Banner
You are here: Home እዋናዊ ናዕታ ዋርሳይ ይከኣሎ ሕጂውን ኣይፋለይን በሎ::

ዋርሳይ ይከኣሎ ሕጂውን ኣይፋለይን በሎ::

E-mail Print PDF
መን ኢዩ ኣሳሪ መንዩኽ ተኣሳሪ
መንዩ ተንበርካኺ መንዩኸ መካቲ
ትፈልጦ ኢኻ ባዕልኻ ኣብ ግዜ ኩናት ከመይ ከም ዝነበረ

መን ከም ዝመከተ መን ከም ዘድሓርሓረ
መን ኣብ እንዳ ስዋ ኣብ ባር ከም ዝነበረ
መን ኣንዊሑ ብምሕሳብ ንረብሓ ሃገር ዝገበረ
ንረብሓ ህዝቢ ዝኸውን ኣግፊሑ ዝመኸረ
መንዩኽ በሽካዕላል ዘየድሊ ቃላት ዝወርወረ
ዘየድሊ ብድዐ ጌሩ ዝመደረ ዝገዓረ!!

ኩሉ እኮ----- ኣይተረስዐን

ናይ ትማሊ ተዘክሮዩ ይግባእ ክኽዘን!!
ኣሎ ኣብ መዘክር ማህደር ተኸዲኑ ብመኽደን::

ዘበነ መኸተ ሓሊፉዩ ተባሂሉ
ሎሚ ከኣ ሙዚቃ ተቐይሩ
ልምዓትን ህንጻ ሃገርን ተባሂሉ
ሓዲሽ ፕሮጀክት ብሽምካ ዋርሳይ ይከኣሎ ተባሂሉ
ኣየ ስም ክጽብቕ ሃየ እሞ ኣስተውዕለሉ!!

ገዛኻ ዓጺኻ ግራትካ ኣቓዲርካ
ስራሕካ ገዲፍካ ትካልካ ኣደስኪልካ

ቆፎ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ክትመልእ ተቐሲብካ
ጽርግያ ክትምድምድ ክትጸርግ ተኣዚዝካ
ዲጋታት ካናለታት ክትሰርሕ ደም ሪሂጽካ
ብዘይ ዋጋ ብዘይ ደሞወዝ ባርያ ተቆጺርካ!!
ሃየባ ሕጂስ ተለዓል ይኣኽለካ!!

ስድራኻን ደቅኻን ጸምይዎምዩ ዘሎ
ዋርሳይ ይከኣሎ ሕጂውን ይኣኽለካ በሎ
ኣይፋለይን እብለይ በሎ::

ከምዚ ናይ ሎሚ
ኣብ መግዛእቲ ጥልያን
ብጅምላ ዕስክርና ምስተገብረ
ስድራቤታት በይነን ምስተረፋ
ብዓለደይ ምስ ብዓል ኣብሻይ
ብዓል መዓሮ ምስ ብዓል ሳንዳይ
ከምዚ ኢለን ደረፋ

ብዓል ኣቦይ ኩሎም ነጊሶም
ብዓል ኣያይ ኩሎም ነጊሶም
ብዓል ዑሉም ጨላይ ኣብዑርና----መንዩ ዝሓርሶም???

ኣብቲ ግዜቲ ካልእ ክብላን ክገብራን ስለ ዘይክእላን ናይ ሎሚ ምሕደራ ህ.ግ.ድ.ፍ

ከምኡ ዘድርፍን ዘቖዝምን ኮይኑ ይርከብ::

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና
ፍትሕን ሰላምን ንህዝብና
 

Add comment

Security code
Refresh

ናዕታ

ደሮና (ሰሎሞን ብርሃነ ሠንጋል - ሕልና )

ደሮና

ተስፋ አሎ ግን ዝወሃብ
ብመራሒ ደሮና ዝጋልብ
ህዝቢ ሬሳ ዓዱ ክስሕብ
ሰዓብቲ ደሮና ክኣኻኽብ
ብሽም ውጹዓት ክንግድ
ብልሙሳት ምዉታት ክዛረብ
ደሮና ተበቲኑ ኣብ ዓለም።

 

 

Read more...

ቶባእ! እርጋን’ድዩ ዕብዳን ሕርቃን’ዩ ስኽራን ምንጪ’ዚ ኹሉ ስሕታን። (ዳንኤል ተኽለጊዮርጊስ)

ቶባእ!  እርጋን’ድዩ ዕብዳን ሕርቃን’ዩ ስኽራን ምንጪ’ዚ ኹሉ ስሕታን።

ኣብ ቅድሚ ካመራ ኣብ ቅድሚ ኣሬባ
ንምስክር ዘሕንኽ ዘረባ።
ወይሰብ ደቀይ እንታይከ ኽትብሉ
ዛርቲ ድኣ ከይህሉ
ኣብ ሓንጎሉ ሰፊሩ ዘሽካዕልለሉ።

ብኹሉ መዳይ ስኢንዎ ምእላይ
“ላይ ኣናዘር ላይ” ጥራይ
ቀላሲት ዘረባ ብሒታቶ ውራይ።
ዘገርም’ዩ መዐቀኒ ዘይብሉ
ተጎቢኡ ብኣሉ

 

 

Read more...
More:

ምልክታ ንተሳተፍቲ

ብተክኒካዊ ምኽንያታት ተቋሪጹ ዝጸንሐ ናይ ትግርኛ ገጽ፡ ደጊም ጀሚሩ ከምዘሎ ብሓጎስ ነበስር። ኣብ’ዚ ገጽ እዚ ክወጻልኩም እትደልይዎ ጽሑፋት ብኢመይል tigarticles@delina.org ልኣኹልና። ቅድሚ ሕጂ በቲ ናይ ቀደም ኣድራሻ ዝሰደድኩሞ እሞ ዘይወጸ ጽሑፋት እንተልዩ እውን፡ በዚ ዝተጠቕሰ ሓድሽ ኣድራሻ-ኢመይል ደጊምኩም ክትሰድዎ ከምእትኸሉ ነዘኻኽር።

መርሓ ሕንጻጽ (Submission Guidelines)
የቐንየልና... ኣዝማሪኖ