Banner
You are here: Home እዋናዊ ጋዜጣዊ መግለጺ መጠንቀቕታ 3 ዓኮስኤ (ICER)

መጠንቀቕታ 3 ዓኮስኤ (ICER)

E-mail Print Print

ኩነታት ስደተኛታት ኤርትራ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እንገደደ ይኸይድ ምህላዉ ካብ ዉሑዳት ሰባት ጥራይ ዝተሰወረ ኢዩ እንተበልና ኣየጋነናን። መጀመርያ ንስደት ዘምርሕ ዘሎ መንእሰይ ካብ ዝብኢ ዓደይ ዝብኢ እንዳማተይ ይብልዓኒ ዝብል ዘሎ ይመስል። እዚ ተገላቢጦሽ ብሂል  ናይ ቅብጸት መንፈስ ዘመልክት ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ዘርኢ ዝተወርሰ ነፍሲ ቅትለት ዝተጸናወቶ ፍጡር ዝኽተሎ  ኣገባብ ይመስል። ስደተኛ ኤርትራ ዘጋንፎ ዘሎ ዘይሰብአዊ  ፍጻሜታት ብሁድእ ዓቕሉ ምስ ዘስተንትኖ ምርጫ ከም ዘለዎ ክግንዘብ ምኸአለ ኔሩ ንብል። እቲ ካብ ምርጫታት ሓደ ጌርና እንእምቶ ድማ ኣብ ሃገርካ ሽልብግልብ እንዳበልካ ንበር ዘይኮነስ፡ መሬት ክሳብ ዝወግሕ ሂወትካ ዓቂብካ እትነብረሉ ኣብቲ ብስምካ ኣብ እተዳለወ መዕቆቢ ስደተኛታት ዓቕሊ ጌርካ ምጽናሕ ኢዩ። ካብ መዕቆቢ ስደተኛታት ውን ተዘሪፍካ ከም ጤለበጊዕ ክትሽየጠሉ ዝማህመነ ዕድል ዘለዎ ቦታ ምምራጽ ናትካ ግደ ኢዩ። ንአብነት ናብርኡ ሑሱም እኳ እንተኾነ ኣብቲ ከም ቃንጢሻ ዝብቁል ዘሎ ስደተኛታት ካምፕ ኢትዮጵያ ዝሓሸ ኢዩ ንብል።

ካብ ሃገርካ ምስ ወጻእካ ዘሎ ሽግር ምስቲ ናይ ይምሰል ናብራ እስራኤል ይኾን ካልእ ቦታት ዝወዳደር ኣይኮነን። ቲ-ሸርት ለቢሶም ኣብ ደንደስ መኪና ተሳኢሎም ዓወቶም ንምብሻር ብዝፍንውዎ ናይ ሓሶት ዘመተ ከትታለል ኣይግብአካን። የግዳስ ነታ ናይ ካሊኢት ዝና ንምትራፍ ኣብ ዝግበር ናይ ይምሰል ዘመተ ንምንጽብራቕ ዝአክል፡ ነቲ ዘጋነፎም ሰብአዊ ግህሰትን፣ ከምጨጋዕ  ኣድጊ ዝተቐጥቐጥዎ ማህረምትን፣ ዝለመሸ ኣካላቶምን ዝሕደርዎ ዓባይ ስዓልን ከም ሕልሚ ደርሆ ቆጺሮም ይሓልፍዎ። ይርሳዕ ድማ።

ክንደይ መንእሰይ ኢዩ ብግብፃውያን ናይ ዶብ ሓለውቲ ተረሺኑ ዘይሞተ፣ ክንደይ ደቂ ኣንስትዮ ኢየን’ከ መላገጫ ሱዳንን በደውይንን ዘይኮና፣ ክንደይ ብሽሓኒ ምሕጻብን ታክሲ ምዝዋርን ዝመሓደር ኣብ ወጺኢ ዘሎ ዜጋ ንጁባ ሸፋቱ ንምስሳን  ናብራኡ ዘርሚዘርሞ ዘይተረፈ። እዚ ስዉር ስንብራት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ከም ዝለሓመ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

እቲ ኣዝዩ ዘስደምም ድማ ከምቲ ብ 17 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ናይ ባሮት ሃድን ኣብ ቅድሚ ዓይንና ምፍጻሙ ኢዩ። ቕድሚ ሕጂ ከምዝገለጽናዮ ካብ ናይ ሱዳን ስደተኛታት ካምፕ ብዝተፈላልዩ መንግድታት ክሳብ ሽንቲ ማይ ክኽዕዋ ንዝወጻ ደቂ ኣንስትዮ ጠልፎም ኣብ ባርነት ከምዝእተወውን ንዝክር። ደቂ ተብዕትዮ እንተኾኑውን ስራሕ ክንህበኩም ብዝብል ምስምስ ሓቢሎም ኣደዳ ናውቲ ስውነቶም ኣብ ምሽጥ ኣውዒሎምዎም። ብዙሓት በዚ ጠንቂ’ዚ ሂወቶም ከምዝሓለፈ ጋዜጣታትን ተለቪዝናት ፈረንጅን ከቃልሕኦ ሓገየን ኢየን።  እዚ ከይአክል ድማ ክልተ ሰሞን ይገበር ንሰምዒ ብዘደንጹ ኣብ ልዕሊ 15 ኤርትራውያን ኣብ ሱዳን ዝተገብረ ፍጻሜታት ኢዩ። ዘረፋ ካብ ሱዳን ጥራይ ዘይኮነስ ሑሉፍ ሓሊፉ ካብ ውሽጢ ሃገር ምፍጻሙ ኢዩ ዝደንቀና።

3 ኤርትራውያን ኣብ ከባቢ ጉሉጅ ኣብ ዝርከብ ዓበይቲ ሕርሻታት ክሰርሑ ምስ ሓገዩ ብረሻይዳ ይኹን ብተሓባበርቶም ተጠሊፎም ኣብ መሬት ሱዳን ኣተዉ። ካብአቶም  ሓደ ሽምግል ዝበለ ኮይኑ ኣቦ 8 ቖሉዑ ምንባሩ ሜሮን እስቲፋኖስ ብተለፎን ኣዘራሪባ ክትርድእ ኪኢላ ኣላ። እቶም ዘይጠርጠርቲ ለዋሃት 12 ድማ ዶብ ጢሒሶም ኣብ መጀመርያ እትርከብ ኑቕጣ ሱዳን ኢዶም ሃቡ። ከምቲ ጉብእ ድማ እቶም ሓለውቲ ዶብ ሱዳን ክንዲ ናብ ስደተኛታት ካምፕ ከዕቆቡ ዝሕብርዎም፡ ንጠለፍቲ ጸዊዖም ዋጋ ዕዳጋ ገበርሎም። ጠለፍቲ ከአ 3000 ዶላር ሕጂ ትኸፍሉ ንእስራኤል ከነሳግረኩም በልዎም። ግዳያት ድማ ንእስራኤል ንምኻድ ውጥን ከምዘይብሎም ግንከስ ናብ ስደተኛታት ካምፕ ክኸዱ ከምዝደልዩ ገሊጾምሎም ከብቅዑ ካብዚ ሰዓት’ዚ ሹዩጣት ምዃኖም ክሳብ እቲ ዝተሰለዓሎም ገንዘብ ዝኸፍሉ ድማ ነጻነቶም ተሓሪምዎም ከምዝጸንሕ ኣርድእዎም። ካብቶም 12 ሓደ ኣብ ቀረባ ዝጸንሔ ምስኪን ፍጡር ድማ ብአን ብአን ሂወቱ ሓለፈት።

እዚ ምሕጽንታ’ዚ ነቶም ብዓቕሊ ጽበት አዕሚቖም ከይሓስቡ አእምሮኦም ብጻዕዳ ዓለባ ተጋሪዱ ዝርከብ ደቂሰባትን፡ እቶም ብዘይሓሰብካዮ ኣይመርገም ኣይምርቓ ግዳይ ኮይኖም ዝርከቡ ፉሉያት ሰባትን፣ እቶም ካብ ዘይብሎም ጮቖቕ ኢሎም ብዘይዊኖኦም መሻርኽቲ ሸፋቱ ዝኾኑ ሪሂጸ በላዓት ኤርቶ-ኣመሪካን ኤውሮጵን ካብ ድርጊቶም ክቑጠቡ ከምኡውን ሰበሰልጣን ኤርትራ ነዚ ኣብ ኣፍንጮም ዝፍጸም ተግባራት ያዕ ንምባል ብሁቡብ ክሳታፉ ስለ ሕዝቢ፡ ስለ እታ ንሓምሳ ዓመት ወላድ መካን ዝኾነት ኣደ፡ ስለ ሃገራዊ ምኬሔ ንሓትት።

 

ዓኮስኤ(ICER)

 

 

Add comment

Security code
Refresh

Banner

ናዕታ

ካብ 24/1991 ጉምበት ክሳብ ሕጂ ጥሜት (ተሰፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ)

ሓቂ መሲሉና ብዕልልታ ተቐቢልና
ከም ጀጋኑ ሰቒልናዮም ኣብ ርእስና
ብሳላኹም ወጊሓ መሬት እናበልና
ሳዕሲዕና ጨፊርና ሓጎስና ገሊጽና
መላእ ኤርትራ ብሓጎስ ኣጥለቕሊቓ
ካብ ጫፍ ክሳብ ስግር ባሕሪ ኣፍሪቃ
ብዓለማ ተበሲራ ብተለፎን ጠዋዊቓ
ሰላም ኮይኑ ንግዜኡ ጸሓይና በሪቓ

Read more...

መንእሰይ! ተበገስ ( ረድኢ ክፍለ (ባሻይ))

ጅግንነትካ ዓለም ዘንፈጥፈጠ
ኣጻብዕካ ጥይት ዝሸምጠጠ
ፈሪሁዶ ‘ብለካ ዘይፈለጠ
ዘንጊዕካ’ምበር ብተመን ውሻጠ
ጎበዝ ንቐል ናባኻ’ዩ ውራይ
ኣብ ገዛእ ገዛኻስ ዳርጋ ክራይ
ህግደፍ ክኣስረካስ ትብል ሕራይ
ወድ መንከ ክትብሃል ዳሕራይ?

Read more...
More: