Banner
You are here: Home እዋናዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ፖለቲካዊ ዘተ ምስ መሪሕነት ዲሞክራሳዊ ግንባር ብሄራት ኤርትራ (ዲግብኤ)

ፖለቲካዊ ዘተ ምስ መሪሕነት ዲሞክራሳዊ ግንባር ብሄራት ኤርትራ (ዲግብኤ)

E-mail Print PDF
አገዳሲ ህዝባዊ ሓቤረታ…! ምሸት ፖለቲካዊ ዘተ ምስ መሪሒነት ዲሞክራዊ ግንባር ብሄራት ኤርትራ (ዲግብኤ)፤
ኽቡራት ኣሕዋት ተጋደልቲ ኣቶ ቀርነሊዮስ ዑስማንን ኣቶ መሓመድ መዓርን።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ደቂ ሃገር፡ ብቀዳምነት ልባዊ ሰላምታና ይብጻሕኩም። 

ቀጺልና ደጊም፡ ንልሙድ መደብና መሰረት ብምግባር፡ እንሆ ንቀዳም ዕለት 31.10.2009 ዓ.ም.ፈ (October, 31, 2009)፣ ንኽቡራት ኣሕዋት ተጋደልቲ ኣቶ ቐርነሊዮስ ዑስማንን ኣቶ መሓመድ መዓርን፣ ኣጋይሽ ናይ ኣዳራሽ ኤርትራውያን ንሓይልን ሕብረትን ተቓውሞ “(Eritrean room for strong and united opposition)“ ኮይኖም ከመሲዩ ዓዲምናዮም አሎና። እዚ ናይ ዘተ መድርኽና (Chat-Room) ዝኽፈተሉ ግዜ፤ ብናይ ብርሊን (Berlin) አቖጻጽራ፡ ሰዓት 20፡00 እዩ፡፡ መደረ ጋሻና ዝጅመረሉ እዋን ካአ፡ ሰዓት 21፡00 ክኸውን እንከሎ፡ ዘተ ምስ ኣጋይሽና ዘብቃዓሉ እዋን ካአ፡ ከባቢ ሰዓት 01፡00 ክኸውን እዩ። ድሕሪ’ዚ ካአ ኣጋይሽና ግዜ ሃሊይዎም፡ ፍቃደኛታት እንተ ኾይኖም፡ አብ ለበዋ፤ ርእይቶ፤ ነቐፈታ፤ …ወዘተ… ክንአቱ ኢና። 

ኽቡራትን ኽቡራንን፡ አሕዋትን አሓትን ደቂ ሃገር፡ መዛተይ ኣርእስትና ቅድሚ ብዝርዝር ምጽሓፍና፡ ሓቤረታና ምልኡንት ክህልዎ ምእንቲ፡ ሕጽር ዝበለ መግለጺ እንታውነት ኣጋይሽና፡ ክንህብ አንበብቲ ሓቤሬታና ክትጻወሩና ብትሕትና ንምሕጸን፡፡ ክቡራት ኣሕዋት ተጋድልቲ ኣቶ ቐርነሎዮስ ዑስማንን ኣቶ መሓመድ መዓርን  ከም ናይ ሕልንኦም ሞራሎም ግዙኣት፣ ከምኡ’ውን፡ ረብሓ ብዙሓት፡ ቅድሚ ውልቃዊ ረብሕኦም ዘቐድሙ፣ መጠን፡ ህዝብና መሰረታዊ ሰብአዊ መሰሉ አብ ትሕቲ ግዝአት ሕጊ ክረጋገጽን ክኸብርን፣ ምእንቲ፡ ሂዋቶምን ግዜኦምን ዓቕሞምን ከይበቐቑ፡ ተቃሊሶም ዘቃልሱ ዘለዉ ብሉጻት ደቂ ሃገር እዮም፡፡ ኽቡር ሓዉ ተጋዳላይ ቐርነሊዮስ ዑስማን ኣቦ-ወንበር ዲሞክራሳያዊ ምነቅስቃስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ(ዲምሓኩኤ)፡ ምክትል አቦ-ወንበር ዲግብኤ፤ ከምእዉን ሃላፊ ክፍሊ ዜና ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን (ኤዲኪ) ክኸዉን ከሎ። ኽቡር ሓዉ ተጋዳላይ መሓመድ መዓር ከኣ አባል ፈጻሚት ሽማግለ ዲሞክራሳዊ ውድብ ዓፋር ቀይህ ባሕሪ (ዲውቀዓባ)-ን ምክትል አቦ-ወንበር ናይ ውዳባን ወጻኢ ዝምድናታት ዲግብኤ ኢዩ። እዞም ብዝለዓለ ደረጃ ተቃሊሶም ዘቃልሱ ዘለዉ ብሉጻት ተጋደልቲ ንዕለት 31. 10. 2009፡ ምስ ህዝቢ ክዛተይሎም ሒዞምና ዝቐርቡ ዛዕባታት፡ ኣብ ሰለስተ አርእስቲ ዘቶኮሩ እዮም። ንሳቶም ካኣ ከምዚ ዝስዕብ ይመስሉ። 

ልላ ምስ ዲሞክራሲያዊ ግንባር ብሄራት ኤርትራ (ዲግብኤ)።
ግደን ኣረዳድኣን ዲግብኤ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ።
ሓቤረታ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ክውንነት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳንን ተቓዉሞ ደንበ ኤርትራን።
 
ስለዚ፡ ክቡራትን ክቡራንን፡ አሕዋትን አሓትን ደቂ ሃገር፡ ከምዚ ዝአመሰለ፡ ብጣዕሚ እዋናውን ኣገዳሲ ዝኾነ፤ ንኽውንነት ኣግባብ ኣቃላልሳ ተቓውሞ ደንበ ዘንጻባርቕ፤ ዛዕባታት፡ ዘተ ምስ ኣሕዋት ተጋደልቲ ኣቶ ቐርነሊዮስ ዑስማንን ኣቶ መሓመድ መዓርን፡ ከይሓልፈኩም/ክን፡ ተኻፈልቲ ናይዚ ምሸት እዚ ኮይንኩም/ክን ምሳና ክተምስዩ/ያ፡ ብኽብሪ ንዕድም፡፡ 

ብዳሓን ምጽኡ/ኣ …!!! 

ካብ ኤርትራውያን፡ አባላት ናይ ዝተፈላለያ ውድባት/ሰልፍታት፤ በርገሳዊ ማሕበራት፤ ብውልቀ ተቓወምቲ፤ አብ መራኸቢ ብዙሓን፡ ፓልቶክ (Paltalk)፡ ብዛዕባ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን፣ ከምኡ’ውን ብአግባብ አቃላልሳናን አቓውማናን፡ እንማያየጥን እንዛተን ደቂ ሃገር፡፡ This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it

 

Comments  

 
0 #2 lukas 2010-03-07 11:57
selam brukat ahwatey kemey alekum
Quote
 
 
0 #1 lukas 2010-03-07 11:56
hay
Quote
 

Add comment

Security code
Refresh

ናዕታ

ክንድ ሽሕ ክልተ (ካብ ኣባል ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ጨንፈር ጀርመን)

ክንድ ሽሕ ክልተ

ሓደ ሓደ ኣሎዋ ዝዓበዳ
ምስ ቆረባ መሊሰን ዝገዳ፣ ካብ ሳጥናኤል ንሰን ዝገደዳ

 

ንእሱራት ስጉምቲ ዝወስዳ

 

ኣበይ ነርኩም ጳጳስ ክእሰሩ?ብዘይ ስዋ ተስካር ተተግቢሩካልእ ጊዜ ከምኡ ከይትገብሩ?መራሕቲ ሃይማኖት ኢኹም ብሓጺሩ።

 

 

Read more...

ደሮና (ሰሎሞን ብርሃነ ሠንጋል - ሕልና )

ደሮና

ተስፋ አሎ ግን ዝወሃብ
ብመራሒ ደሮና ዝጋልብ
ህዝቢ ሬሳ ዓዱ ክስሕብ
ሰዓብቲ ደሮና ክኣኻኽብ
ብሽም ውጹዓት ክንግድ
ብልሙሳት ምዉታት ክዛረብ
ደሮና ተበቲኑ ኣብ ዓለም።

 

 

Read more...
More:

ምልክታ ንተሳተፍቲ

ብተክኒካዊ ምኽንያታት ተቋሪጹ ዝጸንሐ ናይ ትግርኛ ገጽ፡ ደጊም ጀሚሩ ከምዘሎ ብሓጎስ ነበስር። ኣብ’ዚ ገጽ እዚ ክወጻልኩም እትደልይዎ ጽሑፋት ብኢመይል tigarticles@delina.org ልኣኹልና። ቅድሚ ሕጂ በቲ ናይ ቀደም ኣድራሻ ዝሰደድኩሞ እሞ ዘይወጸ ጽሑፋት እንተልዩ እውን፡ በዚ ዝተጠቕሰ ሓድሽ ኣድራሻ-ኢመይል ደጊምኩም ክትሰድዎ ከምእትኸሉ ነዘኻኽር።

መርሓ ሕንጻጽ (Submission Guidelines)
የቐንየልና... ኣዝማሪኖ

The Graffiti Wars

ዋዛ

“ወያነ ሕማም መንሽሮ ቀርኒ ኣፍሪቃ” ጭርሖ 22 ለካቲት (ዋዛ ድያስፖራ )

“ወያነ ሕማም መንሽሮ ቀርኒ ኣፍሪቃ” ጭርሖ 22 ለካቲት

ናይዚ ጭርሖ ኣብ ጽርግያ ኣሜሪካ ምውጽኡ፣ ከም ሰናይ ተረኽቦ ከምዝርእይዎ ነጊሮም። ምኽንያቱ ነቲ ኣብ መንጎ ህ.ወ.ሓ.ት.ን ህ.ግ.ሓ.ኤ.ን ዝነበረ ዝምድናን ታሪኽን ከጥፍእን ክሓብእን ንዝውዕል ዘሎ ናይ ሎሚ ህ.ግ.ደ.ፍ.፤ ናይ መብራህቲ ማዕጾ ዝፍንትት ፍጻመ እዩ። እቲ “መንሽሮ” ኢሎም ሓደ ፍሉይ ሕማም ምጥቃሶም ድማ፣ በዚ ሕማም እዚ ዝሳቐ ዘሎ ኣባል ሕዝቢ ዓለም ቆላሕታን ኣድህቦን ጥራሕ ዘይኮነ፣ ነዚ ሕማም ንምፍዋስን ካብ ዓለም ጠሪሱ ንኽጠፍእ ዝግበር ዘሎ ጻዕርን ንኽጋለጽ ኣኽኢሉ ኣሎ ክብሉ ብተወሳኺ ሓቢሮም።

 

 

Read more...

ኣምባሳደራት ስራሕ ሲኢኖም፤ ኣየ እገዳ! (ዋዛ ድያስፖራ)

ኣምባሳደራት ስራሕ ሲኢኖም፤ ኣየ እገዳ!

 

ኣውስትራልያ እገዳ ድሕሪ ምትግባራ፣ ናይ ኤርትራ ኣምባሳደር ኣብ ኣውስትራልያ ዓንደኣብ ገብረመስቀል ብዛዕባ ወግዓዊ ስርሑ ስለዝተሻቐለ ተመዂሮ ድሕረ እገዳ ናብራ ከመይ ምዃኑን ብኸመይ ክብድሆ ንክፈልጥ፣ ንኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ብሩሰልስ ደዊሉ ኣዘራሪብዎ።

 

 

Read more...

"ዓሻ ድየ* ሕቡራት መንግስታት!!!" (ዋዛ ድያስፖራ)

*እዚ ካብ ብግዜ ደርጊ ንሓደ ሓረስታይ ክልተ ጦር ሰራዊት ኣብ ግራቱ ኣትዮም። ንስኻ ኤርትራዶ ትሕሸካ ኢትዮጵያ ኢሎም ምስሓተትዎ “ዓሻ ድየ በራኺ፤ ኢትዮጵያ እባ” ክብል መሊሱ ዝብል ካርቱን ዋዛ ካብ ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ. መጽሔት እዩ ተዘኪሩን ቁሩብ ናብ 2010 ተወሲዱን።

 

 

Read more...

"ንዓድኹም ክንመልሰኩም .." (ዓብለሎም )

“እገዳ ብፍላይ ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝምልከት ክንሱ፣ ንዖዖም ደጊፍኩም ካብ መጻእኩም ኩሉኹም ኣብዚ ዘለኹም ንዓድኹም ክንመልሰኩም ፍቓደኛታት ምዃንኩም ኢኹም ትሕብሩና ዘለኹም”።

Read more...

ቲንታ፤ 90% ናይ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ሸርፊ (ዋዛ #87)

ቲንታ፤ 90% ናይ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ናይ ሓደስቲ
ዝሓብእ ኢንታ
ተገዚኡ ቲንታ
ካብ ቻይና ድዩ ኣትላንታ
ገለ ኣላታ Read more...