Banner
You are here: Home እዋናዊ ጋዜጣዊ መግለጺ

ጋዜጣዊ መግለጺ

መጠንቀቕታ 3 ዓኮስኤ (ICER)

ኩነታት ስደተኛታት ኤርትራ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እንገደደ ይኸይድ ምህላዉ ካብ ዉሑዳት ሰባት ጥራይ ዝተሰወረ ኢዩ እንተበልና ኣየጋነናን። መጀመርያ ንስደት ዘምርሕ ዘሎ መንእሰይ ካብ ዝብኢ ዓደይ ዝብኢ እንዳማተይ ይብልዓኒ ዝብል ዘሎ ይመስል። እዚ ተገላቢጦሽ ብሂል ናይ ቅብጸት መንፈስ ዘመልክት ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ዘርኢ ዝተወርሰ ነፍሲ ቅትለት ዝተጸናወቶ ፍጡር ዝኽተሎ  ኣገባብ ይመስል።

 

መስርሕ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡...

ሰክሬታርያ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ጉባኤ ብዝሃባ ሓላፍነት መሰረት ነብሳ ብግቡእ ወዲባ ንጉባእተኛታት ኣብ 7 ናይ ክትዕ መድረኻት (ዎርክ ሾፓት) ብምክፍፋል፡ ከተካትዖም ውዒላ፡፡ በዚ መሰረት ድማ ጉባእተኛታት ቅድም ክብል ብዝጸደቐ ኣጀንዳታት መሰረት ኣብ ሸውዓቲኡ ናይ ክትዕ መድረኻት ( ዎርክ-ሾፓት) ዓሚቕን ደሞክራስያውን ክትዓት ከካይዱ ውዒሎም፡፡

 

ዕውት ፈላሚ ንናይ ውሽጥን ደገን ህዝቢ ዘራኸበ ፈተነ

ዝሓለፈ ዓርቢ ማለት 11/11/11 ዓ.ም ንአብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነብር ህዝብና ነቶም አብ በረኻ ሲናይ ዝሃለቑን ገና ዝሃልቁ ዘለው ደቁ ናይ ሓዘን ምሸት ገይርሎም ንኸምሲ ምጽዋዕና ይዝከር። እዚ ጻውዒት በቲ ኩሉመዳያዊ ስመረት ንምውጋድ ስርዓት ህግደፍ ኢሉ ተላዒሉ ዘሎ ደምበ ደለይቲ ፍትሕን ዲሞክራስን ዓቢ ጎስጓስን ጻዕርን እዩ ተኻይዱሉ።

   

ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሽወደን

እዞም ኣቶ ረዘነ ተስፋጽዮንን ኣቶ መድሃኔ ንርኣዮን ዝተባህሉ ዜጋታት ተቐማጦ ከተማ ኡፕሳላ ዝኾኑ ኤርትራዉያን፡ ነቲ ብስም ክልተ ሚእታዊት ዝፍለጥ ኣብ ሽወደን ካብ ዝነብሩ ኤርትራዉያን ብግዴታ ጽቕጥን ዝእከብ ዘይሕጋዊ ግብሪ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ምእካብ ተዋፊሩ ዝጸንሓን ዘሎን ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሽወደን ዝቐንዐ፡ ኣብ ዝነብርሉ ከተማ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ብምኻድ ወግዓዊ ጥርዓን ከምዘቕረቡ እቲ ዜና ጸብጺቡ።

 

መልእኽቲ ናብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ

ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ንዓመታት ዝኣክል ብስርዓት ኢሰያስ ዝወረዶን፡ ዝወርዶ ዘሎን ኣደራዕ ስቓይ ዘብቅዓሉ ግዜ ንምርኣይ ዝኣክል ፡ ንሃገራዊ ጉባኤ ብተስፋን ሰናይ ትምኒትን ክጽበዮ ድሕሪ ምጽናሕ ፡ እንሆ እቲ ግዜ ኣኺሉ ጉባኤ ንምጅማር ፡ገለ መዓልታት ጥራይ ተሪፍዎ ይርከብ ፡ በዚ ኣጋታሚ’ዚ ውን ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ  ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንፖለቲካውያን ሓይልታትን ህዝባውያን ትካላትን ፡ ንኹሎም ብሄራት ኤርትራን ነዚ ዝስዕብ መልእኽቲ የመሓላልፍ ።

   

ጋዜጣዊ መግለጺ - ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ

 

ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ገለ ኣካላት ንፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ምጽላም፡ ንፖሎቲካዊ መትከላቱን መርገጻቱን ንምድንጋር፡ ብዝተፈላለዩ ድምጺታትን ብርዕታትን ብርቱዕ ጻዕርታት ይገብሩ ምህላዎም ብጽሞና ክንኸታተል ጸኒሕና ኣለና። ብፍላይ ከኣ፡ ብፖሎቲካዊ መትከላትናን መርገጺታትናን ዝርዕዱ ቀንጸልቲ ሓይልታት፡ ህላዊኦም ንምርግጋጽ ኣብ ከቢድ ጸለመታት ተዋፊሮም ይርኸቡ። ኣብ”ዚ እዋን”ዚ እቲ ጸለመታት እናጉለሐ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ ግዜ ዕላምኡ ከኣ ንምዝራግ ሰናይ ዝምድናታትና ምስ ተቓለስቲ ሓይልታት ኤርትራን ፈተውትናን ክሳብ ዝኾነ፡ ካብዚ ብምብጋስ፡ ማእከላይ ስክረታርያ ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ነዞም ዝስዕቡ ሓቅታት ከብርህ ይደሊ።

 

 

ደምዳሚ አዋጅ 3ይ ውድባዊ ጉባኤ ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ

ካብ ዕለት 18-20 ጥቅምቲ 2011 ዝተኻየደ 3ይ ውድባዊ ጉባኤ ዝተፈላለዩ ውሳኔታት ለበዋታትን ብምሕላፍ ደሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ጉባኤኡ ብዓወት ዛዚሙ፡ አብ ዝሓለፉ መድረኽ ዝተሰላሰሉ ስራሓት ካብ ፈጸምቲ ቤት-ጽሕፈታት ዝቐረበሉ ጸብጻባት ድሕሪ ምስማዕ፡ እቲ አብ ወታሃደራውን ዲፕሎማስያውን ፖሎቲካዊን ማሕበራውን መደያት ዝተሰላሰሉ ክሰላሰሉ ዘይከአሉን ጉዳያት አልዒሉ ብዑቱብ ድሕሪ ምክታዕ እቶም ክትግበሩ ዘይከአሉ ብህጹጽ ተግባራዊ ከይከውን ዝዓንቀፉ ጉዳያት ለሊኻ ክሰላሰሉ ተሰማሚዑ፡

   

መጸዋዕታ ንኤርትራዉያን ነበርቲ ዓዲ እንግሊዝን ካልኦት ሃገራት ኤዉሮጳን

ብሰፊሑ ክግለጽ ከምዝጸንሐ፣ ኣብዚ ዝመጽእ ቀረባ ማዓልታት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ለንደን ፌስቲቫል ንምክያድ መዲቡ ኣሎ። ልክዕ እዩ ኣብ ስደት ዝነብር ህዝቢ ምስ ኣሕዋቱን ህዝቡን ዝእክቦ ባህላዊ ኣጋጣሚ ረኺቡ ክሳተፍ ምድላይ ነዉሪ ኣይኮነን። ብናይ ገለ ጥበበኛታት ኣዛራርባ ምስቲ ቅድሚ ናጽነት ኣብ ባዓል ቦለኛ ዝካየድ ዝነበረ ኣምሲልካ ምግላጹን፣ ንህጻናት ብፍላይ ናይ ሃገሮም ባህልን ታሪኽን ንምፍላጥ ከምዝሕግዝ ዝምጉቱ ዉን ኣይተሳእኑን።
 

ኤርትራውያን ነበርቲ አዲስ አበባን ከባቢኣን 6 ወከልቲ ንሃገራዊ ጉባኤ መሪጾም

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ነቲ ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት፣ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ዝነበሩ ኤርትራውያን፣ ተሓጋጋዝቲ ህዝባዊ ሽማግለታት ኮምሽን የቕውም ምንባሩ ዝፍለጥ’ዩ፡፡ በዚ መሰረት ከኣ፣ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2011 ኣብ አዲስ አበባ’ዉን ብተመሳሳሊ መንገዲ 21 ኣባላት ዝሓቆፈ ተሓጋጋዚ ህዝባዊ ሽማግለ ብደሞክራስያዊ መንገዲ መሪጹ ምንባሩ ዝዝኸር’ዩ።
   

ውጽኢት ምርጫ ናይ ሕጹያት ንውክልና ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ዝሳተፉ

ስራሕና ኣብ ግብሪ ንምርግጋጽ ኣብዚ ዝሓለፈ ግዜ ሽማግለታት ኣቝምና። ስራሓት ሽማግለታት ብምክትታል ኣብ ምክያድ ሰሚናራት፣ ህዝባዊ ኣኼባታትን ርኽክባትን ብምጽዋዕ ነቲ ብፖለቲካዊ ሽማግለ ኮሚሽን ዝተዳለወ ንድፊ ሰነዳት ንጉባኤ፣ ወፈያታትን ኣስተዋጽኦን ገንዘብ ንመመውሊን መደገፍን ንጉባኤ ምእካብ፣ ህዝቢ ወዲብና ናብ ሃገራዊ ጉባኤ ዝሳተፉ ወከልቲ ተመሪጾም ምድላው ዝኣመሰሉ ዘጠቓለለ ንጥፈታት ኣካይድና።

 

 

ምቕያር ዕለተ ጉባኤ ብዝምልከት ዝወጸ ኣገዳሲ መግለጺ

ኮምሽን ኣብ ጽንኩር ታሪኻዊ ሃዋሁ ይዓምም ከም ምህላዉ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብዚ መስርሕ’ዚ ነቲ መሰረታዊ ዕማሙ ዝዕንቕፍ ዝተፈላለየ ብድሆታት ክገጥሞ ግድን ኮይኑ፡ ሳላ ጽንዓት ህዝብን ኣባላቱን መርገጻቶምን ዝነበሩ ምድንጋራትን በዲሁ ብምስጋር፡ ነቲ ዓቢ ዕማም ቀዳምነት ብምሃብ ጥራይ ክሰርሕ ጸኒሑን ኣሎን።

አብ መጋቢት 2011 ዝተኻየደ 2ይ ስሩዕ አኼባ ሃገራዊ ኮሚሽን፡ ሃገራዊ ጉባኤ አብ ወርሒ ጥቅምቲ ከካየድ ወሲኑ ምምባሩን ኣብዚ ምርኩስ ብምግባር ፈጻሚ ኣካል ሃገራዊ ጉባኤ ን22/10/2011 ክኸውን ሓቢሩ ከምዝነበረ ይዝከር፡፡  
   
  • «
  •  Start 
  •  Prev 
  •  1 
  •  2 
  •  3 
  •  4 
  •  5 
  •  6 
  •  7 
  •  8 
  •  9 
  •  10 
  •  Next 
  •  End 
  • »
Banner

ናዕታ

ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ! ( ዑቕባይ ገብረመድህን)

ደሞክራሲ እንታይዩ መንነታ?
እስከ ዘርዝሩለይ መንገዳ ስርዓታ
ግልጺ ኢዩ ጠባያ: ሓቂ’ውን ቅናታ
መፈለምታ ዕርዕር ትብል: ደሓር ግን ዘይምኖ መቐረታ።
***
ደሞክራሲ ንኽትውለድ ብዙሕ’ዩ ጠለባ
ብስምዒት “ሆ! ምባል ቀሓር ልባ

Read more...

ምርድዳእ ማእረ ይገብር التفاهم سوى دان (Maazin Abdul Qhanee)

ተማቒልካ'ያ ኣለም ተማቒልካ ንበር
ህይወት ሃብ ክበር ኣይትቕበር
ንበይንኻ ኣይግበርን ቁምነገር
ስራሕ ጃብር ኣይኮነ ዋላ ስራሕ ጋብር።

የማነ ጀብረ ሚካኤል ከምዚ ኢሉ፡
"ንፋቐር ንሳነ ንከባበር
ንእብየት ብልጽግና ንቑምነገር"

Read more...
More: