳ

 

ኣበይ ነርኩም ጳጳስ ክእሰሩ?ብዘይ ስዋ ተስካር ተተግቢሩካልእ ጊዜ ከምኡ ከይትገብሩ?መራሕቲ ሃይማኖት ኢኹም ብሓጺሩ።

 

 

Read more...

ደሮና (ሰሎሞን ብርሃነ ሠንጋል - ሕልና )

ደሮና

ተስፋ አሎ ግን ዝወሃብ
ብመራሒ ደሮና ዝጋልብ
ህዝቢ ሬሳ ዓዱ ክስሕብ
ሰዓብቲ ደሮና ክኣኻኽብ
ብሽም ውጹዓት ክንግድ
ብልሙሳት ምዉታት ክዛረብ
ደሮና ተበቲኑ ኣብ ዓለም።

 

 

Read more...
More:

ምልክታ ንተሳተፍቲ

ብተክኒካዊ ምኽንያታት ተቋሪጹ ዝጸንሐ ናይ ትግርኛ ገጽ፡ ደጊም ጀሚሩ ከምዘሎ ብሓጎስ ነበስር። ኣብ’ዚ ገጽ እዚ ክወጻልኩም እትደልይዎ ጽሑፋት ብኢመይል tigarticles@delina.org ልኣኹልና። ቅድሚ ሕጂ በቲ ናይ ቀደም ኣድራሻ ዝሰደድኩሞ እሞ ዘይወጸ ጽሑፋት እንተልዩ እውን፡ በዚ ዝተጠቕሰ ሓድሽ ኣድራሻ-ኢመይል ደጊምኩም ክትሰድዎ ከምእትኸሉ ነዘኻኽር።

መርሓ ሕንጻጽ (Submission Guidelines)
የቐንየልና... ኣዝማሪኖ

The Graffiti Wars