You are here: Home እዋናዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ረዚን መተሓሳሰቢ ንህዝቢ ጽንዓደግለን ጣሩዓን!

ረዚን መተሓሳሰቢ ንህዝቢ ጽንዓደግለን ጣሩዓን!

E-mail Print PDF

መንግስቲ ኤርትራ፡ ብወገን ሩባ ሓዳስን ከባቢኡን ብሕሱም ግዝኣት ህግደፍ ዓቕሎም ብዝጸንቀቑ ሃገራውያን ዝተወለዓሉ ብረታዊ ቃልሲ ንምግታእ፡ ንህዝቢ ብህዝቢ ንምጥፋእ ዝዓነዉ ግዝኣታት ባዕዲ ዝተጠቕሙሉ “ፈላሊኻ ግዛእ’’ ዝብል ዝኣረገ ሜላ ብምጥቃም፡ እንተኾይንሉ ሕጂ'ውን ንህዝቢ ጽንዓደግለን ጣሩዓን ንምፍላስ ብምሕላን፡ ብደቂ ጣሩዓ ዝተፈጸመ ብዝመስል መንገዲ፡ ተወልደብርሃን ተስፋይ ንዝተባህለ ወዲ 25 ዓመት መንእሰይ ብዘዝካክሕ ኣገባብ ዳቡራ ኣብ ዝተባህለ ቦታ፡ ብ15 መስከረም ከምዝቐተሎ ካብቲ ቦታ ተገሊጹ።

እዚ ዘስካሕክሕ ፍጻሜ'ዚ፡ መንግስቲ ኤርትራ ህዝቢ ብመሰረታዊ ሽግራቱ ተወጢሩ ንለውጢ ብሓባር ንከይወፍር ኣብ ሞንጎኡ ዝጠፍአ ሓዊ ብምቑስቋስ ብሓድነት ንኸይምክት ኣቓልቡኡ ንምእላይ ዝወሰዶ ናይ ቀቢጸ-ተስፋ ኣነዋሪ ተግባር ኢዩ። ህዝብታት ጽንዓደግለን ጣሩዓን ነዚ ኣስተውዒሎም ካብ ሕድሕድ ምፍሳስ ደም ክጥንቀቑ ንምሕጸንን ረዚን ምሕጽንታ ነቕርብን።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ መፍቶ ናይዚ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ኣጸቢቑ ዘግሃደ፤ ንኤርትራን ንህዝባን ከጽንት ዝተዓጥቀ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ምዃን ክጥንቀቕን ከስተውዕልን ነተሓሳስብ። ጉጅለ ህግደፍ፡ ዋላ’ኳ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንተግባራቱ ብቐረባ ስለዝከታተሎ እንተዘይተዓሸወሉ፤ ኣብ ወጻኢ ሃገራት፡ ብውሽጠ-ውሽጢ ሃሱሳቱ ብምውፋር፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን፡ ኣውራጃዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ቀቢላውን እንዳውን ዘይነበረ ጽልኢ ብምስዋር ኣብ መንጎ ኣሕዋት ጽልእን ምጥርጣርን ንኸስፍን ይጽዕር ከምዘሎ ኩሉ መስተውዓሊ ዝፈልጦ ኢዩ።

 

Add comment

Security code
Refresh

Banner

ናዕታ

ክንድ ሽሕ ክልተ (ካብ ኣባል ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ጨንፈር ጀርመን)

ክንድ ሽሕ ክልተ

ሓደ ሓደ ኣሎዋ ዝዓበዳ
ምስ ቆረባ መሊሰን ዝገዳ፣ ካብ ሳጥናኤል ንሰን ዝገደዳ

 

ንእሱራት ስጉምቲ ዝወስዳ

 

ኣበይ ነርኩም ጳጳስ ክእሰሩ?ብዘይ ስዋ ተስካር ተተግቢሩካልእ ጊዜ ከምኡ ከይትገብሩ?መራሕቲ ሃይማኖት ኢኹም ብሓጺሩ።

 

 

Read more...

ደሮና (ሰሎሞን ብርሃነ ሠንጋል - ሕልና )

ደሮና

ተስፋ አሎ ግን ዝወሃብ
ብመራሒ ደሮና ዝጋልብ
ህዝቢ ሬሳ ዓዱ ክስሕብ
ሰዓብቲ ደሮና ክኣኻኽብ
ብሽም ውጹዓት ክንግድ
ብልሙሳት ምዉታት ክዛረብ
ደሮና ተበቲኑ ኣብ ዓለም።

 

 

Read more...
More:

ምልክታ ንተሳተፍቲ

ብተክኒካዊ ምኽንያታት ተቋሪጹ ዝጸንሐ ናይ ትግርኛ ገጽ፡ ደጊም ጀሚሩ ከምዘሎ ብሓጎስ ነበስር። ኣብ’ዚ ገጽ እዚ ክወጻልኩም እትደልይዎ ጽሑፋት ብኢመይል tigarticles@delina.org ልኣኹልና። ቅድሚ ሕጂ በቲ ናይ ቀደም ኣድራሻ ዝሰደድኩሞ እሞ ዘይወጸ ጽሑፋት እንተልዩ እውን፡ በዚ ዝተጠቕሰ ሓድሽ ኣድራሻ-ኢመይል ደጊምኩም ክትሰድዎ ከምእትኸሉ ነዘኻኽር።

መርሓ ሕንጻጽ (Submission Guidelines)
የቐንየልና... ኣዝማሪኖ

The Graffiti Wars

ዋዛ

“ወያነ ሕማም መንሽሮ ቀርኒ ኣፍሪቃ” ጭርሖ 22 ለካቲት (ዋዛ ድያስፖራ )

“ወያነ ሕማም መንሽሮ ቀርኒ ኣፍሪቃ” ጭርሖ 22 ለካቲት

ናይዚ ጭርሖ ኣብ ጽርግያ ኣሜሪካ ምውጽኡ፣ ከም ሰናይ ተረኽቦ ከምዝርእይዎ ነጊሮም። ምኽንያቱ ነቲ ኣብ መንጎ ህ.ወ.ሓ.ት.ን ህ.ግ.ሓ.ኤ.ን ዝነበረ ዝምድናን ታሪኽን ከጥፍእን ክሓብእን ንዝውዕል ዘሎ ናይ ሎሚ ህ.ግ.ደ.ፍ.፤ ናይ መብራህቲ ማዕጾ ዝፍንትት ፍጻመ እዩ። እቲ “መንሽሮ” ኢሎም ሓደ ፍሉይ ሕማም ምጥቃሶም ድማ፣ በዚ ሕማም እዚ ዝሳቐ ዘሎ ኣባል ሕዝቢ ዓለም ቆላሕታን ኣድህቦን ጥራሕ ዘይኮነ፣ ነዚ ሕማም ንምፍዋስን ካብ ዓለም ጠሪሱ ንኽጠፍእ ዝግበር ዘሎ ጻዕርን ንኽጋለጽ ኣኽኢሉ ኣሎ ክብሉ ብተወሳኺ ሓቢሮም።

 

 

Read more...

ኣምባሳደራት ስራሕ ሲኢኖም፤ ኣየ እገዳ! (ዋዛ ድያስፖራ)

ኣምባሳደራት ስራሕ ሲኢኖም፤ ኣየ እገዳ!

 

ኣውስትራልያ እገዳ ድሕሪ ምትግባራ፣ ናይ ኤርትራ ኣምባሳደር ኣብ ኣውስትራልያ ዓንደኣብ ገብረመስቀል ብዛዕባ ወግዓዊ ስርሑ ስለዝተሻቐለ ተመዂሮ ድሕረ እገዳ ናብራ ከመይ ምዃኑን ብኸመይ ክብድሆ ንክፈልጥ፣ ንኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ብሩሰልስ ደዊሉ ኣዘራሪብዎ።

 

 

Read more...

"ዓሻ ድየ* ሕቡራት መንግስታት!!!" (ዋዛ ድያስፖራ)

*እዚ ካብ ብግዜ ደርጊ ንሓደ ሓረስታይ ክልተ ጦር ሰራዊት ኣብ ግራቱ ኣትዮም። ንስኻ ኤርትራዶ ትሕሸካ ኢትዮጵያ ኢሎም ምስሓተትዎ “ዓሻ ድየ በራኺ፤ ኢትዮጵያ እባ” ክብል መሊሱ ዝብል ካርቱን ዋዛ ካብ ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ. መጽሔት እዩ ተዘኪሩን ቁሩብ ናብ 2010 ተወሲዱን።

 

 

Read more...

"ንዓድኹም ክንመልሰኩም .." (ዓብለሎም )

“እገዳ ብፍላይ ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝምልከት ክንሱ፣ ንዖዖም ደጊፍኩም ካብ መጻእኩም ኩሉኹም ኣብዚ ዘለኹም ንዓድኹም ክንመልሰኩም ፍቓደኛታት ምዃንኩም ኢኹም ትሕብሩና ዘለኹም”።

Read more...

ቲንታ፤ 90% ናይ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ሸርፊ (ዋዛ #87)

ቲንታ፤ 90% ናይ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ናይ ሓደስቲ
ዝሓብእ ኢንታ
ተገዚኡ ቲንታ
ካብ ቻይና ድዩ ኣትላንታ
ገለ ኣላታ Read more...