Banner
You are here: Home እዋናዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ኤርትራውያን ነበርቲ አዲስ አበባን ከባቢኣን 6 ወከልቲ ንሃገራዊ ጉባኤ መሪጾም

ኤርትራውያን ነበርቲ አዲስ አበባን ከባቢኣን 6 ወከልቲ ንሃገራዊ ጉባኤ መሪጾም

E-mail Print Print

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ነቲ ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት፣ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ዝነበሩ ኤርትራውያን፣ ተሓጋጋዝቲ ህዝባዊ ሽማግለታት ኮምሽን የቕውም ምንባሩ ዝፍለጥ’ዩ፡፡ በዚ መሰረት ከኣ፣ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2011 ኣብ አዲስ አበባ’ዉን ብተመሳሳሊ መንገዲ 21 ኣባላት ዝሓቆፈ ተሓጋጋዚ ህዝባዊ ሽማግለ ብደሞክራስያዊ መንገዲ መሪጹ ምንባሩ ዝዝኸር’ዩ።

እዚ ሽማግለ’ዚ 7ተ ኣባላት ፈጻሚ ኣካል ዘለዎ ኮይኑ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ንምዕዋት ብክንዲ እቲ ዓቕሙ ዘፍቕዶ እጃሙ ከበርክት ጸኒሑ’ዩ፡፡ ካብ ግዜ ንግዜ ነበርቲ ኣብ አዲስ አበባን  ከባቢኣን ዝቅመጡ ኤርትራውያን ናብ አኼባ ብተደጋጋሚ እናጸውዐ ኣብቲ ብሃገራዊ ኮሚሽን ዝተደለወ ፖሎቲካዊ ሰነዳት ንጡፍ ተሳትፎን ምይይጥን ከሰላስል ጸንሑ’ዩ፡፡ ኣብቲ ብኮሚሽን ዝተዳለወ ፖሎቲካዊ ሰነዳት ኣኼበኛታት ብተገዳስነትን ተወፋይነትን ሃናጺ ሓሳባት’ዉን ኣበርኪቶም ኢዮም፡፡ ጨንፈር አዲስ አበባ ኣብዚ ዝሓለፋ ኣዋርሕ ካብ ክልተ ሚእቲ ንላዕሊ ዝኾኑ ነበርቲ አዲስ አበባ አኺቡ መሰሉን ግቡእን ምስ ተገልጸ ህዝቢ ነዚ ብጸጋ ተቐቢሉ መሰሉን ግቡኡን ተገንዝቡ፣ ገንዘቡን፣ ዓቕሙን ዝፈቐዶ ኩሉ አበርኪቱ’ዩ፡፡

እዚ ጨንፈር’ዚ ድሕሪ ነዊሕን ተኸታታሊ ኣኼባታትን ብዕለት 01/10/2011 ብዝኽሪ ሰማዕታት አኼኡ ጀሚሩ፤ ሰነ-ስርዓት መረጻ በቲ ብኮምሽን ዝትዋሃበ መምርሒን ኣገባብ ምርጫን ብደሞክራዊያዊ መንገዲን ኣካይዱ፣ ካብ ኣኼበኛታት ንሃገራዊ ጉባኤ ዝሳተፉ  6ተ ምሉኣትን 3ተ ተጠባበቕትን መሪጹ፡፡ ኣብ ስነ-ስርዓት መረጻ 15 ሕጹያት ብደሞክራስያዊ መንገዲ ሓጸየ፡፡ ካብዞም 15 ሕጹያት እቶም 6ተ ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ዝሳተፉ ክኾኑ እንከለዉ እቶም 3ተ ሰባት ከኣ ተጠባበቅቲ ኢዮም፡፡ ኣገባብ ሓጸ ኣብቶም ሕጹያት ዝደገፉን ንዑኡ ዝቛወሙን ሰለስተ ስባት ዕድል እናተዋህበ ሓሳባቶም ምስ ገለጹ ተቐባልነት ዝረኸቡ ምስ ሓለፉ፡ ብድሕሪኡ ብሰለሰተ ኣባላት ዝቖመ ኣማራጺ ኮሚቴ ተመዚዙ ነቲ መስርሕ ምርጫ ኣካይዱ።

ስነ-ስርዓት ምርጫ ብደሞክራሲያዊ መንገዲ ምስ ተዛዘመ፣እቲ መስርሕ ከመይ ምንባሩ ንምግምጋምን ካብኡ ትምህርቲ ንምሕፋስን ንኣኬበኛታት ምሉእ ዕድል ተዋህበ፡፡ ኣኼበኛታት እቲ መስርሕ ምርጫ ብግሉጽን ደሞክራሲያውን ኣገባብ ምዝዛሙ ብድሕሪ ምግላጽ፡ እዚ መስርሕ’ዚ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ደሞክራሲያዊ መንገዲ ኣብ ምክታል ሓደ ስጉምቲ ንቅድሚት ምዃኑ መብርሂ ተዋሂቡ።  ኣብ መወዳእታ እቶም ዝተመረጹ ሽድሽተ ተወከልቲ ነበርቲ አዲስ ኣበባ ስለዝኾኑ ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ሃናጺ ሓሳባትን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝቐላጥፉ ሓሳባት ከቕርቡን፣ ብተገዳስነት ክሳተፉን ኣኼበኛታት ተላብዮም።

ስነ-ስርዓት መረጻ ሰዓት 2፡00 ድሕሪ ቀትሪ ዝጀመረ ሰዓት 7፡00 ኣጋ ምሸት ብዓወት ምዝዛሙ ኣቦ መንበር ሽማግለ ናን ሓበሬታን ተሓጋጋዚ ህዝባዊ ሽማግለ ኮምሽን ካብቲ ቦታ ጸብጺቡ፡፡

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!

ኣብ ኤርትራ ምልኪ ፈሪሱ ሕጊ ይንገስ!!
ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ - ጨንፈር አዲስ አበባን ከባቢኣን

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ
13 ጥቅምቲ 2011
 

Add comment

Security code
Refresh

ናዕታ

ካብ 24/1991 ጉምበት ክሳብ ሕጂ ጥሜት (ተሰፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ)

ሓቂ መሲሉና ብዕልልታ ተቐቢልና
ከም ጀጋኑ ሰቒልናዮም ኣብ ርእስና
ብሳላኹም ወጊሓ መሬት እናበልና
ሳዕሲዕና ጨፊርና ሓጎስና ገሊጽና
መላእ ኤርትራ ብሓጎስ ኣጥለቕሊቓ
ካብ ጫፍ ክሳብ ስግር ባሕሪ ኣፍሪቃ
ብዓለማ ተበሲራ ብተለፎን ጠዋዊቓ
ሰላም ኮይኑ ንግዜኡ ጸሓይና በሪቓ

Read more...

መንእሰይ! ተበገስ ( ረድኢ ክፍለ (ባሻይ))

ጅግንነትካ ዓለም ዘንፈጥፈጠ
ኣጻብዕካ ጥይት ዝሸምጠጠ
ፈሪሁዶ ‘ብለካ ዘይፈለጠ
ዘንጊዕካ’ምበር ብተመን ውሻጠ
ጎበዝ ንቐል ናባኻ’ዩ ውራይ
ኣብ ገዛእ ገዛኻስ ዳርጋ ክራይ
ህግደፍ ክኣስረካስ ትብል ሕራይ
ወድ መንከ ክትብሃል ዳሕራይ?

Read more...
More: