
ብተክኒካዊ ምኽንያታት ተቋሪጹ ዝጸንሐ ናይ ትግርኛ ገጽ፡ ደጊም ጀሚሩ ከምዘሎ ብሓጎስ ነበስር። ኣብ’ዚ ገጽ እዚ ክወጻልኩም እትደልይዎ ጽሑፋት ብኢመይል tigarticles@delina.org ልኣኹልና። ቅድሚ ሕጂ በቲ ናይ ቀደም ኣድራሻ ዝሰደድኩሞ እሞ ዘይወጸ ጽሑፋት እንተልዩ እውን፡ በዚ ዝተጠቕሰ ሓድሽ ኣድራሻ-ኢመይል ደጊምኩም ክትሰድዎ ከምእትኸሉ ነዘኻኽር።መርሓ ሕንጻጽ (Submission Guidelines)
የቐንየልና... ኣዝማሪኖ
ተዋዛያይ #1፡ እሞ፣ ኣንጻር ዋዕላ ከምዚ፣ ዋዕላ ከምቲ፣ ዝብሉ ዘለውኸ?
ተዋዛያይ #2፤ ንሶም ድማ ከምኡ። ምስዓር የሕምም ኢዩ ኢሎሞ። እታ ሲኒማ ባዕሎም ከይሰርሕዋ ኣይሰርሕዋ። ስለዘይሰርሕዋ ቀጨውጨው ኣቢልዎም።
በሃሊት፤ ሪኢኻዶ? ኣነን ንስኻን ብሓደ ተሳኢልና ንዋዕላ ኣማዕሪግናዮ ይብል ኣነ። ኣብ ወጻኢ ኮይንካ ኣለኹ ምባል እውን ኣድለዪ እዩ። እቶም ዓው ኢሎም ኣይከውንን እዩ ዝበሉ ተሳዒሮም። እረ መልሓሶም ኣብ መድረኽ ኮይኖም እንተዝቖርጽዎ ጽቡቕ ኔሩ። እዚ ዘረባሲ ብእንግሊዝ ስለዝጥዕም ብዝርዝር ኣንብቡ።
Read more...
ኣንበሳን ዋዕሮን ካብ ኤርትራ
ኣንበሳን ዋዕሮን ካብ ኤርትራ ወጺኦም። ዋዕሮ ክትሕተትን ክትዛረብን ከምዘይትደሊ ገሊጻ። ገጻን ኣዒንታን ርኢዮም እቶም ንዓምዲ ዋዛ ዝኸውን ወረ ዝደለዩ ጋዜጠኛታት እውን ኣይደፈሩን።…
Read more...
ፕረዚደንት ኢስያስ ኣፈወርቂ፣ ብዛዕባ ካብ 2005 ጀሚሩ ክሳብ 2010 ማለት፣ ድሕሪ 5 ዓመት ፕረዚደንት ዝነበረን፣ ብጸቕጢ ሕዝብን ኩነታትን ንኽወርድን ካብ ሃገሩ ንኽወጽእ ዝተገደደን ኩርማንበክ ባኪየቭ፣ ጉዳይ ዜና ብናይ ኤርትራ ማዕከናት ንከይፍኖ (ንከይመሓለለፍ) ንሚኒስትሪ ዜና መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። እዚ ብሓሙስ 4/15/2010 ዝተፈጸመ ዜና ኢዩ።
ሃገረ ኪርግይስታን ምስ ኤርትራ ዘራኽባ ድኽነታን ሓይሊ ኤለትሪክ ንምምጻእ ናብ ቻይና ዝተላእከ ወዲ ፕረሲደንትን ንፖለቲከኛታት ምቕታልን ምእሳርን ንጋዜጠኛታት’ውን ከምኡ ጥራሕ ኢዩ። ብዝተረፈ ምስ ኤርትራ ምንም ዘራኽብ የብላን።
ብናዕቢ ካብ ስልጣኑ ንኽወርድ ዝተገደደ ፕረሲደንት ኩርማንበክ ባኪየቭ ኣብ ከባቢ እታ ሃገር ዝርከባ መንግስታትን ኣሜሪካን ውድብ ሓለዋን ምትሕብባር ኤውሮጳን ብዝገበርኦ ምትሕግጋዝ እዩ ናብ ስደት ከምርሕ ኪኢሉ።
Read more...
Comments
Please Abraham, could you please explain us when you did it. I am asking this question, it is common in Kassel, purchasing title like doctor from abroad, where Mr. Abraham is staying buying papers or titles.
However, it is a good start to write history of Eritrea.
Please Abraham, could you please explain us when you did it. I am asking this question, it is in Kassel, where Mr. Abraham is staying buying papers or titles.
However, it is a good start to write history of Eritrea.
RSS feed for comments to this post.