You are here: Home እዋናዊ ናዕታ ሓርበኛ ተስፉሁነይ መስፍን ኣምላኽ ይቀበልካ

ሓርበኛ ተስፉሁነይ መስፍን ኣምላኽ ይቀበልካ

E-mail Print PDF

ናይ ሓዘን መግለጺ
ካብ ኣባላት ተ.ሓ.ኤ. ጨንፈር ጀርመን

ሓርበኛ ተስፉሁነይ መስፍን ኣምላኽ ይቀበልካ
ጽንዓት ያሃቦም ንበተሰብካ
ጽንዓት ያሃቦም ንመቓልስትኻ
ጠሊ ግደፈሎም ንደቅኻ ንብጾትካ
ቃልስኻ ክዕወት እዩ ይቅሰን መቓብርካ።

ሓርበኛ ከደ መንገዲ ንሓርነት ምስ ከፈተ
ዓመታት ተቓሊሱ ንህ.ግ.ደ.ፍ. ዝመከተ
ኣዋዲዱ ዋዕላ ንለውጢ ንዘተ
 ጀጋኑ ሓሊፉ ኣማዕድዩ እዳ ጠመተ
ማዓልቲ እንዳ ቆጸረ ምስ ህዝቡ ክዛተ።

ኣብዛ ዓለም ነባሪ  መን ኣሎ ካባና
መስዋእትኻ ዳኣ ሃንደበት ኮይኑና
ንሕና ውን ጽባሕ ሳዓብቲ ኢና
ንመቓልስትኻ  እዩ ጽንዓት ያሃብኩም ዘድሊየና።
ከም ኩሎም ተቓለስቲ ኣነ ውን ሓዚነ
ተቓላሳይ ጎዲሉና ፈዳይ ሕነ
ብመስዋእትኻ ብዙሕ ኣስተንቲነ።

እዛ ግጥመይ ክንዲ ብዙሕ ራኣያ
ኣታ ተባዕ ተቓላሳይ ሰራሕ ቅያ
እታ ሞት ንዓኻ ድያ ሓርያ
ኣምላኽ ይቀበልካ ኣታ ባዓል ሞያ።

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንጀጋኑ ሰማእታትና
ካብ በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 

Comments  

 
0 #1 danyom dawit 2010-08-09 14:25
Tsfahuney abo kulu Eritreawi nierka motka ms semaEku senbiden hazinen. sgab hji mEmanu siEne Mengste semay yewarska abey eka keytsEno.
Quote
 

Add comment

Security code
Refresh

ናዕታ

ዛኣኽለን ጥሒነን ባዓለማርያም ይብላ (በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን)

ወለቕ ዘለቕ ዝብልስ ከማካ ኣነ ኢለ ኣይፈልጥን
ኣፍልበይ ገቲረ ኢየ ዝኸይድ ከይበልኩ ድንን
ንምልካዊያን ካብ ምምካት ድሕር ኣይብልን
ኣብ ልብኻ  ክሳብ ትምለስ ዳሓን ኩን
ንቕሓትካ ተጠቐመሉ ሃሱስ ኣይትኹን።
Read more...

ኤርትራና ሎሚ ኣይትሽየጥ ~ ኣይትፍንጨል ~ ኣይትልወጥ (ብተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ )

ዘተሃላልኽ ስልጣን ድዩ? ተማቐልዎ
መፈጠሩ ዝጸልአ ኮለል ኣይተብልዎ
ብቕንዕና ብግብሪ ኣለናካ ቅሰን በልዎ
ተሰሪቱ ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ ኣሰላስልዎ
ድሕሪ ኣዲስ ኣበባ ኣስመራ ኣለና በልዎ
Read more...
More:

ምልክታ ንተሳተፍቲ

ብተክኒካዊ ምኽንያታት ተቋሪጹ ዝጸንሐ ናይ ትግርኛ ገጽ፡ ደጊም ጀሚሩ ከምዘሎ ብሓጎስ ነበስር። ኣብ’ዚ ገጽ እዚ ክወጻልኩም እትደልይዎ ጽሑፋት ብኢመይል tigarticles@delina.org ልኣኹልና። ቅድሚ ሕጂ በቲ ናይ ቀደም ኣድራሻ ዝሰደድኩሞ እሞ ዘይወጸ ጽሑፋት እንተልዩ እውን፡ በዚ ዝተጠቕሰ ሓድሽ ኣድራሻ-ኢመይል ደጊምኩም ክትሰድዎ ከምእትኸሉ ነዘኻኽር።

መርሓ ሕንጻጽ (Submission Guidelines)
የቐንየልና... ኣዝማሪኖ

ዋዛ

እዞም 330+ ናይ ዋዕላ (ዋዛ ዲያስፖራ)

 እዞም 330+ ናይ ዋዕላ

ተዋዛያይ #1፡ እሞ፣ ኣንጻር ዋዕላ ከምዚ፣ ዋዕላ ከምቲ፣ ዝብሉ ዘለውኸ?

ተዋዛያይ #2፤ ንሶም ድማ ከምኡ። ምስዓር የሕምም ኢዩ ኢሎሞ። እታ ሲኒማ ባዕሎም ከይሰርሕዋ ኣይሰርሕዋ። ስለዘይሰርሕዋ ቀጨውጨው ኣቢልዎም።

Read more...

ኣድሓኖምን በሃሊትን፤ (ዋዛ ድያስፖራ)

ኣድሓኖምን በሃሊትን፤

በሃሊት፤ ሪኢኻዶ? ኣነን ንስኻን ብሓደ ተሳኢልና ንዋዕላ ኣማዕሪግናዮ ይብል ኣነ። ኣብ ወጻኢ ኮይንካ ኣለኹ ምባል እውን ኣድለዪ እዩ። እቶም ዓው ኢሎም ኣይከውንን እዩ ዝበሉ ተሳዒሮም። እረ መልሓሶም ኣብ መድረኽ ኮይኖም እንተዝቖርጽዎ ጽቡቕ ኔሩ። እዚ ዘረባሲ ብእንግሊዝ ስለዝጥዕም ብዝርዝር ኣንብቡ።

 

Read more...

ኣንበሳን ዋዕሮን ካብ ኤርትራ (ዋዛ ድያስፖራ)

ኣንበሳን ዋዕሮን ካብ ኤርትራ

ኣንበሳን ዋዕሮን ካብ ኤርትራ

ኣንበሳን ዋዕሮን ካብ ኤርትራ ወጺኦም። ዋዕሮ ክትሕተትን ክትዛረብን ከምዘይትደሊ ገሊጻ። ገጻን ኣዒንታን ርኢዮም እቶም ንዓምዲ ዋዛ ዝኸውን ወረ ዝደለዩ ጋዜጠኛታት እውን ኣይደፈሩን።…

Read more...

ብዛዕባ ኩርማንበክ ባኪየቭ ዜና ተኸልኪሉ። (ዋዛ ድያስፖራ)

ብዛዕባ ኩርማንበክ ባኪየቭ ዜና ተኸልኪሉ።

ፕረዚደንት ኢስያስ ኣፈወርቂ፣ ብዛዕባ ካብ 2005 ጀሚሩ ክሳብ 2010 ማለት፣ ድሕሪ 5 ዓመት ፕረዚደንት ዝነበረን፣ ብጸቕጢ ሕዝብን ኩነታትን ንኽወርድን ካብ ሃገሩ ንኽወጽእ ዝተገደደን ኩርማንበክ ባኪየቭ፣ ጉዳይ ዜና ብናይ ኤርትራ ማዕከናት ንከይፍኖ (ንከይመሓለለፍ) ንሚኒስትሪ ዜና መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።  እዚ ብሓሙስ 4/15/2010 ዝተፈጸመ ዜና ኢዩ።

ሃገረ ኪርግይስታን ምስ ኤርትራ ዘራኽባ ድኽነታን ሓይሊ ኤለትሪክ ንምምጻእ ናብ ቻይና ዝተላእከ ወዲ ፕረሲደንትን ንፖለቲከኛታት ምቕታልን ምእሳርን ንጋዜጠኛታት’ውን ከምኡ ጥራሕ ኢዩ። ብዝተረፈ ምስ ኤርትራ ምንም ዘራኽብ የብላን።

ብናዕቢ ካብ ስልጣኑ ንኽወርድ ዝተገደደ ፕረሲደንት ኩርማንበክ ባኪየቭ ኣብ ከባቢ እታ ሃገር ዝርከባ መንግስታትን ኣሜሪካን ውድብ ሓለዋን ምትሕብባር ኤውሮጳን ብዝገበርኦ ምትሕግጋዝ እዩ ናብ ስደት ከምርሕ ኪኢሉ።

 

Read more...

The Graffiti Wars