Banner
You are here: Home እዋናዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ውጽኢት ምርጫ ናይ ሕጹያት ንውክልና ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ዝሳተፉ

ውጽኢት ምርጫ ናይ ሕጹያት ንውክልና ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ዝሳተፉ

E-mail Print Print

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ - ዓባይ ብሪጣንያ

ውጽኢት ምርጫ ናይ ሕጹያት ንውክልና ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ዝሳተፉ- 08ን 09ን/10 2011

ድሕሪ ቀጻሊ ጻዕሪ ንልዕሊ ዓመት መመላእታ ካብ ምቅናዕ ሃገራዊ ዋዕላ ጀሚርና ከይተሓለልና ምስ ተሓጋገዝቲ ሽማግለታት ኣብ ሎንደንን በርሚንግሃምን ንምዕዋት ሃገራዊ ጉባኤ ነቲ ዝድለ ዘሎ ናይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ሸቶ ክዉን ንምግባር ጽዒርና።

ስራሕና ኣብ ግብሪ ንምርግጋጽ ኣብዚ ዝሓለፈ ግዜ ሽማግለታት ኣቝምና። ስራሓት ሽማግለታት ብምክትታል ኣብ ምክያድ ሰሚናራት፣ ህዝባዊ ኣኼባታትን ርኽክባትን ብምጽዋዕ ነቲ ብፖለቲካዊ ሽማግለ ኮሚሽን ዝተዳለወ ንድፊ ሰነዳት ንጉባኤ፣ ወፈያታትን ኣስተዋጽኦን ገንዘብ ንመመውሊን መደገፍን ንጉባኤ ምእካብ፣ ህዝቢ ወዲብና ናብ ሃገራዊ ጉባኤ ዝሳተፉ ወከልቲ ተመሪጾም ምድላው ዝኣመሰሉ ዘጠቓለለ ንጥፈታት ኣካይድና።

ብተሳታፍነት ህዝብን ተዓዛብነት ኣባላት ሃገራዊ ኮሚሽንን ኣብ መስርሕ ምርጫ ብምርግጋጽ ተሓጋገዝቲ ሽማግለታት ስርሐን ዛዚመን ይርከባ ኣለዋ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ጨንፈር ለንደን ነዞም ዝስዕቡ 7 ዝውክልዎም መሪጾም ኣለዉ፣-

1. ኣቶ ሃብተማርያም ኣብርሃ

2. ሓሚድ ዑመር ኢዛዝ

3. ጸጋይ ዮውሃንስ

4. ረድኢ ዓይቡ

5. ዓሊ ሂንዲ

6. እድሪስ ባርያይ

ቡሰይና ናስር

 

ካብ 9 ንዓባይ ብሪጣንያ ዝተማቓርሐ ብጽሒት በርሚንግሃም 2 ወከልቶም መሪጾም። ንሳቶም ከኣ፣-

1. እስማዒል ገበይታ

2. ኣሕመድ መሓመድ ሳይቕ

መስርሕ ምርጫ ብዲሞክራስያዊ፣ ግሉጽነትን ነጻነትን ኣገባብ ኣብ ትሕቲ ተዓዛብነት ኣባላት ሃገራዊ ኮሚሽንን ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባትን ኣብ ከተማታት በርሚንግሃምን ለንደንን ኢዩ ተኻይዱ።

ኣብ መወዳእታ ደጊምና ዕማም ሽማገለታት ከም ዝተዛዘመ እናበሰርና ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ከይትሓለለ ክሰርሕን ክደጋገፍን ንጽውዕ።

 

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ - ዓባይ ብሪጣንያ

 

 

Add comment

Security code
Refresh

Banner

ናዕታ

ካብ 24/1991 ጉምበት ክሳብ ሕጂ ጥሜት (ተሰፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ)

ሓቂ መሲሉና ብዕልልታ ተቐቢልና
ከም ጀጋኑ ሰቒልናዮም ኣብ ርእስና
ብሳላኹም ወጊሓ መሬት እናበልና
ሳዕሲዕና ጨፊርና ሓጎስና ገሊጽና
መላእ ኤርትራ ብሓጎስ ኣጥለቕሊቓ
ካብ ጫፍ ክሳብ ስግር ባሕሪ ኣፍሪቃ
ብዓለማ ተበሲራ ብተለፎን ጠዋዊቓ
ሰላም ኮይኑ ንግዜኡ ጸሓይና በሪቓ

Read more...

መንእሰይ! ተበገስ ( ረድኢ ክፍለ (ባሻይ))

ጅግንነትካ ዓለም ዘንፈጥፈጠ
ኣጻብዕካ ጥይት ዝሸምጠጠ
ፈሪሁዶ ‘ብለካ ዘይፈለጠ
ዘንጊዕካ’ምበር ብተመን ውሻጠ
ጎበዝ ንቐል ናባኻ’ዩ ውራይ
ኣብ ገዛእ ገዛኻስ ዳርጋ ክራይ
ህግደፍ ክኣስረካስ ትብል ሕራይ
ወድ መንከ ክትብሃል ዳሕራይ?

Read more...
More: