Banner
You are here: Home እዋናዊ ናዕታ ፍሉይ ሕላገታ ጀማሪት ዓመት መስከረም

ፍሉይ ሕላገታ ጀማሪት ዓመት መስከረም

E-mail Print PDF

ብሽግ ሀልሀልታ እትክበር ዕለት
መቓያይሮ ዘመን ሓባሪት መሠረት
ንኲሉ እትለዋውጥ ዓዲ  ሕቆ መሠረት
ፍሉይ ሕላገታ ቦኽሪ ዓመት።

ርሑስ ሓዲሽ ዓመት ይግበረልና
ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ኢልና ዘሎና
ራህዋን ቅሳነትን ንኲሉ ዜጋና
ምልኪ ዘይብሕታ ኤርትራ የርእየና።

መጺኺ እምበአር መስከረም ወርሒ
ትዓዚብክዮ አሎኪ ናይ ህግ ሽርሒ
ናይ ኲሉ መቃያይሮ ንስኪ እንድኪ
ሕዝብና ንኽቐስን ጸላእትና ግንሒ።

አይፈልክን መስከረም ጀማሪት ዓመት
መሠረት ለውጢ ኢኪ ብዕጥቂ ብማእቶት
ጥልመት እውን ተፈጺሙኪ ዘይአመልኺ ክሕደት
ትዓዛቢት አይትኹኒ ሕዝብና ክዝመት።
 
መስከረም ኢኪ አደ ወርሒ ግንቦት
ሰብ ኒሕ ዘላዓዓልኪ ንሀገራዊ ናጽነት
ድሕሪ መሪር ተጋድሎ ዝሃብክና ክብረት
ብትኽትኽ ዘበልናዮ ናይ መግዛእቲ ሠንሰለት።

ብዘይ ተጸበናዮ አቲና አብ ቀይዲ
ህግ አምጺእክልና ሥጋ ሰብ በላዕቲ
ብማእሰርትን ስደትን ትበርስ አላ ዓዲ
አይፋል ኢልኪ ሕጂስ ንፍትሒ መጉቲ።

ድሃይ ሃቢ መስከረም ግበርልና ፍቕያ
ወያ ያዋህ መሬትና ብንብዓት ጠልቕያ
ጠላማት ብሒቶምዋ ስኢንና እውን አያ
ብጸሊም ዝክደና መሊኡ ጽንግያ።

ወዮ ንጹሕ ሕዝቢ የዋህ መፈጠሩ
አብ ጉድጓድ  ብዓቲ ዄይኑ ሰፈሩ
ሐደ እዃ የለን ዝበልዕ ማእሪሩ
ብጃምላ ኢዩ ኲሉ ተማሪሩ።

ውጽኢት መሪር ቃልሲ ናይ 30 ዓመት
ብህግደፋዊ ጉጅለ ተከዲኑ ድበት
ንሕዝብና በሒትዎ ከቢድ ዓቕሊ ጽበት
ድሃይ ድአ ግበርልና መሪሩና ውርደት
መስከረም ምርሕና ንለውጢ ብቕጽበት።

ጠላማት ንስደት ወዲ ሀገር ንዓዲ
ረማዕ ኢሉ ዜጋና ብሕጊ ክዝቲ
ፍቲ ፍቲ ክጻወት ብምዕባሌ ሀብቲ
እተናፈኣፈቐ ቤተሰብ ክስዓዓም ምዕጉርቲ ንሞጉርቲ።

ኢደይ ኢድካ ንበል ንሀገርና ክንአቲ
ብህግ ዝበረሰ ባህሊ ክዕንብብ ከም ጥንቲ
ብሰላም ክንነብር ዘይብሉ ሐመስቲ
ሓጂሽ ወለዶና ክቀስም ዘበናዊ ትምህርቲ
ካብ ግዱድ ዕስክርና ገገዝኡ ክአቲ
 
መስከረም ትጽውዓናላ  ብቀትሪ ብለይቲ
ናይ ሀገርና ናጽነት ክንኸውን ተጠቐምቲ
ናይ ባህልናን ልምድናን ክንከውን ወነንቲ
ኣብ በባይቶ ዓደቦና ክንመክር ክንዝቲ
ጸዋዒት መስከረም ንቀበል ብሓባር  ሰብአይ ሰበይቲ
ሕልሚ ዄይኑይትረፍ ናይ ህግደፍ ትምኽሕቲ
ሀገር ናይ ብዙኃት ብዙኃት ንሀገር።
 
ኤርትራዊ ማኅበር ተጣባቒ ሰብአዊ መሰል
ሽቱትጋርት ባደን ቩርተምበርግ ጀርመን

 

Add comment

Security code
Refresh

ናዕታ

ደሮና (ሰሎሞን ብርሃነ ሠንጋል - ሕልና )

ደሮና

ተስፋ አሎ ግን ዝወሃብ
ብመራሒ ደሮና ዝጋልብ
ህዝቢ ሬሳ ዓዱ ክስሕብ
ሰዓብቲ ደሮና ክኣኻኽብ
ብሽም ውጹዓት ክንግድ
ብልሙሳት ምዉታት ክዛረብ
ደሮና ተበቲኑ ኣብ ዓለም።

 

 

Read more...

ቶባእ! እርጋን’ድዩ ዕብዳን ሕርቃን’ዩ ስኽራን ምንጪ’ዚ ኹሉ ስሕታን። (ዳንኤል ተኽለጊዮርጊስ)

ቶባእ!  እርጋን’ድዩ ዕብዳን ሕርቃን’ዩ ስኽራን ምንጪ’ዚ ኹሉ ስሕታን።

ኣብ ቅድሚ ካመራ ኣብ ቅድሚ ኣሬባ
ንምስክር ዘሕንኽ ዘረባ።
ወይሰብ ደቀይ እንታይከ ኽትብሉ
ዛርቲ ድኣ ከይህሉ
ኣብ ሓንጎሉ ሰፊሩ ዘሽካዕልለሉ።

ብኹሉ መዳይ ስኢንዎ ምእላይ
“ላይ ኣናዘር ላይ” ጥራይ
ቀላሲት ዘረባ ብሒታቶ ውራይ።
ዘገርም’ዩ መዐቀኒ ዘይብሉ
ተጎቢኡ ብኣሉ

 

 

Read more...
More:

ምልክታ ንተሳተፍቲ

ብተክኒካዊ ምኽንያታት ተቋሪጹ ዝጸንሐ ናይ ትግርኛ ገጽ፡ ደጊም ጀሚሩ ከምዘሎ ብሓጎስ ነበስር። ኣብ’ዚ ገጽ እዚ ክወጻልኩም እትደልይዎ ጽሑፋት ብኢመይል tigarticles@delina.org ልኣኹልና። ቅድሚ ሕጂ በቲ ናይ ቀደም ኣድራሻ ዝሰደድኩሞ እሞ ዘይወጸ ጽሑፋት እንተልዩ እውን፡ በዚ ዝተጠቕሰ ሓድሽ ኣድራሻ-ኢመይል ደጊምኩም ክትሰድዎ ከምእትኸሉ ነዘኻኽር።

መርሓ ሕንጻጽ (Submission Guidelines)
የቐንየልና... ኣዝማሪኖ