You are here: Home እዋናዊ ጋዜጣዊ መግለጺ መጸዋዕታ ንኤርትራዉያን ነበርቲ ዓዲ እንግሊዝን ካልኦት ሃገራት ኤዉሮጳን

መጸዋዕታ ንኤርትራዉያን ነበርቲ ዓዲ እንግሊዝን ካልኦት ሃገራት ኤዉሮጳን

E-mail Print Print

ብሰፊሑ ክግለጽ ከምዝጸንሐ፣ ኣብዚ ዝመጽእ ቀረባ ማዓልታት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ለንደን ፌስቲቫል ንምክያድ መዲቡ ኣሎ። ልክዕ እዩ ኣብ ስደት ዝነብር ህዝቢ ምስ ኣሕዋቱን ህዝቡን ዝእክቦ ባህላዊ ኣጋጣሚ ረኺቡ ክሳተፍ ምድላይ ነዉሪ ኣይኮነን። ብናይ ገለ ጥበበኛታት ኣዛራርባ ምስቲ ቅድሚ ናጽነት ኣብ ባዓል ቦለኛ ዝካየድ ዝነበረ ኣምሲልካ ምግላጹን፣ ንህጻናት ብፍላይ ናይ ሃገሮም ባህልን ታሪኽን ንምፍላጥ ከምዝሕግዝ ዝምጉቱ ዉን ኣይተሳእኑን።

ይኹን እምበር እቲ መንፈስን ዕላማን እዚ ፌስቲቫል ኣዝዩ ዝተፈልየ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ኣብቲ እዋን እቲ ኤርትራዉያን ናጻን ዲሞክራስያዊት ሃገር ካብ መግዛእቲ ደርግ ሓራ ንምዉጻእ ናይ ሓባር ዕላማ እዩ ነይርና። ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ብስም ህዝባዊ ግንባር መሬት ሓራ ዝገበረ ስርዓት፣ ብቅጽበት ስሙን ኣካይድኡን ብምቅያር ዓስቢ 65 ሽሕ ስዉኣትን፣ ብዋጋ ዘይግመት ገድሊ ወለዶታት፣ 19 ሽሕ ንምዉሓስ ዶባትን ዝተኸፍላ ኣገር፣ መላገጽን መባጨዉን ፍጹም ሓላፍነቱ ዝሳሓተ ዉልቀ መላኺ ወዲቃ፣ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ትርከብ ኣላ። ኣብዚ ቀረባ እዋን መራሒ እዚ ፋሉላዊ ስርዓት፣ ሃገር ናይ ዉልቀ ዋኒኑ ምዃኑ ንምርግጋጽ በቶም ዝገበርካ ግበር ረብሓና እምበር ሃገር ገደል ትእቶ ዝብልዎ መጣቓዕቲ ተታባቢዑ፣ ‘ፍረ ስዉኣት’ ኤርትራና ብዘይ ዝኾነ ኩንትራት ወይ ተሓታትነት ይገዝእ ከምዘሎ ብትዕቢት ተዛሪቡ።

ስለዚ ዝኾነ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣንፈቱን ዕላምኡን ለዊጡ ታሪኽና ታሪኽ ኤርትራዉያን ደዊኑ ዝርከብ ስርዓት ኣብ ዘካይዶ ፌስቲቫል ምስዕሳዕ ኣብ ልዕሊ ዉጽዕ ህዝብኻ ምሽክዕላል እዩ። ጻማ መሪር ገድልናን ከቢድ መስዋእትን ዉልቀ መላኺ ንምምጓስ ኣይነበረን። ካብ ከምዚ ዝኣመሰላ ናይ ጥልመት ጥምዙዝ ኣካይዳ፣ ህጻናት ዝማሃርዎ ታሪኽን ባህልን ኣሎ ዝብል ወላዲ ወይ ወላዲት እንተሎ ደጊሙ ክሓስብ ይግባእ። ኣቱም ኩሉ እትፈልጡ፣ ብፍላይ ድማ ክሳብ ትማሊ ግዳያት እዚ ፍትሒ ኣልቦ ስርዓት ዝነበርኩም መንእሰያት ኣንጻር እዚ ኣለኹ ንምባል ፍሒት ክብል ዝፍትን ዘሎ ስርዓት ድምጽኹም ንምስማዕ ክትስለፉ ሃገራዊ ግዴታኹም ከነዘኻኽረኩም ንደሊ።

እቲ ሃገርና ዘላቶ ህሞት ንኹሉ ዝተሰወረ ኣይኮነን። እዝኒ ዘለዎ ዝሰምዖ፣ ዓይኒ ዘለዎ ዝርእዮ ንጹር ናይ ጥፍኣት መድረኽ በጺሕና ንርከብ። ሎሚ ናይ ሕልና ዘለዎ ጽባሕ ካብ ዓሕ ዘጋላግል ዉሳኔ ንምዉሳድ፣ ኣብ መሳርዕ እቶም ብሓቦን ቖራጽነትን ተላዒሎም ዘለዉ፣ ወጽዓ ህዝቦም ዘሕምሞ፣ ክብሪ ዋጋ መስዋእትን ገድሊ ወሎዶታት ግምጃ ዉልቀ መለኽቲ ኮይኑ ከይተርፍ ንምግዳል ቆሪጾም ተላዒሎም ዘለዉ ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩም ትስርዕሉ ግዜ ኣኺሉ ኣሎ። ይኣክል ምልኪ፣ ተመለስ ፍትሒ ንምብለሉ እዋን ሕጂ እዩ።

ስለዝኾነ ኣዳራሽ ዓመጽቲ ከተማሙቕ ትሓስብ ዜጋ፣ ኣብኡ መንፈስ ስዉኣት ነዚ ዲና ተሰዊእና ይብለካ ከምዘሎ ዘክር። ደቂ ስዉኣትን ስድራቤት ሱውእን ብጥምየት ከብዶም ተጠልቂዑ፣ ራህዋ የቋምቱ ኣለዉ። እዋን ሳዕሳዒትን ዳንኬራን ኣይኮናን ዝለና፣ ከምዓሻ በጊዕ ንግዝያዊ ረብሓ ኣይንታለል። ምስ መንባዕቲ ኣዴታት ኤርትራን መጥፋእቲ መንእሰይ ሃገርን ኣይትወግን። ከምከብቲ ማይን ዓለቅትን ሓዊስካ ካብ ምስታይ ኣስተዉዕል።

ንሕና ኣባላት ዓለም ለኻዊ ምንቅስቃስ ኤርትራዉያን መንእሰያት ጨንፈር ሊድስ ኣባላትናን፣ ኩሉ ባዓል ንጹህ ሕልናን ካብ ከተማታት ሰሜን ዓዲ እንግሊዝ ተኣኪብና ፣ነዚ ሃገር እንዳ ኣባደመ ብሙዚቃን ፈንጠዝያን ዕሱባትን ድኹማት ሕልናን ሒዙ ኣለኹ ክብል ዝፍትን ዘሎ ስርዓት፣ ድምጺ ፍትሒ ካብ ድምጺ ዓመጽ ከምዘድሂ ከነስምዖ ተዳሊና ንርከብ። ኩሉ ብራህዋ ሃገሩን፣ መብጽዓ ስዉኣቱን ዝግደስ ዜጋ ኣብ መሳርዕና ክጽንበር ሃገራዊ ግዴትኡ ምዃኑ እንደ ኣዘኻኸርና ኣብቲ ናይ ተቃዉሞ ሰልፊ ክርከብ ብክብሪ ንዕድም።

ማሕበር ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቃስ መንእሰያት ኤርትራዉያን ጨንፈር ከተማ ሊድስ።

ፍትሒ ይንገስ፣ ምልኪ ይፍረስ።

This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it

17/10/2011

****************////***************

 

 

Add comment

Security code
Refresh

ናዕታ

ካብ 24/1991 ጉምበት ክሳብ ሕጂ ጥሜት (ተሰፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ)

ሓቂ መሲሉና ብዕልልታ ተቐቢልና
ከም ጀጋኑ ሰቒልናዮም ኣብ ርእስና
ብሳላኹም ወጊሓ መሬት እናበልና
ሳዕሲዕና ጨፊርና ሓጎስና ገሊጽና
መላእ ኤርትራ ብሓጎስ ኣጥለቕሊቓ
ካብ ጫፍ ክሳብ ስግር ባሕሪ ኣፍሪቃ
ብዓለማ ተበሲራ ብተለፎን ጠዋዊቓ
ሰላም ኮይኑ ንግዜኡ ጸሓይና በሪቓ

Read more...

መንእሰይ! ተበገስ ( ረድኢ ክፍለ (ባሻይ))

ጅግንነትካ ዓለም ዘንፈጥፈጠ
ኣጻብዕካ ጥይት ዝሸምጠጠ
ፈሪሁዶ ‘ብለካ ዘይፈለጠ
ዘንጊዕካ’ምበር ብተመን ውሻጠ
ጎበዝ ንቐል ናባኻ’ዩ ውራይ
ኣብ ገዛእ ገዛኻስ ዳርጋ ክራይ
ህግደፍ ክኣስረካስ ትብል ሕራይ
ወድ መንከ ክትብሃል ዳሕራይ?

Read more...
More: