Banner
You are here: Home እዋናዊ ናዕታ ኤርትራውነት!! ሎሚዶ ቀደም?

ኤርትራውነት!! ሎሚዶ ቀደም?

E-mail Print PDF
ኤርትራውነት!!
ሎሚዶ ቀደም?
7.10.2009 ብአማን ሰለሙን ፍረ
 
ኤርትራውነት ሎሚዶ ቀደም
ንመራመር  ክንወጽእ ካብ ጸገም
ብውሽጢ ብወጻኢ ንለውጢ ንቀዳደም
መንነትና ሀሲሱ ብህ.ግ. እሾክ መርገም።
 
ተባዕ ኤርትራዊ ብዓል ሕልና
ትዕዘቦዶ አሎካ ዘንጠጢ  ደበና
ፍናንና አሔድስ  ዳግማይ እንደገና
ሐድነትና ኢዩ ዋሕስ  ንድሕነትና።
 
ሀገር ናይ ብዙሓት ርእይቶ ናይ ግሊ
ታሪክና ንዘክሮ ሕሉፍ  ዘበን ገድሊ
ክሳብ መአስ  ክንርገጽ ብህግደፍ  አድገ በቕሊ
ክንደይ ስድራቤታት ይስእና አለዋ መቕሊ።
 
ወዮ ክቡር ዜጋና ሓሲሩ አብ ዓለም
ብሥኒት ብሓድነት ድአ ንለውጢ ንቀዳደም
ብመንነትና ተሓቢንና ክነብር ከም ቀደም
ጉድለትና ንመርምር ዜጋታት ብዘይ ቃልዓለም።
 
ጀግንነት ኤርትራውያን አብ ጊዜ መግዛእቲ
እስኪ ንመርምሮ ብንቕሓት ብትዕግስቲ
ጀነራላት ዝቕርድዱ ብቀትሪ ብለይቲ
ፍልልይ ዘይነበሮም ሰብአይ ምስ ሰበይቲ
ገለ ከዘካክረኩም  ካብ መዛግብ ጥንቲ።
 
ታሪኽ ገብሪሕይወት ሕምብርቲ አሎ ዝለዓለ
ንጀነራል ተሾመ ዕርገቱ ብሽዓ ዝመንጠለ
ደጊምና ንዘክር ታሪኽ  አብርሃም ተኽለ
ሽዑ ኢዩ ኤርትራውነትና ብግብሪ ዘመስከረ።
 
ክዝርዝር ገለ ካብ ተብዓት ውሩያት
አብ ጊዜ መግዛእቲ ኣብቲ ሕማቕ ስዓት
ጀነራል ብሽኡ ክቕንጸል ብወ/ሮ  ነብያት
ንሥርዓት መንግሥቱ ዘሕጸበ ብብኽያት።
 
ሃየ ድአ ሀየ  ነሔድሶ ንያት
ማዕዶ ማዕዶ ዄንካ አየድልን ብኽያት
ሕድሪ ናይ ቀዳሞት ነጽንዓያ ልዓት
ንህግደፍ አልጊስና ክነብር ብኹርዓት።
 
እዚ ካብ ኮነ ታሪክ እተሰግረ
ወድን ጓልንዶ  አይነበርናን ማዕረ ማዕረ
ንድሕነትና ንቃለስ ከይንከውን ነበረ ያ ነበረ
ጃንዳ ህግደፍ አለዎም ምሥጢር እተሰወረ።
 
ኤርትራውነትና ድአ ሎሚ ናበይ አበለ
ኲሉ ኢዱ አጣሚሩ ሕዝቢ እናተበደለ
ውድባት አልወና ቊጽረን ዝለዓለ
ዜጋና ይነብር አሎ ብዙሕ  እናተሸቊረረ
ብሓባር ድአ ንዕጠቓ ናይ ድሕነትና  ስረ።
 
ኤርትራዊ  መንነት ቀደም ድአ ቀደም
ኤደ እቶም ጀጋኑ አደ እቶም ሐበን
ከምዚ ሎሚ ከይብሐትዋ ሰብ ገበን
ንሕሰብ ድአ ንለውጢ ንሥኒት ለብዘበን።
 
ኤርትራውነት ይመለስ አብ ናይ ቀደም ሰፈሩ
ሕድሪ ናይ ስዉአት ምልኪ ድዩ ነይሩ
ደቁ ዘሰውኤ ይነብር ሓፊሩ
ሓዲሽ ወለዶ አብ በረካ ሰፊሩ
ብዙሓት ክሽገሩ ዉሑዳት ይከብሩ።
 
አይፋል ንምልኪ ንበል ብውሽጢ ብወጻኢ
ኤርትራዊ  መንነትና ይተሓደስ ብወግዒ
ርኢና ሰሚዕና አይነብዝሕ  እንድዒ
ንፍትሓዊት ሀገር ንቃለስ ንመሰል ብርትዒ
መንእሰይ ወለዶና አይኹን ቀለብ ዓሳ ዝብኢ።
 
ኤርትራውነትና ይመለስ ከም ቀደሙ
ወጊድ ንበሎም ንሕዝብና ደም ዘጥዓሙ
ተስፋ ናይ ጽባሕ ክሳብ መአስ ንምልኪ ክክድሙ
ወለዲ ኲልናከ ክሳብ መአስ ክቁዝሙ
በበይንካ ምጭራሕ ንህግ ኢዩ ጠቕሙ።
 
እታ ብመስዋእቲ ብብዙሓት እተረክበት ሀገር
አይሕፍርንዶ ናጽነት ብውልቐ ሰብ ክህገር
ሀየ ድአ ሓቢርና  ንሕዝብና ንኲኖ ድልዱል ማእገር
ጻማ እተገፍዖ ብፍትሒ ከቢሩ ክመሓደር።
 
ገግቡእና ነበርኽት ጸረ ርስሓት በሰር
ኤርትራውነትና ኣብ ዓለም ከም ቀደሙ ክኽበር
ለበዋ ጀጋኑ ስዉአትና ብወግዒ ይተግበር
ድሕሪኡ ጥራሕ ኢዩ ኣብ ሀገር ብሰላም ዝንበር።
 
ኤርትራውነትስ ቀደም ድአ ቀደም
ሕሉፍ ተመርኲስና ጌጋና ይተአረም
አይኮነንዶ ህግደፍስ ዘንበርከኽና ንምኩሓት ዓለም
ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ንጠላማት ንልቐም
ዝዕም አየድልን ጅግና ብህግደፍ ክቅረም።
 
 

 

 

Add comment

Security code
Refresh

ናዕታ

ክንድ ሽሕ ክልተ (ካብ ኣባል ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ጨንፈር ጀርመን)

ክንድ ሽሕ ክልተ

ሓደ ሓደ ኣሎዋ ዝዓበዳ
ምስ ቆረባ መሊሰን ዝገዳ፣ ካብ ሳጥናኤል ንሰን ዝገደዳ

 

ንእሱራት ስጉምቲ ዝወስዳ

 

ኣበይ ነርኩም ጳጳስ ክእሰሩ?ብዘይ ስዋ ተስካር ተተግቢሩካልእ ጊዜ ከምኡ ከይትገብሩ?መራሕቲ ሃይማኖት ኢኹም ብሓጺሩ።

 

 

Read more...

ደሮና (ሰሎሞን ብርሃነ ሠንጋል - ሕልና )

ደሮና

ተስፋ አሎ ግን ዝወሃብ
ብመራሒ ደሮና ዝጋልብ
ህዝቢ ሬሳ ዓዱ ክስሕብ
ሰዓብቲ ደሮና ክኣኻኽብ
ብሽም ውጹዓት ክንግድ
ብልሙሳት ምዉታት ክዛረብ
ደሮና ተበቲኑ ኣብ ዓለም።

 

 

Read more...
More:

ምልክታ ንተሳተፍቲ

ብተክኒካዊ ምኽንያታት ተቋሪጹ ዝጸንሐ ናይ ትግርኛ ገጽ፡ ደጊም ጀሚሩ ከምዘሎ ብሓጎስ ነበስር። ኣብ’ዚ ገጽ እዚ ክወጻልኩም እትደልይዎ ጽሑፋት ብኢመይል tigarticles@delina.org ልኣኹልና። ቅድሚ ሕጂ በቲ ናይ ቀደም ኣድራሻ ዝሰደድኩሞ እሞ ዘይወጸ ጽሑፋት እንተልዩ እውን፡ በዚ ዝተጠቕሰ ሓድሽ ኣድራሻ-ኢመይል ደጊምኩም ክትሰድዎ ከምእትኸሉ ነዘኻኽር።

መርሓ ሕንጻጽ (Submission Guidelines)
የቐንየልና... ኣዝማሪኖ

The Graffiti Wars